ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንመዘከርታ ትኹነልኩም’

‘ንመዘከርታ ትኹነልኩም’

“እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብዕልዋ።”—ዘጸ. 12:14

1, 2. ንዅሎም ክርስትያናት ዜገድስ በዓል እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

ብዛዕባ በዓል ክትሓስብ ከለኻ፡ መጀመርታ ኣብ ኣእምሮኻ ዚመጸካ እንታይ እዩ፧ ሓደ ብዓል ሓዳር፡ “መዓልቲ መርዓይ ዜኽብረላ ዕለት” ይብል ይኸውን። ገሊኣቶም ከኣ፡ ህቡብ ዝዀነ ታሪኻዊ በዓል ዚኽበረሉ ዕለት፡ ንኣብነት፡ ሃገሮም ናጻ ዝወጻትሉ ዕለት ይጠቕሱ ይዀኑ። ግናኸ፡ ንልዕሊ 3,500 ዓመት ኪብዓል ዝጸንሐ ብደረጃ ህዝቢ ዚብዓል በዓል ከም ዘሎኸ ትፈልጥዶ፧

2 እዚ በዓል እዚ፡ ፋስጋ ይብሃል። ነቲ ጥንታውያን እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዚወጽእሉ እዋን ከኣ እዩ ዜመልክት። እዚ ንዓኻ እውን ኬገድሰካ ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምስ ገሊኡ ኣገዳሲ መዳያት ህይወትካ እተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ እዩ። ግናኸ፡ ‘ኣይሁድ ፋስጋ ዜብዕሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣነ ግና ኣይሁዳዊ ኣይኰንኩን። ነዚ ዓመታዊ በዓል እዚ ደኣ እሞ ንምንታይ እየ ዝግደሰሉ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መልሱ፡ “ክርስቶስ እቲ ፋስጋና ተሰዊኡ እዩ” ኣብ ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ እዩ። (1 ቈረ. 5:7) ንትርጕም እዘን ቃላት እዚአን ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ብዛዕባ እቲ ኣይሁዳውያን ዜኽብርዎ በዓል ፋስጋ ኽንፈልጥን ብመሰረት እቲ ንዅሎም ክርስትያናት እተዋህቦም ትእዛዝ ክንምርምሮን የድልየና።

ፋስጋ ንምንታይ ኣድለየ፧

3, 4. ድሕረ ባይታ እቲ ናይ መጀመርታ ፋስጋ እንታይ እዩ ነይሩ፧

3 ኣይሁድ ዘይኰኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ፋስጋ ዚብሃል ዝነበረ በዓል እተወሰነ ፍልጠት ኣለዎም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብዛዕባኡ ኣብ ዘጸኣት ኣንቢቦም፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ታሪኽ ሰሚዖም፡ ወይ ኣብቲ ፍጻመ እቲ ዘተኰረ ፊልም ርእዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

4 እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ንሓያሎ ዓመታት ባሮት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ የሆዋ ንሙሴን ንሓዉ ኣሮንን ናብ ፈርኦን ከይዶም፡ ንህዝቡ ኻብ ባርነት ሓራ ኼውጽኦም ኪሓትትዎ ለኣኾም። እቲ ዕቡይ ግብጻዊ ገዛኢ ንእስራኤላውያን ኪኸዱ ስለ ዘይፈቐደሎም፡ የሆዋ ነታ ሃገር ብተኸታታሊ መዓት ወቕዓ። ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ፡ ዓስራይ መዓት ብምስዳድ፡ በዅራት ግብጻውያን ከም ዝሞቱ ገበረ።—ዘጸ. 1:11፣ 3:9, 10፣ 5:1, 2፣ 11:1, 5

5. እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ንኺወጹ፡ ኣቐዲሞም እንታይ ኪገብሩ እዩ ተነጊርዎም ነይሩ፧ (ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ ርአ።)

5 ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ሓራ ቕድሚ ምውጻኦም እንታይ እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧ እዋኑ፡ ብ1513 ቅ.ክ. ኣብ ከባቢ እታ ብእብራይስጢ ኣቢብ፡ ጸኒሑ ኸኣ ኒሳን እተባህለት ወርሒ፡ ዚውዕል መዓልትን ለይትን ማዕረ ዝዀነሉ ወቕቲ ጽድያ እዩ ነይሩ። * ኣምላኽ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እስራኤላውያን ነቲ ኣብ 14 ኒሳን ዚገብርዎ ነገራት ኣቐዲሞም ኪዳለዉሉ ኺጅምሩ ነገሮም። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት እያ ጀሚራ፣ ምኽንያቱ መዓልትታት እብራውያን ካብ ምዕራብ ጸሓይ ጀሚሩ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ እዩ ዚውድእ። ኣብ 14 ኒሳን ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት፡ ገንሸል (ወይ ወጠጦ) ሓሪዱ ንገለ ኻብቲ ደም ኣብ ላዕላይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ኪነጽግ መምርሒ ተዋሂብዎ ነበረ። (ዘጸ. 12:3-7, 22, 23) እታ ስድራ ቤት ነቲ እተጠብሰ ስጋ፡ ምስ ኣትክልቲ ገይራ ብዘይበዅዐ ቕጫ ኽትምገቦ ተነጊርዋ ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብታ ሃገር ሓሊፉ፡ ንዅሉ በዅሪ ግብጺ ኺሓርድ ከሎ፡ እቶም እዙዛት እስራኤላውያን ግና ተዓቚቦም ሓራ ኸም ዚወጹ ተነግሮም።—ዘጸ. 12:8-13, 29-32

6. ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓዓመት ፋስጋ ኼብዕሉ እተነግሮም ስለምንታይ እዩ፧

6 እዚ ተፈጺሙ እዩ፣ እስራኤላውያን ድማ ነታ ሓራ ዝወጹላ ዕለት ኣብቲ ዚቕጽል ዓመታት ኪዝክርዋ ተነግሮም። ኣምላኽ፡ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብዕልዋ። ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ” በሎም። ደድሕሪ እታ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እትኽበር በዓል ከኣ ሸውዓተ መዓልቲ ዚጸንሕ በዓል ኪግበር እውን መምርሒ ተዋሂቡ ነበረ። ሽሕ እኳ፡ እቲ ቐንዲ ፋስጋ ብ14 ኒሳን ዚውዕል እንተ ዀነ፡ እቲ ፋስጋ ዚብል ስም ግና ንዅለን እተን ሸሞንተ መዓልታት እቲ በዓል ኬመልክት ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 12:14-17፣ ሉቃ. 22:1፣ ዮሃ. 18:28፣ 19:14) ፋስጋ ሓደ ኻብቲ እብራውያን ኣብ ዓዓመት ኬብዕልዎ እተነግሮም ምዱብ በዓላት እዩ ነይሩ።—2 ዜና 8:13

7. የሱስ ኣብታ ንሱን ሃዋርያቱን ንመወዳእታ ግዜ ዘኽበርዋ መዓልቲ ፋስጋ፡ እንታይ እዩ ኣቚሙ፧

7 ልክዕ ከምቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ የሱስን ሃዋርያቱን እውን ኣብ ዓዓመት ፋስጋ የብዕሉ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 26:17-19) ኣብታ ንመወዳእታ ግዜ ዜኽበሩላ እዋን ድማ፡ የሱስ፡ ሰዓብቱ ኣብ ዓዓመት ዜኽብርዎ ሓድሽ በዓል ኣቘመ። እዚ ኸኣ ድራር ጐይታ እዩ። ግናኸ፡ ነዚ በዓል እዚ፡ ኣበየነይቲ መዓልቲ እዮም ኬኽብርዎ ነይርዎም፧

ድራር ጐይታ፡ ኣብ ኣየነይቲ መዓልቲ እዩ ዚብዓል፧

8. ብዛዕባ ፋስጋን ድራር ጐይታን ክንምርምር ከለና፡ እንታይ ሕቶ እዩ ዚብገስ፧

8 የሱስ ንድራር ጐይታ፡ ኣብታ ንሱን ሃዋርያቱን ንመወዳእታ ግዜ ዘኽበርዋ መዓልቲ ፋስጋ ስለ ዘቘሞ፡ እዚ ሓድሽ በዓል እዚ፡ ኣብታ ፋስጋ ዚኽበረላ መዓልቲ እዩ ዚውዕል። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ ዘመናዊ ዓውደ ኣዋርሕ፡ ኣይሁድ ፋስጋ ዜብዕሉላ መዓልቲ ኻብቲ ሞት ክርስቶስ እነብዕለሉ መዓልቲ፡ ብሓደ ወይ ብዝያዳ መዓልትታት ከም ዚፈላለ ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። ስለምንታይከ እዩ ተፈላልዩ፧ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ ፋስጋ ዚጅምረሉ እዋን ዝሃቦም ትእዛዝ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንኽንምልሳ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ሙሴ፡ “ኵሉ እቲ እኩብ ማሕበር እስራኤል” ነቲ ገንሸል ኣብ 14 ኒሳን ኪሓርዶ ኸም ዘለዎ ኣብ እተዛረበሉ እዋን፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ መዓስ ኪሓርዶ ኸም ዘለዎ እውን ኣነጺሩ ሓቢሩ ኣሎ።—ዘጸኣት 12:5, 6 ኣንብብ።

9. ብመሰረት ዘጸኣት 12:6፡ እቲ ገንሸል መዓስ እዩ ኺሕረድ ዚግባኦ ነይሩ፧

9 ብመሰረት ዘጸኣት 12:6፡ እቲ ገንሸል “ኪመሲ ኸሎ” እዩ ዚሕረድ። ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እንተላይ፡ እቲ ናይ ኣይሁድ ታንክ፡ “ጽልግልግ” ዚብል ቃል ይጥቀም። ካልእ ትርጕማት ድማ፡ “ኣብ እዋን ዕራርቦ፡” “ምሸት ጽልግልግ ምስ በለ፡” ወይ ከኣ “ኣብ ከባቢ ዕራርቦ” ኢሎም ይትርጕምዎ። ስለዚ፡ እቲ ገንሸል ኪሕረድ ዚግብኦ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ግናኸ ከይጸልመተ ኸሎ፡ ኣብ መጀመርታ 14 ኒሳን እዩ ነይሩ።

10. ብመሰረት ገሊኦም ጸሓፍቲ፡ ገንሸል መዓስ እዩ ዚሕረድ ነይሩ፧ እዚ ግና እንታይ ሕቶ እዩ ዜበግስ፧

10 ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ገሊኦም ኣይሁድ ኵሉ እቲ ናብቲ ቤተ መቕደስ ዝመጸ ጤለ በጊዕ ንኺሕረድ፡ ሰዓታት ወሲዱ ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ። ስለዚ፡ ዘጸኣት 12:6ንመወዳእታ 14 ኒሳን ማለት፡ ካብቲ ጸሓይ ክትዓርብ እትጅምረሉ ሰዓት (ድሕሪ ቐትሪ) ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ጸሓይ ምስ ዓረበት እታ መዓልቲ እትዛዘመሉ ሰዓት ንዘሎ እዋን ከም እተመልክት ጌርካ እዩ ዚውሰድ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ትርጕሙ እዚ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ምግቢ ደኣ እሞ መዓስ እዩ ተበሊዑ ኪኸውን ዚኽእል፧ ኣብ ጥንታዊ ኣይሁድነት ፍሉይ ክእለት ዝነበሮ ፕሮፌሰር ጆናታን ክላዌንስ፡ “መስርዕ ዕለት ኣብ ዘጸኣት ብንጹር እኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ ሓዳስ መዓልቲ፡ ጸሓይ ኣብ እትዓርበሉ እዋን ስለ እትጅምር፡ እቲ መስዋእቲ ኣብታ ፋስጋ ዚጅምረላ መበል 14 መዓልቲ እዩ ዚፍጸም፣ እቲ ምግቢ ኸኣ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እዩ ዚብላዕ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ጽሑፋት ረቢ፡ ቅድሚ ጥፍኣት እታ ቤተ መቕደስ፡ ሴዳር [ፋስጋ] ብኸመይ ይፍጸም ከም ዝነበረ ኺነግረና ኸም ዚኽእል እኳ ኣይገልጽን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

11. (ሀ) የሱስ ኣብ መዓልቲ ፋስጋ 33 ድ.ክ. እንታይ እዩ ኣሕሊፉ፧ (ለ) እታ ኣብ 33 ድ.ክ. ዝወዓለት 15 ኒሳን፡ “ዓባይ” ሰንበት እተባህለት ስለምንታይ እያ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

11 በዚ መሰረት እዚ፡ ‘እቲ ብ33 ድ.ክ. እተባዕለ ፋስጋኸ ደኣ መዓስ እዩ ተገይሩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ምኽንያት ኣሎና። ብ13 ኒሳን፡ ማለት “እታ ሕሩድ ፋስጋ ኺሓርዱላ ዚግባእ መዓልቲ” ምስ ቀረበት፡ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን፡ “ኪዱ፡ ክንበልዕሲ ፋስጋ ኣዳልዉልና” በሎም። (ሉቃ. 22:7, 8) ድሕሪኡ፡ እታ ፋስጋ ዚብልዓላ “ሰዓት . . . ኣኸለት።” እዚ ኸኣ ኣብ 14 ኒሳን፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ፡ ሓሙስ ምሸት እዩ ውዒሉ። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ፡ ፋስጋ በልዐ፡ ኣስዒቡ ድማ ድራር ጐይታ ኣቘመ። (ሉቃ. 22:14, 15) ኣብታ ምሸት እቲኣ ተኣስረ፡ ናብ ፍርዲ ድማ ቀረበ። ብ14 ኒሳን ከኣ፡ ኣጋ ፋዱስ ተሰቕለ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ሞተ። (ዮሃ. 19:14) ስለዚ፡ “ክርስቶስ እቲ ፋስጋና፡” ኣብታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ መዓልቲ እዩ “ተሰዊኡ።” (1 ቈረ. 5:7፣ 11:23፣ ማቴ. 26:2) ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኽትዛዘም ምስ ቀረበት፡ ማለት 15 ኒሳን ቀቅድሚ ምጅማራ፡ የሱስ ተቐብረ። *ዘሌ. 23:5-7፣ ሉቃ. 23:54

ንዓኻ ትርጕም ዘለዎ መዘከርታ

12, 13. ኣይሁዳውያን ቈልዑ፡ ኣብ በዓል ፋስጋ እንታይ ግደ እዩ ነይርዎም፧

12 ናብቲ ኣብ ግብጺ ዘጋጠመ ዅነታት እስከ ንመለስ። ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ፋስጋ ኼብዕሉ ኸም ዘለዎም ሓቢርዎም ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ “ሕጊ ዘለኣለም፡” ወይ “ናይ ሓዋሩ ስርዓት” (NW) እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዓመታዊ በዓል እቲ ኸኣ፡ ቈልዑ ንወለዶም ብዛዕባ ትርጕም እቲ በዓል ኪሓትትዎም ኣጋጣሚ ነበሮም። (ዘጸኣት 12:24-27 ኣንብብ፣ ዘዳ. 6:20-23) ስለዚ እምበኣር፡ በዓል ፋስጋ ንቘልዑ እውን ከይተረፈ “መዘከርታ” ዚኸውን ትርጕም ነይርዎ እዩ።—ዘጸ. 12:14

13 ሓደስቲ ወለዶታት ኪፍጠሩ ኸለዉ፡ ኣቦ ንውሉዱ ኣገዳሲ ትምህርትታት የመሓላልፈሉ ነበረ። ሓደ ኻብቲ ትምህርትታት፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኼዕቍብ ዚኽእል ምዃኑ እዩ። እቶም ቈልዑ፡ የሆዋ ሓደ ዘይፍለጥ ረቂቕ ነገር ዘይኰነስ፡ ንህዝቡ ዚግደሰሎምን ዚሓልየሎምን ናይ ሓቅን ህያውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይምሃሩ ነበሩ። ነዚ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “ንግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ፡” ንህይወት በዅሪ እስራኤላውያን ብምዕቋብ ኣርእይዎ እዩ።

14. ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ፋስጋ እንታይ እዮም ኪምህርዎም ዘለዎም፧

14 ከም ክርስትያን ወለዲ መጠን፡ ንደቅኻ ብዛዕባ ታሪኽ ፋስጋ ኣብ ዓዓመት ክትምህሮም ከም ዘሎካ ዚሕብር ትእዛዝ እኳ እንተ ዘይተዋህበካ፡ ፋስጋ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ኸም ዘዕቈቦም ዜዘኻኽር ምዃኑ ግና ክትምህሮም ትኽእል ኢኻ። እሞኸ፡ የሆዋ፡ መዕቈብ ህዝቡ ምዃኑ፡ ብሓቂ ኸም እትኣምነሉ ትገልጸሎም ዲኻ፧ (መዝ. 27:11፣ ኢሳ. 12:2) ነዚኸ፡ ዜሰልኪ ኣስተምህሮ ብምሃብ ዘይኰነስ፡ ምስ ውሉድካ ባህ ዜብል ዝርርብ ብምፍጣር ዲኻ እትገብሮ፧ ነዚ ትምህርቲ እዚ፡ ንመንፈሳዊ ዕቤት ስድራ ቤትካ ንምልዕዓል ክትጥቀመሉ ጽዓር።

ምስ ደቅኻ ብዛዕባ ፋስጋ ኽትመያየጥ ከለኻ፡ እንታይ ትምህርቲ ኢኻ ኸተመሓላልፈሎም እትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

15, 16. ንፋስጋን ነቲ ኣብ ዘጸኣት ዘሎ ሓሳባትን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ንምጕላሕ ኢና ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧

15 ፋስጋ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቡ ኼዕቍቦም ከም ዚኽእል ጥራይ ኣይኰነን ዚምህረና። ኣምላኽ ንህዝቡ ‘ኻብ ግብጺ ሓራ ብምውጻእ’ እውን ኣድሒንዎም እዩ። እዚ እንታይ ከም ዜጠቓልል እሞ ሕሰብ። እቶም ህዝቢ ብዓንዲ ደበናን ብዓንዲ ሓውን ይምርሑ ነበሩ። ቀይሕ ባሕሪ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ደው ምስ በለ፡ በቲ ንቑጽ ምድሪ ብእግሮም ሰጊሮም እዮም። ብደሓን ምስ ሰገሩ ድማ፡ እቲ ማይ ንሰራዊት ግብጻውያን ኪቐብሮም ከሎ ብኣዒንቶም ርእዮም እዮም። ሽዑ እቶም ዝደሓኑ እስራኤላውያን፡ ‘ንየሆዋ እዝምር ኣሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። የሆዋ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ’ ኢሎም ኪዝምሩ ኽኢሎም እዮም።—ዘጸ. 13:14, 21, 22፣ 15:1, 2፣ መዝ. 136:11-15

16 ቈልዑ እንተ ኣልዮምኻ፡ ንየሆዋ መድሓኒ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብምርኣይ፡ ኣብኡ ንኺውከሉ ትሕግዞምዶ ኣለኻ፧ ከምዚ ዓይነት እምነት ከም ዘሎካ፡ ኣብ ኣዘራርባኻን ኣብ ውሳነታትካን ይርእይዎ ድዮም፧ ነቲ ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 12-15 ዘንበብናዮ ሓሳባት፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ፣ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ሓራ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ ከተጕልሕ ትኽእል ኢኻ። ካልእ እዋን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:30-36፡ ወይ ኣብ ዳንኤል 3:16-18, 26-28 ዘሎ ሓሳባት ክትመያየጠሉ ኸለኻ፡ ነቲ ሓሳብ እቲ ኸተጕልሖ ትኽእል ኢኻ። እወ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወትሩ መድሓኒ ምዃኑ ኺተኣማመኑ ኣለዎም። የሆዋ ኸምቲ ብግዜ ሙሴ ንህዝቡ ዘድሓኖም፡ ንዚመጽእ እውን ኬድሕነና ይኽእል እዩ።—1 ተሰሎንቄ 1:9, 10 ኣንብብ።

እንታይ የዘኻኽረና፧

17, 18. ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ፋስጋ ዝቐረበ ደም ምስትንታንና፡ እንታይ የዘኻኽረና፧

17 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ፋስጋ ኣይሁድ ኣየብዕሉን እዮም። እቲ ዓመታዊ ዚኽበር ዝነበረ በዓል ፋስጋ፡ ክፍሊ ሕጊ ሙሴ እዩ ነይሩ፣ ንሕና ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ እቲ ኣይኰንናን። (ሮሜ 10:4፣ ቈሎ. 2:13-16) ኣኽቢርና እንርእዮ ፍጻመ ግና ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ ሞት ወዲ ኣምላኽ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ግብጺ እተመስረተ በዓል ፋስጋ ንዓና እውን ትርጕም ዘለዎ መዳያት ሒዙ ኣሎ።

18 ደም እቲ ገንሸል ኣብ ቀዋሚ ልዳትን ላዕላይ ልዳትን ተነጺጉ ነበረ። እዚ ኸኣ ህይወት ንምድሓን እተገብረ መሰናድዎ እዩ ነይሩ። ሎሚ ንኣምላኽ ኣብ መዓልቲ ፋስጋ ዀነ ኣብ ካልእ እዋናት፡ መስዋእቲ እንስሳ ኣይነቕርበሉን ኢና። ግናኸ፡ ንሓዋሩ ህይወት ኬድሕን ዚኽእል ዝበለጸ መስዋእቲ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ “ጉባኤ እቶም ኣብ ሰማያት ተመዝጊቦም ዘለዉ በዅራት” ጽሒፉ ኣሎ። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብ“ምንጻግ ደም” እዮም ኪድሕኑ ዚኽእሉ። እቲ ደም እቲ ኸኣ ደም የሱስ እዩ። (እብ. 12:23, 24) እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዚገብሩ ክርስትያናት እውን በቲ ደም እቲ እዮም ዚድሕኑ። ነቲ፡ “ብእኡ፡ ብደሙ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ከም ሃብቲ ጸጋኡ ኣበሳና ተሓዲጉልና ኣሎ” ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወትሩ ኺዝክርዎ ኣለዎም።—ኤፌ. 1:7

19. እቲ የሱስ ዝሞተሉ መገዲ፡ ነቲ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና እምንቶ ኼደልድሎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

19 እስራኤላውያን ገንሸል ፋስጋ ምስ ሓረዱ፡ ካብ ኣዕጽምቱ ሓንቲ እኳ ኸይሰብሩ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 12:46፣ ዘሁ. 9:11, 12) ኣዕጽምቲ እቲ በጃ ኺህብ ዝመጸ “ገንሸል ኣምላኽ” ዝዀነ የሱስከ፧ (ዮሃ. 1:29) የሱስ ምስቶም ኣብ የማነ ጸጋሙ ዝነበሩ ኽልተ ገበነኛታት እዩ ተሰቒሉ ነይሩ። ኣይሁድ ንጲላጦስ ኣዕጽምቲ እቶም እተሰቕሉ ሰባት ኪስበር ሓተትዎ። እዚ ኸኣ ቀልጢፎም ኪሞቱ እሞ፡ ሬሳኦም ክሳዕ እታ ድርብ ሰንበት ዝዀነት 15 ኒሳን፡ ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ምእንቲ ኸይጸንሕ እዩ። ወተሃደራት ንኣእጋር እቶም ክልተ ገበነኛታት ሰበርዎ፡ “ናብ የሱስ ምስ መጹ ግና፡ ድሮ ኸም ዝሞተ ርእዮም፡ ኣእጋሩ ኣይሰበርዎን።” (ዮሃ. 19:31-34) እዚ ምስቲ ኣብ ገንሽል ፋስጋ ዚግበር ዝነበረ ስርዓት ዚሰማማዕ ብምዃኑ፡ ገንሸል ፋስጋ፡ “ጽላሎት” እቲ ኣብ 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. እተፈጸመ መስዋእቲ የሱስ እዩ ነይሩ። (እብ. 10:1) ብዘይካዚ፡ እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ነገራት፡ መፈጸምታ እቲ ኣብ መዝሙር 34:20 እተነግረ ቓላት ብምዃኑ፡ ነቲ ኣብ ትንቢት ዘሎና እምንቶ ኼደልድለልና ይግባእ።

20. ኣብ መንጎ ፋስጋን ድራር ጐይታን እንታይ ጕሉሕ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

20 ይኹን እምበር፡ እቲ ፋስጋ ዚበዓለሉ ዝነበረ መገዲ፡ ምስቲ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ ድራር ጐይታ ብኸመይ ከም ዜብዕሉ ዝነገሮም መገዲ ኺነጻጸር ከሎ፡ ፍልልይ ነይርዎ እዩ። ኣብ ግብጺ፡ እስራኤላውያን ስጋ ገንሸል በሊዖም እዮም፣ ደሙ ግና ኣይበልዑን። እዚ ኸኣ ካብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺገብርዎ ዝነገሮም ነገር እተፈልየ እዩ። የሱስ፡ እቶም “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ” ዚገዝኡ ሰባት፡ ካብ ቅጫን ወይንን ኪወስዱ ኸም ዘለዎም መምርሒ ሂቡ እዩ። እዚ ኸኣ ተምሳል ስጋኡን ደሙን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ፡ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዝሰፍሐ ኽንመያየጥ ኢና።—ማር. 14:22-25

21. ብዛዕባ ፋስጋ ኽንፈልጥ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

21 ፋስጋ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ኣገዳሲ በዓል እዩ ነይሩ፣ ኵላትና ኻብዚ ብዙሕ ትምህርቲ ኽንቀስም ንኽእል ኢና። እቲ በዓል እቲ፡ “መዘከርታ” ዝነበረ ንኣይሁድ እኳ እንተ ዀነ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” ስለ ዝዀነ፡ ከም ክርስትያናት መጠን ብዛዕባኡ ኽንፈልጥን ነቲ ኻብኡ እንረኽቦ ጠቓሚ ትምህርቲ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ኣሎና።—2 ጢሞ. 3:16

^ ሕ.ጽ. 5 ወርሒ ኒሳን፡ ሽሕ እኳ ነታ እብራውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ዝወጹላ ወርሒ ንምምልካት እትውዕል እንተ ዀነት፡ ነታ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ኣይሁድ ቀዳመይቲ እትስራዕ ወርሒ ንምምልካት ክንጥቀመላ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 11 ድሕሪኡ፡ 15 ኒሳን ጸሓይ ምስ ዓረበት ጀመረት። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ እታ ወትሩ ሰንበት ዝዀነት ቀዳመይቲ መዓልቲ በዓል ዘይበዅዐ ቕጫ፡ ኣብታ ስርዕቲ ሰንበት (ቀዳም) እያ ውዒላ። እተን ክልተ ሰንበት ኣብ ሓደ መዓልቲ ስለ እተራኸባ ድማ፡ እታ ሰንበት እቲኣ፡ “ዓባይ” ሰንበት እያ ነይራ።—ዮሃንስ 19:31, 42 ኣንብብ።