ብግዜ ንእስነትካ ጥበባዊ ምርጫ ግበር
‘ኣጕባዝን ጐራዙትን፡ ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ ንስም የሆዋ የመስግንዎ።’—መዝ. 148:12, 13።
1. ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት እንታይ ዜደንቕ ተመክሮታት እዮም ዚረኽቡ ዘለዉ፧
ኣብ ኣገዳሲ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ከም ሎሚ ገይሮም ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ውሒዞም ኣይፈልጡን እዮም። (ራእ. 7:9, 10) ብዙሓት መንእሰያት ንኻልኦት ሰባት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ህይወት ዜድሕን ሓቂ ንኺርድእዎ ብምሕጋዝ፡ ዜደንቕ ተመክሮ ይረኽቡ ኣለዉ። (ራእ. 22:17) ገሊኦም መንእሰያት መጽናዕታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ፡ ንሰባት ዝሓሸ ህይወት ንኺመርሑ ይሕግዝዎም ኣለዉ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብቲ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚዝረበሉ ኽልታት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ይሰብኩ ኣለዉ። (መዝ. 110:3፣ ኢሳ. 52:7) ንስኻኸ ኣብቲ ህዝቢ የሆዋ ዚዓይዎ ዘለዉ ዕዮ ብምክፋል፡ ዝያዳ ዕግበት ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
2. ኣብነት ጢሞቴዎስ፡ የሆዋ ንመንእሰያት ሓላፍነት ኪህቦም ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)
2 ከም መንእሰይ መጠን፡ ጸኒሑ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ባህ ዜብል ኣጋጣሚታት ኪኸፍተልካ ዚኽእል ምርጫ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ልስጥራ ዚነብር ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ጥበባዊ ምርጫ ስለ ዝገበረ፡ ምናልባት ኣብ መወዳእታ ዓሰርተታት ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ፡ ሚስዮናዊ ዀይኑ ኼገልግል ከኣለ። (ግብ. 16:1-3) ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብሰንኪ ብርቱዕ ምጽራር ካብታ ኣብ ተሰሎንቄ እተመስረተት ሓዳስ ጉባኤ እኳ እንተ ተፈልየ፡ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ናብ ተሰሎንቄ ተመሊሱ ነቶም ኣሕዋት ኬበራትዖም ለኣኾ። (ግብ. 17:5-15፣ 1 ተሰ. 3:1, 2, 6) ጢሞቴዎስ በቲ እተዋህቦ ዕዮ ኣዝዩ ኸም እተሓጐሰ ፍሉጥ እዩ።
ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰካ ምርጫ
3. ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ምርጫ እንታይ እዩ፧ መዓስከ ኢኻ ኽትገብሮ እትኽእል፧
3 ንእስነት ኣገዳሲ ምርጫ እትገብረሉ እዋን እዩ። እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል እትገብሮ ውሳነ ግና፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ምርጫ እዩ። ነዚ ምርጫ እዚ ኽትገብረሉ እትኽእል ዝበለጸ ግዜ መዓስ እዩ፧ የሆዋ፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ኢሉ ኣሎ። (መክ. 12:1) ንየሆዋ ‘ኽንዝክረሉ’ እንኽእል ግቡእ መገዲ ድማ፡ ምሉእ ብምሉእ ንዕኡ ብምግልጋል እዩ። (ዘዳ. 10:12) ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ንኸተገልግሎ እትገብሮ ውሳነ፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ምርጫ እዩ። ንብምሉኡ መጻኢኻ ዚትንክፍ እውን እዩ።—መዝ. 71:5።
4. ብዘይካ እቲ ንየሆዋ ንኸተገልግሎ እትገብሮ ምርጫ፡ ነቲ ንኣምላኽ እተገልግለሉ መገዲ ዚጸልዎ እንታይ ካልእ ኣገዳሲ ምርጫታት ኣሎ፧
4 ሓቂ እዩ፡ እቲ ንየሆዋ ንኸተገልግሎ እትገብሮ ምርጫ ጥራይ ኣይኰነን ንመጻኢኻ ዚትንክፎ። ንኣብነት፡ ክትምርዖ እንተ ዄንካን ንመን ከም እትምርዖን ብኸመይ ከም እትናበርን ትሓስብ ትኸውን። እዚ ኣገዳሲ ውሳነታት እኳ እንተ ዀነ፡ ፈለማ ግና ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኸተገልግሎ ምምራጽካ ጥበባዊ እዩ። (ዘዳ. 30:19, 20) ስለምንታይ፧ እቲ እትገብሮ ምርጫታት ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ እዩ። እቲ ንሓዳርን ንስራሕን ብዚምልከት እትገብሮ ውሳነ፡ ነቲ ንኣምላኽ እተገልግለሉ መገዲ ይጸልዎ እዩ። (ምስ ሉቃስ 14:16-20 ኣረኣኢ።) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ንኣምላኽ ንኸተገልግሎ ዘሎካ ባህጊ፡ ነቲ ንሓዳርን ንስራሕን ብዚምልከት እትገብሮ ምርጫ ይጸልዎ እዩ። ስለዚ፡ ፈለማ ነቲ ኣብ ህይወትካ ብዝያዳ ዜገድስ ጕዳያት ወስን።—ፊል. 1:10።
ብግዜ ንእስነትካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧
5, 6. ቅኑዕ ምርጫ ምግባር፡ ኣብ ህይወትካ ጸኒሑ ጽቡቕ ውጽኢት ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ። (ነታ፡ “ብቝልዕነተይ ዝመረጽክዎ” እትብል ዓንቀጽ እውን ርአ።)
5 ንኣምላኽ ንኸተገልግሎ ምስ መረጽካ፡ ንሱ እንታይ ክትገብር ከም ዚደልየካን ንዕኡ ብኸመይ ከም እተገልግሎን ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ጃፓናዊ ሓው ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ወዲ 14 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ምስ ሓደ ሽማግለ ኣብ ኣገልግሎት ከለና፡ እቲ ሽማግለ፡ ተሓጒሰ አገልግል ከም ዘየለኹ ምስ ኣስተብሃለ፡ ብሕያውነት፡ ‘ዩቺሮ፡ ናብ ገዛኻ እሞ ኺድ፡ ኮፍ ኢልካ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ተጠንቂቕካ ሕሰብ’ ኢሉኒ። ከምቲ ዝበለኒ ድማ ገይረ። ንእተወሰነ መዓልትታት፡ ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ሓሲበሉ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ኣረኣእያይ ተቐዪሩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ፡ ንየሆዋ ባህ ኢሉኒ ኸገልግሎ ኸም ዝኽእል ተገንዚበ። ብዛዕባ ሚስዮናውያን ምንባብ ስለ ዜሐጕሰኒ፡ ንኣምላኽ ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ከገልግሎ ኸም ዝኽእል ክሓስብ ጀሚረ።”
6 ዩቺሮ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ፦ “ንየሆዋ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኸገልግሎ ዜኽእለኒ ምርጫታት ክገብር ከም ዘሎኒ ወሲነ። ንኣብነት፡ እንግሊዝኛ ኸጽንዕ ጀሚረ። በዚ ኸምዚ ትምህርቲ ወዲአ፣ ፈላሚ ምእንቲ ክኸውን ድማ፡ ብናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ እንግሊዝኛ እምህር ነይረ። ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ቋንቋ ሞንጎልያ ኽመሃር ጀሚረ፣ ብቛንቋ ሞንጎልያ ኣብ እትምራሕ ጕጅለ ምስ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ድማ እቀራረብ ነይረ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ማለት ብ2007 ናብ ሞንጎልያ ኸይደ። ምስ ገሊኦም ፈለምቲ ናብ ኣገልግሎት ምስ ከድኩ፡ ብዛዕባ ሓቂ ኺፈልጡ ዚደልዩ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝረኣኹ፡ ናብኡ ግዒዘ ንኽሕግዝ ድሌት ሓዲሩኒ። ናብ ጃፓን ተመሊሰ ድማ መደባት ከውጽእ ጀሚረ። ካብ ሚያዝያ 2008 ኣትሒዘ ኸኣ፡ ኣብ ሞንጎልያ ፈላሚ ዀይነ አገልግል ኣለኹ። ኣብዚ ምንባር ቀሊል ኣይኰነን። ሰባት ግና ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ምላሽ ይህቡሉ እዮም፣ ናብ የሆዋ ንኪቐርቡ ድማ ክሕግዞም ክኢለ እየ። ዝበለጸ መገዲ ህይወት ዝመረጽኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”
7. እንታይ ምርጫታት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ሙሴኸ ሰናይ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧
7 ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ኣብ ህይወቱ እንታይ ከም ዚገብር ባዕሉ ኺመርጽ ኣለዎ። (እያ. 24:15) ንሓዳርን ንስራሕን ብዚምልከት እንታይ ዓይነት ምርጫ ኽትገብር ከም ዘሎካ፡ ባዕልኻ ኢኻ እትውስኖ። “ሒደት ስልጠና ጥራይ ዜድልዮ ስራሕዶ ኽመርጽ፧” ንዚብል ሕቶ፡ ባዕልኻ ኢኻ እትምልሶ። ገሊኦም መንእሰያት ኣብ ድኻታት ኣቝሻት፡ ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ሃብታማት ከተማታት እዮም ዚነብሩ። ባህርያቶምን ክእለቶምን ተመክሮኦምን ባህጎምን እምነቶምን ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ዝነበሩ እብራውያን መንእሰያትን ሙሴን፡ ኵነታቶም ይፈላለ እዩ። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ሙሴ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ነገራት ኪረክብ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ካልኦት እብራውያን ግና ባሮት እዮም ነይሮም። (ዘጸ. 1:13, 14፣ ግብ. 7:21, 22) ንሳቶም እውን ልክዕ ከማኻ ኣብ ኣገዳሲ እዋን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። (ዘጸ. 19:4-6) ኵሉ ሰብ ኣብ ህይወቱ ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ኼገልግል እንተ ዀይኑ ኺመርጽ ነበሮ። ሙሴ ድማ ቅኑዕ ምርጫ ገበረ።—እብራውያን 11:24-27 ኣንብብ።
8. ነቶም ኣብ ህይወት ብዛዕባ ዚገብርዎ ምርጫ ዚሓስቡ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
8 የሆዋ ብግዜ ንእስነትካ ጥበባዊ ምርጫ ንኽትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኵነታትካ ብዘየገድስ፡ ክትትግብሮ እትኽእል ስርዓታት ብምሃብ ይመኽረካ እዩ። (መዝ. 32:8) ብዘይካዚ፡ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ወለድኻን ሽማግለታት ጉባኤኻን፡ ነቲ ስርዓታት ብኸመይ ክትትግብሮ ኸም እትኽእል ንኽትሓስብ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 1:8, 9) ቀጺልና እስከ ንመጻኢኻ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ዚጸልዎ ጥበባዊ ምርጫ ንኽትገብር ኪሕግዘካ ዚኽእል፡ ሰለስተ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርምር።
ኪመርሓካ ዚኽእል ሰለስተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
9. (ሀ) የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ዜኽብረና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ’ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዚኸፍት፧
9 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለ። (ማቴዎስ 6:19-21, 24-26, 31-34 ኣንብብ።) የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢሩና እዩ። ብእዋን ንእስነትካ ንኽንደይ ዚኸውን ግዜ ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ከተሕልፍ ከም ዘሎካ ኣይነግረካን እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድም ከም ዘሎና ብምግላጽ፡ ሓጋዚ ስርዓት ሂቡና ኣሎ። ነቲ የሱስ ዝሃቦ ስርዓት እትትግብረሉ መገዲ፡ ንየሆዋ ኸም እተፍቅሮን ብዛዕባ ብጻይካ ኸም እትግደስን ንተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም እተማስወሉን ንኸተርኢ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ እዩ። እቲ ንሓዳርን ንስራሕን ብዚምልከት እትገብሮ ውሳነ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ከም እትጭነቕ ድዩ ዜርኢ ወይስ ንመንግስቲ ኣምላኽን ንጽድቁን ቅንኣት ከም ዘሎካ እዩ ዚሕብር፧
10. ንየሱስ ሕጉስ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ንዓኻኸ እንታይ ምርጫ እዩ ሕጉስ ኪገብረካ ዚኽእል፧
10 ንኻልኦት ብምግልጋል ሓጐስ ርኸብ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21, 24, 35 ኣንብብ።) ነዚ ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ እንኽእል መሰረታዊ ስርዓት ዝመሃረ፡ የሱስ እዩ። የሱስ ፍቓዱ ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ይገብር ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ሕጉስ ሰብ እዩ ነይሩ። ትሑታት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምላሽ ኪህቡሉ ኸለዉ ኺርኢ ኸሎ ድማ ይሕጐስ ነበረ። (ሉቃ. 10:21፣ ዮሃ. 4:34) ምናልባት ንስኻ እውን ነቲ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ዚርከብ ሓጐስ ጥዒምካዮ ትኸውን ኢኻ። እቲ ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ዓበይቲ ውሳነታት፡ ኣብቲ የሱስ ዝመሃሮ ስርዓት እተመርኰሰ እንተ ዀይኑ፡ ንስኻን የሆዋን ብርግጽ ሕጉሳት ክትኰኑ ኢኹም።—ምሳ. 27:11።
11. ሓጐስ ባሩኽ ዝጠፍአ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋኸ እንታይ ኢሉ እዩ መኺርዎ፧
11 ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ንላዕሊ ዜሐጕሰና ነገር የልቦን። (ምሳ. 16:20) እቲ ጸሓፊ ኤርምያስ ዝነበረ ባሩኽ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ረሲዕዎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ እዋን ኣብ ህይወቱ፡ እቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዚረኽቦ ዝነበረ ሓጐስ ጠፍአ። የሆዋ ድማ፡ “ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ። እንሆ፡ መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዅሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዅሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ” በሎ። (ኤር. 45:3, 5) ንባሩኽ ብዝያዳ ዜሐጕሶ፡ ዓብዪ ነገር ምድላይ ድዩ ወይስ ከም እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ምድሓን፧—ያእ. 1:12።
12. ራሚሮ እንታይ ምርጫ ብምግባሩ እዩ ሕጉስ ኪኸውን ክኢሉ፧
12 ራሚሮ ሓደ ኻብቶም ንኻልኦት ብምግልጋል
ሓጐስ ዚረኽቡ ሰባት እዩ። ከምዚ በለ፦ “እታ ዘዕበየትኒ ስድራ ቤት፡ ኣብ ኣኽራን ኣንደስ ኣብ ዚርከብ ቍሸት እትነብር ድኻ ስድራ ቤት እያ ነይራ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ምዕባየይ ሓወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኸፊሉ ኸም ዜምህረኒ ምስ ነገረኒ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱለይ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኻብ ዝጥመቕ ነዊሕ ኣይገበርኩን ነይረ፣ ብዘይካዚ፡ ሓደ ፈላሚ ምስኡ ዀይነ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ኸነገልግል ዓዲሙኒ ነይሩ እዩ። ናብታ ኸተማ ኸይደ፡ ጸጕሪ ምቕምቃም ምስ ተመሃርኩ፡ ርእሰይ ንኽድግፍ ዜኽእለኒ እንዳ ቐምቃማይ ከፊተ። ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ንኽንምህሮም ምስ ሓተትናዮም፡ ጽቡቕ ምላሽ ይህቡና ነይሮም። ጸኒሑ፡ ቋንቋ ደቀባት እትጥቀም ጉባኤ ምስ ተመስረተት፡ ናብኣ ግዒዘ። ሕጂ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ካብ ዝጅምር ዓሰርተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ንሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቛንቋ ኣዲኦም ንኼጽንዑ ስለ ዝሕግዞም፡ ካብዚ ንላዕሊ ሓጐስ ኬምጽኣለይ ዚኽእል ካልእ ስራሕ ፈጺሙ የልቦን።”13. እዋን ንእስነት፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኸተገልግሎ ዜኽእል ዝበለጸ እዋን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
13 ብግዜ ንእስነትካ ንየሆዋ ብምግልጋል ተሓጐስ። (መክብብ 12:1 ኣንብብ።) ንየሆዋ ምእንቲ ኸተገልግሎ፡ ፈለማ ጽቡቕ ስራሕ ክትረክብ ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። እዋን ንእስነት፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኸተገልግሎ ዜኽእል ዝበለጸ እዋን እዩ። ሓያሎ መንእሰያት ብዙሕ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት የብሎምን፣ ኣጸጋሚ ዕዮ ንኺዓይዩ ዜኽእሎም ጥዕናን ጕልበትን ድማ ኣለዎም። ኣብ እዋን ንእስነትካ ንየሆዋ እንታይ ክትገብረሉ ትደሊ፧ ምናልባት ሸቶኻ ፈላሚ ምዃን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብቛንቋ ወጻኢ ኣብ ዚስበኸሉ ኽሊ እውን ከተገልግል ትደሊ ትኸውን። ወይ ከኣ ኣብዚ ሕጂ ዘለኻሉ ጉባኤ ብዝያዳ ኽትዓዪ ትደሊ ትኸውን። እቲ ምስ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ እተውጽኦ ሸቶ ብዘየገድስ፡ ንመነባብሮ ዚዀነካ እውን የድልየካ እዩ። ነዚ ንምርካብ፡ ክንደይ ዚኣክል ስልጠና እዩ ዜድልየካ፧ እንታይ ዓይነት ስራሕከ ኢኻ ኽትመርጽ፧
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምካ ጥበባዊ ምርጫ ግበር
14. ሓደ ሰብ ንመጻኢ ዚኸውን መደብ ኬውጽእ ከሎ፡ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኺጥንቀቕ ዘለዎ፧
14 እቲ ዝመርመርናዮ ሰለስተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ምስ ስራሕ ብዚተሓሓዝ እትገብሮ ምርጫ ንኽትግምግሞ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣማኸርቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ እተፈላለየ ዓይነት ስራሕ ከም ዚፈልጡ ዚከሓድ ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ወይ ኣብቲ ኼድካ ኸተገልግለሉ እትደሊ ቦታ፡ እንታይ ዓይነት ስራሕ ተጠላቢ ይኸውን ከም ዘሎ ዚሕብራኻ ትካላት መንግስቲ ኺህልዋ ይኽእላ እየን። ካብ ዓለማዊ ምንጭታት ዚርከብ ሓበሬታ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ተጠንቀቕ! ንየሆዋ ዘየፍቅርዎ ሰባት ኣብ ልብኻ ፍቕሪ ዓለም ኬስርጹልካ ይኽእሉ እዮም። (1 ዮሃ. 2:15-17) ኣብቲ እዛ ዓለም እዚኣ እትህቦ ነገራት እንተ ኣተኲርካ፡ ልብኻ ብቐሊሉ ኼታልለካ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 14:15 ኣንብብ፣ ኤር. 17:9።
15, 16. ንስራሕ ብዚምልከት ጽቡቕ መምርሒ ኺህበካ ዚኽእል መን እዩ፧
15 ነቲ ምስ ስራሕ ዚተሓሓዝ ኣማራጺታትካ ምስ ፈለጥካ፡ ጥዑይ ምኽሪ የድልየካ እዩ። (ምሳ. 1:5) ነዚ ብዓይኒ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንኽትግምግሞ ኪሕግዘካ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ነቶም ንየሆዋን ንዓኻን ዜፍቅሩ፡ ንዅነታትካ እውን ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ሰባት ስምዓዮም። ንሳቶም ንኽእለትካን ንድራኸኻን ንኽትግምግሞ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት እቲ ዚህቡኻ ርእይቶ፡ ንሸቶታትካ ዳግመ ግምት ንኽትገብረሉ ይሕግዘካ ይኸውን። ወለድኻ ንየሆዋ ዜፍቅርዎ እንተ ዀይኖም፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢኻ ተባሪኽካ! ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት እውን፡ ኪመርሑኻ ዚኽእሉ ብቑዓት መንፈሳውያን ሰብኡት እዮም። ብዘይካዚ፡ ንፈለምትን ንገየሽቲ ሓለውትን ከተዘራርቦም ትኽእል ኢኻ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝመረጹ ስለምንታይ እዮም፧ ብኸመይ ዕዮ ፈላምነት ኪጅምሩ ኽኢሎም፧ ብኸመይከ እዮም ዚናበሩ፧ ካብ ኣገልግሎቶም እንታይ ዕግበት እዮም ዚረኽቡ፧—ምሳ. 15:22።
16 እቶም ኣጸቢቖም ዚፈልጡኻ ሰባት፡ ብምስትውዓል ኪመኽሩኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዚውሃበካ ዕዮ ስለ ዝኸበደካ፡ ትምህርቲ ኣቋሪጽካ ፈላሚ ኽትከውን ደሊኻ ንበል። ዜፍቅረካ ሰብ ንድራኸኻ ስለ ዚርድኦ፡ ትምህርቲ ብቐሊሉ ተስፋ ንኸይትቘርጽ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል፡ ተስፋ ዘይምቝራጽ ከኣ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኸተገልግሎ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—መዝ. 141:5፣ ምሳ. 6:6-10።
17. ካብ እንታይ ዓይነት ውሳነ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧
17 ዝዀነ ይኹን ንየሆዋ ዜገልግሎ ሰብ፡ ካብ የሆዋ ኼርሕቖ ዚኽእል መንፈሳዊ ሓደጋ ኼጋጥሞ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 15:33፣ ቈሎ. 2:8) ኰይኑ ግና፡ ገሊኡ ዓይነት ስራሕ ዝኸፍአ መንፈሳዊ ሓደጋ እዩ ዘለዎ። ገለ ኻብቶም ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ሰባት፡ ብምኽንያት እቲ ዝመረጽዎ ዓይነት ስራሕ፡ ‘እምነቶም ከም እተሰብረት መርከብ’ ኰይናቶም ድያ፧ (1 ጢሞ. 1:19) ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ውሳነ ኻብ ምግባር ምርሓቕካ ጥበባዊ እዩ።—ምሳ. 22:3።
ክርስትያን መንእሰይ ብምዃንካ ተሓጐስ
18, 19. ሓደ ሰብ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ባህጊ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧
18 ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ልባዊ ባህጊ እንተ ኣልዩካ፡ ገና ብንእስነትካ ነቲ ንሱ ዚህበካ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ። ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን እዚ ንየሆዋ ንኸተገልግሎ ዜኽእለካ ምርጫ ግበር።—መዝ. 148:12, 13።
19 ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ባህጊ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ከይተሓለልካ ንእምነትካ ኸተደልድላ ጽዓር። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ በረኸት ኣምላኽ ዜምጽእ መገዲ ህይወት ኪስዕብ ከም ዝጸዓረ ገሊጹ ነይሩ እዩ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ብገለ ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ኣምላኽ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣረኣእያ ኺገልጸልኩም እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ንመላለስ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 3:15, 16) ንስኻ እውን፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረካን ምኽሩ ንጥቕምኻ ምዃኑን ኣይትረስዕ። ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ፡ ብግዜ ንእስነትካ ጥበባዊ ምርጫ ንኽትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።