ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ለካቲት 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መዝሙር 45 ዚርከብ ባህ ዜብል ፍጻመታት ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ኣምላኽና ኸም ናይ ቀረባ ዓርክናን ከም ምንጪ ውህበትን ዕቝባን ጌርና ንኽንፈልጦ ትሕግዘና።

ነቲ ግርማዊ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ወድሶ!

እቲ ኣብ መዝሙር 45 ተገሊጹ ዘሎ ዜደንቕ ፍጻመታት ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ብመርዓ እቲ ገንሸል ተሓጐስ!

መርዓት መን እያ፧ ክርስቶስ ንመርዓ ዜዳልዋ ዘሎኸ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ሓጐስ እቲ መርዓ ዚካፈሉ መን እዮም፧

እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት፡ ሳላ እምነታ ተባሪኻ

እታ መበለት፡ ወዳ ኺትንስእ ከሎ ምርኣያ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ንእምነታ ብዝያዳ ዜደልድል ፍጻመታት እዩ ነይሩ። ካብኣ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

የሆዋ—ምንጪ ውህበትን ዕቝባን

ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ኣስፍሕ። ኣምላኽ ዓብዪ ምንጪ ውህበትን ዕቝባን ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስኡ ዘሎካ ርክብ ብኸመይ ከተደልድል ከም እትኽእል ተምሃር።

የሆዋ—ናይ ቀረባ ዓርክና

ነቲ እቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሩ ኣብርሃምን ጊዴዎንን ዝሓደግዎ ኣብነት መርመር። ኣዕሩኽ የሆዋ ምእንቲ ኽንከውን፡ እንታይ ብቕዓታት ኢና ኸነማልእ ዘሎና፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንመሲሕ ‘ንኺጽበይዎ’ እንታይ መሰረት ነይርዎም፧

‘ጽባቐ የሆዋ ርአ’

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ ነቲ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብዚምልከት ዝገበሮ ስርዓት የማስወሉ ነበረ። ንሕናኸ በቲ ሎሚ ዘሎ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽንሕጐስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ካብ መዛግብትና

100 ዓመት ዝገበረ ቕያ እምነት

ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ እታ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ንኸነሕድር እትሕግዝ፡ “ፎቶ ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዘርእስታ ፊልም ካብ እትወጽእ 100 ዓመት ገይራ።