ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመርዓ እቲ ገንሸል ተሓጐስ!

ብመርዓ እቲ ገንሸል ተሓጐስ!

“መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ . . . ንተሓጐስ፡ ባህ እውን ይበለና።”—ራእ. 19:7

1, 2. (ሀ) ኣብ ሰማይ ናይ መን መርዓ እዩ ፍሉይ ሓጐስ ዜምጽእ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት እዩ ዚብገስ፧

ንመርዓ ንምድላው ግዜ ኸም ዜድሊ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ ግና ኣብ ሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ መርዓ ኢና ኸነተኵር። እዚ ኸኣ መርዓ ንጉስ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! እዚ መርዓ እዚ ንኣስታት 2,000 ዓመት ኣብ ምድላው እዩ ነይሩ። ሕጂ እቲ መርዓዊ ምስ መርዓቱ ዚሓብሩሉ ግዜ ኣዝዩ ቐሪቡ እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ብሙዚቃ ኺደምቕ፡ ሰራዊት ሰማይ ከኣ፡ “እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ንያህ ወድስዎ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ ሰበይቱ እውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሓጐስ፡ ባህ እውን ይበለና፡ ንዕኡ ድማ ክብሪ ንሃቦ” እናበሉ ኺዝምሩ እዮም።—ራእ. 19:6, 7

2 እቲ መርዓኡ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ዜምጽእ “ገንሸል፡” ካብ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ዮሃ. 1:29) እሞኸ እቲ መርዓዊ ንመዓልቲ መርዓኡ እንታይ ዓይነት ክዳን እዩ ዚኽደን፧ መርዓቱ መን እያ፧ ንመርዓ እተዳለወት ብኸመይ እያ፧ እቲ መርዓ መዓስ እዩ፧ እዚ መርዓ እዚ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኬምጽእ እዩ፣ እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዚደልዩኸ ኣብቲ ሓጐስ እቲ ኺጽምበሩ ድዮም፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን  ክንፈልጥ ሃንቀው ንብል ኢና። እስከ እምበኣር፡ ንመዝሙር 45 ቀጺልና ንመርምራ።

‘ኣልባሱ ጥዑም ይጨኑ’

3, 4. (ሀ) ብዛዕባ ኣልባስ መርዓ እቲ መርዓዊ እንታይ እዩ ተባሂሉ፧ ዝያዳ ኸም ዚሕጐስ ዝገበሮኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) እተን ኣብ ሓጐስ እቲ መርዓዊ ዚካፈላ ‘ኣዋልድ ነገስታትን ንግስትን’ ንመን እየን ዜመልክታ፧

3 መዝሙር 45:8, 9 ኣንብብ። እቲ መርዓዊ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ ግርማዊ ኣልባስ መርዓ ይኽደን። ኣልባሱ ኸም ከርበን ዝባድን ዝኣመሰለ “ዝበለጸ ጥዑም ጨና” ኣለዎ፣ እዚ ቐመማት እዚ፡ መቓምምቲ እቲ ኣብ እስራኤል ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ቕዱስ ዘይቲ ቕብኣት እዩ ነይሩ።—ዘጸ. 30:23-25

4 እቲ ኣብቲ ሰማያዊ ቤተ መንግስቱ ዚስማዕ ሙዚቃ፡ ነቲ መርዓዊ መርዓኡ ኪቐርብ ከሎ ብዝያዳ ኸም ዚሕጐስ እዩ ዚገብሮ። ‘ንግስትን ኣዋልድ ነገስታትን’ ከኣ ኣብ ሓጐሱ ኺካፈላ እየን። “ንግስቲ” ንሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኸተመልክት ከላ፡ “ኣዋልድ ነገስታት” ከኣ ነቶም ቅዱሳት መላእኽቲ የመልክታ። ኣብ ሰማይ ከኣ፡ “መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ . . . ንተሓጐስ፡ ባህ እውን ይበለና” ዚብል ድምጺ ይስማዕ።

እታ መርዓት ንመርዓ ተዳልያ

5. “ሰበይቲ እቲ ገንሸል” መን እያ፧

5 መዝሙር 45:10, 11 ኣንብብ። መርዓዊ መን ምዃኑ ፈሊጥናዮ ኣሎና። መርዓቱኸ መን እያ፧ እታ መርዓት ንዅሎም እቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ብሓባር እተመልክት ብጕጅለ ዝቘመት መርዓት እያ። ርእሲ እዛ ብቕቡኣት ዝቘመት ጉባኤ ኸኣ ክርስቶስ እዩ። (ኤፌሶን 5:23, 24 ኣንብብ።) እዞም ቅቡኣት እዚኦም ክፍሊ እታ ክርስቶስ ዝንጉሳ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ እዮም። (ሉቃ. 12:32) ‘ነቲ ገንሸል ድማ ናብ ዚኸዶ ዘበለ ይስዕብዎ እዮም።’ (ራእ. 14:1-4) “ሰበይቲ እቲ ገንሸል” ስለ ዚዀኑ ኸኣ፡ ኣብ ሰማያዊ መንበሪኡ ምስኡ ኺነብሩ እዮም።—ራእ. 21:9፣ ዮሃ. 14:2, 3

6. ቅቡኣት፡ “ጓል ንጉስ” እተባህሉ ስለምንታይ እዮም፧ ‘ህዝቦም ኪርስዑ’ እተነግሮምከ ስለምንታይ እዩ፧

6 እታ መርዓት፡ “ጓለየ” ተባሂላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ጓል ንጉስ” ተባሂላ እውን ተጸዊዓ እያ። (መዝ. 45:13) እዚ “ንጉስ” እዚ መን እዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ከመይሲ፡ ንሱ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ ‘ውሉዳቱ’ ገይርዎም እዩ። (ሮሜ 8:15-17) ኣብ ሰማይ መርዓት ስለ ዚዀኑ ድማ፡ ‘ህዝቦምን ቤት [ስጋዊ] ኣቦኦምን ኪርስዑ’ ተነጊርዎም እዩ። “ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ” ኬቕልቡ ኣለዎም።—ቈሎ. 3:1-4

7. (ሀ) ክርስቶስ ንመርዓቱ ብኸመይ እዩ ዜዳልዋ፧ (ለ) እታ መርዓት ንሰብኣያ ብኸመይ እያ እትርእዮ፧

7 ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ክርስቶስ ንመርዓቱ ንሰማያዊ መርዓ ኼዳልዋ ጸኒሑ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ክርስቶስ ነታ ጉባኤኡ ኸም ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበን’ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዒቡ እውን፡ “ንሱ [ክርስቶስ] በቲ ቓል ገይሩ ብማይ ብምሕጻብ ኣጽርዩ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይብላ፡ ቅድስትን ብዘይ ኣበርን ክብርቲ ጉባኤ ገይሩ ንርእሱ ምእንቲ ኬቕርባ እዩ ኸምኡ ዝገበረ” በለ። (ኤፌ. 5:25-27) ጳውሎስ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ንዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ “ከም ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ሓጽየኩም እየ እሞ፡ ብኣምላኻዊ ቕንኣት እቐንኣልኩም እየ” በሎም። (2 ቈረ. 11:2) እቲ መርዓዊ ዝዀነ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ፡ ንመንፈሳዊ መልክዓ ስለ ዜማስወሉ ኸኣ “ንውብነትኪ ይብህጎ” ተባሂሉ ኣሎ። እታ መርዓት ከኣ፡ ከም ‘ጐይታኣ’ ትርእዮ፡ ከም ሰብኣያ ኸኣ ‘ትሰግደሉ’ እያ።

ነታ መርዓት ‘ናብ ንጉስ የእትውዋ’

8. እታ መርዓት “ኵለንትናኣ ኽብርቲ” እተባህለት ስለምንታይ እያ፧

8 መዝሙር 45:13, 14ሀ ኣንብብ። እታ መርዓት ኣብ እዋን መርዓ “ዅለንትናኣ ኽብርቲ” ዀይና ትቐርብ። ኣብ ራእይ 21:2፡ ምስ ሓንቲ  ኸተማ፡ ማለት “ሓዳስ የሩሳሌም” ተመሳሲላ ኣላ። “ንሰብኣያ ኢላ ኸም እተሰለመት” እውን ተሓቢሩ ኣሎ። እዛ ሰማያዊት ከተማ እዚኣ፡ “ክብሪ ኣምላኽ” ኣለዋ፣ ድምቀታ ኸኣ “ከም ኣዝዩ ኽቡር እምኒ፡ ከምቲ ኸም ጽሩይ ክሪስታል ዜብርህ እምኒ ያስጲስ” እዩ። (ራእ. 21:10, 11) ግርማ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብጽቡቕ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 21:17-22) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነታ መርዓት፡ “ኵለንትናኣ ኽብርቲ” እንተ በላ እምበኣር ኣየገርምን እዩ። ከመይሲ፡ እቲ መርዓ ኣብ ሰማይ እዩ ዚግበር።

9. ነታ መርዓት ናብ መን እዮም ወሲዶምዋ፧ እንታይ ዓይነት ክዳንከ እያ ተኸዲና፧

9 ነታ መርዓት ናብ ሰብኣያ፡ ማለት ናብቲ መሲሓዊ ንጉስ እዮም ኣምጺኦምዋ። ንሱ ድማ “በቲ ቓል ገይሩ ብማይ ብምሕጻብ” ኬዳልዋ ጸኒሑ እዩ። “ቅድስትን ብዘይ ኣበርን” ከኣ እያ። (ኤፌ. 5:26, 27) እታ መርዓት ነቲ መርዓ ዚበቅዕ ክዳን እውን ክትክደን ኣለዋ። ከምኡ ዓይነት ክዳን ድማ እያ ተኸዲና። “ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ። ዝንጕርጕር ክዳን ተኸዲና ናብ ንጉስ ኬእትውዋ፡ . . . እዮም።” እወ፡ ንመርዓ እቲ ገንሸል ዚበቅዕ፡ “ብሩህን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ኽትክደን ተዋህባ፣ እቲ ቕጭን በፍታ ኸኣ ንጽድቂ እቶም ቅዱሳት የመልክት።”—ራእ. 19:8

‘መርዓ በጺሑ’

10. መርዓ እቲ ገንሸል መዓስ እዩ፧

10 ራእይ 19:7 ኣንብብ። መርዓ እቲ ገንሸል መዓስ እዩ፧ ‘ሰበይቱ ተዳልያ’ እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ ድሕሪኡ እተገልጸ ነገራት ነቲ መርዓ ዚሕብር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ኣነጺሩ ዚሕብር። (ራእ. 19:11-21) እዚ ኺብሃል ከሎ፡ እቲ መርዓ ዚፍጸም፡ እቲ መርዓዊ ዝዀነ ንጉስ ምሉእ ብምሉእ ንኺስዕር ቀቅድሚ ምውጽኡ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ራእያት፡ ብመስርዕ ፍጻመታት ኣይኰነን ተመዝጊቡ ዘሎ። ብመሰረት መበል 45 መዝሙር፡ እቲ ንጉሳዊ መርዓ ዚፍጸም፡ እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ሰይፉ ተዓጢቑ ንጸላእቱ ንኺስዕር ‘ብግርማኡ’ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ።—መዝ. 45:3, 4

11. የሱስ ቀቅድሚ መርዓኡ እንታይ ነገራት እዩ ኺፍጽም፧

11 ስለዚ፡ መስርዕ እቲ ፍጻመታት ከምዚ ዚስዕብ ከም ዝዀነ ኽንድምድም ንኽእል ኢና፦ ቀዳማይ፡ እታ “ዓባይ ኣመንዝራ፡” ማለት እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ክትፍረድ እያ። (ራእ. 17:1, 5, 16, 17፣ 19:1, 2) ድሕሪኡ፡ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝተረፈ እኩይ ስርዓት ሰይጣን፡ ኣብቲ ኣርማጌዶን ዚብሃል “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ብምጥፋእ ፍርዲ ኣምላኽ ንኺፍጽም ኪወጽእ እዩ። (ራእ. 16:14-16፣ 19:19-21) ኣብ መወዳእታ እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ብምድርባይ ልክዕ ከም ምዉታት ስለ ዚገብሮም፡ ምሉእ ብምሉእ ኪስዕር እዩ።—ራእ. 20:1-3

12, 13. (ሀ) መርዓ እቲ ገንሸል መዓስ እዩ፧ (ለ) ኣብ ሰማይ ብመርዓ እቲ ገንሸል ዚሕጐሱ መን እዮም፧

12 ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ምድራዊ ህይወቶም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ሰማይ ንኺነብሩ ይትንስኡ እዮም። የሱስ ደድሕሪ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንዅሎም ዝተረፉ ኣባላት እታ ብጕጅለ ዝቘመት መርዓት ናብኡ ኺእክቦም እዩ። (1 ተሰ. 4:16, 17) ስለዚ፡ ቀቅድሚ ውግእ ኣርማጌዶን ኵሎም ኣባላት እታ “መርዓት” ኣብ ሰማይ ኪዀኑ እዮም። ድሕሪ እቲ ውግእ፡ መርዓ እቲ ገንሸል ኪፍጸም እዩ። እቲ መርዓ እትስ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን ኪኸውን እዩ! ራእይ 19:9፡ “እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዓደሙ ሕጉሳት እዮም” ትብል። እቶም 144,000 ኣባላት እታ ብጕጅለ ዝቘመት መርዓት ብርግጽ ኪሕጐሱ እዮም። እቲ መርዓዊ ዝዀነ ንጉስ እውን ኵሎም መጋዝእቱ ብምሳልያዊ መገዲ ‘ኣብ መንግስቱ፡ ኣብ መኣዱ ምስኡ ዀይኖም ኪበልዑን ኪሰትዩን’ ኪርእዮም ከሎ ኣዝዩ ኺሕጐስ እዩ። (ሉቃ. 22:18, 28-30) ይኹን  እምበር፡ ብመርዓ እቲ ገንሸል ዚሕጐሱ፡ እቲ መርዓውን እታ መርዓትን ጥራይ ኣይኰኑን።

13 ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ሰራዊት ሰማይ፡ “መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ ሰበይቱ እውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሓጐስ፡ ባህ እውን ይበለና፡ ንዕኡ [ንየሆዋ] ድማ ክብሪ ንሃቦ” እናበሉ ሓቢሮም ኪዝምሩ እዮም። (ራእ. 19:6, 7) እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋኸ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ኪካፈሉ ድዮም፧

‘ብሓጐስ ተዓጂበን ኪመጻ እየን’

14. ከምቲ ኣብ መዝሙር 45 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ‘ደናግል ኣዳኖታት’ እታ መርዓት መን እዮም፧

14 መዝሙር 45:12, 14ለ, 15 ኣንብብ። ነብዪ ዘካርያስ፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ኣህዛብ ምስ ተረፍ መንፈሳውያን እስራኤል ተሓጒሶም ኪሓብሩ ምዃኖም ኪገልጽ ከሎ፡ ከምዚ ብምባል ተነበየ፦ “በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና፡ ኪብሉ እዮም።” (ዘካርያስ 8:23) እዞም ምሳልያውያን “ዓሰርተ ሰብ” እዚኦም፡ ኣብ መዝሙር 45:12፡ “ጓል ጢሮስን ናይ ህዝቢ ሃብታማትን” ተባሂሎም ኣለዉ። ንሳቶም ‘ሞገስን’ መንፈሳዊ ሓገዝን ኪረኽቡ ስለ ዚደልዩ፡ ናብቶም ተረፍ ቅቡኣት ገጸ በረኸት ሒዞም እዮም ዚመጹ። ካብ 1935 ንነጀው፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት በቶም ተረፍ ቅቡኣት ‘ናብ ጽድቂ ንኺምርሑ’ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። (ዳን. 12:3) እዞም እሙናት ብጾት እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ህይወቶም ኣንጺሆም፡ መንፈሳውያን ደናግል ኰይኖም እዮም። እዞም ‘ደናግል ኣዳኖታት’ እታ መርዓት፡ ንየሆዋ ርእሶም ወፍዮም፡ እሙናት ተገዛእቲ እቲ መርዓዊ ዝዀነ ንጉስ ምዃኖም ከኣ ኣርእዮም እዮም።

15. እቶም ‘ደናግል ኣዳኖታት’ ምስቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣባላት እታ ብጕጅለ ዝቘመት መርዓት ሓቢሮም ዚዓዩ ብኸመይ እዮም፧

 15 እዞም ‘ደናግል ኣዳኖታት’ እዚኦም፡ “ብስራት መንግስቲ” ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንኺስበኽ ኣብ ዚገበር ጻዕሪ ብቕንኣት ስለ ዚካፈሉ፡ ተረፍ ቅቡኣት እታ ብጕጅለ ዚቘመት መርዓት የመስግንዎም እዮም። (ማቴ. 24:14) “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን” ጥራይ ዘይኰኑስ፡ እቶም ዚሰምዑ እውን፡ “ንዓ!” ይብሉ እዮም። (ራእ. 22:17) እወ፡ እቶም ቅቡኣት ኣባላት እታ ብጕጅለ ዝቘመት መርዓት “ንዓ!” ኺብሉ ኸለዉ፡ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ይሰምዕዎም እዮም። ስለዚ፡ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ምስታ መርዓት ሓቢሮም ንተቐማጦ ምድሪ “ንዓ!” ይብልዎም ኣለዉ።—ዮሃ. 10:16

16. የሆዋ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንታይ መሰል እዩ ሂብዎም፧

16 ተረፍ ቅቡኣት ንብጾቶም ስለ ዜፍቅርዎም፡ የሆዋ ነዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኻልኦት ኣባጊዕ ኣብ ሓጐስ ሰማያዊ መርዓ እቲ ገንሸል ኪካፈሉ መሰል ከም ዝሃቦም ምፍላጦም የሐጕሶም እዩ። ብዛዕባ እዞም ‘ደናግል ኣዳኖታት’ እዚኦም፡ ‘ብሓጐስን እልልታን ተዐጂበን ኪመጻ እየን’ ተባሂሉ ኣሎ። እወ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዚጽበዩ ኻልኦት ኣባጊዕ፡ መርዓ እቲ ገንሸል ኣብ ሰማይ ኪግበር ከሎ ኣብ ዚህሉ ሓጐስ ኪካፈሉ እዮም። መጽሓፍ ራእይ ንኣባላት እቶም “ብዙሓት ህዝቢ፡” “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” ከም ዘለዉ ገይራ እንተ ገለጸቶም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ንሳቶም ኣብ ምድራዊ ኣጸድ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ዀይኖም፡ ንየሆዋ ቕዱስ ኣገልግሎት የቕርቡሉ ኣለዉ።—ራእ. 7:9, 15

መርዓ እቲ ገንሸል ነተን ‘ደናግል ኣዳኖታት’ እታ መርዓት የሐጕሰን (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

‘ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ እዮም’

17, 18. መርዓ እቲ ገንሸል እንታይ በረኸት እዩ ዜምጽእ፧ ክርስቶስከ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ንመን እዩ ኣቦ ዚዀኖም፧

17 መዝሙር 45:16 ኣንብብ። እቶም ‘ደናግል ኣዳኖታት’ እታ ሰማያዊት መርዓት ክርስቶስ፡ እቲ መርዓ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዜምጽኦ ጥቕሚ ምስ ረኣዩ እውን ብዝያዳ ኺሕጐሱ እዮም። እቲ መርዓዊ ዝዀነ ንጉስ ቈላሕታኡ ናብ ምድሪ ብምግባር ነቶም ምድራውያን ‘ኣቦታቱ’ ኼተንስኦም እዩ፣ ሽዑ ንሳቶም ምድራውያን ‘ውሉዱ’ ኪዀኑ እዮም። (ዮሃ. 5:25-29፣ እብ. 11:35) እቲ ንጉስ ካብዚኣቶም፡ ‘ኣብ ብዘላ ምድሪ መሳፍንቲ ዚዀኑ ሰባት’ ኪሸይም እዩ። ብዘይካዚ፡ ካብዞም ሎሚ ዘለዉ እሙናት ሽማግለታት እውን ንገሊኣቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም ንኺመርሑ ይሸሞም ይኸውን እዩ።—ኢሳ. 32:1

18 ክርስቶስ ኣብ እዋን እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ፡ ንኻልኦት እውን ኣቦ ኪዀኖም እዩ። እወ፡ ኵሎም እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ ተቐማጦ ምድሪ፡ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ስለ ዚኣምኑ ነዚ መሰል እዚ ኺረኽብዎ እዮም። (ዮሃ. 3:16) ንዘለኣለም ስለ ዚነብሩ ኸኣ የሱስ “ኣቦ ዘለኣለም” ይዀኖም።—ኢሳ. 9:6, 7

‘ንስሙ ኼዘክሩ’ እተደረኹ

19, 20. እቲ ኣብ መዝሙር 45 ተጠቒሱ ዘሎ ባህ ዜብል ፍጻመታት፡ ንዅሎም እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዜገድሶም ስለምንታይ እዩ፧

19 መዝሙር 45:1, 17 ኣንብብ። እቲ ኣብ መዝሙር 45 ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመታት ንዅሎም ክርስትያናት የገድሶም እዩ። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ቅቡኣት፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ምስ ኣሕዋቶምን ምስ መርዓዊኦምን ከም ዚሓብሩ ስለ ዚፈልጡ ሕጉሳት እዮም። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እውን ነቲ ግርማዊ ንጉሶም ብዝያዳ ንኺግዝእዎ ይድረኹ እዮም፣ ምስቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣባላት እታ ብጕጅለ ዝቘመት መርዓቱ ንኺሓብሩ መሰል ብምርካቦም ድማ ሕጉሳት እዮም። ድሕሪ እቲ መርዓ፡ ክርስቶስን መጋዝእቱን ንተቐማጦ ምድሪ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ኬምጽኡሎም እዮም።—ራእ. 7:17፣ 21:1-4

20 ነቲ ንመሲሓዊ ንጉስ ዚምልከት “ጽቡቕ ነገር” እናተጸበና፡ ‘ስሙ ኸነዘክር’ ወይ ከነፍልጥ ደይኰንናን እንድረኽ፧ ሃየ እምበኣር፡ ካብቶም ‘ነቲ ንጉስ ንዘለኣለም ዜመስግንዎ ሰባት’ ንኽንከውን ንጽዓር።