ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ—ናይ ቀረባ ዓርክና

የሆዋ—ናይ ቀረባ ዓርክና

‘ኣብርሃም፡ “ዓርኪ የሆዋ” ተባህለ።’—ያእ. 2:23

1. ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

“ወዲ ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ” ዚብሃል ምስላ ኣሎ። እዚ ኸኣ ሓቅነት ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ ብዙሓት ቈልዑ ንወለዶም እዮም ዚመስሉ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ፡ ክልቲኦም ወለዶም ኣብ ጂናዊ ውርሻ ውሉዶም እጃም ስለ ዘለዎም እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ፡ ወሃብ ህይወት እዩ። (መዝ. 36:9) እቶም ሰብኣውያን ደቁ ዝዀንና ኸኣ፡ ብእተወሰነ መዳይ ንዕኡ ንመስሎ ኢና። ብመልክዑ ስለ እተፈጠርና፡ ክንሓስብን ኣብ ገለ መደምደምታ ኽንበጽሕን ምስ ካልኦት ሰባት ክንተዓራረኽን ዕርክነትና ሒዝና ኽንቅጽልን ንኽእል ኢና።—ዘፍ. 1:26

2. የሆዋ ዓርክና ኪኸውን ዚኽእል በየናይ መሰረት እዩ፧

2 የሆዋ ናይ ቀረባ ዓርክና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ዕርክነት ከኣ፡ ኣምላኽ ንዓና ኣብ ዘላቶ ፍቕርን ኣብኡን ኣብ ወዱን ኣብ ዘላትና እምነትን እተመርኰሰ እዩ። የሱስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃ. 3:16) ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት እኳ እንተ ኣለዉ፡ ብዛዕባ ኽልተ ኻባታቶም እስከ ንርአ።

“ኣብርሃም ፈታውየይ”

3, 4. እቲ ኣብርሃም ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዕርክነት ካብቲ ዘርኡ ዝነበሮም ዕርክነት ብኸመይ እዩ ዚፍለ፧

3 የሆዋ ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበዋትን ኣቦታት እስራኤልን ዝነበረ ኣብርሃም፡  “ፈታውየይ” ኢሉ ጸውዖ። (ኢሳ. 41:8) ካልኣይ ዜና መዋእል 20:7 እውን ንኣብርሃም፡ ‘ፈታው ኣምላኽ’ ኢላ ጸዊዓቶ ኣላ። እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኣብርሃም፡ ምስ ፈጣሪኡ ዘለዎ ዕርክነት ኪዕቅብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ብእምነቱ እዩ።—ዘፍ. 15:6፣ ያእቆብ 2:21-23 ኣንብብ።

4 የሆዋ ነቶም ንህዝቢ እስራኤል ዘቘሙ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ኣብ ፈለማ ኣቦኦምን ዓርኮምን እዩ ነይሩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ዕርክነት ኣጥፊኦምዎ እዮም። ስለምንታይ፧ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ዝነበረቶም እምነት ስለ ዝጠፍአት እዩ።

5, 6. (ሀ) የሆዋ ዓርክኻ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታት ኢና ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዚግባእ፧

5 ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብእተመሃርካ መጠን፡ ኣብኡ ዘላትካ እምነትን ንዕኡ ዘላትካ ፍቕርን እናደልደለት እያ እትኸይድ። ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ምዃኑ፡ ንስኻ ድማ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክትምስርት ከም እትኽእል ንዝፈለጥካሉ እዋን እሞ ዘክሮ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣዳም ስለ ዘይተኣዘዘ፡ ኵላትና ብሓጢኣት ከም እተወለድና ተማሂርካ ኢኻ። ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝረሓቑ እውን ፈሊጥካ ኢኻ። (ቈሎ. 1:21) ድሕሪኡ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኻባና ዝረሓቐን ብዛዕባና ዘይግደስን ከም ዘይኰነ ተገንዚብካ። ብዛዕባ እቲ ብመስዋእታዊ ሞት የሱስ ኣቢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ ምስ ፈለጥካን ኣብኡ እምነት ምስ ኣሕደርካን ድማ፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክትምስርት ጀሚርካ።

6 ሕጂ ምልስ ኢልና ኽንሓስቦ ኸለና፡ ‘ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ዕርክነት ብዝያዳ ድዩ ዚድልድል ዘሎ፧ ኣብኡ ዘሎኒ ትውክልቲ ድልዱል ድዩ፧ ነቲ ዝፈትዎ ዓርከይ ዝዀነ የሆዋ ዘላትኒ ፍቕሪኸ በብመዓልቱ ትዓቢ ድያ ዘላ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። ካልእ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሰብ፡ ጊዴዎን እዩ። ነቲ ንሱ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነትን ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእልን እስከ ንርአ።

‘የሆዋ ሰላም እዩ’

7-9. (ሀ) ጊዴዎን እንታይ ዜደንቕ ተመክሮ እዩ ኣጋጢምዎ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ (ኣብ ገጽ 21 ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ኪድልድል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 እቲ ፈራዲ ዝነበረ ጊዴዎን፡ ኣብቲ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ድሕሪ ምእታዎም ዝነበረ ኣጸጋሚ እዋን እዩ ንየሆዋ ኣገልጊልዎ። መጽሓፍ መሳፍንቲ ምዕራፍ 6፡ መልኣኽ የሆዋ ንጊዴዎን ኣብ ዖፍራ ኸም ዝበጽሖ ትገልጽ እያ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሚድያናውያን ንእስራኤላውያን የስግእዎም ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጊዴዎን ኣብ ቃልዕ ዘይኰነስ፡ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ተሓቢኡ ስርናይ ይዘብጥ ነበረ። ሓደ መልኣኽ መጺኡ “ኣታ ሓያል ጅግና” ምስ በሎ ግና፡ ኣዝዩ ተገረመ፣ የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዘድሓኖም፡ ሽዑ እውን ኬድሕኖም እንተ ዀይኑ ድማ ሓተተ። እቲ መልኣኽ ድማ ንፈጣሪ ብምውካል፡ የሆዋ ኸም ዚድግፎ ንጊዴዎን ኣረጋገጸሉ።

8 ይኹን እምበር፡ ጊዴዎን፡ ‘ንእስራኤል ብኸመይ ካብ ሚድያን ከም ዜድሕኖ’ ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ቀጥታዊ መልሲ ድማ ተዋህቦ፣ የሆዋ፡ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ አሞ፡ ንሚድያናውያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ክትወቕዖም ኢኻ” በሎ። (መሳ. 6:11-16) ጊዴዎን ነቲ ዕዮ ብኸመይ ከም ዚፍጽሞ ስለ ዘተሓሳሰቦ ግና፡ ምልክት ኪውሃቦ ሓተተ። ኣብቲ ምይይጥ፡ የሆዋ ንጊዴዎን ጋህዲ ኸም ዝዀነሉ ዋላ ሓንቲ ኣየጠራጥርን እዩ።

9 ቀጺሉ ዘጋጠመ ነገር፡ ንጊዴዎን ናብ ኣምላኽ ከም ዚቐርብ ገይርዎን ንእምነቱ ኣደልዲሉሉን እዩ። ዚብላዕ ኣዳልዩ ድማ ነቲ መልኣኽ ቀረበሉ። ሽዑ እቲ መልኣኽ በታ ሒዝዋ ዝነበረ ዘንጊ ገይሩ ነቲ ምግቢ ብምትንካፍ ብተኣምራዊ መገዲ ብሓዊ ኸም ዚብላዕ ምስ ገበረ፡ ጊዴዎን፡ እቲ መልኣኽ ብሓቂ ወኪል የሆዋ ኸም ዝዀነ ተገንዘበ። ሰንቢዱ ድማ፡ “ወይለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ርእየዮ” በለ። (መሳ. 6:17-22) ኰይኑ ግና፡ እዚ ፍጻመ እዚ ንጊዴዎን  ካብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቕ ገይርዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ስለ ዝፈለጦ፡ ሰላም እዩ ረኺቡ። ብኸምኡ ድማ እዩ ነቲ ኣብታ ቦታ እቲኣ ዝሰርሖ መሰውኢ፡ ‘የሆዋ ሰላም’ ኢሉ ዝጸውዖ። (መሳፍንቲ 6:23, 24 ኣንብብ።) ንሕና እውን ብዛዕባ እቲ የሆዋ በብመዓልቱ ዚገብረልና ነገራት ከነስተንትን ከለና፡ ንሱ ናይ ቀረባ ዓርክና ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። ኣዘውቲርና ናብ ኣምላኽ ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ሰላምና ኺውስኽን ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ኪድልድልን እዩ።

‘ኣብ ድንኳን የሆዋ ዚሓድር መን እዩ፧’

10. ብመሰረት መዝሙር 15:3, 5፡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክንከውን እንተ ደሊና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

10 የሆዋ ዓርክና ኪኸውን እንተ ደሊና፡ ክንገብሮ ዘሎና ነገራት ኣሎ። ዳዊት ኣብ መዝሙር 15፡ ‘ኣብ ድንኳን የሆዋ ኽንሓድር፡’ ማለት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክንከውን እንተ ደሊና እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ሓቢሩ ኣሎ። (መዝ. 15:1) ኣብ ክልተ ኻብቲ ብቕዓታት እስከ ነተኵር፣ እዚ ኸኣ፡ ካብ ሕሜት ምርሓቕን ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ምምላስን እዩ። ዳዊት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብዚምልከት ኪገልጽ ከሎ፡ እቲ ኣብ ድንኳን የሆዋ ዚሓድር ሰብ፡ “ብልሳኑ ዘይሐሚ፡ . . . ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል” ምዃኑ ገለጸ።—መዝ. 15:3, 5

11. ካብ ሕሜት ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ዳዊት ኣብ ካልእ መዝሙር፡ “መልሓስካ ኻብ እከይ . . . ሐሉ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነበረ። (መዝ. 34:13) ነዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ዕሽሽ ምባል፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቲ ጻድቕ ሰማያዊ ኣቦናን ጋግ ከም ዚፍጠር እዩ ዚገብር። ሕሜት መለለዪ እቲ ዝዓበየ ጸላኢ የሆዋ ዝዀነ ሰይጣን እዩ። እታ “ድያብሎስ” እትብል ቃል፡ ካብታ “ሓማዪ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽኛ ቓል እያ መጺኣ። ነቲ ንኻልኦት ሰባት እንዛረቦን ብዛዕባኦም እንዛረቦን ዘረባ ንቈጻጸሮ እንተ ዄንና፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ክንዕቅብ ንኽእል ኢና። ብሕልፊ ነቶም ኣብ ጉባኤ እተሸሙ ሰብኡት ብዚምልከት፡ ከምኡ ኽንገብር ኣሎና።—እብራውያን 13:17፣ ይሁዳ 8 ኣንብብ።

12, 13. (ሀ) ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ቅንዕናና ንኻልኦት ኪጸልዎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 መለለዪ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ቅንዕና ደኣ እምበር ምዝመዛ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እናደለና፡ ቅኑዕ ሕልና ኸም ዘሎና ንተኣማመን ኢና እሞ፡ ጸልዩልና” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 13:18) ‘ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር’ ስለ እንደሊ፡ ንክርስትያን ኣሕዋትና ኣይንብለጸሎምን ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ትሕቴና ተቘጺሮም ዚሰርሑ እንተ ዀይኖም፡ ብግቡእ ከም ዚተሓዙን ብመሰረት እቲ እተሰማማዕናዮ መጠን ከም ዚኽፈሉን ንገብር ኢና። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ምስ ሰራሕተኛታትናን ምስ ካልኦት ሰባትን ብቕንዕና ኢና እንመላለስ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣስራሕትና ክርስትያን ብጾትና እንተ ዀይኖም፡ ፍሉይ ነገራት ኪግበረልና ብምሕታት ተበለጽቲ ኽንከውን የብልናን።

13 ዓለማውያን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕንዕናኦም ይንእድዎም እዮም። ንኣብነት፡ ኣካያዲ ሓደ ዓብዪ ትካል ኣገልግሎት ህንጸት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃሎም ከም ዚሕልዉ ኣስተብሃለ። “ነቲ እተሰማማዕኩምሉ ተኽብርዎ ኢኹም” ድማ በለ። (መዝ. 15:4) ከምዚ ዓይነት ጠባይ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ንኽንዕቅቦ ይሕግዘና እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ።

ንኻልኦት፡ ኣዕሩኽ የሆዋ ኪዀኑ ሓግዞም

ንኻልኦት፡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንኪዀኑ ንሕግዞም ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 14, 15 ርአ)

14, 15. ኣብ ኣገልግሎትና፡ ንኻልኦት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ብዙሓት ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት፡ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ይኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከም ናይ ቀረባ ዓርኮም ገይሮም ግና ኣይርእይዎን እዮም። እሞኸ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ነቲ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ በብኽልተ ገይሩ ንኺሰብኩ ኺልእኮም ከሎ ዝሃቦም መምርሒ እስከ ንርኣዮ፣ ንሱ፡ “ኣብ እትኣትውዋ ቤት፡ ቅድም፡ ‘ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን’ በሉ። ኣብኣ ፈታው  ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሓድር እዩ። እንተ ዘየልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ” በሎም። (ሉቃ. 10:5, 6) ንሰባት በቲ ፍሽሑው ኣቀራርባና ናብ ሓቂ ኽንስሕቦም ንኽእል ኢና። ተጻረርቲ ኼጋጥሙና ኸለዉ ድማ፡ ሰላማውያን እንተ ዄንና፡ ንጽልኦም ኣወጊዶም ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንኺሰምዑ መገዲ ኪኸፍተሎም ይኽእል እዩ።

15 ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ዝጠሓሉ ወይ ከኣ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ልማዳት ምስ ዚገብሩ ሰባት ክንራኸብ ከለና፡ ወትሩ ምሕዝነታውን ሰላማውን ጠባይ ከነርኢ ኣሎና። በዚ ዘመናዊ ሕብረተ ሰብ ተስፋ ስለ ዝቘረጹ፡ ብዛዕባ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ብዝያዳ ንኺፈልጡ ናብ ቦታታት መአከቢና ንዚመጹ ሰባት፡ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎም ኣሎና። ኣብታ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስታ ዓምዲ ኻብ ዚወጽእ ዓንቀጻት፡ ነዚ ዜረጋግጽ ኣብነት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ምስቲ ናይ ቀረባ ዓርክና ንዕየ

16. ኣዕሩኽን ‘መዓይይትን’ የሆዋ ዝዀንና ብኸመይ ኢና፧

16 መብዛሕትኡ እዋን፡ ብሓባር ዚዓይዩ ሰባት ዕርክነቶም ድልዱል እዩ ዚኸውን። ኵላትና ርእስና ንየሆዋ ዝወፈና ዘበልና፡ ኣዕሩኽን ‘መዓይይትን’ ኣምላኽ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና። (1 ቈረንቶስ 3:9 ኣንብብ።) ኣብ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ክንካፈል ከለና፡ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት ሰማያዊ ኣቦና ብዝያዳ ኢና እንፈልጦ። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ንኽንፍጽሞ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ንርኢ ኢና።

17. እቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና እንረኽቦ መንፈሳዊ ምግቢ፡ የሆዋ ዓርክና ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

17 ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብዝያዳ እንተ ተኻፊልና፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርብ ኢና። ንኣብነት፡ የሆዋ ብኸመይ ንተጻረርቲ ደው ከም ዜብሎም ንርኢ ኢና። ብዛዕባ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት እሞ ሕሰብ። ኣምላኽ ይመርሓና ኸም ዘሎ ብንጹር ደይኰንናን ክንርኢ ኽኢልና፧ እቲ ፈጺሙ ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ምግቢ እውን የደንቐና እዩ። ዓበይቲ ኣኼባታትና፡ ኣቦና ብፍቕሪ ተደሪኹ ብዛዕባ ጸገማትናን ዜድልየና ነገራትን ከም ዚሓስብ ዜርኢ እዩ። ሓንቲ ስድራ ቤት ብዛዕባ ኣኼባ ኣውራጃ ኸተመስግን ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ “እቲ መደብ ንልብና ተንኪፍዎ እዩ። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ኣዝዩ ኸም ዜፍቅረናን ክንዕወት ከም ዚደልየናን ኰይኑ እዩ ተሰሚዑና” በለት። ካብ ጀርመን ዝመጹ ሰብ ሓዳር፡ ኣብቲ ኣብ ኣይርላንድ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ኣውራጃ ምስ ተኣከቡ፡ በቲ እተገብረሎም ኣቀባብላን ክንክንን ኣዝዮም ተሓጐሱ፣ ከምዚ ድማ በሉ፦ “ልዕሊ ዅሉ፡ ንየሆዋን ነቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ኢና እነመስግኖም። ኣባላት እዚ ሓድነት ዘለዎ ህዝቢ ንኽንከውን ዝዓደሙና ንሳቶም እዮም። ሕጂ ብዛዕባ ሓድነት ካብ ምዝራብ ሓሊፍና፡ በብመዓልቱ ንምከሮ ኣለና። እቲ ኣብ ዳብልን ምስ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ኣውራጃ ዚተሓሓዝ ተመክሮና፡ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ምሳኻትኩም ሓቢርና  ብምግልጋል እንረኽቦ ፍሉይ መሰል ከም እንዝክር እዩ ገይሩና።”

ኣዕሩኽ ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ

18. ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ እንዘራረበሉ መገዲ፡ ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

18 ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ንዕርክነት የደልድሎ እዩ። ኣብዚ ዘለናሉ እዋን፡ ማሕበራዊ መራኸብን ብሞባይል ዚለኣኽ መልእኽትን ህቡብ እዩ ዀይኑ ዘሎ። እሞኸ እቲ ምስቲ ናይ ቀረባ ዓርክና ዝዀነ የሆዋ ብውልቅና እንራኸበሉ መስመር፡ ከመይ እዩ ዘሎ፧ የሆዋ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። (መዝ. 65:2) ኰይኑ ግና፡ ክንደይ ሳዕ ኢና ተበግሶ ወሲድና እነዘራርቦ፧

19. ናይ ልብና ኣውጺእና ናብ ሰማያዊ ኣቦና ኽንጽሊ እንተ ኣጸጊሙና፡ እንታይ ሓገዝ እዩ ዘሎና፧

19 ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ልቦም ኣውጺኦም ኪዛረቡን ውሽጣዊ ስምዒቶም ኪገልጹን ይኸብዶም እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ናይ ልብና ኣውጺእና ኽንጽሊ እዩ ዚደሊ። (መዝ. 119:145፣ ድጕ. 3:41) ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ንምግላጽ ቃላት ኪሓጽረና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ደጋፊ ኣሎና። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ክንጽሊ ኼድልየና ኸሎ፡ እንታይ ክንብል ከም ዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና፣ እቲ መንፈስ ባዕሉ ግና ብዘይተነግረ እህህታ ገይሩ ይልምነልና እዩ። ንሱ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ምእንቲ ቕዱሳት ይልምን እዩ እሞ፡ እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ሓሳብ እቲ መንፈስ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ሮሜ 8:26, 27) ብዛዕባ እቲ ኣብ ከም መጽሓፍ እዮብን መዝሙርን ምሳሌን ዘሎ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ምስትንታንና፡ ውሽጣዊ ስምዒትና ንየሆዋ ንኽንገልጸሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

20, 21. እቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ፡ እንታይ ዜጸናንዕ ሓሳባት እዩ ሒዙ ዘሎ፧

20 ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ዝሃቦም መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ንስዓቦ፣ ንሱ፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ” በለ። ምስቲ ናይ ቀረባ ዓርክና ዝዀነ የሆዋ ብግህዶ ሓሳብ ንሓሳብ ንለዋወጥ እንተ ዄንና፡ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና፣ ከመይሲ፡ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ፊል. 4:6, 7) ነቲ ንልብናን ንኣእምሮናን ዚሕልዎ መወዳድርቲ ዘይብሉ “ሰላም ኣምላኽ፡” ወትሩ ኣኽቢርና ንርኣዮ።

ጸሎት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 21 ርአ)

21 ጸሎት ምስ የሆዋ ዕርክነት ንኽንምስርት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ‘ከየቋረጽና ንጸሊ።’ (1 ተሰ. 5:17) እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ኽቡር ርክብን ነቲ ምስ ጻድቕ ብቕዓታቱ ተሰማሚዕና ንኽንነብር ዝገበርናዮ ቘራጽነትን ኬደልድሎ እዩ። ሃየ እምበኣር፡ የሆዋ ኣቦናን ኣምላኽናን ዓርክናን ብምዃኑ ንዝረኸብናዮ በረኸት፡ ግዜ ወሲድና ነስተንትነሉ።