ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዓቅብ

ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዓቅብ

“ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡ . . . ይስዓበኒ።”ማቴ. 16:24

1. የሱስ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ፍጹም ኣብነት ዝገደፈልና ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ፍጹም ኣብነት ገዲፉልና እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንኺገብር ኢሉ፡ ድሌቱን ምሾቱን ሰዊኡ እዩ። (ዮሃ. 5:30) ኣብ ጕንዲ ስቅያት ክሳዕ ሙማት እሙን ኰይኑ ብምቕጻሉ፡ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ዘርኣዮ መንፈስ፡ ደረት ከም ዘይብሉ ኣርእዩ እዩ።—ፊል. 2:8

2. ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ከምኡ ኽንገብር ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

2 ንሕና እውን ሰዓብቲ የሱስ ብምዃንና፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ከነርኢ ኣሎና። ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ምርኣይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብሓጺሩ፡ ሓደ ሰብ ንኻልኦት ምእንቲ ኺሕግዝ ኢሉ ጥቕሚ ርእሱ ንኺስውእ ፍቓደኛ ይኸውን ማለት እዩ። እዚ ሰብ እዚ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ኣየተኵርን እዩ። (ማቴዎስ 16:24 ኣንብብ።) ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ንስምዒታትን ንብሕታዊ ምርጫታትን ካልኦት ሰባት ካብቲ ናትና ንኸነቐድሞ ይሕግዘና። (ፊል. 2:3, 4) የሱስ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ቀንዲ ኽፍሊ ኣምልኾና ምዃኑ ምሂሩ እዩ። ከመይሲ፡ ሓንቲ ኻብተን ጥቕሚ ርእስና ንኽንስውእ ዚድርኻና ባህርያት፡ ፍቕሪ እያ። ፍቕሪ ድማ መለለይት ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እያ። (ዮሃ. 13:34, 35) ክፍሊ እቲ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዜንጸባርቕ ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ምዃንናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

3. ነቲ ዘሎና ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኬዳኽሞ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

3 ነቲ ዘሎና ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብስውር ኬዳኽሞ  ዚኽእል ጸላኢ ኣሎና። እቲ ጸላኢ እቲ ኸኣ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ነዚ ኽፉእ መንፈስ እዚ ብኸመይ ከም ዘርኣይዎ ዘክር። ሄዋን ኣብ ጥቕሚ ርእሳ ጥራይ ብምትኳር ከም ኣምላኽ ክትከውን ስለ ዝደለየት፡ ኣይተኣዘዘትን። ሰብኣያ ኸኣ ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ብምትኳር ንሰበይቱ ኼሕጕሳ ደለየ። (ዘፍ. 3:5, 6) ድያብሎስ ንኣዳምን ንሄዋንን ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻብ ዜርሕቖም ንነጀው፡ ንሰባት ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ከም ዜተኵሩ ንኺገብሮም ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓለን። ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ነዚ ሜላ እዚ ኺጥቀመሉ ፈቲኑ እዩ። (ማቴ. 4:1-9) ኣብዚ ግዜና፡ ሰይጣን ንሓያሎ ሰባት ብብዙሕ መገድታት ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ከም ዜተኵሩ ብምግባር ኣታሊልዎም እዩ። እዚ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኣሉታዊ መንፈስ ንዓና እውን ኪጸልወና ስለ ዚኽእል፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣጸቢቕና ኸነቕልበሉ ኣሎና።—ኤፌ. 2:2

4. (ሀ) ኣብዚ እዋን እዚ፡ ነቲ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ኸነወግዶ ንኽእል ዲና፧ ግለጽ። (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

4 ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ፡ ምስቲ ኣብ ሓጺን ዝርአ ምራተ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ሓጺን ንንፋስን ማይን እንተ ተቓሊዑ፡ ኪምርት ይኽእል እዩ። ዝያዳ ሓደገኛ ዚኸውን ግና፡ እቲ ምራተ ነቲ ሓጺን ክሳዕ ዚበልዖ ዕሽሽ ምስ ዚብሃል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንዘይፍጽምናናን ነቲ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስናን ከነወግዶ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ እዚ መንፈስ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንኸየሰንፈና ወትሩ ኽንቃለሶ ኣሎና። (1 ቈረ. 9:26, 27) ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ እንተ ኣልዩና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ከነማዕብል እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ባህርይካ መርምር

5. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ከም መስትያት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 7 ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ እንተ ኣልዩና ምእንቲ ኽንርኢ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧

5 ልክዕ ከምቲ ኣካላዊ ትርኢትና ንምምርማር መስትያት እንጥቀም፡ ውሽጣዊ ሰብነትና ንምምርማርን ንዝረኸብናዮ ዝዀነ ይኹን ኣበር ንምእራምን እውን መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 1:22-25 ኣንብብ።) መስትያት ኪሕግዘና ዚኽእል ብግቡእ እንተ ተጠቒምናሉ ጥራይ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መስትያት ቍሊሕ ጥራይ እንተ ኢልና፡ ንሓደ ንእሽቶ ግናኸ ተጠማቲ ዝዀነ ኣበር ከየስተብሃልናሉ ኽንሓልፍ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ፡ ንሓደ መስትያት ብሰያፉ እንተ ጠሚትናዮ፡ ምስሊ ኻልእ ሰብ ንርኢ ንኸውን። ብተመሳሳሊ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ንዝኣመሰለ ኣበራት ንኽንርኢ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ፡ ብላዕለ ላዕሊኡ ወይ ጕድለት ካልእ ንምእራይ ኢልና ኸነብቦ የብልናን።

6. ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ሓርነት ‘ክንጸንዕ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ንኣብነት፡ ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ነንብብ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ብመጠኑ እውን እንተ ዀነ ነማዕብል ከም ዘሎና ኣይረኣየናን ይኸውን። እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ ነዚ ዝስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ኣብቲ ያእቆብ ብዛዕባ መስትያት ዝሃቦ ኣብነት እተጠቕሰ ሰብኣይ፡ ኣብቲ መስትያት ተጠንቂቕካ ናይ ዘይምጥማት ጸገም ኣይነበሮን። ያእቆብ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ፡ “ገዛእ ርእሱ ይርኢ” ኸም ዝበለ ነስትብህል። ያእቆብ፡ ኣዕሚቝካ ምምርማር ወይ ተጠንቂቕካ ምርኣይ ንዚብል ሓሳብ እተመሓላልፍ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዩ ተጠቒሙ። እቲ ሰብኣይ ደኣ እሞ እንታይ ጸገም እዩ ነይርዎ፧ ያእቆብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ይኸይድ፡ ብኡብኡ እውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ” በለ። እወ፡ እዚ ሰብ እዚ፡ በቲ ዝረኣዮ ነገር ስጕምቲ ኸይወሰደ፡ ካብቲ መስትያት ርሒቑ እዩ። እቲ ዕዉት ሰብኣይ ግና፡ ‘ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ሓርነት ኣተኲሩ ይጥምት’ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብኡ ‘ይጸንዕ’ እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንትምህርቲ እቲ ፍጹም ሕጊ ቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ይጸንዕ ደኣ እምበር፡ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። የሱስ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም” ብምባል ተመሳሳሊ ሓሳባት ሂቡ ነይሩ እዩ።—ዮሃ. 8:31

7. ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ እንተ ኣልዩና ንምፍላጥ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

 7 ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ንኽትቃለሶ፡ መጀመርታ ንቓል ኣምላኽ ተጠንቂቕካ ኸተንብቦ ኣሎካ። እዚ ኸኣ ቈላሕታ ዜድልዮ ነገራት ንኸተለሊ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ካብ ምንባብ ሓሊፍካ ኽትገብሮ ዜድልየካ ነገር እውን ኣሎ። ምርምር ብምግባር ኣዕሚቝካ ዅዓት። ንታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮኻ ምስ ሓዝካ፡ ‘ኣነ እንተ ዝኸውን እንታይ ምገበርኩ፧ ቅኑዕ ስጕምቲዶ ምወሰድኩ፧’ ኢልካ ብምሕታት ንርእስኻ ኣብቲ ቦታ እቲ ኣእትዋ። ብዝያዳ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ምስ ኣስተንተንካ፡ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ጽዓር። (ማቴ. 7:24, 25) እስከ እምበኣር፡ ነቲ ብዛዕባ ንጉስ ሳኦልን ሃዋርያ ጴጥሮስን ዚገልጽ ታሪኽ ንመርምሮ እሞ፡ ነቲ ታሪኽ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ንኸነማዕብል ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ንርአ።

ንጉስ ሳኦል መለበሚ ይኹንካ

8. ሳኦል ምስ ነገሰ ኣብ መጀመርታ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧ ነዚኸ ብኸመይ እዩ ኣርእይዎ፧

8 ሳኦል ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ መለበሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ትሑትን ዓቕሙ ዚፈልጥን እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 9:21) ገለ ኻብ እስራኤላውያን ብዛዕባ ንግስነቱ ሕማቕ ብምዝራብ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦ ስልጣን እኳ እንተ ኣቃለልዎ፡ ኪቐጽዖም ኣይደለየን። (1 ሳሙ. 10:27) ብዘይካዚ፡ ንመምርሒ መንፈስ ቅዱስ ብምቕባል፡ ንእስራኤላውያን ምስ ዓሞናውያን ኣብ ዝገበርዎ ተኸታታሊ ውግእ መሪሕዎም እዩ። እቲ እተረኽበ ዓወት ካብ የሆዋ ኸም ዝዀነ ድማ ብትሕትና ተዛሪቡ እዩ።—1 ሳሙ. 11:6, 11-13

9. ሳኦል ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ኬተኵር ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧

9 ድሕሪ ገለ ግዝያት፡ ሳኦል ንስስዐን ንትዕቢትን ኣብ ልቡ ንኺጥጥዕ ፈቐደሉ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ንሓጺን ዚበልዖ ምራተ እዩ ዀይንዎ። ንኣማሌቃውያን ኣብ ውግእ ምስ ሰዓሮም፡ ንየሆዋ ኣብ ክንዲ ዚእዘዝ፡ ትምኒት ርእሱ ፈጸመ። ነቲ እተዘምተ ምርኮ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ኣብ ክንዲ ዜጥፍኦ፡ ብስስዐ ተደሪኹ ወሰዶ። ብትዕቢት ድማ ንርእሱ ሓወልቲ ኣቘመ። (1 ሳሙ. 15:3, 9, 12) ነብዪ ሳሙኤል ንሳኦል፡ የሆዋ በቲ ዝገበሮ ኸም ዘይተሓጐሰ ምስ ነገሮ፡ ሳኦል ትእዛዝ የሆዋ ኸም ዝሓለወ ብምግላጽን ብዛዕባ ጕድለቱ ንኻልኦት ብምውቃስን ኬመሳምስ ጀመረ። (1 ሳሙ. 15:16-21) ብዘይካዚ፡ ትዕቢት ስለ ዘማዕበለ፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኪኸብር እዩ ዚደሊ ነይሩ። (1 ሳሙ. 15:30) ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ምእንቲ ኸነማዕብል፡ ንታሪኽ ሳኦል ከም መስትያት ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10, 11. (ሀ) ተመክሮ ሳኦል ብዛዕባ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ለ) ከም ሳኦል ብሕማቕ መገዲ ንኸይንመላለስ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

10 ቀዳማይ፡ ተመክሮ ሳኦል፡ ኣብ ርእስና እምብዛ ኽንተኣማመን ከም ዘይብልና ይምህረና። ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ከይሓሰብካ ዚመጽእ ስለ ዘይኰነ፡ ወትሩ ንኸነማዕብሎ ኽንጽዕር ኣሎና። (1 ጢሞ. 4:10) ሳኦል ንእተወሰነ ግዜ ጽቡቕ ባህርያት ነይርዎ፡ ሞገስ ኣምላኽ ድማ ረኺቡ ነበረ፣ ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ኣይተቓለሶን። ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንሳኦል፡ ብዘይምእዛዙ ነዓቖ።

11 ካልኣይ፡ ኣብ ኣወንታዊ ጐድንና ጥራይ ብምትኳር፡ ነቲ ኸነመሓይሾ ዘሎና መዳያት ዕሽሽ ምባሉ ሓደገኛ እዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ መስትያት ሒዝካ፡ ኣብ ገጽካ ዘሎ ርስሓት ከየስተብሃልካ፡ ኣብቲ ሓድሽ ክዳንካ ጥራይ ምትኳር ማለት እዩ። ሽሕ እኳ ኸም ሳኦል ብርእስና እምብዛ እንተ ዘይተኣማመንና፡ ንዝዀነ ይኹን ናብ ከም ናቱ ዝኣመሰለ ሕማቕ መገዲ ኺመርሓና ዚኽእል ባህርያት ንኸነወግዶ ኽንጽዕር ኣሎና። ምኽሪ ምስ ዚውሃበና ኸኣ፡ ንተግባራትና ንኸይነመሳምሰሉ፡ ነቲ ጸገም ንኸይነነኣእሶ፡ ወይ ከኣ ነቲ ጕድለት ናብ ካልእ ንኸይነላግቦ ኽንጥቀቕ ኣሎና። ከም ሳኦል ኣብ ክንዲ እንኸውን፡ ተቐበልቲ ምኽሪ ኽንከውንሲ ኣዝዩ ዝሓሸዶ ኸይኰነ!—መዝሙር 141:5 ኣንብብ።

12. ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምናኸ እንታይ ኢና  ኽንገብር ዘሎና፧ ሳኦል ከቢድ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ፡ ክብሩ ስለ ዘተሓሳሰቦ፡ ብመንፈስ ኪሓዊ ኣይከኣለን። ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ እንተ ኣልዩና ግና፡ ብዛዕባ ኽብርና ኸይተጨነቕና ሓገዝ ንኽንደሊ ኽንድረኽ ኢና። (ምሳ. 28:13፣ ያእ. 5:14-16) ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ካብ 12 ዓመት ዕድሚኡ ኣትሒዙ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት፡ ስእለ ጽዩፍ ብሕቡእ ይርኢ ነበረ። ንሱ ኸምዚ ብምባል ተመክሮኡ የዘንቱ፦ “ብዛዕባ እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ፡ ንብዓልቲ ቤተይን ንሽማግለታትን ምንጋር ኣዝዩ ኸቢዱኒ ነይሩ። ምስ ተኣመንኩሉ ግና፡ ካብ እንግድዓይ ዓብዪ ጾር ዝወረደ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይነ ንኸይቅጽል፡ ካብ ሓላፍነት ምስ ወረድኩ፡ ኣዕሩኸይ ከም ዘሕፈርክዎም ኰይኑ ስለ እተሰምዖም ጕህዮም እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኻብቲ ስእለ ጽዩፍ እናረኣኹ ዘቕርቦ ዝነበርኩ ኣገልግሎት ንላዕሊ ነዚ ናይ ሕጂ ኣገልግሎተይ ከም ዚሕጐሰሉ እፈልጥ እየ፣ ብዝያዳ ዜገድስ ከኣ ኣረኣእያ የሆዋ እዩ።”

ጴጥሮስ ዘወገዶ ባህርይ

13, 14. ጴጥሮስ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ኸም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

13 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ካብ የሱስ ስልጠና ኣብ ዚረኽበሉ ዝነበረ እዋን፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣርእዩ እዩ። (ሉቃ. 5:3-11) ይኹን እምበር፡ ብእተወሰነ ደረጃ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ነይርዎ እዩ፣ ኪቃለሶ ድማ የድልዮ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ያእቆብን ሃዋርያ ዮሃንስን ምስ የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምርኡይ ቦታ ንኺረኽቡ ኢሎም ምስ ተበላሓቱ፡ ጴጥሮስ ተቘጢዑ እዩ። እተቘጥዓሉ ምኽንያት ከኣ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ንጴጥሮስ ፍሉይ ተራ ኸም ዚህልዎ ነጊርዎ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ኻብቲ ቦታታት እቲ ንዕኡ ኸም ዚግባእ ገይሩ ስለ ዝሓሰበ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 16:18, 19) ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ንያእቆብን ንዮሃንስን ንጴጥሮስን ነቶም ዝተረፉ ሃዋርያትን ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ብምትኳር፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ‘ከይጕይተቱ’ ኣጠንቂቕዎም እዩ።—ማር. 10:35-45

14 ሽሕ እኳ የሱስ ንጴጥሮስ ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ እንተ መኸሮ፡ ጴጥሮስ ድሕሪኡ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ንኼዐሪ ቓልሲ ኣድልይዎ እዩ። የሱስ ንሃዋርያት ንግዜኡ ጠንጢኖምዎ ኸም ዚሃድሙ ኺነግሮም ከሎ፡ ጴጥሮስ ንኻልኦት ኣትሕት ኣቢሉ ንርእሱ ኽብ ብምባል፡ ንሱ ንበይኑ ጥራይ እሙን ከም ዚኸውን ተዛረበ። (ማቴ. 26:31-33) ብርእሱ እምብዛ ምትእምማኑ ጌጋ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣየርኣየን። ንገዛእ ርእሱ ኼድሕን  ኢሉ፡ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ኸሓዶ።—ማቴ. 26:69-75

15. ጴጥሮስ ብሓፈሻኡ ዚሃንጽ ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ እዩ፧

15 ሽሕ እኳ ጴጥሮስ ከምዚ ዝኣመሰለ ቓልስን ድኻምን እንተ ነበሮ፡ ብሓፈሻ ግና ዚሃንጽ ኣብነት ገዲፉ እዩ። ብዝገበሮ ብሕታዊ ጻዕርን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስን፡ ነቲ ኣሉታዊ ባህርያቱ ኣሰኒፉ ርእሰ ግትኣትን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕርን ኬርኢ ኽኢሉ እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ካብቲ ኣቐዲሙ እተዓንቀፈሉ ፈተናታት ዝያዳ ዚኸብድ ዚመስል ፈተናታት ኪጻወር ክኢሉ እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምስ ገንሖ፡ ትሕትና ኣርእዩ እዩ። (ገላ. 2:11-14) ምስ ተገንሐ፡ ክብሩ ኸም እተተንከፈ ዀይኑ ስለ ዘይተሰምዖ፡ ኣይተቐየመን፣ እታ ንጳውሎስ ዝነበረቶ ፍቕሪ እውን ኣይነከየትን። (2 ጴጥ. 3:15) እቲ ጴጥሮስ ዝገደፎ ኣብነት፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ንኸነርኢ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ጴጥሮስ ምስ ተኣረመ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧ ንሕናኸ ምስ እንእረም ከምኡ ዓይነት ምላሽ ዲና እንህብ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

16. ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እንታይ ከም እትገብር ሕሰብ። ጴጥሮስን ሃዋርያትን ብምስባኾም ምስ ተኣስሩን ምስ ተገርፉን፡ “ምእንቲ ስሙ [ስም የሱስ] ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ” ተሓጒሶም እዮም። (ግብ. 5:41) ንስኻ እውን ንመስጐጕቲ፡ ከም ሓደ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብምርኣይ፡ ንጴጥሮስ ንኽትመስሎን ኣስኣሰር የሱስ ንኽትስዕብን ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣጋጣሚ ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥሮስ 2:20, 21 ኣንብብ።) ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ፡ ካብ ሽማግለታት ዜድሊ ተግሳጽ ኪውሃበካ ኸሎ እውን ከይተረፈ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ተግሳጽ ኪውሃበካ ኸሎ ኣብ ክንዲ እትቕየም፡ ኣብነት ጴጥሮስ ስዓብ።—መክ. 7:9

17, 18. (ሀ) ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታትና ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ እንኽእል፧ (ለ) ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ከም ዘሎና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

17 ንመንፈሳዊ ሸቶታት ብዚምልከት እውን ካብ ኣብነት ጴጥሮስ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። እቲ እተውጽኦ መንፈሳዊ ሸቶታት ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምርኡይ ኴንካ ንኽትርአ ብዚብል ዕላማ ንኸይትገብሮ ግና ተጠንቀቕ። ስለዚ፡ ‘እቲ ኣገልግሎተይ ንኸመሓይሽ ወይ ንኸዛይድ ዘሎኒ ድሌት፡ ከምቲ ያእቆብን ዮሃንስ ንየሱስ ኪልምንዎ ኸለዉ ዘንጸባረቕዎ፡ ዝያዳ ተፈላጥነት ወይ ስልጣን ንኽረክብ ብዚብል ስምዒት እተለዓዓለ ደዀን ይኸውን፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

18 ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ኸም ዘሎካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣተሓሳስባኻን ስምዒትካን ንኽትእርም ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ክብሪ ርእስኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ ክብሪ የሆዋ ንኸተተኵር ጽዓር። (መዝ. 86:11) ብዘይካዚ፡ ተጠማቲ ዘይገብረካ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣጸጋሚ ዀይኑ ንዚስምዓካ ገሊኡ መዳያት ፍረ መንፈስ ብዝያዳ ንኸተማዕብሎ ኽትጽዕር ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ፡ ኣብ ኣኼባታት ንዚውሃበካ ኽፍልታት ብትግሃት ትዳሎ እኳ እንተ ዀንካ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይ ዘሎካ እጃም ግና እተወሰነ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኣብ ሮሜ 12:16 ዘሎ ምኽሪ ንኽትዓየሉ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ።—ኣንብብ።

19. ኣብቲ ኸም መስትያት ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ክንርኢ ኸለና፡ በቲ እንርእዮ ተስፋ ምእንቲ ኸይንቘርጽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

19 ኣብቲ ኸም መስትያት ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ንርእስና ተጠንቂቕና ኽንርእያ ኸለና፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ዝኣመሰለ ኣበራት ከም ዘሎና ምስ እነስተብህል፡ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙና፡ ነቲ ያእቆብ ዝጠቐሶ ዕዉት ሰብኣይ ንዘክሮ። ያእቆብ፡ እቲ ሰብኣይ ነቲ ዘስተብሃለሉ ጸገም ክሳዕ ክንደይ ቀልጢፉ ኸም ዝፈትሖ ወይ ንዅሉ ኣበራት ከም ዝኣረሞ ኣየጕልሐን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ከም ዚጸንዕ’ እዩ ገሊጹ። (ያእ. 1:25) እቲ ሰብኣይ፡ ኣብቲ መስትያት ንዝረኣዮ ነገራት ዘኪርዎን ንኼመሓይሾ ብቐጻሊ ጽዒሩን እዩ። እወ፡ ብዛዕባ ርእስኻ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ፣ ብዛዕባ ዘይፍጽምናኻ ድማ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኣማዕብል። (መክብብ 7:20 ኣንብብ።) ወትሩ ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ኣተኵር፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ንኸተማዕብል ከኣ ጽዓር። የሆዋ ኸምቲ ንሓያሎ ኣሕዋትካ ዝሓገዞም ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ ፍቓደኛ እዩ፣ እዚኣቶም ከማኻ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ ሞገስ ኣምላኽን በረኸቱን ኪረኽቡ ኽኢሎም እዮም።