ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ግንቦት 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኬጋጥመና ዚኽእል ከቢድ ሕቶታት፡ ብዜእምን መልሲ ንኽንምልሶ ዚሕግዘና ሰለስተ ሜላ ትጠቅስ። ንውድብ ኣምላኽ እሙናት ክንከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

‘ብልዐይ ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር እዩ’

ንጉስ ዳዊትን ሃዋርያ ጳውሎስን የሱስ ክርስቶስን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እዩ ዜገድሶም ነይሩ። ንሕናኸ ኣብ ኣጸጋሚ ኽሊ እናኣገልገልና ኽነስና፡ ቅንኣትና ኽንዕቅብን ክንሕድስን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

“ንነፍሲ ወከፍ” ሰብ ከመይ ጌርና ኽንምልሰሉ ይግብኣና፧

ከቢድ ርእሰ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ብዚግባእ ከነረድእ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዜእምን መልሲ ንኽንህብ ኪሕግዘና ዚኽእል ሰለስተ ሜላታት መርምር።

ኣብ ኣገልግሎትካ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ስዓባ

ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ሰብ ብኸመይ ክንሕዞ ኣሎና፧ እተን ኣብ ማቴዎስ 7:12 ዚርከባ ቓላት የሱስ፡ ኣብ ዕዮ ስብከትና እንታይ ጽልዋ እየ ኺገብራ ዘለወን፧

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ብሓቂ ሓጊዙኒ እዩ

ኬነት ሊትል፡ ሓፋርን ብርእሱ ዘይተኣማመንን ከም ዝነበረን ነዚ ስምዒት እዚ ንኽሰግሮ የሆዋ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝሓገዞን ገሊጹ ኣሎ። ኣምላኽ ነቲ ኬነት ሊትል ብቘራጽነት ዝገበሮ ጻዕሪ ብኸመይ ከም ዝባረኾ ርአ።

የሆዋ—ብውድብ ዚዓዪ ኣምላኽ

እቲ ብዛዕባ ጥንታዊት እስራኤልን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትናን ዚገልጽ ታሪኽ፡ እዞም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን እተወደቡ ምዃኖም ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

ምስ ውድብ የሆዋ ትስጕምዶ ኣሎኻ፧

ስርዓት ሰይጣን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኺጠፍእ እዩ። ምስታ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዚጥቀመላ ዘሎ ውድብ፡ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ መዛግብትና

‘ዕዮ ቐውዒ ገና ኣይተዛዘመን’

ኣብ ብራዚል ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚዝርግሕዎ ልዕሊ 760,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ዕዮ ስብከት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧