ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ውድብ የሆዋ ትስጕምዶ ኣሎኻ፧

ምስ ውድብ የሆዋ ትስጕምዶ ኣሎኻ፧

“ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን እየን።” 1 ጴጥ. 3:12

1. ነቶም ከሓድቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ተኪኣ ንስም የሆዋ ኽትውክል ዝጀመረት ውድብ ኣየነይቲ እያ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝመስረታ የሆዋ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚምለስ ዝገበረ እውን ንሱ እዩ። ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም እተገልጸ፡ እታ ንቐዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝሓቘፈት ውድብ፡ ነቶም ከሓድቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ተኪኣ ንስም የሆዋ ኽትውክል ጀሚራ እያ። ስምረት ኣምላኽ ስለ ዝነበራ ድማ፡ ካብቲ ብ70 ድ.ክ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌም ድሒና እያ። (ሉቃ. 21:20, 21) ብተመሳሳሊ፡ ስርዓት ሰይጣን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኺጠፍእ ከሎ፡ እዛ ሎሚ ዘላ ውድብ ኣምላኽ እውን ክትድሕን እያ። (2 ጢሞ. 3:1) ብዛዕባዚ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

2. የሱስ ብዛዕባ እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እንታይ እዩ ኢሉ፧ እቲ ጸበባ እቲኸ ብኸመይ እዩ ዚጅምር፧

2 የሱስ ነቲ ብዘይርአ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን ንመደምደምታ እዚ ስርዓት ዓለምን ኣመልኪቱ፡ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ” በለ። (ማቴ. 24:3, 21) እዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ጸበባ እዚ፡ የሆዋ ብፖለቲካውያን ሓይልታት ተጠቒሙ ነታ ንብዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተመልክት ዓባይ ባቢሎን ኬጥፍኣ ኸሎ እዩ ዚጅምር። (ራእ. 17:3-5, 16) ቀጺሉኸ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧

ተግባር ሰይጣን ናብ ኣርማጌዶን ይመርሕ

3. ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ጠፍአት፡ ኣብ ህዝቢ የሆዋ እንታይ መጥቃዕቲ እዩ ኺወርድ፧

3 ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ጠፍአት፡ ሰይጣንን እተፈላለዩ ባእታታት እዛ ንሱ ዚቈጻጸራ ዓለምን ንኣገልገልቲ የሆዋ ኼጥቅዕዎም እዮም። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” ከምዚ ብምባል ተነብዩ ኣሎ፦ “ንስኻ ኽትድይብ፡ ከም ህቦብላ ንፋስ ከኣ ክትመጽእ ኢኻ፡ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከምቲ ንምድሪ ዜጐልብብ ደበና ኽትከውን ኢኻ።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጽዋር እተዓጥቁ ሰራዊት ስለ ዘይብሎም፡ ኣዝዮም ሰላማውያን ድማ ስለ ዝዀኑ፡ ብቐሊሉ ኺጥቅዑ ዚኽእሉ እዩ ዚመስል። ከተጥቅዖም ኢልካ ምፍታን ግና ዓብዪ ጌጋ እዩ።—ህዝ. 38:1, 2, 9-12

4, 5. ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኬጥፍኦም ኣብ ዚጽዕረሉ እዋን፡ የሆዋ እንታይ ኪገብር እዩ፧

4 ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጥፋእ ኣብ ዚጽዕረሉ እዋን፡ የሆዋ እንታይ ኪገብር እዩ፧ ልዑላዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ኺዋጋእ እዩ። ከመይሲ፡ ናብ ኣገልገልቱ ንዚፍኖ መጥቃዕቲ ናብኡ ኸም እተፈነወ ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። (ዘካርያስ 2:8 ኣንብብ።) ስለዚ ሰማያዊ ኣቦና፡ ንኼድሕነና ኢሉ ቕልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። እዚ ኸኣ ንናይ ሰይጣን ዓለም ኣብቲ ኣርማጌዶን ዚብሃል “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ብምጥፋእ እዩ ዚፍጽሞ።—ራእ. 16:14, 16

5 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣርማጌዶን ከምዚ ብምባል ይንበ፦ “እግዚኣብሄር ምስ ህዝብታት ነገር ገይሩ ስጋ ንዝለበሰ ዅሉ ኸኣ ኪፈርድ እዩ እሞ፡ እቲ ህማም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኺበጽሕ እዩ። ነቶም ረሲኣን ድማ ንኣደዳ ሰይፊ ኺምጥዎም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኺሐልፍ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሪ ኺለዐል እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ኪዀኑ እዮም እምበር፡ ኣይኪብከዮምን እዩ፡ ኣይኪእከቡን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም።” (ኤር. 25:31-33) እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም እዚ፡ ኣብ ኣርማጌዶን ኪጠፍእ እዩ። ናይ ሰይጣን ዓለም ክትጠፍእ ከላ፡ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ግና ኪድሕን እዩ።

ሎሚ ውድብ የሆዋ እትስስነሉ ዘላ ምኽንያት

6, 7. (ሀ) እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ኻበይ እዮም ዚመጹ፧ (ለ) ኣብዚ ቐረባ ግዜ እንታይ ወሰኽ እዩ ዚርአ ዘሎ፧

6 ሎሚ፡ እዛ ኣብ ምድሪ ዘላ ውድብ ኣምላኽ ስምረት የሆዋ ዘለዎም ህዝቢ ስለ ዝሓቘፈት ትስስን ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን እየን፡ ኣእዛኑ እውን ናብ ምህለላኦም እየን” ብምባል የረጋግጸልና እዩ። (1 ጴጥ. 3:12) ጻድቃን፡ ነቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ” “ብዙሓት ህዝቢ” የጠቓልሉ። (ራእ. 7:9, 14) እዞም ደሓንቲ እዚኦም፡ “ህዝቢ” ጥራይ ዘይኰኑስ፡ “ብዙሓት ህዝቢ” እዮም። ኣብ መንጎኦም ኴንካ “ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ኽትድሕንሲ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ!

7 እዞም ብዙሓት ህዝቢ ኻበይ እዮም ዚመጹ፧ ብምኽንያት እቲ የሱስ ከም ምልክት እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን እተዛረቦ ትንቢት እዮም ዚመጹ። የሱስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:14) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ቀንዲ ዕዮ ውድብ የሆዋ፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ስለ ዚሰብኩን ስለ ዚምህሩን፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” የምልኽዎ ኣለዉ። (ዮሃ. 4:23, 24) ንኣብነት፡ ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተ ዓመት፡ ማለት ካብ 2003 ክሳዕ 2012 ኣብ ዝነበረ ኣገልግሎት  ዓመት፡ ልዕሊ 2,707,000 ሰባት ርእሶም ንኣምላኽ ወፍዮም ተጠሚቖም እዮም። ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 7,900,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፣ ብፍላይ ኣብ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ምሳታቶም ዚእከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ኣለዉ። “እቲ ዜብቍል ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ፡ ብቝጽሪ ዘይንሕበን እኳ እንተ ዀንና፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ዓመት ዓመት እናወሰኹ ይኸዱ ኸም ዘለዉ ምርኣይና ግና የሐጕሰና እዩ።—1 ቈረ. 3:5-7

8. ኣብዛ ሎሚ ዘላ ውድብ የሆዋ መጠነ ሰፊሕ ዕቤት ኪርአ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

8 የሆዋ ንመሰኻኽሩ ስለ ዝባርኾም፡ ኣገልገልቱ መጠነ ሰፊሕ ዕቤት ይገብሩ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 43:10-12 ኣንብብ።) እዚ ወሰኽ እዚ፡ “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ፡ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ” ብዚብል ትንቢታዊ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ. 60:22) ተረፍ ቅቡኣት፡ “ንእሽቶ” ዝነበሩሉ እዋን ነይሩ እዩ፣ ካልኦት ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤል ናብ ውድብ ኣምላኽ ምስ መጹ ግና ቍጽሮም ወሰኸ። (ገላ. 6:16) ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት በረኸት የሆዋ ስለ ዘይተፈልዮም ከኣ፡ ብዙሓት ህዝቢ እውን ተወሰኽዎም።

የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ብቕዓት

9. ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብሩህ ተስፋ ኣብ ህይወትና ምእንቲ ኽንምከሮ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

9 ቅቡኣት ክርስትያናት ንኹን ኣባላት እቶም ብዙሓት ህዝቢ ብዘየገድስ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብሩህ ተስፋ ኣብ ህይወትና ኽንመከሮ ንኽእል ኢና። ግናኸ፡ ምስቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ብቕዓታት ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና። (ኢሳ. 48:17, 18) ብዛዕባ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን እሞ ንመርምር። ሓደ ኻብቲ ዕላማታት ሕጊ ሙሴ፡ ንህዝቢ እስራኤል ንኼዕቝቦም እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ እቲ ሕጊ፡ ሕጕስቲ ስድራ ቤትን ጥዑያት ፈተውትን ብኸመይ ከም ዚረኽቡ፡ ኣብ ንግዳዊ ጕዳያት ብኸመይ ብቕንዕና ኸም ዚመላለሱ፡ ከምኡ እውን ንሰባት ብኸመይ ብለውሃት ኪሕዝዎም ከም ዘለዎም ዚምህር እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 20:14፣ ዘሌ. 19:18, 35-37፣ ዘዳ. 6:6-9) ንሕና እውን ነቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓታት ምስ እነማልኦ ኽንጥቀም ኢና። ፍቓዱ ምግባር ከቢድ ከም ዘይኰነ ኸኣ ንሰማምዓሉ ኢና። (1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።) ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን ብሕጊ ሙሴ እተዓቝቡ፡ ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ምእዛዝና የዕቝበና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ብእምነት ጥዑያት’ ኴንና ንኽንነብር እውን ይሕግዘና እዩ።—ቲቶ. 1:13

10. ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንሰሙናዊ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ዚኸውን ግዜ ኽንምድብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ብእተፈላለየ መዳያት ይስጕም ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ፡ በብግዜኡ እናነጸረ ይኸይድ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ” ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ የረጋግጸልና እዩ። (ምሳ. 4:18) ግናኸ፡ ‘ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዘሎና ምርዳእ ኪንጽር ከሎ፡ ምስቲ ለውጥታት ማዕረ ማዕረ እስጕምዶ ኣሎኹ፧ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ አንብብ ድየ፧ ነቲ ዚወጽእ ሓደስቲ ሕታማትና ብህንጥዮት አንብቦ ድየ፧ ሰሙናዊ ኣምልኾ ስድራ ቤት እገብር ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። ነዚ ነገራት እዚ ምግባር ከቢድ ከም ዘይኰነ፡ መብዛሕትና ንሰማምዓሉ ኢና። ንኽንገብሮ ግዜ ምምዳብ ጥራይ እዩ ዜደሊ። ብፍላይ ከኣ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዚቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ክንቀስም፡ ነቲ ዝፈለጥናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ከኣ ክንገብር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

11. ጥንታዊ በዓላት ኰነ እዚ ሎሚ ዚግበር ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ጠቓሚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

11 ውድብ የሆዋ ንጥቕምና ስለ እትሓሊ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃበና ምኽሪ ንኽንዓይየሉ ተተባብዓና እያ፦ “ንፍቕርን  ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ።” (እብ. 10:24, 25) እቲ እስራኤላውያን ዜብዕልዎ ዝነበሩ ዓመታዊ በዓላትን ንኣምልኾ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኻልእ ኣኼባታትን ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺድልድሉ ሓጊዝዎም እዩ። ከምቲ ብግዜ ነህምያ እተገብረ ኸም በዓል ዳስ ዝኣመሰለ ፍሉይ በዓላት እውን፡ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 23:15, 16፣ ነህ. 8:9-18) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ንገብር ኢና። እዚ ኣኼባታት እዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑያትን ሕጉሳትን ንኽንከውን ስለ ዚሕግዘና፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኣኼባታት ንኽንእከብ ክንጽዕር ኣሎና።—ቲቶ. 2:2

12. ብዛዕባ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

12 ኣባላት ውድብ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ “ኣብቲ ቕዱስ ዕዮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ብሓጐስ ንጽመድ ኢና። (ሮሜ 15:16) ኣብዚ “ቕዱስ ዕዮ” እዚ ብምጽማድና ድማ፡ መዓይይቲ እቲ “ቕዱስ” ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኢና እንኸውን። (1 ቈረ. 3:9፣ 1 ጴጥ. 1:15) ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ስም የሆዋ ከም ዚቕደስ ዚገብር እዩ። ነቲ “ኽቡር ብስራት እቲ ሕጉስ ኣምላኽ” ንኽንነግር ሕድሪ ተዋሂቡና ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ፍሉይ መሰል እዩ።—1 ጢሞ. 1:11

13. ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑያት ምእንቲ ኽንከውንን ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

13 ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑያት ኴንና ኽንነብር ስለ ዚደልየና፡ ንዕኡ ኽንቀርቦን ንዅሉ ንጥፈታት ውድቡ ኽንድግፍን ይጽበየና እዩ። ሙሴ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ። ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትነብርሲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።” (ዘዳ. 30:19, 20) ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፡ ንየሆዋ ኸነፍቅሮን ፍቓዱ ኽንገብርን ድምጹ ኽንሰምዕን ናብኡ ኽንለግብን ኣሎና።

14. ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ ዚርአ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ እንታይ ስምዒት እዩ ነይርዎ፧

14 ሓውና ፕራይስ ህዩዝ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮን ምስ ውድብ ኣምላኽ ዝሰጐመን ሓው እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ ‘ካብቲ ቕድሚ 1914 ዝነበረ ቐዳሞት መዓልትታት ኣትሒዘ፡ በቲ ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ዚገልጽ ፍልጠት እምራሕ ብምህላወይ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ምስታ እትርአ ውድብ የሆዋ ጠቢቕካ ምምልላስ፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ጕዳይ ገይረ እየ ዝርእዮ። እቲ ናይ ቅድም ተመክሮይ፡ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ምውካል ክሳዕ ክንደይ ዘይጥዑይ ምዃኑ ምሂሩኒ እዩ። ከምኡ ኢለ ምስ ወሰንኩ፡ ምስታ እምንቲ ውድብ ክጠብቕ ቈረጽኩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ሰብ ብኸመይ እዩ እሞ ሞገስ የሆዋን በረኸቱን ኪረክብ ዚኽእል፧’

ምስ ውድብ ኣምላኽ ሰጕም

15. ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘሎና ምርዳእ ምትዕርራይ ክንገብር ምስ ዜድልየና፡ ብኸመይ ክንቅበሎ ኸም ዘሎና ዜብርህ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ሃብ።

15 ሞገስ የሆዋን በረኸቱን ምእንቲ ኽንረክብ፡ ንውድቡ ኽንድግፍ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዘሎና ምርዳእ ምትዕርራይ ኪግበር ከሎ ድማ ክንቅበሎ ይግብኣና። ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ድሕሪ ሞት የሱስ፡ ንሕጊ ሙሴ ቐናኣት ዝነበሩ፡ ካብቲ ሕጊ ኺላቐቑ ድማ ዝኸበዶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ካብ ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ነይሮም እዮም። (ግብ. 21:17-20) ብሓገዝ እታ ጳውሎስ ንሰብ እብራውያን ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ ግና፡ “በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ እተሰውአ ሰብነት የሱስ ክርስቶስ” ደኣ እምበር፡ በቲ  “ኸምቲ ሕጊ ጌርካ ዚቐርብ” መስዋእትታት ከም ዘይተቐደሱ ንዚገልጽ ሓቂ ተቐበልዎ። (እብ. 10:5-10) መብዛሕትኦም እቶም ካብ ኣይሁድ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣተሓሳስባኦም ኣዐርዮም፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቕድሚት ከም ዝሰጐሙ ፍሉጥ እዩ። ንሕና እውን ብትግሃት ከነጽንዕ፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኰነ ብዛዕባ ዕዮ ስብከትና ኣብ ዘሎና ምርዳእ ምትዕርራይ ክንገብር ምስ ዜድልየና ኸኣ ብኽፉት ኣእምሮ ኽንቅበሎ ይግብኣና።

16. (ሀ) ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ንህይወት ባህ ዜብል በረኸት እዩ ኺህሉ፧ (ለ) ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ክትረክብ ኢኻ እትጽበ፧

16 ኵሎም እቶም ምስ የሆዋን ምስ ውድቡን እሙናት ኰይኖም ዚመላለሱ ሰባት፡ በረኸቱ ኣይክፍለዮምን እዩ። እቶም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት፡ መዋርስቲ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ፍሉይ መሰል ኣለዎም። (ሮሜ 8:16, 17) ምድራዊ ተስፋ እንተ ኣልዩና ድማ፡ ኣብ ገነት ምንባር ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ከም ዚኸውን እሞ ንሕሰብ። ከም ኣባላት ውድብ የሆዋ መጠን፡ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ እተመባጽዓልና ሓዳስ ዓለም ንሰባት ክንነግሮም የሐጕስና እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) መዝሙር 37:11፡ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ትብል። ሰባት፡ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ . . . ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም።” (ኢሳ. 65:21, 22) ጭቈናን ድኽነትን ጥሜትን ኣይኪህሉን እዩ። (መዝ. 72:13-16) ዓባይ ባቢሎን ስለ ዘይትህሉ፡ ንሰባት ኣይከተታልሎምን እያ። (ራእ. 18:8, 21) ምዉታት ክትንስኡን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎምን እዩ። (ኢሳ. 25:8፣ ግብ. 24:15) ኵሎም እቶም ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባትሲ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስ ኣጋጣሚታት ኰን እዩ ዚጽበዮም ዘሎ! ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መብጽዓታት እዚ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ምእንቲ ኽንረኽቦ ግና፡ ብቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብርን ምስ ውድብ የሆዋ ማዕረ ማዕረ ኽንስጕምን ኣሎና።

ኣብ ገነት ትነብር ከም ዘሎኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ! (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

17. ብዛዕባ ኣምልኾ የሆዋን ውድቡን እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

17 እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ዚጠፍኣሉ ግዜ ቐሪቡ ኣሎ። ስለዚ፡ ብእምነት ንጽናዕ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ስርዓት ኣምልኾ ድማ ሞሳና ነርኢ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ከምዚ ኢሉ ድማ ዘመረ፦ “ካብ የሆዋ ሓንቲ ነገር እየ ለሚነ፣ ነዚኣ ኸኣ እየ ዝደሊ፦ ኵለን መዓልትታት ህይወተይ ኣብ ቤት የሆዋ ክቕመጥ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ደስ ዜብል ምዃኑ ኽጥምት፡ ንቤተ መቕደሱ ድማ ተመሲጠ ኽርኢ።” (መዝ. 27:4NW) ሃየ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ናብ ኣምላኽ ንልገብ፡ ምስ ህዝቡን ምስ ውድቡን ከኣ ማዕረ ማዕረ ንሰጕም።