ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብልዐይ ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር እዩ’

‘ብልዐይ ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር እዩ’

እንታይ እዩ ዜሐጕሰካ፧ ከም ሓዳር፡ ቈልዑ ምዕባይ፡ ወይ ምስ ካልእ ሰብ ዘሎካ ዕርክነት ሒዝካ ምቕጻል ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ርክብ ድዩ ዜሐጕሰካ፧ ምስ እትፈትዎም ሰባት ሓቢርካ ምብላዕ እውን የሐጕሰካ ይኸውን። ኣገልጋሊ የሆዋ ኸም ምዃንካ መጠን ግና፡ ብፍላይ ባህ ዜብለካ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርን ቃሉ ምጽናዕን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ደይኰነን፧

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ንፈጣሪ ኺውድሶ ኸሎ፡ “ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፡ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 40:8) ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጸገምን ጸቕጥን እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ካብ ልቢ የሐጕሶ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምግልጋል ዚሕጐስ ዝነበረ፡ ዳዊት ጥራይ ኣይኰነን።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እተን ኣብ መዝሙር 40:8 ዚርከባ ቓላት ንመሲሕ፡ ማለት ንክርስቶስ ዜመልክታ ምዃነን ከምዚ ብምባል ገሊጹ ኣሎ፦ “ስለዚ፡ [የሱስ] ናብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ፡ ከምዚ ይብል እዩ፦ ‘ሰብነት ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን። ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ባህ ኣይበለካን።’ ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ‘እንሆ፡ መጻእኩ። ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ። ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጻእኩ’ በልኩ።”—እብ. 10:5-7

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ፍጥረት ብምርኣይን ምስ ፈተውቱ ግዜ ብምሕላፍን ምስ ካልኦት ብምምጋብን ይሕጐስ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 6:26-29፣ ዮሃ. 2:1, 2፣ 12:1, 2) ኰይኑ ግና፡ ብቐንዱ ዜገድሶን ዜሐጕሶን ዝነበረ፡ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦኡ ምግባር እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ” ዝበለ። (ዮሃ. 4:34፣ 6:38) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ካብ ጐይታኦም፡ ምስጢር ናይ ሓቂ ሓጐስ ፈሊጦም እዮም። ብፍታውን ብህንጥዮትን ብሓጐስን ድማ ንኻልኦት ሰባት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግርዎም ነበሩ።—ሉቃ. 10:1, 8, 9, 17

‘ኪዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴ. 28:19, 20) ነዚ ዕዮ እዚ ምፍጻም፡ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ቦታ ምስባኽን ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን የጠቓልል። ዓብዪ ሓጐስ ድማ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ።

ፍቕሪ፡ ዘይተገዳስነት እናኣጋጠመና ኽነሱ ብቐጻሊ ንኽንሰብኽ ትድርኸና

 ሰባት ብዛዕባ መልእኽትና ተገዳስነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ፡ ኣረኣእያና ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ሓጐስ ይውስኖ እዩ። ዘይተገዳስነት ወይ ምጽራር እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽና እንቕጽል ስለምንታይ ኢና፧ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን፡ ነታ ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘላትና ፍቕሪ እነርእየሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ስለ እንግንዘብ እዩ። ከመይሲ፡ ህይወትናን ህይወት ሰባትን ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። (ህዝ. 3:17-21፣ 1 ጢሞ. 4:16) ቀጺልና እስከ ብዙሓት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ኣብ ኣጸጋሚ ኽሊ እናኣገልገሉ ኽነሶም፡ ንኣገልግሎት ዘለዎም ቅንኣት ንኺዕቅቡን ንኺሕድሱን ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ንመርምር።

ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ

ኣብ ኣገልግሎት ግቡእ ሕቶታት ምጥቃም፡ መብዛሕትኡ እዋን ጽቡቕ ውጽኢት ኣለዎ። ሓደ ንግሆ፡ ኣማልያ ንሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ መናፈሻ ዀይኑ ጋዜጣ ኼንብብ ከሎ ረኣየቶ። ናብኡ ቐሪባ ድማ፡ ገለ ብስራት እንተ ኣንቢቡ ሓተተቶ። እቲ ሰብኣይ ንኣማልያ፡ ዋላ ሓንቲ ብስራት ከም ዘየንበበ ምስ ነገራ፡ ንሳ፡ “ኣነ ግና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሒዘልካ መጺአ ኣለኹ” በለቶ። እዚ ዘረባ እዚ ንተገዳስነት እቲ ሰብኣይ ስለ ዘለዓዓሎ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ፍቓደኛ ዀነ። ኣማልያ ኣብቲ መናፈሻ ንሰለስተ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምሮም ክኢላ እያ።

ጃኒስ ንቦታ ስራሓ ኸም ናይ ብሕቲ ኽላ ገይራ እያ እትርእዮ። ሓደ ዋርድያን ካልእ መሳርሕቱን፡ ሓንቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ዓንቀጽ ባህ ምስ በለቶም፡ ጃኒስ ኵሉ ሳዕ መጽሔታት ከተምጽኣሎም ከም እትኽእል ነገረቶም። ንኻልእ መሳርሕታ እውን መጽሔታት ከተምጽኣሉ ኸም እትኽእል ምስ ነገረቶ፡ በቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ዚርከብ እተፈላለየ ርእሰ ጕዳያት ኣዝዩ ተገረመ። ካልእ መሳርሕቲ ጃኒስ እውን፡ መጽሔታት ከተምጽኣላ ሓተተታ። ጃኒስ፡ “እዝስ ከመይ ዝኣመሰለ በረኸት የሆዋ ዀን እዩ!” በለት። ቍጽሪ እቶም ኣብ ቦታ ስራሓ ብስሩዕ መጽሔት እትወስደሎም ሰባት ድማ፡ 11 በጽሐ።

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ሓደ ገያሺ ሓላዊ፡ ኣስፋሕቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኸለዉ፡ ነቲ ምስ ብዓል ቤት ዚገብርዎ ምይይጥ፡ ካልእ መዓልቲ ኸም ዚመጹ ብምንጋር ኪዛዝምዎ ኸም ዘይብሎም ገለጸ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ከርእየካዶ፧” ወይ ከኣ “ምይይጥና ምእንቲ ኽንቅጽል፡ መዓስን ሰዓት ክንደይን ክመጽእ፧“ ኢሎም ኪሓትትዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ ገያሺ ሓላዊ ኸም ዝሓበሮ፡ ነዚ ኣቀራርባ እዚ እተጠቕሙ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰሙን 44 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጀምሩ ኽኢሎም እዮም።

ካብቲ ምስቲ ብዓል ቤት ንመጀመርታ እተራኸብናሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር፡ ጽቡቕ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ከምኡ ምግባርና፡ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድእዎ ኽንሕግዞም ከም እንደሊ ዜርኢ ስለ ዝዀነ እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ስለምንታይ ከም እተሰማምዐት ምስ ተሓትተት፡ “ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ፍቕርን ስለ ዘርኣዩኒ እየ ኸጽንዕ ጀሚረ” በለት።

ነቲ ብዓል ቤት፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ከርእየካዶ፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ

 ማዳይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ኻብ እትካፈል ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ 15 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ጀመረት፣ ካልኦት ሓሙሽተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኸበት ድማ፡ ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ሃበቶም። ሓያሎ ኻብ ተመሃሮኣ ኸኣ፡ ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባ ኺእከቡ ጀመሩ። ማዳይ ንብዙሓት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምሮም ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ፡ ነቶም ኣብ ፈለማ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ንኽትረኽቦም ክትጽዕር ከም ዘለዋ ስለ እተማህረት እያ። ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንኺፈልጡ ዝሓገዘቶም ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “ተስፋ ኸይቈረጽካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር፡ ነቶም ንየሆዋ ኺፈልጡ ዚደልዩ ሰባት ንኽትሕግዞም ዜኽእል ቀንዲ መገዲ እዩ” በለት።

ውዓል ሕደር ከይበልና ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርና፡ ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ዚደልዩ ሰባት ብሓቂ ኸም እንግደሰሎም የርኢ

ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን ብርቱዕ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዚርከብ በረኸት ካብቲ ጻዕሪ ይበልጽ። ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንካፈል እንተ ዄንና፡ ንኻልኦት ሰባት ‘ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ንኺመጹን’ ንኺድሕኑን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ንሕና እውን መወዳድርቲ ዘይብሉ ዕግበትን ሓጐስን ንረክብ።