ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣገልግሎትካ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ስዓባ

ኣብ ኣገልግሎትካ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ስዓባ

“ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።”ማቴ. 7:12

1. ኣብ ኣገልግሎት ንሰባት እንሕዘሉ መገዲ ለውጢ የምጽእ ድዩ፧ ኣብነት ሃብ። (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ሒደት ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ፊጂ ዚነብሩ ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ኣብቲ ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንምዕዳም ዚግበር ዝነበረ ወፈራ ይካፈሉ ነበሩ። ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቤታ ኼዘራርብዋ ኸለዉ ድማ፡ ዝናም ኪዘንም ጀመረ። ሽዑ እቲ ሓው ነታ ሰበይቲ ጽላል ሃባ እሞ፡ ንሱ ምስ ሰበይቱ ኣጽለለ። እታ ሰበይቲ ናብቲ በዓል ዝኽሪ ምስ መጸት፡ እቶም ሰብ ሓዳር ኣዝዮም ተሓጐሱ። እታ ሰበይቲ፡ ንመብዛሕትኡ እቲ እቶም ሰብ ሓዳር ዝበሉዋ ነገራት ከም ዘይትዝክሮ ተኣመነት። በቲ ንዓኣ ዝሓዙሉ መገዲ ኣዝያ ስለ እተደነቐት ግና፡ ናብቲ በዓል ዝኽሪ ኽትከይድ ወሰነት። ከምዚ ዓይነት ጽቡቕ ውጽኢት ኪርከብ እተኻእለ ብኸመይ እዩ፧ እቶም ሰብ ሓዳር ነታ መብዛሕትኡ እዋን “ወርቃዊት ሕጊ” ተባሂላ እትጽዋዕ ጥቕሲ ስለ ዝሰዓቡ እዩ።

2. እታ ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧ ኣብ ግብሪ ኸነውዕላ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

2 እታ ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧ የሱስ፡ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም” ብምባል ዝሃባ ምኽሪ እያ። (ማቴ. 7:12) ኣብ ግብሪ ኸነውዕላ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ ብኽልተ መገዲ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ብቐዳምነት፡ ‘ንርእሰይ ኣብ ቦታ ኻልእ ሰብ እንተ ዝገብራ፡ እቲ ሰብ ብኸመይ ክሕዘኒ ምደለኹ፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ንጥቕሚ እቲ ሰብ ኣብ ግምት  ብምእታው፡ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።—1 ቈረ. 10:24

3, 4. (ሀ) ነታ ወርቃዊት ሕጊ ምስ ኵሉ ሰብ ኣብ ዘሎና ርክብ ክንስዕባ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ። (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

3 ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ንስዕባ ኢና። የሱስ ግና፡ ነታ ሕጊ ምስቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ ኣብ ዘሎና ርክብ ጥራይ ክንስዕባ ኣይኰነን ሓቢሩ። ንሰባት ብሓፈሻ፡ ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ንጸላእትና ብዛዕባ እንሕዘሉ መገዲ ኺገልጽ ከሎ እዩ ብዛዕባ እታ ወርቃዊት ሕጊ ተዛሪቡ። (ሉቃስ 6:27, 28, 31, 35 ኣንብብ።) ምስ ጸላእትና ኣብ ዘሎና ርክብ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ንስዕባ ኻብ ኰንና፡ ንኻልኦት ሰባት ክንምስክረሎም ከሎናኸ ነታ ሕጊ ብዝያዳ ኽንስዕባ ኣይግብኣናንዶ፧ ከመይሲ፡ ብዙሓት ካባታቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ግብ. 13:48

4 ቀጺልና፡ ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዞ እንኽእል ኣርባዕተ ሕቶ ኽንምርምር ኢና፦ እቶም ዘዘራርቦም ዘለኹ ውልቀ ሰባት መን እዮም፧ ኣበይ እየ ዘዘራርቦም ዘለኹ፧ ንሰባት ዘዘራርበሉ ዝበለጸ እዋን መዓስ እዩ፧ ብኸመይ እየ ኸዘራርቦም ዘሎኒ፧ ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ፡ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ንስምዒት እቶም እንሰብከሎም ሰባት ኣብ ግምት ንኸነእትዎን ኣቀራርባና ንኽንቀያይርን ኪሕግዛና እየን።—1 ቈረ. 9:19-23

ንመን እየ ዘዘራርብ ዘለኹ፧

5. ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ እንኽእል፧

5 ኣብ ኣገልግሎት፡ መብዛሕትኡ እዋን ንውልቀ ሰባት ኢና እነዘራርብ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ፡ ነናቱ ኣተዓባብያን ጸገማትን ኣለዎ። (2 ዜና 6:29) ንሓደ ሰብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግሮ ኽትጽዕር ከለኻ፡ ‘ኣነ ኣብ ቦታኡ እንተ ዝኸውን ነይረ፡ ብኸመይ ኪርእየኒ ምደለኽዎ፧ ብዛዕባይ ተቐዳዲሙ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኺበጽሕ ምደለኽዎዶ፡ ወይስ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪፈልጠኒ እየ ዝደሊ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ። ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ግምት ምእታውካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንኽትርእዮ ኺሕግዘካ እዩ።

6, 7. እቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ሰብ ቍጡዕ ዚመስል እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

6 ካልኦት ሰባት ብዛዕባና ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣይንደልን ኢና። ንኣብነት፡ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ነቲ፡ ‘ዘረባኹም ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን’ ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ንጽዕር ኢና። (ቈሎ. 4:6) ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ግና፡ ጸኒሑ ዜጣዕሰና ነገራት ንዛረብ ኢና። (ያእ. 3:2) ምናልባት ተካል መዓልቲ ስለ ዝወዓልና፡ ንሓደ ሰብ፡ ለውሃት ብዝጐደሎ መገዲ እኳ እንተ ኣዘራረብናዮ፡ ከም “ስነ ስርዓት ዘይብሉ” ወይ ከም “ዘይሓሊ” ሰብ ኴንና ኽንርአ ኣይንደልን ኢና። እቲ ዘዘራረብናዮ ሰብ ንኺርድኣልና ተስፋ ንገብር ኢና። ንሕናኸ ኸምኡ ደይኰንናን ክንገብር ዚግብኣና፧

7 እቲ ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦ ሰብ ቍጡዕ ዚመስል እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ዓይነት ባህርይ ከም ዜርኢ ንኽትርዳእ ክትጽዕር ትኽእልዶ፧ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸቕጢ ስለ ዜጋጥሞ ደዀን ይኸውን፧ ወይ ከኣ ምስ ከቢድ ጸገም ጥዕና ይቃለስ ስለ ዘሎ ደዀን ይኸውን፧ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም እተራእየ፡ ኣብ ፈለማ ቝጡዓት ዝነበሩ ሰብ ቤት፡ ህዝቢ የሆዋ ብልእመትን ብኣኽብሮትን ምስ ሓዝዎም፡ ኣረኣእያኦም ቀይሮም እዮም።—ምሳ. 15:1፣ 1 ጴጥ. 3:15

8. “ንዅሎም ዓይነት ሰባት” ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምንጋር ድሕር ምሕር ክንብል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

8 ኣገልግሎትና ምስ ብዙሓት ዓይነት ሰባት እዩ ዜራኽበና። ንኣብነት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ኣብ ዘርእስታ ዓምዲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ልዕሊ 60 ተመክሮታት ወጺኡ እዩ። ገለ ኻብቶም ኣብታ ዓምዲ ተመክሮኦም ዝወጸ ሰባት፡ ሰረቕቲ፡ ሰኽራማት፡ ዓዋሉ፡ ወይ ውሉፋት ሓሽሽ ዝነበሩ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወይ ኣብ ስራሖም ጥራይ ዜተኵሩ ውልቀ ሰባት እዮም ነይሮም። ርኹስ ናብራ ዚነብሩ ዝነበሩ  እውን ተጠቒሶም ኣለዉ። ኰይኑ ግና፡ ኵላቶም ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ምስምዖም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዖምን ኣብ ህይወቶም ለውጢ ብምግባር ናብ ሓቂ መጺኦምን እዮም። ስለዚ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸም ዘይክእሉ ጌርና ኽንድምድም የብልናን። (1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ።) የግዳስ፡ “ኵሎም ዓይነት ሰባት” ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዕዎ ኸም ዚኽእሉ ኽንዝክር ኣሎና።—1 ቈረ. 9:22

ኣበይ እየ ዘዘራርቦም ዘለኹ፧

9. ንቤት ካልኦት ሰባት ኣኽብሮት ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ኣብ ኣገልግሎት፡ ንሰባት ኣበይ ኢና እነዘራርቦም፧ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ቤቶም ኢና እነዘራርቦም። (ማቴ. 10:11-13) ካልኦት ሰባት ንቤትናን ንውልቃዊ ንብረትናን ኣኽብሮት ኬርእዩ ኸለዉ ባህ ይብለና እዩ። ከመይሲ፡ ቤትና፡ ከይተረበሽና በይንና እንዀነሉን ድሕንነት ከም ዚስምዓና ዚገብርን ቦታ ስለ ዝዀነ፡ የገድሰና እዩ። ንኻልኦት ሰባት እውን ተመሳሳሊ ዓይነት ኣኽብሮት ከነርእዮም ኣሎና። ስለዚ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና፡ ንቤት እቶም እነዘራርቦም ሰባት ብኸመይ ኣኽብሮት ከም እነርኢ ኽንሓስብ ኣሎና።—ግብ. 5:42

10. ኣብ ኣገልግሎትና ንኻልኦት ሰባት ንኸይንርብሾም ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ኣብዛ ብገበን መሊኣ ዘላ ዓለም፡ ብዙሓት ሰብ ቤት ብዛዕባ ዘይፈልጥዎም ሰባት ይጠራጠሩ እዮም። (2 ጢሞ. 3:1-5) ንሕና ድማ ነዚ ጥርጣረ እዚ ንኸይነጋድዶ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ንኣብነት፡ ናብ ሓደ ቤት ኬድና፡ ኣብ ማዕጾ ዃሕኲሕና ንበል። ዚኸፍተና ሰብ ምስ ሰኣንና፡ ብመስኰት ክንርኢ ወይ ካልእ መእተዊ ኽንደሊ ንጽዕር ንኸውን። ከምዚ ምግባር ነቲ ብዓል ቤት ይርብሾ ደዀን ይኸውን፧ እቶም ዚርእዩና ጐረባብቲኸ እንታይ ኢሎም እዮም ኪሓስቡ ዚኽእሉ፧ ንዕዮ ስብከትና ኣጸቢቕና ኽንዓይዮ ኸም ዘሎና ዚከሓድ ኣይኰነን። (ግብ. 10:42) ነቲ ኣወንታዊ መልእኽትና ኣብ ኵሉ ኸነብጽሖ ስለ እንደሊ፡ ጽቡቕ ድራኸ ኺህልወና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 1:14, 15) ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት ዚርብሽ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር የብልናን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንቀፍ፡ ብገለ ነገር እኳ መዐንቀፊ ኸቶ ኣይንህብን ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረ. 6:3) ንቤትን ንንብረትን እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ምኽባር፡ ገሊኦም ሰባት ንኣካይዳና ርእዮም ናብ ሓቂ ኸም ዚመጹ ኺገብር ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:12 ኣንብብ።

ንንብረት ሰብ ቤት ኣኽብሮት ነርኢ፡ ከይንርብሾም ከኣ ንጠንቀቕ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

መዓስ እየ ዘዘራርቦም፧

11. ካልኦት ሰባት ንግዜና ኬኽብሩልና ኸለዉ ባህ ዚብለና ስለምንታይ እዩ፧

11 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ መብዛሕትና ህይወትና ብስራሕ ትሑዝ እዩ። ሓላፍነትና ምእንቲ ኽንፍጽም፡ ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ንሰርዕን ብጥንቃቐ መደብ ነውጽእን ኢና። (ኤፌ. 5:16፣ ፊል. 1:10) መደብና ብገለ መገዲ እንተ ተዓናቒፉ ድማ፡ ንበሳጮ ኢና። ስለዚ፡ ካልኦት ሰባት ንግዜና ኬኽብሩልናን ምሳታቶም ብዙሕ ግዜ ኸነሕልፍ ከም ዘይንኽእል ኪርድኡልናን ከለዉ፡ ባህ ይብለና እዩ። ንሕናኸ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ነቶም እንሰብከሎም ሰባት ከም እነኽብሮም ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12. ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት መዓስ ከም ዚጥዕሞም ክንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ንሰብ ቤት መዓስ እንተ ኸድናዮም ከም ዚሓይሽ ክንፈልጥ ኣሎና። ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት፡ መብዛሕትኡ እዋን መዓስ እዮም ኣብ ቤቶም ዚርከቡ፧ መዓስከ እዮም ንኺሰምዑና ብዝያዳ ፍቓደኛታት ዚዀኑ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመደብና ምትዕርራይ ክንገብረሉ ጽቡቕ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም፡ ድሕሪ ቐትሪ ወይ ኣጋ ምሸት ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ውጽኢታዊ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ። ኣብ ከባቢኻ ኸምኡ ምግባር ዚጥዕም እንተ ዀይኑ፡ መደብካ ብምትዕርራይ ኣብቲ እዋን እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክትሰብኽ ትኽእልዶ፧ (1 ቈረንቶስ 10:24 ኣንብብ።) ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ኣብ ዚጥዕሞም እዋን ንኸነገልግል እንገብሮ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ፡ የሆዋ  ኸም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

13. ንሓደ ብዓል ቤት ኣኽብሮት ከነርእዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ንሓደ ሰብ ኣኽብሮት ከነርእየሉ እንኽእል ካልእ መገዲ እንታይ እዩ፧ ንመልእኽትና ዚሰምዖ ሰብ ምስ እንረክብ፡ ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ግቡእ እኳ እንተ ዀነ፡ ዘረባ ኸነንውሕ የብልናን። እቲ ብዓል ቤት ካልእ ኣገዳሲ ዕዮ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ግዜ ኸም ዘይብሉ እንተ ነጊሩና፡ መልእኽትና ሓጺር ከም ዝዀነ ኽንነግሮ ንኽእል ኢና፣ ቃልና ድማ ክንሕሉ ኣሎና። (ማቴ. 5:37) ምይይጥና ምስ ወዳእና፡ ነቲ ብዓል ቤት መዓስ ከም ዚጥዕሞ ኽንሓትቶ ጽቡቕ እዩ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ “ካልእ መዓልቲ ኽመጸካ ምደለኹ። ቅድሚ ምምጽአይ ክድውለልካ ወይ ብሞባይል መልእኽቲ ኽሰድደልካዶ ይሓይሽ፧” ኢሎም ይሓትቱ። ምስቲ እነገልግለሉ ኽሊ ብዚሰማማዕ መገዲ መደብና ምትዕርራይና፡ ነቲ ‘ምእንቲ ኺድሕኑስ፡ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ዘይደሊ’ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢና እንመስሎ።—1 ቈረ. 10:33

ብኸመይ እየ ኸዘራርቦም ዘሎኒ፧

14-16. (ሀ) ነቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ መምጽኢና ብንጹር ክንገልጸሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ለ) ሓደ ገያሺ ሓላዊ ነየናይ ኣቀራርባ እዩ ውጽኢታዊ ዀይኑ ረኺብዎ፧

14 ሓደ መዓልቲ፡ ተሌፎን ከም እተደወለልና ጌርና እሞ ንሕሰብ፣ ንድምጺ እቲ ደዋሊ ግና ከነለልዮ ኣይከኣልናን። ዘይንፈልጦ ሰብ እኳ እንተ ዀነ፡ እንታይ ዓይነት ምግቢ ኸም እንፈቱ ሓቲቱና። መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝደለየን ንሓስብ ንኸውን። ምናልባት ትሕትና ደሪኹና ቝሩብ እኳ እንተ ኣዘራረብናዮ፡ ብዙሕ ክንዛረብ ኣይንደልን ንኸውን። ብኣንጻሩ ግና፡ እቲ ደዋሊ መንነቱን ኣብ ዓውዲ ስነ ምግቢ ኸም ዚሰርሕን ሓጋዚ ሓበሬታ  ኺነግረና ኸም ዚደልን ብለውሃት እንተ ዚነግረና፡ ንኽንሰምዖ ብዝያዳ ፍቓደኛታት ምዀንና። ከመይሲ፡ ሰባት ኬዘራርቡና ኺደልዩ ኸለዉ፡ ብግልጺ ግናኸ ብሜላ ኪቐርቡና ኢና እንደሊ። ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ኽንቀርቦም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ኣብ ብዙሕ ክልታት፡ ንሰብ ቤት ብዛዕባ እቲ ዝመጻእካሉ ዕላማ ንኽትነግሮም ትጽቢት ይግበረልካ እዩ። ሓቂ እዩ፡ መልእኽትና ነቲ ብዓል ቤት ዜድልዮ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ መንነትናን ስለምንታይ ከም ዝመጻእናን ከይገለጽና፡ “ኣብ ዓለም ንዘሎ ዝዀነ ይኹን ጸገም ክትፈትሖ እንተ ትኽእል፡ ነየናይ ጸገም ምፈታሕካዮ፧” ኢልና ዘረባና ምስ እንጅምርከ፧ ዕላማ እቲ ሕቶ፡ ንኣረኣእያ እቲ ብዓል ቤት ንምፍላጥን ነቲ ምይይጥ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዓል ቤት፡ “እዚ ሰብ እዚ እንታዋይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ዚሓትተኒ ዘሎ፧ እንታይ እዩ ደልዩ፧” ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ብዓል ቤት ከይተጨነቐ ምሳና ኸም ዚመያየጥ ንኽንገብር ክንጽዕር ኣሎና። (ፊል. 2:3, 4) ብኸመይ፧

16 ሓደ ገያሺ ሓላዊ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣቀራርባ ውጽኢታዊ ዀይኑ ረኺብዎ እዩ። ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ነቲ ብዓል ቤት ቅዳሕ እታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት እናሃቦ፡ “ኣብዚ ኸባቢ ንዚርከቡ ሰባት፡ እዛ ትራክት እዚኣ ንህቦም ኣለና። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዜልዕልዎ ሽዱሽተ ሕቶ ድማ እያ እትገልጽ። ክትወስዳ ትኽእል ኢኻ” ይብሎ። እዚ ሓው እዚ ኸም ዝገለጾ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝመጸሉ ዕላማ ምስ ፈለጡ፡ ፍዅስ ይብሎም እዩ። ድሕሪኡ ነቲ ምይይጥ ብቐሊሉ ኽትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ገያሺ ሓላዊ ኣስዕብ ኣቢሉ ነቲ ብዓል ቤት፡ “ንሓንቲ ኻብዘን ሕቶታት እዚአን ሓሲብካለንዶ ትፈልጥ፧” ኢሉ ይሓትቶ። እቲ ብዓል ቤት ሓንቲ ሕቶ እንተ መሪጹ፡ እቲ ሓውና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ሕቶ እንታይ ከም ዚብል የርእዮ። እቲ ብዓል ቤት ስቕ እንተ ኢሉ ግና፡ እቲ ሓው ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ክንዲ ዜዋጥሮ፡ ባዕሉ ሓንቲ ሕቶ መሪጹ የመያይጦ። ምይይጥ ክንጅምር እንኽእለሉ ብዙሕ መገድታት እዩ ዘሎ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት፡ መምጽኢኻ ቕድሚ ምዝራብካ፡ ክትብሎ ዚግብኣካ ገለ ባህላዊ ሰላምታ ኺህሉ ይኽእል እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥቢ፡ ንሰባት በቲ ኣብ ከባቢኦም ልሙድ ዝዀነ መገዲ ኽንቀርቦም ከም ዘሎና እዩ።

ኣብ ኣገልግሎትካ፡ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ብቐጻሊ ስዓባ

17. ከምቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዝረኣናዮ፡ ነታ ወርቃዊት ሕጊ እንስዕበሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

17 ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ኣገልግሎትና እንስዕበሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ ንነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኢና እንርእዮ። ንቤትን ንንብረትን እቲ ብዓል ቤት ኣኽብሮት ነርኢ ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ሰብ ቤት ኣብ ገዛኦም ዚርከቡሉን ንኺሰምዑ ብዝያዳ ፍቓደኛታት ዚዀኑሉን ግዜ ኢና እነገልግል። ንመልእኽትና ድማ ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ኪቕበልዎ ብዚኽእሉ መገዲ ኢና እነቕርቦ።

18. ነቶም ኣብ ክልና እንረኽቦም ሰባት፡ ከምቲ ኻልኦት ኪገብሩልና እንደልዮ እንተ ጌርናሎም፡ እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧

18 ነቶም ኣብ ክልና እንረኽቦም ሰባት፡ ከምቲ ኻልኦት ኪገብሩልና እንደልዮ እንተ ጌርናሎም፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ንሰባት ብለውሃትን ብሓልዮትን እንተ ሒዝናዮም፡ ብርሃንና ኸም ዚበርህን ጥቕሚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ከም ዚጐልሕን ኢና እንገብር፣ ንሰማያዊ ኣቦና ድማ ነመጕሶ። (ማቴ. 5:16) ኣቀራርባና ንብዙሓት ሰባት ናብ ሓቂ ኺስሕቦም ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 4:16) እቶም እንሰብከሎም ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይቀበልዎ ኣይቀበልዎ ብዘየገድስ፡ ኣገልግሎትና ንምፍጻም ዚከኣለና ኸም ዝገበርና ብምፍላጥ ክንዓግብ ኢና። (2 ጢሞ. 4:5) ነፍሲ ወከፍና ነቲ፡ “እዚ ዅሉ ግና ምእንቲ እቲ ብስራት፡ ማለት ንኻልኦት ምእንቲ ኸካፍሎ ኢለ እየ ዝገብሮ” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ንምሰሎ። (1 ቈረ. 9:23) ኣብ ኣገልግሎትና ድማ ወትሩ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ንስዓባ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ መግለጽ ስእሊ]