ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ—ብውድብ ዚዓዪ ኣምላኽ

የሆዋ—ብውድብ ዚዓዪ ኣምላኽ

“ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ህውከት ኣምላኽ ኣይኰነን።” 1 ቈረ. 14:33

1, 2. (ሀ) እቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ መን እዩ፧ የሆዋኸ ንዕኡ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧ (ለ) መንፈሳውያን ፍጡራት እተወደቡ ምዃኖም ዚሕብር እንታይ እዩ፧

እቲ ንዩኒቨርስ ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብውድብ እዩ ዚዓዪ። እቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረቱ፡ እቲ መንፈሳዊ ዝዀነ ሓደ ወዱ እዩ። ንሱ ቐንዲ ኣፈኛ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ “ቃል” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ቓል እቲ፡ ንየሆዋ ንመዋእል ኣገልጊልዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፣ እቲ ቓል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ” ዚብል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኵሉ ብእኡ [በቲ ቓል] ዀነ፣ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ፡ ሓደ እኳ የልቦን” ይብለና። ልዕሊ 2,000 ዓመት ይገብር፡ ኣምላኽ ነቲ ቓል ናብ ምድሪ ለኣኾ። ንሱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ የሱስ ክርስቶስ ተባህለ፣ ፍቓድ ኣቦኡ ድማ ብተኣማንነት ፈጸመ።—ዮሃ. 1:1-3, 14

2 ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጽኡ፡ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ምስ ኣቦኡ ብተኣማንነት ኣገልጊሉ እዩ። (ምሳ. 8:30) የሆዋ ብእኡ ኣቢሉ፡ ኣብ ሰማይ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት ፈጢሩ እዩ። (ቈሎ. 1:16) ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እዞም መላእኽቲ እዚኦም፡ “ሽሕ ጊዜ ሽሕ [ንየሆዋ] የገልግልዎ፡ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ” ይብለና። (ዳን. 7:10) እቶም ማእለያ ዘይብሎም መንፈሳውያን ፍጡራት የሆዋ፡ ብግቡእ እተወደቡ “ሰራዊቱ” ኸም ዝዀኑ ተጠቒሶም ኣለዉ።—መዝ. 103:21

3. ክንደይ ከዋኽብቲ ኣለዉ፧ ከዋኽብትን ፕላነታትን ብኸመይ እዮም ተወዲቦም፧

 3 ብዛዕባ ግኡዝ ፍጥረታት፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ኪቝጸር ዘይከኣል ከዋኽብትን ፕላነታትንከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ኣብ ህዩስተን፡ ቴክሳስ፡ እትሕተም ክሮኒክል እትብሃል ጋዜጣ፡ ሊቃውንቲ ኣብ ቀረባ ግዜ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባሮም፡ ኣብ ዩኒቨርስ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ከዋኽብቲ ኸም ዘለዉ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝቐመርዎ ኣሃዝ ብሰለስተ ዕጽፊ ኸም ዚዛይድ ዚኣምኑሉ ምዃኖም ዚገልጽ ጸብጻብ ኣቕረበት። * ከዋኽብቲ ብጋላክሲታት እተወደበ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ጋላክሲ ኸኣ ቢልዮናት ወይ እውን ትሪልዮናት ከዋኽብትን ሓያሎ ፕላነታትን ዝሓቘፈ እዩ። መብዛሕትኡ ጋላክሲታት ከኣ ብጕጅለ ጋላክሲታት እተጠምረ፡ እቲ ጕጅለ ጋላክሲታት ከኣ ብኻልእ ዓብዪ ጕጅለ ተጠሚሩ እተወደበ እዩ።

4. ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ኣገልገልቱ ኸም ዚውድቦም ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 እዚ ዚርአ ሰማያት እውን፡ ልክዕ ከምቶም ጻድቃን ዝዀኑ መንፈሳውያን ፍጡራት ብዜደንቕ መገዲ እተወደበ እዩ። (ኢሳ. 40:26) ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ እውን ከም ዚውድቦም ፍሉጥ እዩ። ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ብዙሕ ኣገዳሲ ዕዮ ስለ ዘለዎም፡ ብግቡእ ተወዲቦም ኪመላለሱ እዩ ዚደልዮም። ኣብ ዝሓለፈን ኣብዚ ግዜናን ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዘቕረብዎ ዀነ ዜቕርብዎ ዘለዉ ኣገልግሎት፡ የሆዋ ወትሩ ምስ ህዝቡ ኸም ዝዀነ፡ እቲ፡ “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ህውከት ኣምላኽ ኣይኰነን” ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጽ መርትዖ እዩ።—1 ቈረንቶስ 14:33, 40 ኣንብብ።

ጥንቲ ዝነበሩ እተወደቡ ህዝቢ ኣምላኽ

5. እቲ ምድሪ ብስድራ ቤት ወዲ ሰብ ክትመልእ ዝነበረ እተወደበ ስርዓት ንግዜኡ እተዓናቐፈ ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ፈጠሮም፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” በሎም። (ዘፍ. 1:28) ደቂ ሰብ ንምድሪ ምእንቲ ኺመልእዋን ናብ ገነት ምእንቲ ኪቕይርዋን ብእተወደበ መገዲ እናሰሰኑ ኪኸዱ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሱ ግና፡ እዚ እተወደበ ስርዓት እዚ፡ ንግዜኡ ተዓናቐፈ። (ዘፍ. 3:1-6) ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ።” ብሰንኪ እዚ ኽፍኣት እዚ ድማ፡ “ምድሪ . . . ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት።” ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቶም እኩያት ሰባት ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኼውርድ ዕላማ ገበረ።—ዘፍ. 6:5, 11-13, 17

6, 7. (ሀ) ኖህ፡ ሞገስ የሆዋ ዝረኸበ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 21 ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ንዅሎም እቶም ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ ዘይእሙናት ሰባት እንታይ ኣጋጠሞም፧

6 ይኹን እምበር፡ ‘ኖህ፡ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ስለ ነበረ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞገስ ረኸበ።’ ‘ምስ ኣምላኽ ስለ እተማላለሰ’ ድማ፡ የሆዋ፡ ዓባይ መርከብ ንኺሰርሕ መምርሒ ሃቦ። (ዘፍ. 6:8, 9, 14-16) እታ መርከብ ንምድሓን ደቂ ሰብን እንስሳታትን ከም እትበቅዕ ኰይና እያ ተወጢና። ኖህ ‘ከምቲ የሆዋ ዝአዘዞ ዅሉ ገበረ፡’ ምስ ስድራ ቤቱ ብምትሕብባር ከኣ፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ብእተወደበ መገዲ ዛዘሞ። ህያዋን ፍጡራት ናብ መርከብ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ የሆዋ፡ ‘ንመዓጹ እታ መርከብ ዓጸዎ።’—ዘፍ. 7:5, 16

7 ብ2370 ቅ.ክ. ማይ ኣይሂ ምስ መጸ፡ የሆዋ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዝነበረ ዅሉ ህያው ኣጥፈአ። ነቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ እሙናት ሰባት፡ ማለት ንኖህን ንስድራ ቤቱን ግና ኣድሓኖም። (ዘፍ. 7:23) ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ሰባት፡ ዘርኢ ኖህን ደቁን ኣንስቶምን እዮም። ኵሎም እቶም ካብታ መርከብ ወጻኢ ዝነበሩ ዘይእሙናት ሰባት ግና፡ ነቲ “ሰባኽ ጽድቂ” ዝነበረ ኖህ ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ጠፊኦም እዮም።—2 ጴጥ. 2:5

ሸሞንተ ሰባት ብግቡእ ተወዲቦም ስለ ዝነበሩ ኻብ ማይ ኣይሂ ደሓኑ (ሕጡብ ጽሑፍ 6, 7 ርአ)

8. ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ መምርሒ ኺህቦም ከሎ፡ ብግቡእ ተወዲቦም ከም ዝነበሩ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

 8 ድሕሪ ማይ ኣይሂ ሸሞንተ ዘመናት ጸኒሑ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ከም ህዝቢ መጠን ወደቦም። ብግቡእ ምውዳቦም ከኣ፡ ንዅሉ መዳያት ህይወቶም፡ ብፍላይ ከኣ ንኣምልኾኦም ዚጸሉ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ሓያሎ ካህናትን ሌዋውያንን ነይሮምዎም እዮም። ብዘይካዚ፡ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግላ እተወደባ ኣንስቲ” እውን ነይረን እየን። (ዘጸ. 38:8NW) የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ናብ ከነኣን ኪኣትዉ መምርሒ ምስ ሃቦም ግና፡ እቲ ወለዶ እቲ ዘይእሙን ኰነ፣ የሆዋ ድማ፡ “ናብታ ኣብኣ ኸናብረኩም ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፉነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንስኻትኩም ኣይትአትዉን” በሎም። ካሌብን እያሱን፡ ንምድሪ ተስፋ ምስ ሰለይዋ፡ ጽቡቕ ወረ ሒዞም ስለ እተመልሱ፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸም ዚኣትዉ ተነግሮም። (ዘሁ. 14:30, 37, 38) ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ሙሴ መምርሒ ኣምላኽ ብምስዓብ፡ ንእያሱ፡ ኣብ ክንዳኡ ዀይኑ ንኺመርሕ መዘዞ። (ዘሁ. 27:18-23) እያሱ ንእስራኤላውያን ናብ ከነኣን ኪመርሖም ኣብ እተቐራረበሉ እዋን፡ የሆዋ፡ ‘ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ’ በሎ።—እያ. 1:9

9. ረሃብ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ህዝቡን እንታይ ስምዒት እዩ ነይርዋ፧

9 የሆዋ ኣምላኽ ንእያሱ፡ ኣብ ዝኸዶ ዝበለ ኣይተፈለዮን። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ኣብ ከነኣን፡ ኣብ ጥቓ ኸተማ ያሪኮ ኣብ ዝሰፈሩሉ እዋን እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ንርአ። ብ1473 ቅ.ክ. እያሱ ንያሪኮ ዚስልዩ ኽልተ ሰባት ለኣኸ፣ እቶም ሰለይቲ ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ፡ ረሃብ እታ ኣመንዝራ ኣጓነፈቶም። ንሳ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ቤታ ሓቢኣ፡ ካብቶም ንኺሕዝዎም ብንጉስ እተላእኩ ሰባት ኣዕቈበቶም። ሽዑ ረሃብ ነቶም እስራኤላውያን ሰለይቲ፡ “እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሀበኩም፡ . . . እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከኣ ዝገበርኩምዎ. . . ሰሚዕና ኢና” በለቶም። ኣስዒባ እውን፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ  ኣምላኽ እዩ” በለት። (እያ. 2:9-11) ረሃብ ምስታ ኣብ ግዜኣ ዝነበረት ውድብ የሆዋ ስለ ዝሓበረት፡ እስራኤላውያን ንያሪኮ ኺወርሩዋ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ንረሃብን ንስድራ ቤታን ኣድሓኖም። (እያ. 6:25) እታ እምንቲ ዝነበረት ረሃብ፡ ንየሆዋን ንህዝቡን ኣኽብሮት ነይርዋ እዩ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ውድብ

10. የሱስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ እንታይ እዩ ኢልዎም፧ ስለምንታይከ፧

10 ህዝቢ እስራኤል፡ ብእያሱ ተመሪሖም ሓያሎ ኸተማታት ተቘጻጸሩ፡ ንምድሪ ኸነኣን ከኣ ሓዝዋ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ እዋናት ግና እንታይ ኣጋጠመ፧ ህዝቢ እስራኤል ንዘመናት ዚኣክል፡ ብተደጋጋሚ ሕግታት ኣምላኽ ይጥሕሱ ነበሩ። የሆዋ ንወዱ ናብ ምድሪ ኣብ ዝለኣኸሉ እዋን፡ እቲ እስራኤላውያን ንኣምላኽን ንነብያቱን ብዘይምእዛዝ ዜርእይዎ ዝነበሩ ንቕጽና ኣዝዩ ጕሉሕ ስለ ዝነበረ፡ የሱስ ንየሩሳሌም፡ “ንነብያት እትቐትል” ኢሉ ሰመያ። (ማቴዎስ 23:37, 38 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ንዕኡ ዘይእሙናት ስለ ዘነበሩ ነጸጎም። ስለዚ ድማ የሱስ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ተወሲዳ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢ ኽትውሃብ እያ” በሎም።—ማቴ. 21:43

11, 12. (ሀ) የሆዋ ንኣይሁድ ገዲፉ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበረት ካልእ ውድብ ከም ዝባረኻ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ (ለ) እታ ኣምላኽ ዝባረኻ ሓዳስ ውድብ ንመን ዝሓቘፈት እያ፧

11 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ የሆዋ ነቶም ዘይእሙናት ህዝቢ እስራኤል ራሕሪሕዎም እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ድሕሪኡ ኣብ ምድሪ እሙናት ኣገልገልቲ ዝሓቘፈት ውድብ ኣይነበረቶን ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ንሓንቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስን ኣብ ትምህርትታቱን ዘተኰረት ሓዳስ ውድብ ኪባርኻ ጀሚሩ እዩ። እዛ ውድብ እዚኣ፡ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እያ ጀሚራ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ 120 ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ከለዉ ብዛዕባ ዘጋጠመ ዅነታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ብሃንደበት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ ካብ ሰማይ መጸ፣ ንብዘላ እታ ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ቤት እውን መልኣ። ልሳናት ሓዊ ዚመስል ከኣ ተራእዮም፣ ተመቓቒሉ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዓለበ፣ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ እሞ፡ ከምቲ እቲ መንፈስ ኪዛረቡ ዝሃቦም እውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።” (ግብ. 2:1-4) እዚ ዜገርም ፍጻመ እዚ፡ የሆዋ ነታ ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝሓቘፈት ሓዳስ ውድብ ይባርኻ ኸም ዝነበረ ዜረጋግጽ እዩ።

12 ኣብታ ባህ እተብል መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ኣባላት ሰዓብቲ የሱስ፡ “ኣስታት 3,000 ነፍሳት ተወሰኻ።” ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ድማ ዚድሕኑ መዓልቲ መዓልቲ ይውስኸሎም ነበረ” ይብል። (ግብ. 2:41, 47) ንጥፈት እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰበኽቲ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ስለ ዝነበረ፡ “ቃል ኣምላኽ እናዓበየ፡ ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ፣ ብዙሓት ካብ ካህናት እውን ነታ እምነት ተኣዘዙ።” (ግብ. 6:7) ስለዚ፡ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ነቲ ብኣባላት እዛ ሓዳስ ውድብ እዚኣ እተሰብከሎም ሓቅታት ተቐቢሎምዎ እዮም። ድሕሪ ገለ ግዝያት፡ የሆዋ ‘ንኣህዛብ’ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኼምጽኦም ምስ ጀመረ እውን፡ ነዛ ሓዳስ ውድብ እዚኣ ኸም ዝባረኻ ብተወሳኺ ኣርእዩ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:44, 45 ኣንብብ።

13. ዕዮ እታ ሓዳስ ውድብ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

13 ኣምላኽ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ሓደ ዕዮ ኸም ዝሃቦም ንጹር እዩ ነይሩ። የሱስ ባዕሉ ነዚ ዕዮ እዚ ብምዕያይ ንሰዓብቱ ኣብነት ሰሪዑሎም እዩ። ከመይሲ፡ ምስ ተጠምቀ ብኡብኡ፡ ብዛዕባ “መንግስተ ሰማያት” ኪሰብኽ ጀሚሩ እዩ። (ማቴ. 4:17) ንደቀ መዛሙርቱ እውን ነዚ ዕዮ እዚ ኺፍጽሙ ምሂርዎም እዩ። “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ድማ በሎም። (ግብ. 1:8) እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ካባታቶም እንታይ ከም ዚድለ ብንጹር ይፈልጡ ነበሩ። ንኣብነት፡  ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ፡ ጳውሎስን በርናባስን ነቶም ተጻረርቶም ኣይሁድ ብትብዓት ከምዚ በልዎም፦ “ቃል ኣምላኽ ቅድም ንዓኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ደፋእኩምዎን ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ባዕላትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣለና። ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንድሕነት ምእንቲ ኽትከውን፡ ብርሃን ኣህዛብ ገይረ ሸምኩኻ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ።” (ግብ. 13:14, 45-47) ምድራዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ካብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንድሕነት ዚኸውን መሰናድዎ ኸም ዝገበረ ኼፍልጥ ጸኒሑ እዩ።

ሓያሎ ጠፍኡ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግና ደሓኑ

14. ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት የሩሳሌም እንታይ እዩ ኣጋጢምዋ፧ መንከ እዮም ድሒኖም፧

14 ኣይሁድ ብሓፈሻ ነቲ እተሰብከሎም ብስራት ስለ ዘይተቐበልዎ፡ ምጥፍኦም ዘይተርፍ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ምስ ረኣኹም ከኣ፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፣ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፣ እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉ እውን ናብኣ ኣይእተዉ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 21:20, 21) ትንቢት የሱስ ተፈጺሙ እዩ። ኣይሁድ ስለ ዝዓለዉ፡ ብ66 ድ.ክ. ብሰስትየስ ጋለስ ዚምራሕ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ከበባ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሰራዊት ብሃንደበት ስለ ዘንሰሓበ፡ ሰዓብቲ የሱስ ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን ንኺወጹ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። ብመሰረት ጸሓፍ ታሪኽ ዩሲቤስ፡ ሓያሎ ኻባታቶም ርባ ዮርዳኖስ ሰጊሮም ናብ ፔላ ናይ ጴርያ ሃደሙ። ብ70 ድ.ክ. ከኣ ብጀነራል ቲቶስ ዚምራሕ ሰራዊት ሮሜ ተመሊሱ፡ ንየሩሳሌም ኣዕነዋ። እቶም እሙናት ክርስትያናት ግና፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ስለ ዘቕለቡሉ፡ ድሒኖም እዮም።

15. እንታይ እናሃለወ እዩ ክርስትና ዘስፋሕፍሐ፧

15 ሽሕ እኳ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ መስጐጕትን ካልእ ንእምነቶም ዚፍትን ፈተናታትን እንተ ኣጋጠሞም፡ ክርስትና ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣስፋሕፊሑ እዩ። (ግብ. 11:19-21፣ 19:1, 19, 20) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ በረኸት ኣምላኽ ስለ ዝረኸቡ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ በልጺጎም እዮም።—ምሳ. 10:22

16. ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

16 ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር፡ ብሕታዊ ጻዕሪ ኺገብር የድልዮ ነበረ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ምጽናዕ፡ ንኣምልኾ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ብስሩዕ ምእካብ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ምስታፍ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት፡ ኣብ መንፈሳዊ ጥዕናን ሓድነትን እቶም ሽዑ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣባላት እተን ብግቡእ እተወደባ ጉባኤታት ካብቶም ብፍታውን ብጻዕርን ዜገልግሉ ዝነበሩ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። (ፊል. 1:1፣ 1 ጴጥ. 5:1-4) እተን ጉባኤታት ከም ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ገየሽቲ ሓለውቲ ኺበጽሕወን ከለዉ ኸኣ ይሕጐሳ ነይረን እየን። (ግብ. 15:36, 40, 41) ኣምልኾናን ኣምልኾ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ተመሳሳሊ ምዃኑ ዜገርም እዩ። የሆዋ ጥንቲ ዀነ ሎሚ ንህዝቡ ዚውድብ ኣምላኽ ብምዃኑ ኣዚና ነማስወሉ ኢና። *

17. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

17 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ኢና እንነብር ዘለና፣ ናይ ሰይጣን ዓለም ከኣ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኽትጠፍእ እያ። ምድራዊት ክፋል ውድብ የሆዋ ግና ብፍጥነት ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ። እሞኸ፡ ምስኡ ዄንካ ንቕድሚት ትስጕምዶ ኣሎኻ፧ መንፈሳዊ ዕቤትከ ትገብርዶ ኣሎኻ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ኸም እትኽእል ክትገልጽ እያ።

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ 300 ሴክስቲልዮን ዚዀኑ ኸዋኽብቲ ኣለዉ። እዚ ቝጽሪ እዚ፡ መጀመርታ ቝጽሪ 3፡ ኣስዒብካ ድማ 23 ዜሮ ምጽሓፍ ማለት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 16 ነተን ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ፡ “ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ” ከምኡ እውን፡ “ክርስትያናት ብሓቂ ኢዮም ዝመላለሱ” ዘርእስተን ዓንቀጻት ርአ። ኣብታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ብዛዕባ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዚገልጽ ሓሳባት ብሰፊሑ ወጺኡ ኣሎ።