ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

እቲ ንፋስጋ ዚኸውን ገንሸል፡ ኣብ ኒሳን 14 ኣበየናይ እዋን እዩ ኺሕረድ ነይርዎ፧

ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ገንሸል “ኪመሲ ኸሎ” ኺሕረድ ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ፣ እዚ ኸኣ ጽልግልግ ምስ በለ ወይ ከኣ ኣብ እዋን ዕራርቦ ማለት እዩ፣ ስለዚ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ግናኸ ኸይጸልመተ ኸሎ ኺሕረድ ነበሮ። (ዘጸ. 12:6)—15/12፡ ገጽ 18-19

መንእሰያት ጥበባዊ ምርጫ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ኣየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞም ይኽእል፧

(1) ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለ። (ማቴ. 6:19-34) (2) ንኻልኦት ብምግልጋል ሓጐስ ርኸብ። (ግብ. 20:35) (3) ብግዜ ንእስነትካ ንየሆዋ ብምግልጋል ተሓጐስ። (መክ. 12:1)—15/1፡ ገጽ 19-20

እቶም ካብ 1914 ኣትሒዞም ኪጋልቡ ዝጀመሩ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ኣየኖት እዮም፧

እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ የሱስ፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ሰጒጕዎም እዩ። እቲ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ ድማ፡ ነቲ ንደቂ ሰብ ዜሳቕዮም ዘሎ ውግእ ዜመልክት እዩ። እቲ ኣብ መጋል ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ፡ ንጥሜት እዩ ዜመልክት። እቲ ኣብ ጨላይ ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ ኸኣ፡ ንሚልዮናት ሰባት ብመቕዘፍቲ ይቐትል ኣሎ። (ራእ. 6:2-8)—1/2፡ ገጽ 6-7

“መርዓ እቲ ገንሸል” መዓስ እዩ፧ (ራእ. 19:7)

እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ምስ ሰዓረ፡ ማለት ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአትን ውግእ ኣርማጌዶን ምስ ተዛዘመን፡ “መርዓ እቲ ገንሸል” ኪፍጸም እዩ።—15/2፡ ገጽ 10

ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንመሲሕ ‘እተጸበይዎ’ ስለምንታይ እዮም፧ (ሉቃ. 3:15)

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንትንቢት ዳንኤል በዚ ሕጂ ንሕና እንርድኣሉ መገዲ ይርድእዎ እንተ ነይሮም፡ ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና። (ዳን. 9:24-27) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ እቶም ጓሶት ካብ መልኣኽ የሆዋ ዝሰምዕዎ ነገራትን ብዛዕባ እቲ ነብዪት ሃና ንየሱስ ብሕጻንነቱ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኣየቶ ዝበለቶ ነገራትን ሰሚዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ነቲ “እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ” ደልዮም መጺኦም ነይሮም እዮም። (ማቴ. 2:1, 2) ጸኒሑ እውን፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ክርስቶስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚቕልቀል ሓቢሩ ነይሩ እዩ።—15/2፡ ገጽ 26-27

ዘረባና ‘እወን ኣይፋልን’ ምእንቲ ኸይከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (2 ቈረ. 1:18)

ሓቂ እዩ፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ብዝዀነ ምኽንያት፡ ሓድሓደ እዋን ቃልና ንኽንሕሉ ንጽገም ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ገለ ነገር ከም እንገብር እንተ ተመባጺዕና፡ ቃልና ንኽንሕሉ ዚከኣለና ኽንጽዕር ኣሎና።—15/3፡ ገጽ 32

ስእለ ጽዩፍ ክንርኢ ንዜጋጥመና ፈተና ኽንቃወሞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

እቲ ኺሕግዘና ዚኽእል ሰለስተ ስጕምቲ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ (1) ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ነገር እንተ ኣጋጢሙካ፡ ናብ ካልእ ገጽካ ግበር። (2) ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ብምትኳርን ናብ ኣምላኽ ብምጽላይን ንሓሳባትካ ሓልዎ። (3) ስእለ ጽዩፍ ዘለዎ ፊልምታት ወይ ወብ ሳይታት ብዘይምርኣይ፡ ንስጕምትኻ ሓልዎ።—1/4፡ ገጽ 10-12

ሓደ ክርስትያን፡ ገንዘብ ንምርካብ ካብ ስድራ ቤቱ ተፈልዩ ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ዘይተሓስበ ሳዕቤናት እዩ ኼጋጥም ዚኽእል፧

ወለዲ ኻብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ንውሉዳት ስምዒታውን ስነ ምግባራውን ጕድኣት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ንወለዶም ኪጸልእዎም ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ካብ መጻምድቶም ተፈልዮም ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ ጾታዊ ፈተና ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ።—15/4፡ ገጽ 19-20

እቶም ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሎም ዚቕተሉ ዝነበሩ ገበነኛታት፡ ኣእጋሮም ዚስበር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ሮማውያን ንገሊኦም ገበነኛታት ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒሎም ይቐትልዎም ነበሩ። ኣይሁድ፡ ኣእጋር እቶም ኣብ ጐድኒ የሱስ ተሰቒሎም ዝነበሩ ገበነኛታት ኪስበር ሓቲቶም እዮም። እዚ ኸኣ፡ እቶም ገበነኛታት ብሰንኪ ሕጽረት ኣየር ቀልጢፎም ከም ዚሞቱ እዩ ዚገብሮም። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሎም ኣይሓድሩን እዮም ነይሮም። (ዘዳ. 21:22, 23)—1/5፡ ገጽ 11

ኣብ ኣገልግሎት ምስ ሰባት ክንራኸብ ከለና፡ እንታይ ኣርባዕተ ሕቶ ኢና ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዝ ዘሎና፧

ንመን እየ ዘዘራርብ ዘለኹ፧ ኣበይ እየ ዘዘራርቦም ዘለኹ፧ መዓስ እየ ዘዘራርቦም፧ ብኸመይ እየ ኸዘራርቦም ዘሎኒ፧—15/5፡ ገጽ 12-15

ምትካኽ ሽጋራ ኽንደይ ሰባት እዩ ዚቐትል፧

ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን፡ 100,000,000 ሰባት ቀቲሉ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ፡ በብዓመቱ ኣስታት 6,000,000 ሰባት ይቐትል ኣሎ።—1/6፡ ገጽ 3።