ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንተኽእሎኦም ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙሉ ሓግዞም

ንተኽእሎኦም ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙሉ ሓግዞም

“ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።”—መዝ. 32:8

1, 2. የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧

ወለዲ ንደቆም ኪጻወቱ ኺርእይዎም ከለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ናይ ተፈጥሮ ተኽእሎኦም ይግረሙ እዮም። ንስኻ እውን ነዚ ኣስተብሂልካሉ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ሓደ ቘልዓ ኣብ ስፖርት ንፉዕ ኪኸውን ከሎ፡ ካልእ ቈልዓ ግና ስእሊ ምስኣል ወይ ካልእ ዓይነት ስነ ጥበብ ወይ ሞያ ይፈቱ ይኸውን። ወለዲ፡ ደቆም ዘለዎም ተውህቦ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ተኽእሎኦም ንኺጥቀሙሉ ኺሕግዝዎም ይደልዩ እዮም።

2 የሆዋ እውን በቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደቁ ይግደስ እዩ። ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ፡ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ከም ዚዀኑ ገይሩ እዩ ዚርእዮም። (ሃጌ 2:7) እዞም ሰባት እዚኦም ክቡራት ዚዀኑ፡ ብፍላይ ብምኽንያት እምነቶምን ተወፋይነቶምን እዩ። ይኹን እምበር፡ ክርስትያን ብጾትካ እውን እተፈላለየ ተውህቦ ኸም ዘለዎም ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። ገሊኦም ኣሕዋት፡ ህዝባዊ መደረ ናይ ምሃብ ተውህቦ ኣለዎም፣ ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ምውዳብ ብሉጻት እዮም። ፍሉይ ክእለት ዘለወን ሓያሎ ኣሓት፡ ቋንቋ ወጻኢ ተማሂረን ኣብ ኣገልግሎት ይጥቀማሉ እየን፣ ገሊኣተን ከኣ ምትብባዕ ንዜድልዮም ብምድጋፍ ወይ ንሕሙማት ብምእላይ ኣብነት ብምዃን ዚነኣዳ እየን። (ሮሜ 16:1, 12) ኣብ ጉባኤ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ክርስትያናት ብምህላውናስ ኣይነማስወሉንዶ፧

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

 3 ይኹን እምበር፡ መንእሰያትን ሓደስቲ እተጠምቁ ኣሕዋትን ዚርከብዎም ገሊኦም ክርስትያን ብጾትና፡ ኣብ ጉባኤ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎም ኣይፈልጡን ይዀኑ። እሞኸ፡ ንተኽእሎኦም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ጽቡቕ ጐድኖም ብምምልካት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ንኽንርእዮም ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ፡ ጽቡቕ ጐድኒ ኣገልገልቱ ይርኢ

4, 5. እቲ ኣብ መሳፍንቲ 6:11-16 ዘሎ ጸብጻብ፡ የሆዋ ነቲ ኣገልግልቱ ዘለዎም ተኽእሎ ከም ዜስተብህለሉ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

4 ሓያሎ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ንጽቡቕ ጐድኒ ኣገልገልቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንተኽእሎኦም እውን ይርእዮ እዩ። ንኣብነት፡ ጊዴዎን ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ጭቈና ሚድያናውያን ሓራ ንኼውጽኦም ኣብ እተመርጸሉ እዋን፡ መልኣኽ የሆዋ፡ ‘ኣታ ሓያል ጅግና፡ የሆዋ ምሳኻ እዩ’ ምስ በሎ፡ ደንጽይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ “ሓያል” ኰይኑ ኸም ዘይተሰምዖ መሸም ንጹር እዩ ዚመስል። ከመይሲ፡ ከም እተጠራጠረን ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑ ኸም እተሰምዖን ገሊጹ እዩ። እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዝርርብ ከም ዚሕብሮ ግና፡ የሆዋ ብዛዕባ ጊዴዎን ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ።—መሳፍንቲ 6:11-16 ኣንብብ።

5 የሆዋ ነቲ ጊዴዎን ዝነበሮ ኽእለት ኣስተብሂሉሉ ስለ ዝነበረ፡ ንእስራኤላውያን ሓራ ኸም ዜውጽኦም ተኣማሚኑሉ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ጊዴዎን ነቲ ስርናይ ብምሉእ ሓይሉ ኺዘብጦ ኸሎ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣስተብሂሉሉ ነይሩ እዩ። ንኣቓልቦ እቲ መልኣኽ ዝሰሓቦ ኻልእ ነገር እውን ነይሩ እዩ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓረስቶት እኽሎም ኪዘብጡ ኸለዉ፡ ንፋስ ነቲ ሓሰር ምእንቲ ኼልዕሎ፡ ኣብ ቃልዕ ቦታ ዀይኖም እዮም ዚዓይዩ ነይሮም። ጊዴዎን ግና ነተን ሒደት እኽሊ ኻብ ሚድያናውያን ምእንቲ ኺሓብአን ኢሉ፡ ብምስጢር ስርናይ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ። እዝስ፡ ከመይ ዘበለ ዚነኣድ ስትራተጂ ዀን እዩ! ስለዚ፡ የሆዋ ንጊዴዎን፡ ጥንቁቕ ሓረስታይ ከም ዝዀነ ገይሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጐራሕ ሰብኣይ ከም ዝዀነ ገይሩ እውን ርእይዎ እዩ። እወ፡ የሆዋ ነቲ ጊዴዎን ዝነበሮ ተኽእሎ ኣስተብሂሉሉ፡ ምስኡ ዀይኑ ኸኣ ዓየየ።

6, 7. (ሀ) እቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣሞጽ ዝነበሮ ኣርኣእያ፡ ካብቲ ገሊኦም እስራኤላውያን ዝነበሮም ኣረኣእያ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣሞጽ ዘይምሁር ከም ዘይነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

6 ብተመሳሳሊ፡ ታሪኽ ነብዪ ኣሞጽ እውን የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ዘለዎም ተኽእሎ ኸም ዜስተብህለሉ ይሕብር እዩ። ብዙሓት ሰባት ንነብዪ ኣሞጽ፡ ተራ ዘይብሉ ወይ መስኪን ሰብ ከም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣሞጽ ብዛዕባ ርእሱ፡ ጓሳ ኣሓን ቀርጣፍ ዳዕሮን ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ንኣሞጽ ነቶም ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ተኣሊኾም ዝነበሩ ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ንኺእርሞም ኪልእኾ ኸሎ፡ ገሊኦም እስራኤላውያን ብዛዕባ ኣሞጽ፡ ጽቡቕ ምርጫ ኸም ዘይኰነ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኣሞ. 7:14, 15

7 ኣሞጽ ኣብ ግሉል ቦታ ኣብ እትርከብ ቍሸት እዩ ዚነብር ነይሩ። ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ልምዲ ዀነ ብዛዕባ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ገዛእትን ፍልጠት ነይርዎ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ዅነታትን ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሃገራትን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ምናልባት ምስ ነጋዶ ርክብ ስለ ዝነበሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኣሞ. 1:6, 9, 11, 13፣ 2:8፣ 6:4-6) ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት፡ ኣሞጽ፡ ጽቡቕ ናይ ምጽሓፍ ክእለት ከም ዝነበሮ ይገልጹ እዮም። እቲ ነብዪ ቀሊልን ሓያልን ቃላት ተጠቒሙ እዩ። ነቲ ብልሹው ዝነበረ ካህን ኣማስያ ብትብዓት ኰኒንዎ እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ ንመልእኽቱ ኼብጽሓሉ ዚኽእል ብቑዕ ሰብ እዩ መሪጹ፣ ነቲ ኣሞጽ ዝነበሮ፡ ንኻልኦት ዘይተራእዮም ኪኸውን ዚኽእል ተኽእሎ ኣቐዲሙ ኺርእዮ ኽኢሉ እዩ።—ኣሞ. 7:12, 13, 16, 17

8. (ሀ) የሆዋ ንዳዊት እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎ፧ (ለ) እተን ኣብ መዝሙር 32:8 ዚርከባ ቓላት፡ ነቶም ርእሰ ተኣማንነት ዘይብሎም ሰባት ኬተባብዓኦም ዚኽእላ ስለምንታይ እየን፧

8 እወ፡ የሆዋ ንተኽእሎ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ  የስተብህለሉ እዩ። ንንጉስ ዳዊት እኳ፡ ‘ዓይኑ ናብኡ ኣቢሉ’ ወትሩ ኸም ዚመርሖ ኣረጋጊጹሉ እዩ። (መዝሙር 32:8 ኣንብብ።) እዚ ኼተባብዓና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ሽሕ እኳ ርእሰ ተኣማንነት እንተ ዘይብልና፡ የሆዋ ኻብ እተጸበናዮ ንላዕሊ ንኽንዓዪ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ንፉዕ መምህር፡ ንተመሃራዩ ኣብ ኵሉ ስጕምትታቱ ዚሕግዞ፡ የሆዋ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽንገብር ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ንኽንዕወት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንተኽእሎና ምሉእ ብምሉእ ንኽንጥቀመሉ፡ ብክርስትያን ብጾትና ኣቢሉ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

ጽቡቕ ጐድኒ ክርስትያን ብጾትካ ርአ

9. ነቲ ጳውሎስ ንጥቕሚ ኻልኦት ‘ክንጥምት’ ዝሃበና ምኽሪ ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧

9 ጳውሎስ ንዅሎም ክርስትያናት ንጥቕሚ ክርስትያን ብጾቶም ‘ኪጥምቱ’ ተላብይዎም እዩ። (ፊልጲ 2:3, 4 ኣንብብ።) እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ነቲ ኻልኦት ዘለዎም ውህበት ከነቕልበሉን ብዛዕባኡ ክንጠቕሰሎምን ከም ዘሎና ዚሕብር እዩ። ሓደ ሰብ በቲ እንገብሮ ዕቤት ከም ዚግደስ ኬርኢ ኸሎ፡ ከመይ እዩ ዚስምዓና፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ተወሳኺ ዕቤት ንኽንገብርን ንተኽእሎና ብዝያዳ ንኽንጥቀመሉን ንድረኽ ኢና። ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያን ብጾትና ንዚገብርዎ ጻዕሪ ምስ እነተኵረሉ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብሩ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።

10. ብፍላይ ቈላሕታ ኽንገብረሎም ዜድልዮም መን እዮም፧

10 ብፍላይ ቈላሕታና ዜድልዮ መን እዩ፧ ኵላትና በብግዜኡ ቘላሕታ ኺግበረልና ኸም ዜድልየና ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብፍላይ መንእሰያት ወይ ሓደስቲ እተጠምቁ ኣሕዋት፡ ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ግደ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ የድልዮም እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ማእከልና ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎም ንኺርድኡ ይሕግዞም። ኣገደስቲ ምዃኖም ዘይንነግሮም እንተ ዄንና ግና፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዚብሎም፡ ዝያዳ ሓላፍነት ንምሓዝ ኣብ ክንዲ ዚመጣጠሩ፡ ተስፋ ኪቘርጹ ይኽእሉ እዮም።—1 ጢሞ. 3:1

11. (ሀ) ሓደ ሽማግለ ንሓደ መንእሰይ፡ ዕቤት ንኺገብር ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ዡልያን እንታይ ንመሃር፧

11 መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ተገዳስነት ብምርካቡ፡ ሕጂ ሽማገለ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ሉዶቪክ፡ “ንሓደ ሓው ናይ ሓቂ ተገዳስነት እንተ ኣርእየዮ፡ ቀልጢፉ እዩ ዕቤት ዚግብር” በለ። ብዛዕባ ዡልያን ዝስሙ ሓፋር መንእሰይ ድማ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ዡልያን ብዛዕባ ሓደ ነገር ኪገልጽ ኪደሊ ኸሎ፡ ርእሰ ተኣማንነት ስለ ዘይብሉ፡ ስግንጢር ነገራት ይገብር እዩ። ግናኸ፡ ኣዝዩ ለዋህ ከም ዝዀነን ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኺሕግዝ ከም ዚደልን ክርኢ ኽኢለ እየ። ስለዚ፡ ንድራኸኡ ኣብ ሕቶ ኸየእተኹ፡ ኣብ ኣወንታዊ ባህርያቱ ብምትኳር፡ ከተባብዖ ጸዓርኩ።” ድሕሪ ግዜ፡ ዡልያን ኣገልጋሊ ጉባኤ ኪኸውን በቕዐ፡ ኣብዚ ግዜ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ንተኽእሎኦም ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙሉ ሓግዞም

12. ሓደ ሰብ ንተኽእሎኡ ምሉእ ብምሉእ ንኺጥቀመሉ ምእንቲ ኽንሕግዞ እንታይ ክንገብር የድሊ፧ ኣብነት ሃብ።

12 ኣሕዋት ንተኽእሎኦም ምሉእ ብምሉእ ንኺጥቀሙሉ ምእንቲ ኽንሕግዞም፡ መስተውዓልቲ ኽንከውን ኣሎና። ተመክሮ ዡልያን ከም ዚሕብሮ፡ ንሓደ ሰብ ምእንቲ ኽንሕግዞ፡ ኣብ ድኽመታቱ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኺምዕብል ዚኽእል ሰናይ ባህርያቱን ክእለቱን ክንጥምት ኣሎና። የሱስ ብዛዕባ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ሽሕ እኳ ጴጥሮስ፡ ሰንከልከል ዝበለሉ ግዜያት እንተ ነበረ፡ የሱስ ግና ብዛዕባ ጴጥሮስ፡ ከም ከውሒ ኺጸንዕ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ዮሃ. 1:42

13, 14. (ሀ) በርናባስ ንተኽእሎ ማርቆስ ዘስተብሃለሉ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓደ መንእሰይ ከምቲ ንማርቆስ እተገብረሉ ሓገዝ ምስ ተገብረሉ ብኸመይ ተጠቕመ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

13 በርናባስ እውን ንተኽእሎ እቲ ብሮማውያን ማርቆስ ዚብሃል ዝነበረ ዮሃንስ ኣስተብሂሉሉ ነይሩ እዩ። (ግብ. 12:25) ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ምስ በርናባስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ማርቆስ ንኽልቲኦም “የገልግሎም” ነበረ፣ ምናልባት ብስጋዊ ነገራት ይሕግዞም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል  እዩ። ኣብ ጰምፍልያ ምስ በጽሑ ግና፡ ማርቆስ ንኽልቲኦም መገላግልቱ ብሃንደበት ራሕሪሕዎም ከደ። ጳውሎስን በርናባስን ከኣ በቲ ሓደገኛ ዝዀነ ሸፋቱ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ኸባቢ ንበይኖም ኪጐዓዙ ተገደዱ። (ግብ. 13:5, 13) ይኹን እምበር፡ በርናባስ ኣብ ድኽመታት ማርቆስ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዝነበሮ ሰናይ ባህርያት ኣተኲሩ ኪኸውን ኣለዎ። እወ፡ ኣብ ቃሉ ዘይጸንዕ ሰብ ገይሩ ኣይረኣዮን። ከመይሲ፡ ነቲ ዝረኸቦ ኣጋጣሚታት ተጠቒሙ ኣሰልጢንዎ እዩ። (ግብ. 15:37-39) እዚ ስልጠና እዚ፡ ነቲ መንእሰይ ብሱል ኣገልጋሊ የሆዋ ኪኸውን ሓገዞ። ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ማርቆስ ናብ ሮሜ ኸይዱ ነቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ጳውሎስ ሓጊዝዎ እዩ። ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ከኣ ምስ ጳውሎስ ኰይኑ ሰላምታ ልኢኹሎም እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባኡ ጽቡቕ እዩ ተዛሪቡ። (ቈሎ. 4:10)ሓገዝ ማርቆስ ምስ ሓተተ ድማ፡ በርናባስ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሱ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።—2 ጢሞ. 4:11

14 ኣለክሳንደር ዝስሙ ሓድሽ እተሸመ ሽማግለ፡ ካብ ሓደ ሓው ብእተገብረሉ ፍሉይ ቈላሕታ ብኸመይ ከም እተጠቕመ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “መንእሰይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንህዝቢ ወኪልካ ምጽላይ የሸግረኒ ነበረ። ሓደ ሽማግለ ግና ብኸመይ ክዳሎ ኸም ዘሎንን ፍዅስ ንኺብለኒ እንታይ ክገብር ከም ዘሎንን ነገረኒ። ድሕሪኡ ንጸሎት ከይዕድመኒ ኣይወሰነን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣዘውቲረ ዝጽልየሉ ኣጋጣሚታት ይኸፍተለይ ነበረ። ድሕሪ ግዜ፡ ዝያዳ ምትእምማን ኣጥረኹ።”

15. ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ኸም ዜማስወሎም ብኸመይ እዩ ገሊጹ፧

15 ሓደ ክርስትያን ጽቡቕ ባህርይ ከም ዘለዎ እንተ ኣስተብሂልና፡ ነቲ ባህርይ እቲ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ንገልጸሉ ዲና፧ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 16 ንልዕሊ 20 ዝዀኑ ክርስትያን ብጾቱ ብዛዕባ እቲ ንልቡ ዝተንከፎ ኽቡር ባህርያቶም ጠቒሱ ንኢድዎም እዩ። (ሮሜ 16:3-7, 13) ንኣብነት፡ ጳውሎስ፡ ኣንድሮኒቆስን ዩንያን ቅድሚኡ ንክርስቶስ የገልግሉ ኸም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ጽንዓቶም ኣጕሊሑ እዩ። ንኣደ ሩፎስ እውን፡ ምናልባት ኣቐድም ኣቢላ ብዛዕባ ዝገበረትሉ ፍቕራዊ ሓልዮት ብምእማት፡ ንኢድዋ እዩ።

ፍረደሪክ (ጸጋም) ንሪኮ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንኺጸንዕ ኣተባቢዕዎ(ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16 ልባዊ ናእዳ ምስ እንህብ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ሪኮ ዝስሙ ቘልዓ ንርአ። ሪኮ ኺጥመቕ ምስ ደለየ፡ እቲ ዘይኣማኒ ኣቦኡ ተጻረሮ። በዚ ተስፋ ስለ ዝቘረጸ ድማ፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኬገልግለሉ ኣብ ዚኽእል ዕድመ ኽሳዕ ዚበጽሕ ኪጽበ ሓሰበ። ኣብ ቤት ትምህርቲ መማህርቱ የላግጹሉ ስለ ዝነበሩ እውን ጕህዩ እዩ። ነቲ ቘልዓ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመርሓሉ እተሓትተ ፍረደሪክ ዝስሙ ሽማገለ ጉባኤ፡ “ንሪኮ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተቓውሞ ኼጋጥሞ ዝኸኣለ ብዛዕባ እምነቱ ንኺገልጽ ተባዕ ስለ ዝነበረ ብምዃኑ እዩ፣ ስለዚ ነዚ ጠቒሰ ነኣድክዎ” በለ። ሪኮ በቲ ፍረደሪክ ዝሃቦ ናእዳ ተበራቲዑ ኣብነት ኪኸውንን ንኣቦኡ ብዝያዳ ኪቐርቦን ክኢሉ እዩ። ኣብ 12 ዓመት ዕድሚኡ ድማ ኪጥመቕ በቕዐ።

ጀሮም (የማን) ንርያን፡ ሚስዮናዊ ኪኸውን ሓጊዝዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17 ክርስትያን ብጾትና ንእተዋህቦም ዕዮ ብግቡእ  ኪዓይይዎ ኸለዉ ወይ ንዚገብርዎ ጻዕሪ ጠቒስና ምስ እነማስወሉ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ንኼገልግልዎ እዮም ዚለዓዓሉ። ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለት ሲልቪ፡ * ኣሕዋት ንዚገብርዎ ጻዕርታት፡ ኣሓት እውን ኪንእዳ ኸም ዚኽእላ ሓሳብ ሂባ ኣላ። ኣስዒባ ኸም ዝገለጸቶ፡ ኣሓት ንእተዓዘባኦ እተፈላለየ ዝርዝር ነገራት ወይ ጻዕርታት ኬማስዋሉ ኸም ዚኽእላ ሓቢራ ኣላ። “እቲ ዜተባብዕ ቃላተን ነቲ ምኩራት ኣሕዋት ዚዛረብዎ የራጕዶ እዩ” በለት። ቀጺላ እውን፡ “ናእዳ ምሃብ፡ ሓላፍነተይ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለት። (ምሳ. 3:27) ኣብ ፈረንሳይ ጊያና ሚስዮናዊ ዀይኑ ዜገልግል ጀሮም፡ ንሓያሎ መንእሰያት ንኣገልግሎት ሚስዮናውነት ንኺበቕዑ ሓጊዝዎም እዩ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ንመንእሰያት ኣብ ኣገልግሎቶም ንዝገበርዎ ንጹር ነገራት ወይ ንዝሃብዎ ጽቡቕ ሓሳብ ጠቒሰ ኽንእዶም ከለኹ፡ ርእሰ ተኣማንነቶም ከም ዜዕብዩ ኣስተብሂለ እየ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንኽእለቶም ብዝያዳ እዮም ዜማዕብልዎ።”

18. ምስ መንእሰያት ሓቢርካ ምዕያይ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ንክርስትያን ብጾትና መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብሩ ኽንሕግዘሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ድማ፡ ምስኦም ሓቢርና ብምዕያይ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሽማገለ ንሓደ ኮምፕዩተር ዚጥቀም መንእሰይ፡ ነቶም ኮምፕዩተር ዘይብሎም ኣረጋውያን ዚሕግዝ ሓበሬታ ኻብ jw.org ንኺሓትም ኪውከሶ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እትዓይዮ ዕዮ እንተ ኣልዩካ፡ ንሓደ መንእሰይ ምሳኻ ኺዓዪ ንምንታይ ዘይትሓትቶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ብተበግሶ እትገብሮ ነገራት፡ ንመንእሰያት ንኽትዕዘቦምን ንኽትንእዶምን ውጽኢቱ ንኽትርእን ኣጋጣሚ ዚኸፍት እዩ።—ምሳ. 15:23

ንመጻኢ ህነጽ

19, 20. ካልኦት ሰባት ዕቤት ንኺገብሩ ኽንሕግዞም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 የሆዋ ንእያሱ መራሒ እስራኤላውያን ገይሩ ኪሸሞ ኸሎ፡ ንሙሴ እውን ንእያሱ ‘ኼጽንዖን ኼተባብዖን’ ኣዚዝዎ እዩ። (ዘዳግም 3:28 ኣንብብ።) ሎሚ እውን በብግዜኡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዓለምለኻዊት ጉባኤና ይሓብሩና እዮም። ስለዚ፡ መንእሰያትን ሓደስትን ንተኽእሎኦም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙሉ፡ ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵሎም ምኩራት ክርስትያናት ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ብዙሓት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪካፈሉ፡ ሓያሎ ድማ ‘ንኻልኦት ንኺምህሩ ኺበቕዑ’ እዮም።—2 ጢሞ. 2:2

20 ኣባላት ሓንቲ ብግቡእ እተወደበት ጉባኤ ንኹን፡ ወይ ኣባላት ሓንቲ ጉባኤ ንኽትከውን ትዓቢ ዘላ ንእሽቶ ጉጅለ ብዘየገድስ፡ ንመጻኢ ንህነጽ። ነቲ ዅሉ ሳዕ ጽቡቕ ጐድኒ ኣገልገልቱ ዚርኢ የሆዋ እንተ መሲልናዮ ኸኣ፡ ነዚ ሸቶ እዚ ኽንወቕዖ ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 17 ስም ተቐዪሩ እዩ።