ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንእተፋትሑ ክርስትያን ብጾትካ ሓግዞም—ብኸመይ፧

ንእተፋትሑ ክርስትያን ብጾትካ ሓግዞም—ብኸመይ፧

እተፋትሐ ሰብ፡ ምናልባት እውን ሓያሎ እተፋትሑ ሰባት ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። ምኽንያቱ ፍትሕ፡ ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ፖላንድ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ካብ ሰለስተ ኽሳዕ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ሓዳር ዝጸንሑ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም መጻምድቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይፋትሑ እዮም። ፍትሕ ድማ ኣብዚ ኽሊ ዕደመ ኣብ ዚርከቡ ሰባት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን።

ኣብ ስጳኛ ዚርከብ ትካል ፖሊሲ ስድራ ቤት፡ “ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ [ኣብ ኤውሮጳ] ካብቶም ዚምርዓዉ፡ ፍርቆም ይፋትሑ እዮም” በለ። ኣብ ዝማዕበላ ኻልኦት ሃገራት እውን፡ ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ዘሎ።

ብሃንደበት ዚመጽእ ኣሉታዊ ስምዒታት

ነዚ ልሙድ ዝዀነ ዅነታት ዜምጽኦ እንታይ እዩ፧ ሓንቲ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ እትነብር ምክርቲ ኣማኻሪት ሓዳር፡ “ፍትሕ ኣቐዲሙ ንእተፈጸመ ነገር፡ ማለት ነቲ ብስምዒታዊ መዳይ ኣዝዩ ዚሃሲ እተበትከ ርክብን ስዒቡ ዝመጸ ምፍልላይን እዩ ወግዓዊ ዚገብሮ” በለት። ቀጺላ እውን፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ከም ቍጥዓ፡ ጣዕሳ፡ ምቝራጽ ተስፋ፡ ቅብጸት፡ ከምኡ እውን ሕፍረት ዝኣመሰለ ሓያልን ክቱርን ስምዒታት” ከም ዚስዕብ ገለጸት። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ስምዒታት እዚ፡ ነቲ ሰብ፡ ርእሰ ቕትለት ንኺፍጽም ከም ዚሓስብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። እታ ኣማኻሪት ኣስዒባ ኸም ዝገለጸቶ፡ “ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ፍትሕ ብቤት ፍርዲ ምስ ተወሰነ፡ እቲ ቐጺሉ ዚመጽእ ደረጃ ይጅምር። እቲ እተፋትሐ ሰብ፡ ናይ ባዶነትን ተነጽሎን ስምዒታት ስለ ዚዕብልሎ፡ ‘ሕጂ፡ ተፋቲሐ እየ ዘለኹ፡ ስለዚ ኣነ መን እየ፧ ዕላማ ህይወተይከ እንታይ እዩ፧’ እናበለ ይሓስብ።”

ኤቫ ብዛዕባ እቲ ገለ ዓመታት ይገብር እተሰምዓ ስምዒት ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “እቲ ፍትሕ ምስ ተወሰነ፡ ጐረባብተይን መሳርሕተይትን ‘ፍትሕቲ’ ኸም ዚብሉኒ ምስ ተረድኣኒ፡ እተዋረድኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ቍጥዓ ድማ መልኣኒ። ክልተ ቘልዑ ስለ ዝነበሩኒ፡ ከም ኣደን ከም ኣቦን ምዃነይ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ።” * ን12 ዓመት ዚኣክል ሕፉር ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ኣዳም ዝስሙ ሓው፡ “ርእሰ ተኣማንነተይ ስለ ዘጥፋእኩ፡ ሓድሓደ ግዜ ብቝጥዓ እምላእ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክርሕቕ ድማ እደሊ ነበርኩ” በለ።

ሚዛንካ ንምሕላው ዚግበር ቃልሲ

ገሊኦም ብዛዕባ ዚመጽእ ስለ ዚጭነቑ፡ ድሕሪ እቲ ፍትሕ ዓመታት ጸኒሖም እውን ከይተረፈ፡ ሚዛኖም ሓልዮም ንኺነብሩ ተቓሊሶም እዮም። ምናልባት እውን ካልኦት ብዛዕባኦም ዘይግደሱ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ሓንቲ ጋዜጠኛ ኸም ዝበለቶ፡ እዞም ሰባት እዚኦም፡ “ልምድታቶም ኪቕይሩ ኣለዎም፡ ንጸገማቶም ባዕላቶም ንኺዋጽእሉ ኸኣ ኪለማመዱ ኣለዎም።”

ስታኒስዋፍ ከምዚ በለ፦ “ምስ ተፋታሕና፡ እታ ብዓልቲ ቤተይ ዝነበረት ኣደ እተን ክልተ ንኣሽቱ ደቀይ፡ ክበጽሐን ከም ዘይክእል ገበረትኒ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ማንም ሰብ ከም ዘይግደሰለይ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ፡ የሆዋ እውን ከም ዝጠንጠነኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ብህይወት ምንባር ከኣ ተጸልኣኒ።  ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣተሓሳስባይ ግጉይ ከም ዝነበረ ተገንዘብኩ።” ብዛዕባ መጻኢኣ እምብዛ እትሻቐል ዝነበረት ዋንዳ ዝስማ እተፋትሐት ሰበይቲ እውን ከምዚ በለት፦ “ድሕሪ ግዜ፡ ሰባት፡ እንተላይ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾተይ፡ ብኣይን ብደቀይን ፈጺሞም ከም ዘይግደሱ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ይኹን እምበር፡ ኣሕዋት ኣብ ጐድንና ኸም ዝዀኑን ደቀይ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ዚዀኑ ገይረ ንኼዕብዮም ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚድግፉንን ክርኢ ኽኢለ እየ።”

ካብዚ ሓሳባት እዚ ኽትርድኦ ኸም እትኽእል፡ ንገሊኦም ሰባት ድሕሪ ፍትሕ፡ ኣሉታዊ ስምዒታት የሸግሮም እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብዛዕባ ርእሶም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዜማዕብሉ፡ ዘይጠቕሙን ቈላሕታ ኺግበረሎም ዘይበቕዑን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት እውን ነቐፍቲ እዮም ዚዀኑ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ እታ ጉባኤ፡ ከም ዘይትግደሰሎምን ከም ዘይትሓልየሎምን ገይሮም ኪሓስቡ ይጅምሩ። ከም ናይ ስታኒስዋፍን ዋንዳን ዝኣመሰለ ተመክሮታት ከም ዚሕብሮ ግና፡ እተፋትሑ ሰባት ድሕሪ ግዜ፡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብሓቂ ኸም ዚግደሱሎም ኪግንዘቡ ይኽእሉ እዮም። ሽሕ እኳ፡ ንዚግበረሎም ደገፍ ኣብ መጀመርታ እንተ ዘየስተብሃሉሉ፡ ክርስትያን ብጾቶም ግና ፍሉይ ደገፍ ይገብሩሎም እዮም።

ጽምዋን ከም እተጠንጠንካ ዀይኑን ኪስምዓካ ኸሎ

ነቶም እተፋትሑ ክርስትያን ብጾትና ንኽንሕግዞም ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበርና፡ ሓሓሊፉ ጽምዋ ኺስምዖም ከም ዚኽእል ክንርስዕ የብልናን። ብፍላይ እተፋትሓ ኣሓት፡ መብዛሕትኦም ዘይግደሱለን ኰይኑ ይስምዐን ይኸውን። ኤሊሽያ ኸምዚ በለት፦ “ካብ ዝፋታሕ ሸሞንተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ንርእሰይ ኣትሒተ እየ ዝርእያ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ርእሰይ አግልል እሞ ኽበክን ከስቈርቍርን እጅምር።”

እዚ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ስምዒታት፡ ንሓደ እተፋትሐ ሰብ ዜጋጥሞ ልሙድ ነገር እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ርእሱ ኺፈሊ ኸም ዘይብሉ ይመክር እዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ ዘይምቕባል፡ ‘ንዅሉ ጥበብ ናብ ምቅዋም’ ኪመርሓካ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 18:1) ይኹን እምበር፡ ብተደጋጋሚ ኻብ ኣንጻር ጾታ ምኽሪ ወይ ምጽንናዕ ክትደሊ ኢልካ ምፍታን፡ ዘይግቡእ ስምዒታዊ ምቅርራብ ከም እተማዕብል ኪገብር ስለ ዚኽእል፡ ሓደ ጽምዋ ዚስምዖ ሰብ፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ምርሓቕ ጥበባዊ ምዃኑ ኺርድኦ ኣለዎ።

እተፋትሑ ክርስትያን ብጾትና፡ ብዛዕባ መጻኢ ይጭነቑ፡ ይጽምዎም፡ እተጠንጠኑ ዀይኑ ይስምዖም፡ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት የሸግሮም ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ልሙድን ንኽትቈጻጸሮ ዜሸግርን ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብተኣማንነት ንደግፎም። ከምዚ ምስ እንገብር ንየሆዋ ንመስሎ ኣሎና ማለት እዩ። (መዝ. 55:22፣ 1 ጴጥ. 5:6, 7) እተፋትሑ ሰባት ነቲ እንገብረሎም ዝዀነ ይኹን ደገፍ፡ ኣዝዮም ከም ዜማስዉሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ውሽጢ ጉባኤ፡ ደገፍ ዚህቡ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኸኣ ንዀኖም።—ምሳ. 17:17፣ 18:24

^ ሕ.ጽ. 6 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።