ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ምግቢ በብግዜኡ’ ትረክብዶ ኣሎኻ፧

‘ምግቢ በብግዜኡ’ ትረክብዶ ኣሎኻ፧

ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1-5) ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን በቲ ጻድቕ ስርዓታቱ ንኽንነብር ዝገበርናዮ ቘራጽነትን በብመዓልቱ እዩ ዚፍተን። የሱስ ነዚ ጽንኩር እዋን እዚ ኣቐዲሙ ስለ ዝረኣዮ፡ ንሰዓብቱ ኽሳዕ መወዳእታ ንኺጻወሩ ዚሕግዞም መተባብዒ ኸም ዚረኽቡ ኣረጋጊጹሎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:3, 13፣ 28:20) ምእንቲ ኼበርትዖም ከኣ፡ መንፈሳዊ “ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ” እሙን ባርያ ሸይሙሎም እዩ።—ማቴ. 24:45, 46

እቲ እሙን ባርያ ብ1919 ካብ ዚሽየም ኣትሒዙ፡ ካብ ኵሎም ቋንቋታት እተዋጽኡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ኣገልገልቲ ቤት” ናብ ውድብ የሆዋ ይእከቡን መንፈሳዊ ምግቢ ይምገቡን ኣለዉ። (ማቴ. 24:14፣ ራእ. 22:17) ይኹን እምበር፡ ብዝሒ ጽሑፋትና ብዅሉ ቛንቋታት ብማዕረ ደረጃ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ነቲ ብኤሌክትሮኒክ ዚወጽእ ሕታማትና ኺረኽብዎ ዚኽእሉ እውን ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን። ንኣብነት፡ ኣብ jw.org. ጥራይ ንዚወጽእ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ኪረኽብዎ ዘይክእሉ ሓያሎ ሰባት ኣለዉ። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑያት ንኪዀኑ ዚሕግዞም ምግቢ ኣይረኽቡን እዮም ማለት ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕኑዕ ምላሽ ምእንቲ ኽትረኽበላ፡ ንመልሲ እዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ቐንዲ ሕቶታት ኣቕልበሉ።

 1 ቀንዲ ኽፋል እቲ የሆዋ ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግቢ እንታይ እዩ፧

ሰይጣን ንየሱስ፡ እምኒ ናብ እንጌራ ኪቕይር ምስ ፈተኖ፡ የሱስ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 4:3, 4) ቃላት የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡልና ኣሎ። (2 ጴጥ. 1:20, 21) ስለዚ፡ ቀንዲ ኽፋል መንፈሳዊ ምግብና፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።—2 ጢሞ. 3:16, 17

ውድብ የሆዋ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 120 ቛንቋታት ከም ዚዳሎ ገይሩ እዩ፣ ኣብ ዓዓመት ከኣ ብተወሳኺ ቛንቋታት ይዳሎ ኣሎ። ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብኣሽሓት ቋንቋታትን ብቢልዮናት ቅዳሓትን ይርከብ እዩ። እዚ ዜደንቕ ዓወት እዚ ኺርከብ ዝኸኣለ፡ የሆዋ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን” ስለ ዚደሊ እዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚሕባእ ፍጡር ስለ ዘየለ፡’ የሆዋ ነቶም “መንፈሳውነት ዚሃርፉ” ሰባት ናብ ውድቡ ኸም ዚስሕቦምን መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዜዳልወሎምን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—እብ. 4:13፣ ማቴ. 5:3, 6፣ ዮሃ. 6:44፣ 10:14

2 ሕታማትና ኣገዳሲ ኽፋል መንፈሳዊ ምግብና ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ሓደ ሰብ፡ ድልድልቲ እምነት ንኽትህልዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባቡ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቲ ዜንብቦ ኺርድኦን ኪትግብሮን ኣለዎ። (ያእ. 1:22-25) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኸምኡ ኺገብር ኣድልይዎ እዩ። ንሱ ቓል ኣምላኽ እናኣንበበ ኸሎ፡ ወንጌላዊ ፊልጶስ፡ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ “ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ኢሉ መለሰሉ። (ግብ. 8:26-31) ሽዑ ፊልጶስ፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ቅኑዕ ፍልጠት ንኺረክብ ሓገዞ። እቲ ስሉብ በቲ ዝረኸቦ ፍልጠት ተደሪኹ፡ ተጠምቀ። (ግብ. 8:32-38) ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕታማትና፡ ቅኑዕ ፍልጠት ሓቂ ንኽንረክብ ይሕግዘና፡ ንስምዒታትና ይትንክፎ፡ ንእተመሃርናዮ ንኽንትግብሮ ድማ ይድርኸና እዩ።—ቈሎ. 1:9, 10

ኣገልገልቲ የሆዋ ብሕታማትና ኣቢሎም ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ስለ ዚረኽቡ፡ ‘ይበልዑን ይሰትዩን’ ኣለዉ። (ኢሳ. 65:13) ንኣብነት፡ እታ ብልዕሊ 210 ቋንቋታት እትዳሎ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ፣ ብዛዕባ እቲ ዕምቈት ዘለዎ መንፈሳዊ ሓቅታት ዘሎና ምርዳእ ከም ዚሰፍሕ ትገብር፣ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንነብር ከኣ ትድርኸና እያ። እታ ብኣስታት 100 ቛንቋታት እትሕተም መጽሔት ንቕሑ!፡ ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ዘሎና ፍልጠት ተስፍሓልና፣ ነቲ ግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እንትግብሮ ድማ ትገልጸልና እያ። (ምሳ. 3:21-23፣ ሮሜ 1:20) እቲ እሙን ባርያ፡ ብልዕሊ 680 ቋንቋታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት የዳልወልና እዩ። እሞኸ፡ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብበሉ መደብ ኣሎካዶ፧ ንነፍሲ ወከፍ ሓዳስ መጽሔትን ንዅሉ እቲ ብብዓመቱ ብቛንቋኻ ዚወጽእ ሓደስቲ ሕታማትናን ተንብቦ ዲኻ፧

ውድብ የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ዚቐርብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ መደረታት እውን ተዳሉ እያ። እሞኸ፡ ነቲ ኣብኡ ዚቐርብ ኣስተምህሮታትን ድራማታትን መርኣያታትን ቃለ መጠይቓትን ትከታተሎ ዲኻ፧ እወ፡ የሆዋ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ የዳልወልና እዩ።—ኢሳ. 25:6

 3 ንገሊኡ ሕታማትና ብቛንቋኻ ኽትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ይጐድለካ ድዩ፧

መልሱ፡ ‘ኣይፋልን’ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ካልኦት ንላዕሊ ዝያዳ መንፈሳዊ ምግቢ እንተ ረኸቡ ኼገርመና የብሉን። ስለምንታይ፧ ንኣብነት፡ ኵነታት ሃዋርያት ርአ። ሃዋርያት ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ ንላዕሊ፡ ዝያዳ መምርሒ ይረኽቡ ነበሩ። (ማር. 4:10፣ 9:35-37) ይኹን እምበር፡ እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣይተጐድኡን፣ ከመይሲ ዜድልዮም መንፈሳዊ ምግቢ ይረኽቡ ነይሮም እዮም።—ኤፌ. 4:20-24፣ 1 ጴጥ. 1:8

መብዛሕትኡ ኻብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እተዛረቦን ዝገበሮን ነገራት እውን ኣብ ወንጌል ኣይተመዝገበን። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “የሱስ ዝገበሮ ብዙሕ ካልእ ኣሎ፣ ብዝርዝር ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ ጥቕላላት መጻሕፍቲ፡ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ” በለ። (ዮሃ. 21:25) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ፡ ዝያዳና ሓበሬታ ይረኽቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ኣስኣሰር ወዱ ንኽንስዕብ ዜኽእለና እኹል ፍልጠት ከም እንረክብ ገይሩ እዩ።—1 ጴጥ. 2:21

ብዛዕባ እቲ ሃዋርያት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ናብ ዝነበራ ጉባኤታት ዚልእክዎ ዝነበሩ መልእኽትታት እውን ንሕሰብ። እንተ ወሓደ ሓንቲ ኻብተን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፈን ደብዳበታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተዓቀበትን። (ቈሎ. 4:16) ነታ ደብዳበ እቲኣ ኽንረኽባ ብዘይምኽኣልና ግና እኹል መንፈሳዊ ምግቢ የብልናን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ እንታይ ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ፣ ብመንፈስ ድልዱላት ኴንና ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ድማ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ይህበና እዩ።—ማቴ. 6:8

የሆዋ እንታይ ከም ዜድልየና ስለ ዚፈልጥ ብመንፈስ ድልዱላት ኴንና ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ይህበና እዩ

ሎሚ፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ካብ ካልኦት ንላዕሊ፡ ዝያዳ መንፈሳዊ ምግቢ ይረኽቡ እዮም። ሒደት ሕታማት ጥራይ እተተርጐመሉ ቛንቋ ዲኻ እትዛረብ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልካ ኣይትረስዕ። ነቲ ዘሎካ ጽሑፋት ኣጽንዓዮ፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ፡ ኣብቲ ኽትርድኦ ብእትኽእል ቋንቋ ዚካየድ ኣኼባታት ተኻፈል። የሆዋ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኽትድልድል ኪሕግዘካ እዩ።—መዝ. 1:2፣ እብ. 10:24, 25

4 ነቲ ኣብ jw.org ዚወጽእ ሕታማት ክትረኽቦ እንተ ዘይክኢልካ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ትደክም ኢኻ ማለት ድዩ፧

ኣብ ወብ ሳይትና፡ ንመጽሔታትናን ነቲ ንመጽናዕቲ እንጥቀመሉ ጽሑፋትናን ነውጽኦ ኢና። ንሰብ ሓዳርን ንመንእሰያትን ቈልዑ ንዘለውዎምን ዚጠቅም ሓሳባት ዝሓዘ ሕታማት እውን ነውጽእ ኢና። ስድራ ቤታት ነዚ ሕታማት እዚ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምስ ዚመያየጣሉ ኺጥቀማ ይኽእላ እየን። ብተወሳኺ፡ ወብ ሳይትና ኸም ምረቓ ጊልዓድን ዓመታዊ ኣኼባን ዝኣመሰለ ፍሉይ መደባት እውን የቕርብ እዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትና ብዛዕባ እቲ ንህዝቢ የሆዋ ዚትንክፍ ባህርያዊ ሓደጋታትን ሕጋዊ ምዕባለታትን የፍልጦም እዩ። (1 ጴጥ. 5:8, 9) ብዘይካዚ፡ ወብ ሳይትና ንስብከት ዚሕግዝ ውጽኢታዊ ንዋት እዩ፣ ከመይሲ፡ ዕዮና ኣብ እተኣገደለን ሃገራት እውን ከይተረፈ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚዝርጋሕ ኪገብር ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ወብ ሳይትና ንኽትኣቱ ዅነታትካ ዚፈቕደልካ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱል ኴንካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ባርያ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ቤት መንፈሳዊ ምግቢ ብግቡእ ምእንቲ ኺምገብ ኢሉ፡ ዚኣክል ጽሑፋት ከም ዚሕተም ንምግባር ኪጽዕር ጸኒሑ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ jw.org ንኽትኣቱ ኢልካ ጥራይ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኽትዕድግ ግድን ዜድሊ ኣይኰነን። ገሊኦም ብድሌቶም ኣብ ወብ ሳይትና ንዚወጽእ ገሊኡ ጽሑፋት ሓቲሞም ኣብ ኢንተርነት ኪኣትዉ ንዘይክእሉ ሰባት ኪህብዎም ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ጉባኤታት ከምዚ ኺገብራ ግና ዜድሊ ኣይኰነን።

የሱስ ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ምግቢ ንኺህበና ዝኣተዎ ቓል ይሕልዎ ስለ ዘሎ፡ ነማስወሉ ኢና። ምዝዛም እዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ቀሪቡሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ የሆዋ መንፈሳዊ ‘ምግቢ በብግዜኡ’ ብዘይምቍራጽ ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።