ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ተመሊስካ፡ ንኣሕዋትካ ኣበራትዓዮም’

‘ተመሊስካ፡ ንኣሕዋትካ ኣበራትዓዮም’

ጴጥሮስ ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ድሕሪ ምኽሓዱ፡ ኣምሪሩ በኸየ። መንፈሳዊ ሚዛኑ ምእንቲ ኸይስሕት ብዙሕ ኪቃለስ እኳ እንተ ነበሮ፡ የሱስ ግና ንኻልኦት ንምሕጋዝ እዩ ኺጥቀመሉ ዚደሊ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ምስ ተመለስካ፡ ንኣሕዋትካ ኣበራትዓዮም” በሎ። (ሉቃ. 22:32, 54-62) ጴጥሮስ ኣብ መወዳእታኡ ሓደ ኻብቶም ኣዕኑድ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀነ። (ገላ. 2:9) ብተመሳሳሊ፡ ሓደ እዋን ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓው፡ እንደገና ናብቲ ሓላፍነት ኪምለስ፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ብምትብባዕ ድማ ሓጐስ ኪረክብ ይኽእል እዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ግናኸ ሓላፍነቶም ዘቋረጹ ኣሕዋት፡ ዘይረብሑ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሁልዮ *፡ “ህይወተይ፡ መደረታት ብምድላውን ንኣሕዋት ብምብጻሕን ንኣባላት ጉባኤ ጕስነት ብምግባርን ዝመልአ እዩ ነይሩ። እዚ ዅሉ ብሃንደበት ምስ ኣቋረጸ ግና፡ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ሃጓፍ ተፈጥረ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዜጨንቕ እዋን እዩ ነይሩ” በለ። ሎሚ ሁልዮ እንደገና ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

“ከም ምሉእ ሓጐስ ቍጸርዎ”

ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኣሕዋተየ፡ እተፈላለየ ፈተናታት እንተ በጽሓኩም፡ ከም ምሉእ ሓጐስ ቍጸርዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 1:2) ያእቆብ ነቲ ብምኽንያት መስጐጕትን ዘይፍጽምናን ዜጋጥመና ፈተናታት እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። ስስዐ ዝመልኦ ትምኒትን ኣድልዎን ካልእ ነገራትን ድማ ጠቒሱ ኣሎ። (ያእ. 1:14፣ 2:1፣ 4:1, 2, 11) የሆዋ ኺግስጸና ኸሎ፡ ኬጕህየና ይኽእል እዩ። (እብ. 12:11) ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ዓይነት ፈተናታት ንሓጐስና ኺሰርቆ የብሉን።

ካብቲ ኣብ ጉባኤ ዝነበረና ሓላፍነት እኳ እንተ ወረድና፡ እንታይ ዓይነት እምነት ከም ዘላትና ኽንምርምርን ንየሆዋ  ዘላትና ፍቕሪ ኸነርእን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ ሽማግለታት ኴንና ነገልግል ከም ዝነበርና እውን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ንጥቕምና ኢልና ዲና ኸምኡ እንገብር ኔርና፧ ንኣምላኽ ብዘላትና ፍቕርን እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ኣምላኽ ምዃናን ክንክን ከም ዜድልያን ብዘሎና እምነትን ተደሪኽና ዲና ነቲ ፍሉይ መሰል ንምርካብ እንመጣጠር ኔርና፧ (ግብ. 20:28-30) ቀደም ሽማግለታት ዝነበሩ ግናኸ ንየሆዋ ብቐጻሊ ብምግልጋል ዚሕጐሱ ኣሕዋት፡ ንየሆዋ ኻብ ልቢ ዝመንጨወት ፍቕሪ ኸም ዘላቶም ንዅሉ፡ እንተላይ ንሰይጣን የርእዩ እዮም።

ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ምስ ተገሰጸ፡ ነቲ እተዋህቦ መግናሕቲ ተቐበሎ፣ ይቕረ ድማ ተባህለሉ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ዘመረ፦ “ኣበሳኡ እተሐድገሉ፡ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፡ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።” (መዝ. 32:1, 2) ተግሳጽ ንዳዊት ኣጽርይዎን ዝሓሸ ጓሳ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዚኸውን ገይርዎን እዩ።

እቶም እንደገና ሽማግለታት ዚዀኑ ኣሕዋት፡ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዝሓሹ ጓሶት እዮም ዚዀኑ። ሓደ ሽማግለ፡ “ሕጂ ነቶም ጌጋ ዚገብሩ ብኸመይ ክሓልየሎም ከም ዝኽእል፡ ዝሓሸ ምርዳእ ኣሎኒ” በለ። ካልእ ሽማግለ ድማ፡ “ሕጂ ነቲ ዝረኸብክዎ ንኣሕዋት ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ” በለ።

ክትምለስ ትኽእልዶ፧

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ ‘የሆዋ ወትሩ ጕድለት ኣይኣርን እዩ’ ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 103:9NW) ስለዚ፡ ‘ኣምላኽ ንሓደ ኸቢድ ጌጋ ዝፈጸመ ሰብ፡ እንደገና ኣይኣምኖን እዩ’ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። ሪካርዶ ሽማግለ ዀይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊሉ ምስ ወረደ፡ ከምዚ በለ፦ “ብናይ ገዛእ ርእሰይ ድኽመት ኣዝየ ጐሃኹ። ንነዊሕ እዋን፡ ዘይበቅዕ ኰይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ስምዒት እዚ፡ እንደገና ሓላዊ ዀይነ ንኣሕዋተይ ንኸየገልግል ዓገተኒ። እሙን ምዃነይ ንኸርኢ ዜድልየኒ ርእሰ ምትእምማን ኣይነበረንን። ንኻልኦት ምሕጋዝ ስለ ዜሐጕሰኒ ግና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕን ነቶም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኽቦም ኣሕዋት አተባብዖምን ምሳታቶም ኰይነ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እካፈልን ነበርኩ። እዚ ድማ ብዝያዳ ርእሰ ምትእምማን ንኸጥሪ ሓጊዙኒ እዩ፣ ሕጂ እንደገና ሽማግለ ዀይነ አገልግል ኣለኹ።”

የሆዋ ነቶም ቀደም ሽማግለታት ዝነበሩ ሰብኡት፡ ሓጐሶም መሊሱሎምን እንደገና ንኼገልግሉ ባህጊ ኣሕዲሩሎምን እዩ

 ቂም ምሓዝ ንሓደ ሓው ሽማግለ ዀይኑ ንኸየገልግል ኪዓናቕፎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ዳዊት ኪመስሎ ዝሓሸ እዩ፣ ንሱ ኻብቲ ቐናእ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ሃደመ። ሕነ ንኺፈዲ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ረኸበ፡ ከምኡ ግና ኣይገበረን። (1 ሳሙ. 24:4-7፣ 26:8-12) ሳኦል ኣብ ውግእ ምስ ሞተ፡ ዳዊት ሓዚኑሉ እዩ፣ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን “ፍቑራትን ተፈተውትን” (NW) ከም ዝነበሩ ድማ ገለጸ። (2 ሳሙ. 1:21-23) እወ፡ ዳዊት ኣይተቐየመን።

ሰባት ብጌጋ ኸም እተረድኡኻ ወይ ከኣ ኣብ ልዕሌኻ ዘይፍትሓዊ ነገር ከም ዝፈጸሙ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ቂም ንሓሳብካ ኺዕብልሎ ኣይትፍቀድ። ንኣብነት፡ ዊልያም ኣብ ብሪጣንያ ንኣስታት 30 ዓመት ሽማግለ ዀይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ካብ ሽምግልና ወረደ፣ ንገሊኦም ሽማግለታት ከኣ ተቐየሞም። እሞኸ ሚዛኑ ንኺሕሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ከምዚ በለ፦ “ንመጽሓፍ እዮብ ምንባበይ ኣተባቢዑኒ እዩ። የሆዋ ንእዮብ ምስቶም ሰለስተ ፈተውቱ ንኺተዓረቕ ካብ ሓገዞ፡ ንዓይ እውን ምስቶም ክርስትያን ሽማግለታት ንኽተዓረቕ ኪሕግዘኒ ይኽእል እዩ።”—እዮ. 42:7-9

ኣምላኽ ነቶም እንደገና ጓሶት ኰይኖም ዜገልግሉ ይባርኾም

ንመጓሰ ኣምላኽ ካብ ምጕሳይ እንተ ኣቋሪጽካ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበርካ ኽትሓስብ ጽቡቕ እዩ። ብሕታዊ ጸገማት ስለ ዝበዝሓካ ደዀን ይኸውን፧ ካልእ ነገራት ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ድዩ፧ ናይ ካልኦት ሰባት ዘይፍጽምና ድዩ ተስፋ ኣቝሪጹካ፧ እቲ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሽማግለ ዄንካ ኣብ እተገልግለሉ ዝነበርካ እዋን፡ ንኻልኦት ሰባት ብዝያዳ ትሕግዞም ከም ዝነበርካ ዘክር። መደረታትካ ኣበራቲዕዎም፡ ኣብነትካ ኣተባቢዕዎም፡ ጕስነታዊ ምብጻሕካ እውን ኣብ ፈተናታት ንኺጸንዑ ሓጊዝዎም እዩ። ከም እሙን ሽማግለ ዄንካ እትዓይዮ ዝነበርካ ዕዮ፡ ንዓኻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንልቢ የሆዋ እውን ኣሐጒስዎ እዩ።—ምሳ. 27:11

ኣብቲ ንየሆዋ ዚቐርብ ኣገልግሎት ብሓጐስ ብምክፋል፡ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኣርኢ

የሆዋ ነቶም ቀደም ሽማግለታት ዝነበሩ ሰብኡት፡ ሓጐሶም መሊሱሎምን እንደገና ንኼገልግሉ ባህጊ ኣሕዲሩሎምን እዩ። ሽማግለ ዄንካ ኻብ ምግልጋል እንተ ኣቋሪጽካ ወይ እንተ ወሪድካ፡ እንደገና ‘ሓላዊ ንኽትከውን ክትመጣጠር’ ትኽእል ኢኻ። (1 ጢሞ. 3:1) ጳውሎስ፡ ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ብልክዕ ፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺምልኡ፡ ከምኡ እውን ‘ንየሆዋ ዚበቕዑ ዀይኖም ምእንቲ ኺመላለሱን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኼሐጕስዎን፡’ ‘ብዛዕባኦም ካብ ምጽላይ ኣየቋረጸን።’ (ቈሎ. 1:9, 10) እንደገና ሽማግለ ዄንካ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል እንተ ረኺብካ፡ ብርታዐን ትዕግስትን ሓጐስን ምእንቲ ኺህበካ ንየሆዋ ለምኖ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ፈቃራት ጓሶት ዚህብዎ መንፈሳዊ ደገፍ የድልዮም እዩ። እሞኸ ንኣሕዋትካ ኸተበራትዖም ትኽእልን ትደልን ዲኻ፧

^ ሕ.ጽ. 3 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።