ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቓል ኣምላኽ ተጠቐመሉ—ህያው እዩ!

ንቓል ኣምላኽ ተጠቐመሉ—ህያው እዩ!

“ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ።”—እብ. 4:12

1, 2. የሆዋ ንሙሴ እንታይ መዝነት እዩ ሂብዎ፧ እንታይ ኢሉኸ ኣረጋገጸሉ፧

ኣብ ክንዲ ህዝቢ የሆዋ ምእንቲ ኽትዛረብ፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ ዝሓየለ ገዛኢ ምድሪ ኽትቀውም መምርሒ እንተ ዚውሃበካ፡ ከመይ ኪስምዓካ ኸም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። ጭንቀትን ፍርህን ከም ዚስምዓካ መቸም ፍሉጥ እዩ። እሞኸ ንኣቀራርባኻ ብኸመይ ምተዳለኻሉ፧ ከም ወኪል እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ መጠን ንቓላትካ ርዝነት ንኽትውስኸሉ እንታይ ምገበርካ፧

2 ሙሴ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እዩ ዚርከብ ነይሩ። የሆዋ ነቲ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል” ዝነበረ ሙሴ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ግብጺ ዚወርዶም ዝነበረ ጭቈናን ባርነትን ሓራ ንኼውጽኦም ኢሉ ናብ ፈርኦን ከም ዚልእኾ ነገሮ። (ዘሁ. 12:3) ፈርኦን ግና ንዕቐትን ትዕቢትን ነበሮ። (ዘጸ. 5:1, 2) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ቀሪቡ ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ባሮቱ ኻብ ግብጺ ንኼውጽኦም ኪእዝዞ እዩ ደልይዎ ነይሩ። ሙሴ ንየሆዋ፡ “ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ፡ ኣነ መን እየ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሙሴ ብቕዓትን ክእለትን ከም ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ ግና፡ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ” ብምባል በይኑ ኸም ዘይኰነ ኣረጋገጸሉ።—ዘጸ. 3:9-12

3, 4. (ሀ) ሙሴ ስለምንታይ እዩ ፈሪሁ፧ (ለ) ከምቲ ንሙሴ እተሰምዖ ኺስምዓካ ዚኽእል በየናይ መዳያት እዩ፧

3 ሙሴ ስለምንታይ እዩ ፈሪሁ፧ ብየሆዋ ኣምላኽ እኳ እንተ ተላእከ፡ ፈርኦን ዘይቅበሎ ወይ ዘየቕልበሉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ንኼውጽኦም እኳ እንተ ለኣኾ፡ ንሳቶም ግና ኸም ዘይኣምንዎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ  ድማ እዩ ሙሴ ንየሆዋ፡ ‘ንሳቶም፡ የሆዋ ኣይተራእየካን፡ ኪብሉኒ እዮም እሞ፡ ኣይኣምኑንን፡ ቃለይውን ኣይሰምዑን እዮም’ ዝበሎ።—ዘጸ. 3:15-18፣ 4:1

4 እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝሃቦ ምላሽን እቲ ስዒቡ እተፈጸመ ነገራትን ንነፍሲ ወከፍና ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ የመሓላልፈልና እዩ። ኣብ ቅድሚ ሓደ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን እትቐርበሉ ኣጋጣሚ ኣይህሉን ይኸውን። ግናኸ፡ በብመዓልቱ ንእትረኽቦም ተራ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ መንግስቱን ንኽትዛረቦም ይኸብደካ ድዩ፧ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ሙሴ ዘሕለፎ ተመክሮ እንታይ ክትመሃር ከም እትኽእል ርአ።

“እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧”

5. የሆዋ ንሙሴ፡ ኣብ ኢዱ እንታይ እዩ ኣንቢሩሉ፧ እዚኸ ምትእምማን ዘሕደረሉ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 11 ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 ሙሴ ቓላቱ ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ኰይኑ ኸም እተሰምዖ ምስ ገለጸ፡ ንዜጋጥሞ ዅነታት ንኺዋጽኣሉ፡ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኣዳለዎ። እቲ ኣብ ዘጸኣት ዘሎ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ ‘የሆዋ ድማ ንሙሴ፤ እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፤ በትሪ፡ በለ። ንሱ ድማ፤ ናብ ምድሪ ደርብያ፡ በለ። ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን ከኣ ዀነት። ሙሴ ድማ ካብ ቅድሚኡ ሃደመ። የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፤ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ብዓለሊኡ ሓዞ፡ በሎ። ኢዱ ዘርጊሑውን ሓዞ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ በትሪ ዀነ። እዚ፡ የሆዋ ኸም እተራእየካ፡ ምእንቲ ኺአምኑ እዩ።’ (ዘጸ. 4:2-5) እወ፡ ኣምላኽ ንሙሴ፡ ብእኡ ኸም እተላእከ ዚሕብር መርትዖ ኣብ ኢዱ ኣንበረሉ። እታ ሰባት ከም ዘይትረብሕ ገይሮም ዚርእይዋ ዝነበሩ በትሪ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ህያው ኰነት። እዚ ተኣምር እዚ፡ ሙሴ ብየሆዋ ኸም እተላእከ ዚሕብር ሓያል መርትዖ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ነዛ በትሪ እዚኣ ኸኣ፤ እቲ ትእምርትታት ክትገብረላ፡ ኣብ ኢድካ ውሰዳ” በሎ። (ዘጸ. 4:17) ሙሴ ነዚ መርትዖ እዚ ሒዙ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣምላኽን ብምትእምማን ኪቕርብ ክኢሉ እዩ።—ዘጸ. 4:29-31፣ 7:8-13

6. (ሀ) ክንሰብኽ ከለና ኣብ ኢድና እንታይ ኽንሕዝ ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ” እተባህለ ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

6 ንሕና እውን ንሰባት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነብጽሓሎም ክንከይድ ከለና፡ “እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧” ኢሎም ኪሓትቱና ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ስለ ዚህሉ፡ ክንጥቀመሉ ድሉዋት ኢና። ሽሕ እኳ ገሊኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ተራ መጽሓፍ ገይሮም ዚርእይዎ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ግና በቲ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ቓሉ እዩ ዚዛረበና። (2 ጴጥ. 1:21) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዚፍጸም መብጽዓታት የሆዋ ይገልጽ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ” ኢሉ ዝጸሓፈ። (እብራውያን 4:12 ኣንብብ።) ኵሉ እቲ የሆዋ እተመባጽዖ ነገራት ከይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ። (ኢሳ. 46:10፣ 55:11) ሓደ ሰብ ብዛዕባ ቓል የሆዋ እዚ ፍልጠት እዚ እንተ ኣልይዎ፡ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቦ ሓሳባት ኣብ ህይወቱ ኣጸቢቑ ኺዓዪ ይኽእል እዩ።

7. ከመይ ጌርና ኢና ‘ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ክንጥቀም’ እንኽእል፧

7 እወ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ህያው ቃሉ ስለ ዝሃበና፡ በዚ መጽሓፍ እዚ ኣቢልና፡ መልእኽትና ሓቂ ምዃኑን ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸን ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ፡ ድሕሪ እቲ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ነቲ ኻብኡ መንፈሳዊ ስልጠና ዚረክብ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ‘ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ኪጥቀም ንኺጽዕር’ ተላበዎ። (2 ጢሞ. 2:15) ንሕናኸ ንምኽሪ ጳውሎስ ክንትግብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንልቢ እቶም ዚሰምዑና ሰባት ኪትንክፍ ዚኽእል ብጥንቃቐ እተመርጸ ጥቕስታት ብምንባብ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል። እተን ብ2013 ዝወጻ ትራክትታት፡ ከምኡ ንኽንገብር ንኺሕግዛና እየን ተዳልየን።

ብጥንቃቐ እተመርጸ ጥቕሲ ኣንብብ

8. ሓደ ሓላው ኣገልግሎት ብዛዕባ እተን ትራክትታት እንታይ እዩ ኢሉ፧

8 ኵለን እተን ሓደስቲ ትራክትታት ሕደ ኣቀራርባ እዩ ዘለወን። ስለዚ፡ ንሓንቲ ትራክት ብኸመይ ከም እንጥቀመላ እንተ ፈሊጥና፡ ንዅለን ብኸመይ ከም እንጥቀመለን ፈሊጥና ኣሎና ማለት እዩ። እሞኸ ብቐሊሉ ኽትጥቀመለን ትኽእል ዲኻ፧ ኣብ ሃዋይ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ሓደ ሓላው ኣገልግሎት፡ “እዘን ሓደስቲ ትራክትታት፡ ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ዕዮ  ዀነ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ክሳዕ ክንደይ ውጽኢታውያን ምዃነን ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና” በለ። እቲ ሓው፡ እተን ትራክትታት እተጻሕፋሉ መገዲ፡ ሰባት ብቐሊሉ ንኺምልሱ ኸም ዚድርኾም፡ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዝርርብ ከም ዚመርሕ ኣስተብሂሉ እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ በታ ኣብ ቅድሚት እተን ትራክትታት ዘላ ሕቶን በቲ ኣማራጺ መልስታትን ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዖ፣ ከመይሲ፡ እቲ ብዓል ቤት፡ ግጉይ መልሲ ንኸይህብ ኣይስከፍን እዩ።

9, 10. (ሀ) ትራክትታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽንጥቀመሉ ዚድርኻና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነየኖት ትራክትታት ኢኻ ብዝያዳ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትጥቀመለን ዝኸኣልካ፧ ስለምንታይከ፧

9 ነፍሲ ወከፍ ትራክት፡ ብጥንቃቐ እተመርጸ ጥቕሲ ንኸነንብብ እያ እተተባብዓና። ንኣብነት፡ ነታ፡ መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧ ዘርእስታ ትራክት ንርአ። እቲ ብዓል ቤት ነታ ሕቶ እቲኣ “እወ፡” “ኣይፋል፡” ወይ ከኣ “ምናልባት” ዚብል መልሲ ይሃበላ ብዘየገድስ፡ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ገጽ ብምኻድ፡ ካልእ ሓሳባት ከይወሰኽካ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል” ጥራይ በሎ። ቀጺልካ ድማ፡ ራእይ 21:3, 4 ኣንብበሉ።

10 ነታ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ትራክት ክትጥቀመላ ኸለኻ እውን፡ እቲ ብዓል ቤት ካብተን ኣብ ቅድሚት እታ ትራክት ዘለዋ ሰለስተ ኣማራጺታት ነየነይቲ ኸም ዚመርጽ ዜገድስ ኣይኰነን። ሓንቲአን ምስ መረጸ፡ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ገጽ ብምኻድ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ . . . እዩ’ ይብል” በሎ። ቀጺልካ እውን፡ “ኣብታ ጥቕሲ ኻልእ ተወሳኺ ሓሳባት እውን ኣሎ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ዚርከብ ሓሳባት ኣንብበሉ።

11, 12. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎት ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢና እንረክብ፧ (ለ) ትራክትታት ንተመላሊስካ ምብጻሕ ንምድላው ብኸመይ እየን ኪሕግዛኻ ዚኽእላ፧

11 ካብ ሓንቲ ትራክት ክንደይ ዚኸውን ሓሳባት ከተንብብን ክትመያየጠሉን ከም ዘሎካ ዚውስኖ፡ እቲ ብዓል ቤት ዚህቦ ምላሽ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነተን ትራክትታት ንሰባት ቅድሚ ምብርካትካ፡ ኣብ ፈለማ ምብጻሕካ ኻብ ቃል ኣምላኽ ሓንቲ ወይ ክልተ ጥቕስታት ጥራይ እውን ምንባብካ ኼሐጕሰካ ይኽእል እዩ። ነቲ ምይይጥ ኣብ ካልእ ግዜ ኽትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ።

12 ኣብ ገበር ነፍሲ ወከፍ ትራክት፡ “ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ” ዚብል ኣርእስቲ ኣሎ፣ ኣብ ትሕቲኡ ድማ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትመያየጠሉ እትኽእል ጥቕስታት ቀሪቡ ኣሎ። ኣብታ፡ ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ ዘርእስታ ትራክት፡ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትጥቀመላ እተዳለወት ሕቶ፡ “ኣምላኽ ንዓለምና ዜመሓይሻ ብኸመይ እዩ፧” እትብል እያ። ማቴዎስ 6:9, 10፣ ዳንኤል 2:44 ድማ ተጠቒሰን ኣለዋ። እታ፡ ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧ ዘርእስታ ትራክት፡ “እንኣርግን እንመውትን ስለምንታይ ኢና፧”  ዚብል ሕቶ ተበግስ። ዘፍጥረት 3:17-19፣ ሮሜ 5:12 ከኣ ተጠቒሰን ኣለዋ።

13. ንትራክትታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ብኸመይ ክትጥቀመለን ከም እትኽእል ግለጽ።

13 ትራክትታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ተጠቐመለን። ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ድሕሪት ትራክት ዘሎ ኮድ QR (ኲክ ሪስፖንስ) ስካን ምስ ዚገብሮ፡ ናብቲ ኣብ ወብ ሳይትና ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዕ ዜተባብዕ ክፋል እዩ ዚመርሖ። ብዘይካዚ፡ እተን ትራክትታት፡ ንብሮሹር ብስራት ኣምላኽ የፋልጣ፡ ኣብታ ብሮሹር እቲኣ ናብ ዚርከብ ፍሉይ ትምህርቲ ኸኣ ይመርሓ እየን። ንኣብነት፡ እታ፡ ንዓለም ዚቈጻጸራ ዘሎ መን እዩ፧ ዘርእስታ ትራክት ናብ ትምህርቲ 5 እታ ብሮሽር ትመርሕ እያ። መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ትራክት ከኣ ናብ ትምህርቲ 9 ትመርሕ። ንትራክትታት በቲ እተዳለዋሉ መገዲ ምስ እትጥቀመለን ንሰባት ንፈለማ ግዜ ኽትረኽቦም ከለኻን ተመሊስካ ኽትበጽሖም ከለኻን ንመጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጌርካ ኽትጥቀመሉ ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ ዝያዳ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ዚሕግዝ እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትካ ዝያዳ ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ንኽትጥቀመሉ ዚሕግዘካ ኻልእ ክትገብሮ እትኽእል እንታይ እዩ፧

ንሰባት ዜተሓሳስቦም ኣርእስቲ ተመያየጥ

14 ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ “ንመብዛሕትኦም” ንኺረብሕ ልባዊ ባህጊ ነይርዎ እዩ። (1 ቈረንቶስ 9:19-23 ኣንብብ።) “ንኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ . . . ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ . . . ነቶም ሕጊ ዘይብሎም ምእንቲ ኽረብሕ፡ . . . ንድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ” ብምባል ከኣ ባህጉ እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እወ፡ ‘ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኼድሕን፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት’ ኪበጽሖም እዩ ዚደሊ ነይሩ። (ግብ. 20:21) ንሕናኸ፡ ኣብ ክልና ንዚርከቡ “ዅሎም ዓይነት ሰባት” ብዛዕባ ሓቂ ምእንቲ ንኽንነግሮም ኣብ እንገብሮ ምድላው ንኣረኣእያ ጳውሎስ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል።—1 ጢሞ. 2:3, 4

15 ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ንመርኣያ ዚኸውን ኣቀራርባ ኣብ ወወርሒ ይወጽእ እዩ። ነቲ መርኣያታት ክትጥቀመሉ ፈትን። ግናኸ፡ ኣብ ክልኻ ንዚነብሩ ሰባት ዜተሓሳስቦም ካልእ ኣርእስትታት እንተ ኣልዩ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ተገዳስነት ዜለዓዕል ኣቀራርባታት ተዳሊኻ ኸተመያይጦም ፈትን። ብዛዕባ እቲ እትነብረሉ ኣከባቢ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ሰባት፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ብዝያዳ ዜገድሶም ነገራት ሕሰብ። ድሕሪኡ፡ ንዜገድሶም ነገራት እትትንክፍ ጥቕሲ ሕሰብ። ሓደ ሓላው ወረዳ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱን ሰበይቱን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትኳር ዚጥቀሙሉ መገዲ፡ “መብዛሕትኦም ሰብ ቤት፡ ኣሕጽር ኣቢልና ንጹር ሓሳብ ከነመሓላልፍ ከለና ሓንቲ ጥቕሲ ንኸነንብበሎም ይፈቕዱልና እዮም። መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ሰላም ምስ በልናዮም፡ ሽዑ ነታ ጥቕሲ ነንብበሎም” ብምባል ይገልጽ። እስከ እምበኣር ቀጺልና፡ ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ንዝረኸቡሉ ኣርእስታትን ሕቶታትን ጥቕስታትን ንመርምር። ንስኻ እውን ነዚ ኣብ ክልኻ ኽትፍትኖ ትኽእል ኢኻ።

ንመጽሓፍ ቅዱስን ንትራክትታትን ኣብ ኣገልግሎትካ ብውጽኢታዊ መገዲ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧

(ሕጡብ ጽሑፍ 8-13 ርአ)

16. ንኢሳይያስ 14:7 ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክንጥቀመላ ኸም እንኽእል ግለጽ።

16 ሰላም ኣብ ዘይብሉ ኸባቢ ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ንሓደ ሰብ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፦ “ሓደ መዓልቲ፡ ‘ኵላ ምድሪ ዓሪፋ ሃዲኣ ኣላ፡ ሰብውን እልል ይብሉ ኣለዉ’ ዚብል ዜና፡ ከም ቀንዲ ኣርእስተ ዜና ዀይኑ ኸም ዝቐረበ ጌርካ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢሳይያስ 14:7 ኸምኡ እዩ ዚብል። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጻኢ ሰላማዊ ዅነታት ከም ዚመጽእ ዘተስፉ ብዙሕ መብጽዓታት ኣምላኽ ሒዙ ኣሎ።” ኣስዒብካ ድማ ንገለ ኻብዚ መብጽዓታት እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉ ኸም እትደሊ ንገሮ።

17. ንማቴዎስ 5:3 ዝርርብ ንምጅማር ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧

17 ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰብኡት ድራር ዕለቶም ንምምእራር ይሽገሩ ድዮም፧ ዚሽገሩ እንተ ዀይኖም፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ፦ “ሓደ ሰብ፡ ስድራ ቤቱ ሕጕስቲ ምእንቲ ኽትከውን ክንደይ ዚኣክል ገንዘብ ዜድልዮ ዀይኑ ይስምዓካ፧” እቲ ሰብ ሓሳባቱ ምስ ገለጸ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ መልሰሉ፡ “ደሞዝ ሓያሎ ሰብኡት ካብዚ ዝጠቐስካዮ ንላዕሊ እዩ፣ ስድራ ቤቶም ግና ዕግብቲ ኣይኰነትን። ብሓቂ ዜድሊ ደኣ እሞ  እንታይ እዩ፧” ቀጺልካ፡ ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ እሞ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዕ ተወከሶ።

18. ንኤርምያስ 29:11 ንኻልኦት ንምጽንናዕ ክትጥቀመላ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

18 ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ሰባት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ዜሕዝን ኵነታት ይሳቐዩ ኣለዉ ድዮም፧ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ክትቀርቦም ትኽእል ኢኻ፦ “ከጸናንዓካ ኢለ እየ መጺአ። (ኤርምያስ 29:11 ኣንብብ።) ኣምላኽ እንታይ ሰለስተ ነገራት ኪህበና ኸም ዚደሊ ኣስተብሂልካዶ፧ ‘መፈጸምታ (ወይ መጻኢ)፡’ ‘ተስፋ፡’ ከምኡ እውን ‘ደሓን’ እዩ። ኣምላኽ፡ ጽቡቕ ህይወት ኪህልወና ኸም ዚደሊ ምፍላጥናስ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን፧ እዚ ግና ብኸመይ እዩ ዚከኣል፧” ቀጺልካ፡ ኣብ ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ንዘሎ ምስቲ ኣርእስቲ ዚኸይድ ትምህርቲ ኣመያይጦ።

19. ንራእይ 14:6, 7 ምስ ሃይማኖታውያን ሰባት ንምምይያጥ ብኸመይ ክንጥቀመላ ኸም እንኽእል ግለጽ።

19 ሰባት ብዛዕባ ሃይማኖት ኣብ ዚግደሱሉ ኸባቢ ዲኻ እትነብር፧ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ዅነታት ትነብር እንተ ዄንካ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ፦ “ሓደ መልኣኽ እንተ ዚዛረበካ ነይሩ፡ ነቲ ዚብሎ ብኣቓልቦ ምሰማዕካዮዶ፧ (ራእይ 14:6, 7 ኣንብብ።) እቲ መልኣኽ እንታይ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ ሒዙ ነይሩ፧ ‘ነቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ’ ኽንፈርሆ ኸም ዘሎና እዩ ተዛሪቡ። እሞኸ ንኣምላኽ ከም እንፈርሆ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል ምበልካ፧” ርእይቶኡ ምስ ሃበ፡ ኣመስጊንካ ዘዳግም 6:2 ኣንብብ። እታ ጥቕሲ፡ “ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሐሉ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢልካ ድማ፡ “ካብዚ ኽትግንዘቦ ኸም እትኽእል፡ ንኣምላኽ ምፍራህ ኪብሃል ከሎ፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ማለት እዩ። ግናኸ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣዝየን ኣገደስቲ ትእዛዛት ኣምላኽ፡ እታ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኸነፍቅሮ ኸም ዘሎና እትሕብር ትእዛዝ ምዃና፡ ሓያሎ ሰባት ኣይፈልጡን እዮም።” ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ኸም እንኽእል፡ ተመሊስካ ንኽትመያየጡ ቘጸራ ግበር።

20. (ሀ) ንምሳሌ 30:4 ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ንምምሃር ክንጥቀመላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ጽቡቕ ውጽኢት ዝረኸብካላ ፍልይቲ ጥቕሲ ኣላትካዶ፧

20 ንሓደ መንእሰይ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝርርብ ክትጅምረሉ ትኽእል ኢኻ፦ “ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ እትሓትት ጥቕሲ ኸንብበልካ ምደለኹ። (ምሳሌ 30:4 ኣንብብ።) ነዚ መግለጺ ኼማልኦ ዚኽእል ሰብ የለን። ስለዚ፡ እታ ጥቕሲ ብዛዕባ ፈጣሪና እትገልጽ ክትከውን ኣለዋ። * ስሙ መን ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከርእየካ ደስ ይብለኒ።”

ነቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ

21, 22. (ሀ) ብጥንቃቐ እተመርጸ ጥቕሲ፡ ህይወት ሰብ ኪቕይር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ኣገልግሎት እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ፧

21 ሰባት ብጥንቃቐ ንእተመርጸ ጥቕሲ እንታይ ምላሽ ከም ዚህብሉ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብሩ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ቤት ሓንቲ ጐርዞ ዃሕኵሑ። ሓዲኦም ከኣ ነታ ጐርዞ፡ “ስም ኣምላኽ ትፈልጥዮዶ፧” ኢሉ ሓተታ። ድሕሪኡ፡ ሓንቲ ጥቕሲ—መዝሙር 83፡18— ኣንበበላ። እታ ሰበይቲ ኣስዒባ ኸምዚ በለት፦ “እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከዱ፡ ነቲ ስም ኣብ ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መዝገበ-ቓላትን ምእንቲ ኽርእዮ፡ ብማኪና ገይረ ናብ ሓደ 56 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ መጻሕፍቲ ዚሽየጠሉ ቦታ ኸድኩ። ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ንርእሰይ ምስ ኣእመንክዋ፡ ‘ካልእ ዘይፈልጦኸ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧’ ኢለ ንርእሰይ ሓተትኩ።” ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ፡ ምስቲ ጸኒሓ እተመርዓወቶ ሰብኣይ ሓቢራ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት፡ ጸኒሖም ድማ ክልቲኦም ተጠምቁ።

22 ቃል ኣምላኽ ንህይወት እቶም ዜንብብዎ ሰባት ይቕይር፡ ነቲ ኣብቲ ህያው መብጽዓታት ኣምላኽ ዘለዎም እምንቶ ድማ የደልድለሎም እዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:13 ኣንብብ።) መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ልቢ ሰብ ንምትንካፍ ኢልና እነውስኦ ዝዀነ ይኹን ቃላት፡ ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ቓል ኣምላኽ ክንጥቀም ዘሎና። እወ፡ ቃል ኣምላኽ፡ ህያው እዩ!

^ ሕ.ጽ. 20 ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 31 ዚርከብ፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ርአ።