ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣንስቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ እንታይ ግደ ኣለወን፧

ኣንስቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ እንታይ ግደ ኣለወን፧

“እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።” —መዝ. 68:11

1, 2. (ሀ) ኣምላኽ ንኣዳም እንታይ ውህበት እዩ ሂብዎ ነይሩ፧ (ለ) ኣምላኽ ንኣዳም ስለምንታይ እዩ ሰበይቲ ሂብዎ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

የሆዋ ንምድሪ ብዕላማ እዩ ፈጢርዋ። “ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና” ንሱ እዩ። (ኢሳ. 45:18) እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ፍጥረቱ ዝዀነ ኣዳም፡ ፍጹም እዩ ነይሩ፣ ኣምላኽ ከኣ ንዕኡ ጽብቕቲ መንበሪት ዝዀነት ገነት ኤድን ሃቦ። ኣዳም ነቲ ዚምስጥ ኣግራብን ጫዕጫዕ ዚብል ወሓይዝን ዚሰራሰሩ እንስሳታትን ኪርኢ ኸሎ፡ ኣየ ኽንደይ ኰን ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ! ይኹን እምበር፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ጐዲልዎ ነበረ። የሆዋ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” ብምባል፡ ነቲ ሰብኣይ እንታይ ከም ዝጐደሎ ሓበረ። ሽዑ ኣምላኽ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ፡ ካብ መሰንገሊኡ ኸኣ ሓንቲ ወሰደ እሞ፡ “ነታ . . . መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ።” ኣዳም ምስ ተበራበረስ ኣየ ኽንደይ ኰን ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ንሱ፡ “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል” በለ።—ዘፍ. 2:18-23

2 ሰበይቲ፡ ፍጽምቲ ደጋፊት ሰብኣይ ክትከውን እተፈጥረት ፍልይቲ ውህበት ኣምላኽ እያ ነይራ። ውሉዳት ናይ ምውላድ ፍሉይ መሰል እውን ተዋህባ። “እቲ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ፡ ኣደ ዅሉ ህያው ኰይና እያ እሞ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያ።” (ዘፍ. 3:20) ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ሰባት ናይ ምውላድ ተኽእሎ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ዜደንቕ ውህበት እዩ ነይሩ። እወ፡ እቶም ቀዳሞት ወለድና ምስ ዘርኦም ኰይኖም ንምልእቲ ምድሪ ገነት  ኪገብርዋን ንኻልኦት ህያዋን ፍጥረታት ኪከናኸኑን ፍሉይ መሰል ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 1:27, 28

3. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን በረኸት ኣምላኽ ንኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዜድልዮም ነይሩ፧ ግናኸ እንታይ እዮም ገይሮም፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣዳምን ሄዋንን ነቲ እተዳለወሎም በረኸት ንኪረኽብዎ፡ ንየሆዋ ኺእዘዙን ንኣገዛዝኣኡ ኪቕበልዎን የድልዮም ነበረ። (ዘፍ. 2:15-17) በዚ ኸምዚ ጥራይ እዮም ነቲ ኣምላኽ ንዕኦም ብዚምልከት ዝገበሮ ዕላማ ኺፍጽምዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ በቲ “ናይ ጥንቲ ተመን” ዝዀነ ሰይጣን ተጸልዮም፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራስ ሓጢኣት ፈጸሙ። (ራእ. 12:9፣ ዘፍ. 3:1-6) እዚ ዕልወት እዚ ንኣንስቲ እንታይ ጽልዋ እዩ ገይሩለን፧ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ እንታይ እየን ዓሚመን፧ ኣብዚ ግዜና ዘለዋ ክርስትያን ኣንስቲ፡ “ዓብዪ ሰራዊት” ተባሂለን ኪጥቀሳ ዚኽእላ ስለምንታይ እየን፧—መዝ. 68:11

ሳዕቤን ዕልወት

4. እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብዝፈጸምዎ ሓጢኣት፡ ተሓታቲ ዝነበረ መን እዩ፧

4 የሆዋ ንኣዳም ብዛዕባ እቲ ዝፈጸሞ ዕልወት ምስ ሓተቶ፡ ኣዳም፡ “እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሀብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀበትኒ እሞ በላዕኩ” ብምባል ዕባራ ምኽንያት ኣቕረበ። (ዘፍ. 3:12) ብዝፈጸሞ ሓጢኣት ሓላፍነት ኪቕበል ኣይደለየን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ ደኣ ንጌጋኡ ናብታ ኣምላኽ ዝሃቦ ሰበይትን ናብቲ ፈቃር ወሃቢኡን ኬላግቦ ፈተነ። ሓጢኣት ዝፈጸሙ፡ ኣዳምን ሄዋንን እኳ እንተ ዀኑ፡ በቲ ዝፈጸምዎ በደል ተሓታቲ ዝነበረ ግና ኣዳም እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም [ኣተወ]፡ ብሓጢኣት እውን ሞት” ኢሉ ዝጸሓፈ።—ሮሜ 5:12

5. ኣምላኽ ካብ ኣገዛዝኣኡ ወጻኢ ዝዀነ ግዝኣት ንእተወሰነ ግዜ ኪቕጽል ብምፍቃዱ እንታይ እዩ ተረጋጊጹ፧

5 እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብሰይጣን ስለ እተታለሉ፡ የሆዋ ገዛኢኦም ኪኸውን ከም ዘየድልዮም ኰይኑ ተሰምዖም። እዚ ኸኣ፡ ‘ንኺገዝእ መሰል ዘለዎ መን እዩ፧’ ዚብል ንሉዓላውነት ዚምልከት ኣገዳሲ ሕቶ ኣበገሰ። ኣምላኽ ንሓዋሩን ዚኸውን መልሲ ንምሃብ፡ ካብ ኣገዛዝኣኡ ወጻኢ ዝዀነ ግዝኣት ንእተወሰነ ግዜ ኪቕጽል ፈቐደ። ካብ ኣገዛዝኣኡ ወጻኢ ዝዀነ ግዝኣት ከም ዚፈሽል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ከም እተራእየ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዝኣት ንደቂ ሰብ መዓት ኣብ ርእሲ መዓት እዩ ኣምጺኡሎም። ኣብ መበል 20 ዘመን ጥራይ እኳ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ንጹሃት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚርከብዎም ኣስታት 100,000,000 ዝዀኑ ሰባት ብውግእ ሞይቶም እዮም። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ተራእዩ እዩ። (ኤር. 10:23) ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ገዛኢና ምዃኑ ንቕበሎ ኢና።ምሳሌ 3:5, 6 ኣንብብ።

6. ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ እየን ዚረኣያ፧

6 ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም፡ ሰብኡትን ኣንስትን እናተገፍዑ እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። (መክ. 8:9፣ 1 ዮሃ. 5:19) ገለ ኻብቲ ዝኸፍአ ግፍዒ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ ዚወርድ ዘሎ ግፍዒ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም፡ 30 ሚእታዊት ዝዀና ኣንስቲ ብመጻምድተን ይግፍዓ እየን። ኣብ ገሊኡ ሕብረተ ሰብ፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዓበዩ መስመር ወለዶ ስድራ ቤት ንኪቕጽል ኣበርክቶ ኸም ዚገብሩን ንኣረጋውያን ወለዶምን ንኣቦሓጎታቶምን ንእኖሓጎታቶምን ከም ዚጥውሩን ጌርካ ስለ ዚሕሰብ፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ኣኽቢርካ እዮም ዚርኣዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከኣ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ቘልዑ ኸም ዘየድልያ እየን ዚቝጸራ፣ ቍጽሪ እቶም ዚንጸሉ ህጻናት ከኣ ካብ ኣወዳት፡ ኣዋልድ ይበዝሓ።

7. ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከመይ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም፧

7 ኣብ ኣንስቲ ዚወርድ ግፍዒ ንኣምላኽ የጕህዮ እዩ። የሆዋ ንኣንስቲ ብፍትሓዊ መገድን ብኣኽብሮትን እዩ ዚርእየን። እዚ ኸኣ ንሄዋን ኣብ ዝፈጠረሉ መገዲ ተራእዩ እዩ። የሆዋ ንሄዋን ባርያ ኣዳም ከም እትኸውን ገይሩ ዘይኰነስ፡ መመላእታ ኣዳም ከም እትኸውን ዚገብራ ሓያሎ ዜደንቕ ባህርያት ዘለዋ ፍጽምቲ ሰብ ገይሩ እዩ ፈጢርዋ።  በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መወዳእታ እታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ፍጥረት፡ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ዚብለና። (ዘፍ. 1:31) እወ፡ የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ካብ መጀመርታ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈጠሮም፡ “ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ” ኣዝዩ “ጽቡቕ” እዩ ነይሩ።

ደገፍ የሆዋ ዝረኸባ ኣንስቲ

8. (ሀ) ባህርያት ሰባት ብሓፈሻ ኸመይ ከም ዘሎ ግለጽ። (ለ) ታሪኽ ከም ዚሕብሮ፡ ኣምላኽ ንመን እዩ ሞገሱ ዜርእዮም፧

8 ድሕሪ እቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልወት ባህርያት ሰብኡትን ኣንስትን ብሓፈሻ እናተበላሸወ እዩ ኸይዱ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን እሞ ኸኣ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ እዩ ተበላሽዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ባህርያት ሰባት ኣዝዩ ኸም ዚኸፍእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ክፍኣት ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ፡ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ፡ “ጽንኩር ግዜ” ኺብሃል ይከኣል እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ይኹን እምበር፡ ታሪኽ ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ የሆዋ ነቶም ብእኡ ዚእመኑን ሕግታቱ ዚሕልዉን ከም ገዛኢኦም ዚቕበልዎን ሰብኡትን ኣንስትን ሞገሱ ይህቦም እዩ።መዝሙር 71:5 ኣንብብ።

9. ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ ሰባት ክንደይ እዮም ነይሮም፧ ስለምንታይከ፧

9 ኣምላኽ ብግዜ ኖህ ነታ ብዓመጻ እተመልአት ዓለም ብማይ ኣይሂ ኼጥፍኣ ኸሎ፡ ኣዝዮም ሒደት ሰባት እዮም ድሒኖም። ኣሕዋትን ኣሓትን ኖህ ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወት እንተ ነይሮም፡ ንሳቶም እውን በቲ ማይ ጠፊኦም እዮም። (ዘፍ. 5:30) ይኹን እምበር፡ ቍጽሪ እተን ካብቲ ማይ ኣይሂ ዝደሓና ኣንስትን ቍጽሪ እቶም ዝደሓኑ ሰብኡትን ማዕረ እዩ ነይሩ። እቶም ዝደሓኑ፡ ኖህ ምስ ሰበይቱ፡ ሰለስተ ደቂ ኖህ ኸኣ ምስ ኣንስቶም እዮም። ኪድሕኑ ዝኸኣሉ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ስለ ዝፈርህዎን ፍቓዱ ስለ ዝፈጸሙን እዩ። ሕጂ ዘለዉ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብቶም ደገፍ የሆዋ ዝረኸቡ ሸሞንተ ሰባት ዝመጹ እዮም።—ዘፍ. 7:7፣ 1 ጴጥ. 3:20

10. ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ እቶም እሙናት ኣበዋት፡ ደገፍ ኣምላኽ ዝረኸባ ስለምንታይ እየን፧

10 ድሕርዚ ዓመታት ጸኒሑ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ እቶም እሙናት ኣበዋት፡ ደገፍ ኣምላኽ ረኺበን እየን። እዘን ኣንስቲ እዚአን፡ ህይወተን ዜማርራ ነይረን እንተ ዝዀና፡ ደገፍ ኣምላኽ ኣይምረኸባን። (ይሁ. 16) ሓንቲ ኻብተን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ ሳራ እያ ነይራ። ሳራ፡ ካብታ ምሾት ዝነበራ ኸተማ ኡር ወጺኣ ኣብ ካልእ ዓዲ ኣብ ድንኳን ክትነብር ምስ ተነግራ ኣየማረረትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ንኣብርሃም፡ ‘ጐይታይ’ እናበለት ትእዘዞ ነበረት።” (1 ጴጥ. 3:6) ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ይስሃቅ ዝነበረት ርብቃ እውን ንርአ። ንሳ እተደንቕ ውህበት ኣምላኽ እያ ነይራ። ሰብኣያ ይስሃቅ ‘ከም ዝፈተዋን ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ኸም እተደበሰን፡’ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ዘፍ. 24:67) ሎሚ እውን ኣብ መንጎና፡ ከም ሳራን ርብቃን ዝኣመሰላ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ብምህላወን፡ የሐጕስና እዩ።

11. ክልተ እብራውያን መሕረስቲ፡ ተባዓት ዝነበራ ብኸመይ እየን፧

11 እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ባሮት ኰይኖም ኣብ ዚነብሩሉ ዝነበረ እዋን እናሰሰኑ ስለ ዝኸዱ፡ ፈርኦን፡ ኵሎም ኣወዳት ዘበሉ እብራውያን ህጻናት ኣብ ግዜ ሕርሲ ኪቕተሉ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እተን ሓለፍቲ መሕረስቲ ነይረን ኪዀና ዚኽእላ ሺፍራን ጱዓን ዝስመን እብራውያን መሕረስቲ ዝገበራኦ እሞ ንርአ። ንሳተን ተባዓትን ንየሆዋ ዚፈርሃን ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ህጻናት ንምቕታል እተዋህበን ትእዛዝ ፈርኦን ኣይሓለዋኦን። ኣምላኽ ከኣ ስድራ ብምሃብ ባረኸን።—ዘጸ. 1:15-21ትርጕም 1990።

12. ዴቦራን ያዔልን ከመይ ዝበለ ተኣማንነት እየን ኣርእየን፧

12 ብግዜ መሳፍንቲ እስራኤል፡ ሓንቲ ኻብተን ደገፍ ኣምላኽ ዝረኸባ ኣንስቲ፡ ነብዪት ዴቦራ እያ ነይራ። ዴቦራ ነቲ መስፍን ዝነበረ ባራቕ ኣተባቢዓቶ፡ እስራኤላውያን ካብ ጭቈና ንኺላቐቑ ድማ ኣበርክቶ ገይራ እያ። ኣብ ልዕሊ ከነኣናውያን ዚግበር ዓወት ግና ንባራቅ ከም ዘይውሃብ፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓለቓ ሰራዊት ከነኣን ዝነበረ ሲሰራ “ኣብ ኢድ ሰበይቲ” ኸም ዚህቦ ተነብያ ነይራ እያ። እታ እስራኤላዊት ዘይነበረት ያዔል  ንሲሰራ ምስ ቀተለቶ ድማ፡ እቲ ትንቢት ተፈጸመ።—መሳ. 4:4-9, 17-22

13. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣቢጋይል እንታይ ይነግረና፧

13 ኣቢጋይል ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ክ. እትነብር ዝነበረት እምንቲ ሰበይቲ እያ ነይራ። ንሳ መስተውዓሊት፡ ሰብኣያ ግና ጨካንን ዘይረብሕን ዓሻን እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 25:2, 3, 25) ዳዊትን ሰቡን ንጥሪት ናባል ንእተወሰነ ግዜ ኣዕቊቦምሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ስንቂ ኺህቦም ምስ ሓተትዎ ግና፡ ዋላ ሓንቲ ኸይሃበ ኣዋሪዱ “ሰጐጎም።” ዳዊት በዚ ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ ንናባልን ንሰቡን ኬጥፍኦም መደበ። ኣቢጋይል ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐት፡ ምግብን ካልእ ህያባትን ሒዛ ናብ ዳዊትን ናብ ሰቡን ብምኻድ፡ ደም ከም ዘይፈስስ ገበረት። (1 ሳሙ. 25:8-18) ጸኒሑ ዳዊት፡ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ” በላ። (1 ሳሙ. 25:32) ናባል ምስ ሞተ፡ ዳዊት ንኣቢጋይል ተመርዓዋ።—1 ሳሙ. 25:37-42

14. ኣዋልድ ሻሉም እንታይ ዓይነት ዕዮ እየን ዚዓይያ ነይረን፧ ሎሚኸ ክርስትያን ኣንስቲ እንታይ ተመሳሳሊ ዕዮ እየን ዚዓይያ ዘለዋ፧

14 ሰራዊት ባቢሎን ንየሩሳሌምን ንቤተ መቕደሳን ብ607 ቅ.ክ. ምስ ኣዕነውዎ፡ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሞይቶም እዮም። ብ455 ቅ.ክ. መናድቕ እታ ኸተማ ብመሪሕነት ነህምያ እንደ ገና ተሃኒጹ እዩ። ካብቶም መናድቕ ኣብ ምጽጋን ዝሓገዙ ሰባት፡ ኣዋልድ እቲ ሹም ፍርቂ ግዝኣት የሩሳሌም ዝነበረ ሻሉም ይርከባኦም። (ነህ. 3:12) ንሳተን ደቂ መስፍን እኳ እንተ ነበራ፡ ትሑት ስራሕ ንኺሰርሓ ፍቓደኛታት እየን ነይረን። ሎሚ እውን ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታት ህንጸት ብእተፈላለየ መገዲ ንኺድግፋ ሕጕሳት ዚዀና ሓያሎ ክርስትያናት ኣለዋ። ነቲ ዚገብራኦ ኣበርክቶ ኸኣ ነማስወሉ ኢና።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ

15. ኣምላኽ ንማርያም እንታይ ክቡር መሰል እዩ ሂብዋ፧

15 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኰነ ቕድሚኡ፡ የሆዋ ንሓያሎ ኣንስቲ ኽቡር መሰል ብምሃብ ባሪኽወን እዩ። ሓንቲ ኻባታተን ማርያም ዝስማ ድንግል እያ ነይራ። ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ ኸኣ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠነሰት። ኣምላኽ ንማርያም፡ ኣደ የሱስ ክትከውን ዝመረጻ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ፍጹም ወዳ ንኼተዕብዮ ዜኽእላ መንፈሳዊ ባህርያት ስለ ዝነበራ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ኣደ እቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ሰባት ዝዓበየ ሰብኣይ ምዃንሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ!—ማቴ. 1:18-25

16. የሱስ ንኣንስቲ ብኸመይ ይርእየን ከም ዝነበረ ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

16 የሱስ ንኣንስቲ ለውሃት የርእየን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ን12 ዓመት ዚኣክል ደም ዛሕዛሕ ንዚብላ ዝነበረ ሰበይቲ እንታይ ከም ዝገበረላ ንርአ። እታ ሰበይቲ ብመንጎ ህዝቢ፡ ናብ የሱስ ቀሪባ፡ ብድሕሪቱ ኽዳኑ ተንከየት። የሱስ በቲ ዝገበረቶ ነገር ኣይገንሓን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብለውሃት፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብቲ ዜቐንዙ ሕማምኪ ድማ ጥዓዪ” በላ።—ማር. 5:25-34

17. ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ ተኣምር እዩ ተፈጺሙ፧

17 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝነበራ ገሊአን ኣንስቲ፡ ንዕኡን ንደቀ መዛሙርቱን ኣገልጊለናኦም እየን። (ሉቃ. 8:1-3) ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ከኣ 120 ዚዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ብፍሉይ መገዲ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4 ኣንብብ።) የሆዋ ብዛዕባ እዚ ኣቐዲሙ፡ “መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክኽዑ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ . . . ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ” ብምባል ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዮኤ. 2:28, 29) እቲ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ እተፈጸመ ተኣምር፡ የሆዋ ነቶም ከሓድቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ጠንጢኑ፡ ነቶም ብሰብኡትን ኣንስትን ዝቘሙ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ሞገሱ ኸም ዝሃቦም ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ገላ. 3:28፣ 6:15, 16) ካብተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኣገልግሎት ዚካፈላ ዝነበራ ክርስትያን ኣንስቲ፡ እተን ኣርባዕተ ኣዋልድ ፊልጵስ እቲ ወንጌላዊ እየን ነይረን።—ግብ. 21:8, 9

 “ዓብዪ ጭፍራ” ኣንስቲ

18, 19. (ሀ) ኣምላኽ ንሰብኡትን ንኣንስትን እንታይ ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተተሓሓዘ ፍሉይ መሰል እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ንኣንስቲ ብኸመይ እዩ ጠቒስወን ዘሎ፧

18 ኣብ መወዳእታ 1800ታት፡ ሒደት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ልባዊ ተገዳስነት ኣርኣዩ። ንሳቶም ንዕዮ ስብከት መገዲ ብምኽፋት፡ ኣብ ፍጻመ እቲ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ዚብል ትንቢት የሱስ እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም።—ማቴ. 24:14

19 እቶም ሽዑ ሒደት ዝነበሩ ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቍጽሮም እናወሰኸ ብምኻዱ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ 8,000,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪህልዉ ኽኢሎም እዮም። ልዕሊ 11,000,000 ዝዀኑ ሰባት ድማ ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ሞት የሱስ ብምእካብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ዕዮናን ተገዳስነት ከም ዘለዎም የርእዩ ኣለዉ። ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ኣብ እተራእየ ቝጽሪ ተኣከብቲ፡ መብዛሕትአን ኣንስቲ እየን። ብዘይካዚ፡ ካብቶም ልዕሊ 1,000,000 ዝዀኑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ መብዛሕትአን ኣንስቲ እየን። እወ፡ ኣምላኽ ንእሙናት ኣንስቲ ነቲ፡ ‘የሆዋ ቓሉ ይህብ፡ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን’ ዚብል ቃላት ጸሓፍ መዝሙር ንኺፍጽማኦ ፍሉይ መሰል ብምሃብ ኣኽቢርወን እዩ።—መዝ. 68:11

እተን ሓጐስ ዜበስራ ኣንስቲ፡ ብሓቂ “ዓብዪ ጭፍራ” እየን። (ሕጡብ ጽሑፍ 18, 19 ርአ)

ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ዚረኽባኦ በረኸት

20. ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ እንታይ ጠቓሚ ዝዀነ ርእሰ ነገር ኢና ኽንመያየጥ እንኽእል፧

20 ብዛዕባ ዅለን እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ እሙናት ኣንስቲ ኣብዚ ተመያይጥና ኽንውድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ግናኸ፡ ኵልና ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ጽሑፋትናን እተሓትመ ብዛዕባአን እተገልጸ ሓሳባት ከነንብቦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ተኣማንነት ሩት ከነስተንትን ንኽእል ኢና። (ሩት 1:16, 17) ብዛዕባ ንግስቲ ኣስቴር ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኣብታ ብስማ እትጽዋዕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ካልእ ጽሑፋት ብምንባብ እምነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እዚኣተንን ካልኦትን ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ምስ እንመያየጠሉ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ንበይንና ንነብር እንተ ዄንና ኸኣ፡ ነዚ ርእሰ ነገር እዚ፡ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን ክንምርምሮ ንኽእል ኢና።

21. ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ንኣምላኽ ዘለወን ተወፋይነት ዘርኣያ ብኸመይ እየን፧

21 የሆዋ ንዕዮ ስብከት ክርስትያን ኣንስቲ ኸም ዚባርኾ፡ ፈተናታት ኬጋጥመን ከሎ ድማ ከም ዚድግፈን ዚከሓድ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብ ግዜ ናዝን ኮምዩኒስትን፡ ሓያሎ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ ኺሳቐያ ኸለዋ፡ ገሊኣተን ከኣ ንኣምላኽ ብምእዛዘን ኪቕተላ ኸለዋ፡ ሳላ ሓገዝ የሆዋ ንጽህናአን ሓልየን እየን። (ግብ. 5:29) ከምተን ጥንቲ ዝነበራ ኣንስቲ ዝገበራኦ፡ ሎሚ ዘለዋ ኣሓትና እውን ምስ ካልኦት ኰይነን ንልዑላውነት የሆዋ ይድግፋ ኣለዋ። የሆዋ ኸኣ ከምቲ ንየማነይቲ ኢድ ጥንታውያን እስራኤላውያን ሒዙ፡ “ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ” ዝበሎም፡ ሎሚ ንዘለዋ ኣሓትና እውን ከምኡ ይብለን ኣሎ።—ኢሳ. 41:10-13

22. ነየናይ ኣብ ዚመጽእ ዚፍጸም ፍሉይ መሰል ኢና ኽንጽበዮ እንኽእል፧

22 ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይርዋ፡ ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ንኺመሃሩ ኺሕግዝዎም እዮም። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ደቂ ተባዕትዮ ንኹን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ‘ሓቢርና’ ንኸነገልግሎ እተዋህበና ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ንርኣዮ።—ጸፎ. 3:9