ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ብኸመይ ይቐርበና፧

የሆዋ ብኸመይ ይቐርበና፧

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።” —ያእ. 4:8

1. ደቂ ሰብ እንታይ ባህጊ እዩ ዘለዎም፧ ነዚ ባህጊ እዚ ኼማልኣሎም ዚኽእልከ መን እዩ፧

“ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ” ዚብል ጥንታዊ ምስላ ኣሎ። እዚ ኸኣ ሓቂ እዩ። ሰባት “ኣጸቢቖም ዚፋተዉን ዚፋለጡን እንተ ዀይኖም፡ ይቀራረቡ እዮም።” ምስቶም ዜፍቅሩናን ኣኽቢሮም ዚርእዩናን ዚርድኡልናን ኣባላት ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ዘሎና ርክብ የሐጕሰና እዩ። ይኹን እምበር፡ ልዕሊ ዅሉ ምስቲ ዓብዪ ፈጣሪና ኢና ጥብቂ ርክብ ክንምስርት ዚግብኣና።—መክ. 12:1

2. የሆዋ እንታይ እዩ ተመባጺዑልና፧ ግናኸ ብዙሓት ሰባት ነቲ መብጽዓ ዘይኣምንዎ ስለምንታይ እዮም፧

2 የሆዋ ኣብ ቃሉ፡ ‘ናብኡ ንኽንቀርብ’ ኣተባቢዑና ኣሎ፣ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ንሱ እውን ከም ዚቐርበና’ ተመባጺዑልና ኣሎ። (ያእ. 4:8) እዚ ሓሳብ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡ ኸም ዘይበቕዑ ወይ ከኣ ኣምላኽ ካባና ኣዝዩ ዝረሓቐ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ኣምላኽ ናብኡ ኽንቀርብ ከም ዚደሊ ዚገልጽ ሓሳብ ንኺኣምንዎ ይኸብዶም እዩ። እሞኸ ብሓቂ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ንኽእል ዲና፧

3. ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ሓቂ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧

3 የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና፡” ማለት ካብቶም ኪረኽብዎ ዚደልዩ ሰባት “ዘይረሓቐ” እዩ፣ ክንፈልጦ ድማ ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 17: 26, 27፣ መዝሙር 145:18 ኣንብብ።) ኣምላኽና፡ ዘይፍጹማት ሰባት እውን እንተ ዀኑ ኸም ዚቐርብዎ ይገብር እዩ፣ ከም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ መጠን ሞገሱ ብምሃብ፡ ንኪቕበሎም ድሉውን ፍቓደኛን እዩ። (ኢሳ. 41:8፣ 55:6) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ ካብ ናይ ብሕቱ ተመክሮ ተበጊሱ፡ “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፡ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ። . . . ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ” ኢሉ ብዛዕባ የሆዋ ጸሓፈ። (መዝ. 65:2, 4) ብዛዕባ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ኣሳ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣሳ ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝቐረበን የሆዋ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃቦን ዜርኢ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። *

ካብ ጥንታዊ ኣብነት ተመሃር

4. ንጉስ ኣሳ ንህዝቢ ይሁዳ እንታይ ኣብነት እዩ ዀይንዎም፧

4 ንጉስ ኣሳ ነቲ ኣብ ሃገሩ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ምንዝርና ቤተ መቕደስን ኣምልኾ ጣኦትን ብምጥፋእ፡ ንጽሩይ ኣምልኾ ዝነበሮ ዜደንቕ ቅንኣት ኣርእዩ እዩ። (1 ነገ. 15:9-13) ነቶም ህዝቡ ብትብዓት፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎን ነቲ ሕግን ትእዛዝን ድማ ኪገብርዎን” ተማሕጸኖም። የሆዋ ኸኣ ነተን ናይ መጀመርታ ዓሰርተ ዓመት ግዝኣት ኣሳ፡ ሰላም ብምሃብ ባረኸን። ኣሳ፡ እቲ ሰላም ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ስለ እተረድአ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝደሌናዮስ፡ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜና ኣላ . . . ንሕና ደሊናዮ ኢና እሞ፡ ንሱ ድማ ብዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና አሎ” በሎም። (2 ዜና 14:1-7) ቀጺሉ እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።

5. ነቲ ኣሳ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ትውክልቲ ዚፍትን እንታይ ኵነታት እዩ ኣጋጢሙ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

5 ኣብ ቦታ ኣሳ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ 1,000,000 ሰራዊትን 300 ሰረገላን ሒዙ ንይሁዳ ኺወርራ መጸ። (2 ዜና 14:8-10) ከምዚ ዓይነት ዓብዪ ሰራዊት ንመንግስትኻ ንኺወርራ ኺምርሽ ከሎ እንተ ትርእዮ፡ እንታይ ምገበርካ፧ ሰራዊትካ 580,000 ጥራይ እዮም። ክልተ ንሓደ ብዝዀነ ቝጽሪ ስለ እተበለጽካ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ንኽትውረር ከም ዝፈቐደ መተሓሳሰበካዶ፧ ነቲ ዘጋጠመካ ሃንደበታዊ ዅነታት፡ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ጥበብ ክትፈትሖ ምፈተንካዶ፧ ኣሳ ዝሃቦ ምላሽ፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከም ዝነበሮን ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚተኣማመንን ዜርኢ እዩ ነይሩ። ካብ ልቡ ድማ ከምዚ ኢሉ ጸለየ፦ “ናባኻ ተጸጋዕና፡ ብስምካ ኢና ኸአ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ርድኣና። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ።” እሞኸ ኣምላኽ ንልባዊ ጸሎት ኣሳ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ ‘የሆዋ ነቶም ኢትዮጵያውያን ሰዓሮም።’ ካብ ሰራዊት ጸላኢ ብህይወት ዘምለጠ ድማ ኣይነበረን።—2 ዜና 14:11-13

6. ንኣሳ ኽንመስሎ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧

6 ኣሳ ኣብ መምርሕን ዕቝባን ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚተኣማመን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣሳ . . . ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡” ከምኡ እውን “ልቡ ምስ እግዚኣብሄር ፍጹም ነበረ” ይብል። (1 ነገ. 15:11, 14) ንሕና እውን ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኸነገልግሎ ኣሎና። ሕጅን ኣብ መጻእን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ኪህልወና እንተ ደሊና፡ ናይ ግድን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። የሆዋ ናብኡ ምእንቲ ኽንቀርብን ነቲ ምስኡ ዝመስረትናዮ ጥብቂ ርክብ ዓቂብና ምእንቲ ኽንቅጽልን ኢሉ ተበግሶ ብምውሳዱ፡ ከነመስግኖ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ንዓና ናብኡ ዚስሕበሉ ኽልተ መገዲ እስከ ንርአ።

የሆዋ ብበጃ ገይሩ ናብኡ ስሒቡና

7. (ሀ) የሆዋ ንዓና ናብኡ ንምስሓብ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ለ) ኣምላኽ ንዓና ናብኡ ዚስሕበሉ ቐንዲ መገዲ እንታይ እዩ፧

7 የሆዋ ነዛ ጽብቕቲ መንበሪት ዝዀነት ምድሪ ብምፍጣር፡ ንደቂ ሰብ ከም ዜፍቅሮም ኣርእዩ እዩ። ከም መግለጺ ፍቕሩ፡ ብስጋ ዜድልየና ዜደንቕ ነገራት ብምሃብ ይከናኸነና እዩ። (ግብ. 17: 28፣ ራእ. 4:11) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ነገራት የማልኣልና እዩ። (ሉቃ. 12:42) ነቲ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እነቕርቦ ጸሎት ከም ዚሰምዖ እውን ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:14) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዓና ናብኡ ዚስሕበሉ ንሕና እውን ናብኡ እንሰሓበሉ ቐንዲ መገዲ፡ በቲ ብበጃ ኣቢሉ ዝገለጸልና ፍቕሩ ኣቢሉ እዩ። (1 ዮሃንስ 4:9, 10, 19 ኣንብብ።) ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኼድሕነና፡ የሆዋ ነቲ “ሓደ ወዱ” ናብ ምድሪ ልኢኽዎ እዩ።—ዮሃ. 3:16

8, 9. የሱስ ኣብ ዕላማ የሆዋ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧

8 የሆዋ ነቶም ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበሩ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ካብቲ በጃ ጥቕሚ ኸም ዚረኽቡ ገይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ንደቂ ሰብ ዜድሕኖም ዘርኢ ኻብ እተነበየላ እዋን ኣትሒዙ፡ ዕላማኡ ኸም ዚፍጸም ስለ ዚፈልጥ፡ ነቲ በጃ፡ ከም እተኸፍለ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። (ዘፍ. 3:15) ዘመናት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በቲ ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ” ንኣምላኽ ኣመስገኖ። ወሲኹ ድማ፡ ‘ኣምላኽ እናተጻወረ ነቲ ቐደም እተገብረ ሓጢኣት ከም ዚሓድጎ’ ገለጸ። (ሮሜ 3:21-26) ብሓቂ እምበኣር፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንቀርብ፡ የሱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ እዩ ዘለዎ።

9 ትሑታት ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ምስኡ ብምትዕርራኽ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱን ዚኽእሉ፡ ብየሱስ ኣቢሎም ጥራይ እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ሓቂ እዚ ዜጕልሖ ብኸመይ እዩ፧ ጳውሎስ፡ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:6-8) መስዋእታዊ በጃ የሱስ ኪኽፈል ዝኸኣለ፡ ዚግብኣና ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ስለ ዘፍቀረና እዩ። የሱስ፡ “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን፡ “ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃ. 6:44፣ 14:6) የሆዋ ንመንፈስ ቅዱስ ብምጥቃም እዩ ንውልቀ ሰባት ብየሱስ ኣቢሉ ናብኡ ዚስሕቦም፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እናተጸበዩ ንርእሶም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኺሕልዉዋ ድማ ይሕግዞም እዩ። (ይሁዳ 20, 21 ኣንብብ።) የሆዋ ንዓና ናብኡ ዚስሕበሉ ኻልእ መገዲ እውን እስከ ንርአ።

የሆዋ በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ኣቢሉ ናብኡ ይስሕበና

10. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ንኽንቀርብ ዚሕግዘና እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚምህር፧

10 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ 14 እተፈላለየ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒስና ኣለና። መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ ናብ ፈጣሪና ኽንቀርብ ከም እንኽእል ኣይምፈለጥናን። ብዛዕባ በጃን ብየሱስ ኣቢልና ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ከም እንኽእልን እውን ኣይምፈለጥናን ኔርና። የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጽሓፍ ገይሩ እዩ፣ ኣብኡ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዚስሕብ ባህርያቱን ብዛዕባ ዓብዪ ዕላማኡን ገሊጹልና ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ዘጸኣት 34:6, 7 የሆዋ ንሙሴ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺገልጸሉ ኸሎ፡ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዅራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ፡ ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል” ምዃኑ ሓበሮ። ከምዚ ዓይነት ባህርይ ናብ ዘለዎ ኣካል ዘይቀርብ እሞ መን ኣሎ፧ የሆዋ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ብዛዕባኡ ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ብዝያዳ ጋህዲ ኸም ዚዀነልናን ናብኡ ብዝያዳ ኸም እንቐርብን ይፈልጥ እዩ።

11. ብዛዕባ ባህርያትን መገድታትን ኣምላኽ ንኽንፈልጥ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ ገጽ 16 ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ኣብ መቕድም እታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምስ ኣምላኽ ብኸመይ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት ከም እንኽእል ዚገልጽ፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ሓሳብ ኣሎ፦ “ዕርክነት ክንገብር ከሎና እቲ ርክብ ዝምስረት ብዛዕባ እቲ ሰብ ኣብ ዘሎና ፍልጠትን ነቲ ፍሉይ ባህርያቱ ኣብ እነርእዮ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን እዩ። ስለዚ እምበኣር እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ባህርያት ኣምላኽን  መገድታቱን ከነጽንዖ ዘድልየና ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዩ።” የሆዋ ንቓሉ፡ ደቂ ሰብ ኪርድእዎ ብዚኽእሉ መገዲ ኸም ዚጽሓፍ ብምግባሩ ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና።

12. የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት ከም ዚጸሓፍ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

12 የሆዋ፡ መላእኽቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዚጽሕፍዎ ኺገብር ይኽእል ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ንሳቶም ብዛዕባናን ብዛዕባ ንጥፈታትናን ኣዝዮም ይግደሱ እዮም። (1 ጴጥ. 1:12) ነቲ ንደቂ ሰብ ዜድሊ መልእኽቲ ኣምላኽ ኪጽሕፍዎ ኸም ዚኽእሉ እውን ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብኣረኣእያ ሰብ ኪርእዩ ምኸኣሉዶ፧ ብዛዕባ እቲ ዜድልየና ነገራትን ብዛዕባ ድኽመታትናን ብዛዕባ ሓያል ባህግታትናን ኪጽሕፉ ምኸኣሉዶ ነይሮም፧ ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዘይክእሉ፡ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት ከም ዚጸሓፍ ብምግባር፡ ንምርዳኡ ቐሊል ከም ዚኸውን ገይሩ እዩ። ንኣተሓሳስባን ንስምዒትን ገሊኦም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ኣብኡ እተጠቕሱ ሰባትን ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ነቲ ዝነበሮም ዘይፍጽምናን ነቲ ዘጋጠሞም ጓህን ጥርጣረን ፍርህን ክንርድኣሎም ንኽእል ኢና፣ ብሓጐሶምን በቲ ዝረኸብዎ ኣሳልጦን እውን ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። ኵሎም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ልክዕ ከም ነብዪ ኤልያስ፡ ‘ከማና ዝስምዒቶም ሰባት እዮም ነይሮም።’—ያእ. 5:17

የሆዋ ንዮናስን ንጴጥሮስን ዝሓዘሉ መገዲ፡ ናብኡ ብዝያዳ ኸም እትቐርብ ዚገብረካ ብኸመይ እዩ፧

(ሕጡብ ጽሑፍ 13, 15 ርአ)

13 ንኣብነት፡ ዮናስ ካብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ምስ ሃደመ ንእተሰምዖ ስምዒት ምሉእ ብምሉእ ኪገልጾ ዚኽእል መልኣኽ የለን። የሆዋ፡ ዮናስ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ ዀይኑ ናብ ኣምላኽ ዝጸለዮ ጸሎት ባዕሉ ኸም ዚጽሕፎ ምግባሩ፡ ዝሓሸ እዩ ነይሩ። ዮናስ፡ “ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፡ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ” በለ።—ዮና. 1:3, 10፣ 2:1-9

14. ነቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝጸሓፎ ነገራት ክንርድኦ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

14 የሆዋ፡ ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ  ኸም ዚጽሕፍ ገይሩ እዩ። ኢሳይያስ ክብሪ ኣምላኽ ብራእይ ምስ ረኣየ፡ “ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር አሎኹ እሞ፡ ወይለይ፡ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩ” ብምባል ብዛዕባ ሓጢኣቱ ተዛረበ። (ኢሳ. 6:5) ነዘን ቃላት እዚአን ኪዛረበን ዚኽእል እሞ ኣየናይ መልኣኽ እዩ፧ ኢሳይያስ ግና ከምኡ ኢሉ ኺዛረብ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ንስምዒቱ ድማ ክንርድኣሉ ንኽእል ኢና።

15, 16. (ሀ) ንስምዒት ከማና ዝበሉ ሰባት እንርድኦ ስለምንታይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ። (ለ) ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንኽንቀርብ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

15 መላእኽቲ ኸም ያእቆብ፡ “ዘይግብኣኒ እዩ” ኺብሉ፡ ወይ ከኣ ከም ጴጥሮስ፡ “ሓጥእ ሰብ እየ” ኺብሉ ምኸኣሉዶ፧ (ዘፍ. 32:10፣ ሉቃ. 5:8) ከም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ‘ምፈርሁዶ፧’ ወይ ከኣ እቶም ጻድቃን መላእኽቲ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኸለዉ ምጽራር ምስ ዜጋጥሞም፡ ከም ጳውሎስን ከም ካልኦት ሰባትን ‘ኪተብዑ’ መድለዮምዶ ነይሩ፧ (ዮሃ. 6:19፣ 1 ተሰ. 2:2) ኣይፋሎምን፣ መላእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ፍጹማትን ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ ዘለዎምን እዮም። ይኹን እምበር፡ ዘይፍጹማት ሰባት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዓይነት ስምዒት ኪስምዖም ከሎ፡ ንሕና እውን ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ብኡብኡ ንርድኦ ኢና። ብሓቂ እምበኣር፡ ንቓል ኣምላኽ ከነንብቦ ኸለና፡ ‘ምስቶም ዚሕጐሱ ኽንሕጐስ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ኽንበኪ’ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:15

16 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ የሆዋ ምስቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቱ ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ጸብጻብ እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ብዛዕባ እቲ ንዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ብትዕግስትን ብፍቕርን ዚቐርቦም ኣምላኽና ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ክንመሃር ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦን ኣዚና ኸነፍቅሮን ኢና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ኢና።—መዝሙር 25:14 ኣንብብ።

ምስ ኣምላኽ፡ ፈጺሙ ዘይብተኽ ርክብ መስርት

17. (ሀ) ዓዛርያ ንኣሳ እንታይ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ ሂብዎ፧ (ለ) ኣሳ ንምኽሪ ዓዛርያ ዕሽሽ ዝበሎ ብኸመይ እዩ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

17 ንጉስ ኣሳ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘየዳግም መገዲ ምስ ሰዓሮም፡ ዓዛርያ ዝስሙ ነብዪ ኣምላኽ ንኣሳን ንህዝቡን፡ ጥበብ ዝሓዘለ ዘረባ ተዛረቦም። “ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፡ እንተ ደሌኹምዎ ድማ፡ ይርከበልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም እንተ ሐደግኩምዎ ግና፡ ንሱ ኸኣ ኪሐድገኩም እዩ” በሎም። (2 ዜና 15:1, 2) ጸኒሑ፡ ኣሳ ነቲ ጽቡቕ ምኽሪ ኣይሰዓቦን። ካብቲ ጸላኢኡ ዝነበረ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ምፍርራህ ምስ ኣጋጠሞ፡ ካብ ሶርያውያን ሓገዝ ኪረክብ ፈተነ። ሓገዝ ንምርካብ ንየሆዋ ኣብ ክንዲ ዚልምኖ፡ ምስ ኣረማውያን ኪዳን ተኣታተወ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንኣሳ፡ “በዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፡ ስለዚ ድማ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪለዐለካ እዩ” ተባሂሉ ተነግሮ። ልክዕ ከምቲ እተነግሮ ኸኣ፡ ዝተረፋ ዓመታት ግዝኣቱ፡ ውግእ ዝመልአን እየን ነይረን። (2 ዜና 16:1-9) ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

18, 19. (ሀ) ገለ ነገር ካብ ኣምላኽ ንኺፈልየና እንተ ፈቒድና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ካብ የሆዋ ፈጺምና ኽንርሕቕ የብልናን። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከም ቀደሙ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ሆሴእ 12:6 ብዚሰማማዕ መገዲ፡ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና፣ እታ ጥቕሲ፡ “ናብ ኣምላኽካ ተመለስ፡ ምሕረትን ፍርድን ሐሉ፡ ኵሉ ጊዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር” ትብል። ስለዚ፡ ብዛዕባ በጃ ብሞሳ ብምስትንታንን ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ብምጽናዕን፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንቕረብ።—ዘዳግም 13:4 ኣንብብ።

19 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 73:28) ኵልና ብዘይምቝራጽ ብዛዕባ የሆዋ ሓድሽ ነገር ክንፈልጥን ነቲ ንዕኡ እነፍቅረሉ ምኽንያት ብዝያዳ ኸነማስወሉን ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ሕጅን ንሓዋሩን ብዝያዳ ኪቐርበና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 ነታ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ” ዘርእስታ ብዛዕባ ኣሳ እትገልጽ ዓንቀጽ ርአ።