ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ንሰዱቃውያን፡ እቶም ዚትንስኡ፡ “ኣይምርዓዉ ኣይምርዓዋ” ኢሉ ነገሮም። (ሉቃ. 20:34-36) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ ምድራዊ ትንሳኤ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ብፍላይ ዘፍቅርዎ ሰብ ብሞት ንእተፈልዮም ሰባት ተገድሶም እያ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ምስቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ መጻምድቶም እንደገና ተራኺቦም ሓዳሮም ኪቕጽሉ ሃረር ይብሉ ይዀኑ። ብዓልቲ ቤቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ፡ “ኣነን ሰበይተይን ሓዳርና ኬኽትም ምርጫና ኣይነበረን። ከም ሰብኣይን ሰበይትን መጠን ኣብ ሓደ ኣምልኾ ሰሚርና ንዘለኣለም ክንነብር ልባዊ ትምኒት እዩ ነይሩና። እቲ ሽዑ ዝነበረኒ ስምዒት ሕጂ እውን ኣይተቐየረን።” ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት እንደገና ኺምርዓዉ፡ ተስፋ ኽንገብረሉ እንኽእል ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣፍና መሊእና ኽንምልሳ ኣይንኽእልን ኢና።

ንዓመታት ዚኣክል ኣብ ሕታማትና ዚወጽእ ዝነበረ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ እቲ የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤን ብዛዕባ እንደገና ምምርዓውን እተዛረቦ ሓሳብ ንምድራዊ ትንሳኤ ኼመልክት ከም ዚኽእልን እቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚትንስኡ ኸኣ ከይተመርዓዉ ኸም ዚነብሩን እዩ ዚግመት ነይሩ። * (ማቴ. 22:29, 30፣ ማር. 12:24, 25፣ ሉቃ. 20:34-36) ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ የሱስ ዝገለጾ ሓሳብ ንሰማያዊ ትንሳኤ ዜምልክት ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ንቓላት የሱስ እስከ ንመርምሮ።

ነቲ የሱስ እተዛረበሉ ዅነታት እስከ ንመርምሮ። (ሉቃስ 20:27-33 ኣንብብ።) እቶም ብትንሳኤ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ሰዱቓውያን፡ ብዛዕባ ትንሳኤን ብዛዕባ ምስ ዘማ ዚግበር መውስቦን ሕቶ ብምብጋስ ንየሱስ ብዘረባ ኺጠልፍዎ እዮም ደልዮም ነይሮም። * የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ደቂ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ይምርዓዉን ይምርዓዋን፣ እቶም ነቲ ስርዓት ዓለም እትን ንትንሳኤ ምዉታትን ኪረኽቡ ዚበቕዑ ግና፡ ኣይምርዓዉ ኣይምርዓዋ። ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑ፡ ኪሞቱ ኣይክእሉን እዮም፣ ውሉዳት ትንሳኤ ብምዃኖም ከኣ፡ ውሉዳት ኣምላኽ እዮም።”—ሉቃ. 20:34-36

ሕታማትና፡ የሱስ ብዛዕባ ምድራዊ ትንሳኤ ይዛረብ ከም ዝነበረ ገይሩ ኬቕርቦ ዝጸንሐ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ኣብ ክልተ ቐንዲ ምኽንያት እተመርኰሰ እዩ። ቀዳማይ፡ ሰዱቃውያን ምድራዊ ትንሳኤ ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ እዮም ሓቲቶም፡ የሱስ ከኣ ንሕቶኦም መሰረት ብምግባር እዩ መሊሱሎም ዚብል ምኽንያት እዩ። ካልኣይ፡ የሱስ ንመልሱ ነቶም እሙናት ኣበዋት ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ ኸኣ ተስፋ ዘለዎም፡ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ብምጥቃስ እዩ ደምዲምዎ።—ሉቃ. 20:37, 38

ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሰማያዊ ትንሳኤ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ይምልስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ዝኸኣልና ኣብ ምንታይ ተመርኲስና ኢና። ክልተ ቐንዲ ሓረጋት እሞ ንመርምር።

‘እቶም ንትንሳኤ ምዉታት ኪረኽቡ ዚበቕዑ።’ እሙናት ቅቡኣት ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኰይኖም ተቘጺሮም’ እዮም። (2 ተሰ. 1:5, 11) ብመሰረት በጃ ንህይወት ስለ ዝጸደቑ፡ ከም እተዀነኑ ሓጥኣን ኰይኖም ኣይሞቱን እዮም። (ሮሜ 5:1, 18፣ 8:1) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ‘ሕጉሳትን ቅዱሳትን’ ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ፡ ተንሲኦም ናብ ሰማይ ንኪኸዱ ድማ ይበቕዑ እዮም። (ራእ. 20:5, 6) ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ ዚትንስኡ ሰባት፡ “ሓጥኣን” እውን ይርከብዎም እዮም። (ግብ. 24:15)  እሞኸ፡ እዚኣቶምሲ ንትንሳኤ “ዚበቕዑ” ተባሂሎም ኪጽውዑ ይኽእሉዶ እዮም፧

“ኪሞቱ ኣይክእሉን እዮም።” የሱስ፡ “ድሕሪኡ ኣይኪሞቱን እዮም” ኣይበለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኪሞቱ ኣይክእሉን እዮም” እዩ ኢሉ። ምድራዊ ዕዮኦም ብተኣማንነት ዚወድኡ ቕቡኣት፡ ተንሲኦም ናብ ሰማይ ኪኸዱን ዘይትመውት ህይወት ኪውሃቦምን እዩ። (1 ቈረ. 15:53, 54) ሞት ኣብ ልዕሊ እቶም ሰማያዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ ሰባት፡ ድሕሪ ደጊም ሓይሊ ኣይኪህልዎን እዩ። *

ነዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ እቲ የሱስ ብዛዕባ ምምርዓውን ትንሳኤን እተዛረቦ ቓላት ንሰማያዊ ትንሳኤ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ድማ፡ እቲ እተዛረቦ ቓላት ብዛዕባ እቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚትንስኡ ሰባት፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ኪሕብረና ይኽእል እዩ፦ (1) ኣይምርዓዉን እዮም፡ (2) ኪሞቱ ኣይክእሉን እዮም፡ (3) ብእተወሰነ መዳይ ከም መላእኽቲ፡ ማለት ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም። ይኹን እምበር፡ እዚ እተፈላለየ ሕቶታት ኬበግስ ይኽእል እዩ።

ቀዳማይ፡ የሱስ ነቶም ብዛዕባ ምድራዊ ትንሳኤ ዚሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ ሰዱቓውያን ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ እተዛረቦም ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ንተቓወምቱ፡ ብመሰረት ሓሳባቶም ዘይምልሰሎም ግዜያት ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ትእምርቲ ኼርእዮም ንዚሓተትዎ ኣይሁድ ኪምልሰሎም ከሎ፡ “ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፣ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተንስኣ እየ” በሎም። እቶም ኣይሁድ ብዛዕባ ህንጻ ቤተ መቕደስ ይሓስቡ ኸም ዝነበሩ፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ “ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ።” (ዮሃ. 2:18-21) ምናልባት የሱስ ነቶም ብትንሳኤ ዀነ ብህላወ መላእኽቲ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ዘይቅኑዓት ሰዱቓውያን ኪምልሰሎም ኣድላዪ ዀይኑ ኣይተሰምዖን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳ. 23:9፣ ማቴ. 7:6፣ ግብ. 23:8) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንጥቕሚ እቶም ሰማያዊ ትንሳኤ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ዝነበሮም ቅኑዓት ደቀ መዛሙርቱ ኢሉ፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ሓቅታት ኪገልጽ ደልዩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ካልኣይ፡ የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ ዚትንስኡ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ብምጥቃስ ምይይጡ ዝደምደመ ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 22:31, 32 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቶም ኣበዋት ንዝሃቦ ሓሳባት፡ “ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና” ኢሉ ኸም ዝጀመሮ ነስተብህል። እዛ ናይ መሰጋጋሪ ሓረግ እዚኣ፡ ንሓደ ነጥቢ ገዲፍካ ናብ ካልእ ነጥቢ ኸም እተተኵር ክትገብር ትኽእል እያ። ሽዑ የሱስ፡ ምድራዊ ትንሳኤ እተረጋገጸ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ተወሳኺ መርትዖ ንምሃብ ኢሉ፡ ካብቲ ሰዱቓውያን ከም ዚቕበልዎ ዚእመኑሉ ጽሑፋት ሙሴ ብምጥቃስ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ማእከል ብሓዊ እትነድድ ቈጥቋጥ ንሙሴ እተዛረቦ ቓላት ኣውስአ።—ዘጸ. 3:1-6

ሳልሳይ፡ እቲ የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤን ብዛዕባ ምምርዓውን እተዛረቦ ቓላት ንሰማያዊ ትንሳኤ ዜመልክት እንተ ዀይኑ፡ እቶም ምድራዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ ሰባት ኪምርዓዉ ይኽእሉ እዮም ማለት ድዩ፧ ቃል ኣምላኽ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ቀጥታዊ መልሲ ኣይህበላን እዩ። የሱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ይዛረብ እንተ ነይሩ፡ ቃላቱ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ዚትንስኡ ሰባት ኣብ ሓዳስ ዓለም ኪምርዓዉ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ኣይገልጽን እዩ።

ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ሞት ንማእሰር መርዓ ኸም ዚበትኮ፡ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ከም ዚገልጽ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ መጻምድቶም ዚሞትዎም ሰባት፡ ኪምርዓዉ እንተ ወሲኖም፡ ጸጸት ኪስምዖም የብሉን። እዚ ናይ ብሕቲ ውሳነ ስለ ዝዀነ፡ መጻምድቲ ብምድላዮም ኪውቀሱ የብሎምን።—ሮሜ 7:2, 3፣ 1 ቈረ. 7:39

ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ህይወት፡ ሓያሎ ሕቶታት ከነበግስ ከም እንኽእል ፍሉጥ እዩ። ብዛዕባ መልሲ እቲ ሕቶታት እቲ፡ ብዘየድሊ ኽንግምት ኣብ ክንዲ እንፍትን፡ ክንጽበ ጥራይ እዩ ዘሎና። ይኹን እምበር፡ እዙዛት ሰባት ተሓጒሶም ከም ዚነብሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ዜድልዮም ነገራት ብምሃብ ትምኒቶም ብብሉጽ መገዲ ኼዕግበሎም እዩ።—መዝ. 145:16

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ 1 ሰነ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 30-31 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 5 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ዘማ ዚግበር መውስቦ ልሙድ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ሰብኣይ፡ ብዓል ሓዳር ዝዀነ ሓዉ፡ ሓድጊ ኸይሓደገ እንተ ሞይቱ፡ መስመር ወለዶ ሓዉ ምእንቲ ኸይጠፍእ ነታ ውሉድ ዘይብላ ሰበይቲ ሓዉ ይምርዓዋ ነበረ።—ዘፍ. 38:8፣ ዘዳ. 25:5, 6.

^ ሕ.ጽ. 9 እቶም ምድራዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ ሰባት፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ደኣ እምበር፡ ዘይትመውት ህይወት ኣይኰነን ዚረኽቡ። ኣብ መንጎ ዘይትመውት ህይወትን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ዘሎ ፍልልይ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 30-31 ርአ።