ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ካብ መዛግብትና

“ዩሬካ ድራማ” ንብዙሓት ሰባት ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺረኽቡዋ ሓጊዛቶም

“ዩሬካ ድራማ” ንብዙሓት ሰባት ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺረኽቡዋ ሓጊዛቶም

“ዩሬካ።” እዛ ቓል እዚኣ፡ “ረኺበዮ” ማለት እያ። ኣብቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ኣብ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ወርቂ ንምርካብ ዚግበር ዝነበረ ቕድድም፡ እታ ቓል በቶም ወርቂ ዜውጽኡ ዝነበሩ ሰባት ብተደጋጋሚ እትዝረብ እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ቻርለስ ተይዝ ራስልን ብጾቱ ዝዀኑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ካብ ወርቂ ንላዕሊ ኣዝዩ ዚኸብር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ረኺቦም እዮም። ንኻልኦት ንኼካፍልዎም ድማ ይህንጠዩ ነበሩ።

ኣብ ክረምቲ 1914 ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ነታ ብኣህጉራዊ ማሕበር ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ኣይ.ቢ.ኤስ.ኤ.) እተዳለወት “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዘርእስታ ንሸሞንተ ሰዓት እትርአ ፊልም ንኺርእዩ ወሓዙ። እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ፊልም እዚኣ፡ ዜደንቕ ተንቀሳቓሲ ስእልታትን ደሚቕ ሕብርታት ዘለዎ ስላይድን ዚስሕብ ዛንታን ጥዑም ሙዚቃን ዘጠቓለለት ኰይና፡ ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ንዘሎ ታሪኽ ደቂ ሰብ እተዘንቱ እያ።—ራእ. 20:4 *

እቶም ኣብ ንኣሽቱ ኸተማታትን ኣብ ገጠራትን ዝነበሩ ሰባትከ ብኸመይ እዮም ነታ ፊልም ኪርእይዋ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ዝዀነ ይኹን ጽምኢ ሓቂ ዘለዎ ሰብ፡ እታ ፊልም ምእንቲ ኸይተምልጦ፡ ኣብ ነሓሰ 1914 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዩሬካ ድራማ” ኣዳለዉ፣ እዛ ድራማ እዚኣ፡ እተወሰነ ኽፋል እታ “ፎቶ-ድራማ” ጥራይ እተጠቓልል እኳ እንተ ነበረት፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ግና ምሽእቲ እያ ነይራ። ብሓያሎ ቛንቋታት እተዳለወ ሰለስተ ኣማራጺታት ድማ ነበራ፣ “ዩሬካ ኤክስ፡” ኵሉ እቲ እተቐድሐ ዛንታን ሙዚቃን ዘጠቓለለት እያ ነይራ። “ዩሬካ ዋይ፡” ኵሉ እተቐድሐ ድምጽን ምልኩዕ ሕብሪ ዘለዎ ስላይድን ዘጠቓለለት እያ ነይራ። “ዩሬካ ፋሚሊ ድራማ” ኸኣ፡ ኣብ ቤት ንኽትርአ ተባሂላ እተዳለወት ኰይና፡ እተመርጸ ዛንታን መዝሙርን ዘጠቓለለት እያ ነይራ። ፎኖግራፍን ኣቕሑ ፕሮጀክተርን እውን ብተመጣጣኒ ዋጋ ኺርከብ ይከኣል ነበረ።

ነቲ ሕብራዊ ስላይድ ንምርኣይ፡ ፕሮጀክተር ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነበረ

ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ፊልም ፕሮጀክተር ወይ ዓብዪ መርኣዪ ፊልም ከየድለዮም፡ ነታ ብናጻ እትርአ “ዩሬካ ድራማ” ኣብ ገጠራት ኬርእዩ ይኽእሉ ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓድሽ ክልታት የብጽሕዎ ነበሩ። እታ ብድምጺ ጥራይ እተዳለወት“ዩሬካ ኤክስ፡” ቀትሪ ዀነ ምሸት ክትርአ ትኽእል ነበረት። እታ ብፕሮጀክተር ዚርአ ስላይድ ዘጠቓለለት “ዩሬካ ዋይ” ድማ፡ ካርባይድ ብዚብሃል ናይ ካርቦን ውሁድ ተጠቒምካ ብዘይ ኤለክትሪክ ክትርአ ትኽእል ነበረት። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ፊንላንድኛ ዝወጸ ጸብጻብ፡ “ነቲ ስእልታት ዳርጋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና” በለ። ከምኡ ድማ እዩ ተገይሩ።

ብልሓተኛታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓበይቲ ቦታታት  ትያትር ኣብ ክንዲ ዚካረዩ፡ ክፍልታት ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ፍርድን መደበር ባቡርን ሳሎን ዓበይቲ ኣባይትን ብናጻ ይጥቀሙ ነበሩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እታ ድራማ ኣብ ግዳም ትርአ ስለ ዝነበረት፡ ብዓብዪ ጻዕዳ ኣንሶላ ጌርካ ኣብቲ ማዕከን እኽሊ፡ መርኣዪ ይስራሕ ነበረ። ኣንቶኒ ሃምባክ፡ “ሰባት ናብ ገደናኦም መጺኦም ነታ ድራማ ምእንቲ ኺርእዩዋ፡ እቶም ሓረስቶት ብሓያሎ ኣጕናድ ገይሮም ኮፍ መበሊ ይሰርሑ ነበሩ” ኢሉ ጸሓፈ። እቶም ነታ “ዩሬካ ድራማ” ዜርእዩ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣቕሑኦምን ሳንጣታቶምን ቴንዳታቶምን መኸሸኒኦምን ዚሕዙሉ “ዓረብያ ድራማ” ይጥቀሙ ነበሩ።

ካብ ሒደት ሰባት ጀሚርካ ኽሳዕ ኣማእታት ዚዀኑ ሰባት ነታ “ዩሬካ ድራማ” ርእዮምዋ እዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እትርከብ 150 ተቐማጦ ዝነበሩዋ ኸተማ፡ 400 ሰባት ነታ ድራማ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ረኣዩዋ። ኣብ ካልእ ቦታ ኸኣ፡ ገሊኦም ሰባት ነታ ድራማ ንምርኣይ፡ 8 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ተጓዒዞም ይመጹ ነበሩ። ኣብ ስዊድን፡ እቶም ኣብታ ንእሽቶ ቤት ሻርሎት ኣልበርግ እተኣከቡ ጐረባብቲ፡ ነቲ እተቐድሐ ዛንታን ሙዚቃን ምስ ሰምዕዎ፡ “ልቦም ብሓቂ ተተንከፈ።” ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣውስትራልያ እትርከብ ማዕድን ዚዕደነላ ርሕቕቲ ኸተማ፡ ኣስታት 1,500 ዚዀኑ ሰባት ነታ ድራማ ርእዮምዋ እዮም። ግምቢ ዘብዐኛ ኸም ዝጸብጸበቶ፡ ‘ፕሮፌሰራትን ተመሃሮን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ኮሌጅን፡ በቲ ስእልታትን በቲ ብፎኖግራፍ ዚስማዕ ዜደንቕ ዛንታን ሙዚቃን ተሳሒቦም እዮም።’ “ዩሬካ ድራማ” ኣብ ሲነማታት እውን ህብብቲ እያ ነይራ።

ዘርኢ ሓቂ ምዅስኳስ

ጉባኤታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መደረታት ብምቕራብን ነታ “ዩሬካ ድራማ” ብምርኣይን ሓደስቲ ጕጅለታት ኪምስርቱ ዚኽእሉ ተዛረብቲ ናብ እተፈላለየ ቦታታት ይልእካ ነበራ። “ዩሬካ ድራማ” ብኽንደይ ሰባት ከም እተራእየት ብርግጽ ኣይፍለጥን እዩ። ብዙሕ ክፋላት እታ ድራማ ግና ብተደጋጋሚ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብ1915 ካብተን ነታ ድራማ ዜርእያ ዝነበራ 86 ጕጅለታት፡ እተን 14 ጥራይ እየን ብስሩዕ ጸብጻብ ዜቕርባ ነይረን። እቲ ኣሃዛት ምሉእ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ግና፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ነታ ድራማ ኸም ዝረኣዩዋ ተፈልጠ። ኣስታት 30,000 ውልቀ ሰባት ድማ፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኪውሃቦም ሓተቱ።

“ዩሬካ ድራማ” ኣብ ታሪኽ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይተዘከረት፡ ካብ ኣውስትራልያ ኽሳብ ኣርጀንቲና፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ክሳብ ደሴታት ብሪጣንያን ህንድን ካሪበያን ኣብ ዚርከብ ብዙሕ ቦታታት ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ነዛ ፍልይቲ ፊልም እዚኣ ርእዮምዋ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ካባታቶም መብዛሕትኦም፡ ነታ ኻብ ወርቂ ንላዕሊ እትኸብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ ረኺቦምዋ እዮም፣ “ዩሬካ” ኢሎም ከኣ ኪጭድሩ ይኽእሉ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 30-32 ንዝወጸት፡ “ካብ መዛግብትና—100 ዓመት ዝገበረ ቕያ እምነት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።