ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ፡ ድምጺ የሆዋ ስማዕ

ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ፡ ድምጺ የሆዋ ስማዕ

“ኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ . . . ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።”—ኢሳ. 30:21

1, 2. የሆዋ ንኣገልገልቱ መምርሒ ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ብእተፈላለየ መገዲ ኻብ የሆዋ መምርሒ ተቐቢሎም እዮም። ኣምላኽ ንገሊኦም ኣገልገልቱ፡ ብመላእኽቲ ወይ ብራእይ ወይ ብሕልሚ ተዛሪብዎምን ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዜጋጥም ገሊጹሎምን እዩ። ፍሉይ ዕዮ እውን ሂብዎም እዩ። (ዘሁ. 7:89፣ ህዝ. 1:1፣ ዳን. 2:19) ንገሊኣቶም ድማ በቶም ኣብ ምድራዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ዜገልግሉ ሰብኣውያን ተወከልቲ የሆዋ ኣቢሉ፡ መምርሒ ተዋሂብዎም እዩ። ህዝቢ የሆዋ ንቓል ኣምላኽ እተቐበሉሉ መገዲ ብዘየገድስ፡ እቶም ነቲ እተዋህቦም መምርሒ ዝሰዓብዎ ተባሪኾም እዮም።

2 ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ብመጽሓፍ ቅዱስን ብመንፈስ ቅዱስን ብክርስትያናዊት ጉባኤን ኣቢሉ እዩ ዚመርሖም። (ግብ. 9:31፣ 15:28፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17) እቲ ንሱ ዚህበና መምርሒ ኣዝዩ ንጹር ስለ ዝዀነ፡ ‘ኣእዛንና፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለስ፡ ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬና ኸም ዚሰምዓ’ ጌርካ ኪቝጸር ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 30:21) የሱስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብ“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ኺመርሓ ኸሎ፡ ድምጺ የሆዋ ኸም እንሰምዕ እዩ ዚገብር። (ማቴ. 24:45) ነቲ መምርሒ ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ንዕኡ እንተ ተኣዚዝና ኢና ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእል።—እብ. 5:9

3. ነቲ ንመምርሒ የሆዋ እንህቦ ምላሽ ኪጸልዎ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ሰይጣን ድያብሎስ ነቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ ህይወት ዜድሕን መምርሒ  ኼፍሽሎ ይጽዕር እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ‘ጐራሕ ልብና’ ነቲ ንመምርሒ የሆዋ እንህቦ ምላሽ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። (ኤር. 17:9) ስለዚ፡ ድምጺ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይንሰምዕ ዕንቅፋት ንዚዀነና ነገራት ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ምስ የሆዋ ወትሩ ምዝርራብ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ንኽንዕቅቦ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና።

ንውዲት ሰይጣን ኣፍሽሎ

4. ሰይጣን ንኣተሓሳስባ ሰባት ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

4 ሰይጣን ንኣተሓሳስባ ሰባት ብናይ ሓሶት ሓበሬታን ብዜታልል ፕሮፓጋንዳን ገይሩ ኺጸልዎ ይጽዕር እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።) ሓበሬታ ድማ ብጽሑፋት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብረድዮን ብተለቪዥንን ብኢንተርነትን ኣብ መላእ ምድሪ ይዝርጋሕ እዩ። በዚ መገድታት እዚ ኣቢሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ሓበሬታ ኺመጽእ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ እዋን ግና ምስ ስርዓታት የሆዋ ዚጋጮ ኣካይዳን ስርዓትን እዩ ዜተባብዕ። (ኤር. 2:13) ንኣብነት፡ ማዕከናት ዜናን ትካላት መዘናግዕን፡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ንዚገብርዎ መውስቦ ኸም ተቐባልነት ዘለዎ ተግባር ገይረን እየን ዚገልጻኦ፣ ብዙሓት ሰባት ድማ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ዚገልጾ ሓሳብ፡ ኣመና ጥብቂ ዀይኑ ይስምዖም።—1 ቈረ. 6:9, 10

5. ብፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ንኸይንታለል ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 እቶም ጽድቂ ኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት፡ በቲ ሰይጣን ሎሚ ዚነዝሖ ዘሎ ፕሮፓጋንዳ ንኸይታለሉ ኺጥንቀቑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ነቲ ጽቡቕ ካብቲ ሕማቕ ኪፈልይዎ ዚኽእሉኸ ብኸመይ እዮም፧ ‘ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ንነፍሶም ብምጥንቃቕ እዮም’ ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ። (መዝ. 119:9) ቃል ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ሓበሬታ ኻብቲ ዜታልል ፕሮፓጋንዳ ንኽንፈልዮ ዜኽእለና ኣገዳሲ መምርሒ ዝሓዘ እዩ። (ምሳ. 23:23) የሱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በለ። (ማቴ. 4:4) ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ህይወትና ኸም እንትግብሮ ኽንፈልጥ ኣሎና። ንኣብነት፡ ሙሴ ነቲ ንዝሙት ዚምልከት ሕጊ የሆዋ ቕድሚ ምጽሓፉ ነዊሕ ይገብር፡ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዮሴፍ፡ ዝሙት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት ምዃኑ ተገንዚቡ ነበረ። ዋላ እኳ ሰበይቲ ጶጢፋር ንኸተታልሎ እንተ ጸዓረት፡ ንሱ ግና ወትሩ ንየሆዋ ኺእዘዞ እዩ ዚደሊ ነይሩ። (ዘፍጥረት 39:7-9 ኣንብብ።) ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ንነዊሕ ግዜ ጸቕጢ እኳ እንተ ገበረትሉ፡ ንሱ ግና ንዓኣ ምእንቲ ኺሰምዕ ኢሉ፡ ንድምጺ ኣምላኽ ጸማም እዝኒ ኺህቦ ኣይደለየን። ስለዚ፡ ንቕኑዕ ካብ ጌጋ ኽንፈልየሉ እንኽእል መገዲ፡ ንድምጺ የሆዋ ምስማዕን ነቲ ዘየቋርጽ ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ጸማም እዝኒ ምሃብን እዩ።

6, 7. ካብቲ እኩይ ምኽሪ ሰይጣን ምእንቲ ኽንርሕቕ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

6 ዓለምና ንሓድሕዱ ብዚጋጮ ሃይማኖታዊ ትምህርትን ሰረተ እምነትን ዝመልአት ስለ ዝዀነት፡ ብዙሓት ሰባት፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንምርካብ ኢልካ ምጽዓር ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንመምርሒኡ፡ ነቶም ንኺጥቀሙሉ  ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ኣዝዩ ንጹር ገይሩሎም ኣሎ። ንመን ከም እንሰምዕ ክንውስን ኣሎና። ኣብ ሓደ እዋን ንኽልተ ድምጺ ኽንሰምዕ ስለ ዘይንኽእል፡ ‘ንድምጺ የሱስ ክንፈልጦን’ ንዕኡ ኽንሰምዖን ኣሎና። ከመይሲ፡ የሆዋ ንዕኡ እዩ ኣብ ልዕሊ ኣባጊዑ ሸይምዎ።—ዮሃንስ 10:3-5 ኣንብብ።

7 የሱስ፡ “ንእትሰምዕዎ ኣቕልቡሉ” በለ። (ማር. 4:24) ምኽሪ የሆዋ ንጹርን ቅኑዕን እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ምኽሪ ምእንቲ ኽንቅበሎ፡ ልብና ብምድላው ከነቕልበሉን ክንሰምዖን ኣሎና። ጥንቁቓት እንተ ዘይኴንና፡ ኣብ ክንዲ ንፍቕራዊ ምኽሪ ኣምላኽ፡ ነቲ እኩይ ምኽሪ ሰይጣን ክንሰምዕ ንኽእል ኢና። ዓለማዊ ሙዚቃ፡ ቪድዮታት፡ መደባት ተለቪዥን፡ መጻሕፍቲ፡ ፈተውቲ፡ መምህራን፡ ወይ ከኣ ምሁራት ዚብሃሉ ሰባት ንህይወትና ኺቈጻጸርዎ ኽንፈቅድ የብልናን።—ቈሎ. 2:8

8. (ሀ) ልብና ንውዲት ሰይጣን ከም እንቃላዕ ኪገብረና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ሸለል እንተ ኢልናዮ፡ እንታይ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

8 ሰይጣን፡ ሓጥእ ዝንባለ ኸም ዘሎና ስለ ዚፈልጥ፡ ነቲ ዝንባለና ኸም እንስዕብ ንኺገብረና ይጽዕር እዩ። በዚ መዳይ እዚ ኼጥቅዓና ኺጽዕር ከሎ ድማ፡ ንጽህናና ንኽንሕሉ ኣመና ኼጸግመና ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 8:44-47) እሞኸ ንኸምዚ ዓይነት በዳሂ ጸገም ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ግዜያዊ ባህታ ንኺረክብ ኢሉ ብዛዕባ ዚጽዕር ግናኸ ኣብ መወዳእታኡ ዘይደለዮ ነገር ኣብ ምግባር ብዛዕባ ዚወድቕ ሰብ እሞ ሕሰብ። (ሮሜ 7:15) ነቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዜሕዝን ኵነታት ከም ዚወድቕ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ቀስ ብቐስ ንድምጺ የሆዋ ኻብ ምስማዕ ኣቋሪጹ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ንዅነታት ልቡ ዚሕብሮ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ኣየስተብሃለሉን ወይ ከኣ ሸለል ኢልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምጽላይ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ተሳትፎ ነክዩ፡ ወይ ከኣ ካብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺተርፍ ጀሚሩ ነይሩ ይኸውን። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ባህጉ ኢዱ ብምሃብ፡ ኣብ ጌጋ ይወድቕ ይኸውን። ንሕና እውን ንዝዀነ ይኹን ናይ መጠንቀቕታ ምልክት ብንቕሓት ብምክትታልን ብቕልጡፍ ምትዕርራይ ብምግባርን፡ ንገዛእ ርእስና ኻብ ሓደገኛ ጌጋታት ክንሰትራ ንኽእል ኢና። ንድምጺ የሆዋ ንሰምዖ እንተ ዄንና ድማ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ሓሳባት ከሓድቲ ኽንርሕቕ ኢና።—ምሳ. 11:9

9 ሓደ ሰብ ንሕማሙ ኣቐዲሙ እንተ ፈሊጥዎ፡ ህይወቱ ኼድሕን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ናብ ፈተና ኼእትወና ዚኽእል ዝንባለታት ብቕልጡፍ እንተ ኣለሊናዮ፡ ካብ ሓደጋ ኽንስተር ንኽእል ኢና። ነቲ ዝንባለታት ምስ ኣለለናዮ፡ ‘ፍቓድ ሰይጣን ንኽንገብር ኣብ መፈንጠራኡ’ ቕድሚ ምውዳቕና፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (2 ጢሞ. 2:26) ኣተሓሳስባናን ባህግታትናን  ካብቲ የሆዋ ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ይርሕቕ ከም ዘሎ እንተ ተገንዚብና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዚግብኣና፧ ውዓል ሕደር ከይበልና ናብ የሆዋ ኽንምለስን ንምኽሩ ጽን ክንብሎን ንዕኡ ብምሉእ ልብና ኽንሰምዖን ኣሎና። (ኢሳ. 44:22) እቲ ዝገበርናዮ ሕማቕ ውሳነ ዘይጠፍእ በሰላ ኺሓድገልና ስለ ዚኽእል፡ ኣብዚ ስርዓት ዓለም ከቢድ ሳዕቤን ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ክንግንዘብ ኣሎና። ካብዚ ዅሉ ግና፡ ካብ የሆዋ ብዘይምርሓቕ ንገዛእ ርእስና ኻብ ከቢድ ጌጋ ኸነዕቍባ ይሓይሽ።

ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ካብ ውዲት ሰይጣን ኬዕቍበካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

(ሕጡብ ጽሑፍ 4-9 ርአ

ንትዕቢትን ንስስዐን ንጸጎ

10, 11. (ሀ) ገለ ምልክታት ትዕቢት እንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ዝሰዓብዎ ሕማቕ መገዲ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧

10 ልብና ኻብ የሆዋ ኸም እንርሕቕ ኪገብረና ኸም ዚኽእል ክንፈልጥ ኣሎና። ሓጥእ ዝንባለታትና ኣባና ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ንትዕቢትን ንስስዐን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዚ ባህርያት እዚ፡ ነቲ ንድምጺ የሆዋ እንሰምዓሉ መገዲ ኺዓናቕፎን ናብ ሓደገኛ መገዲ ኺመርሓናን ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ። ዕቡይ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እተጋነነ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ዝደለዮ ኺገብር ከም ዚኽእልን ርእይቶ ኻልእ ሰብ ከም ዘየድልዮን ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱን ሽማግለታትን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ውድብ ኣምላኽ፡ መምርሕን ምኽርን ኪህብዎ ኸም ዘየድልዮ ገይሩ ይሓስብ ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ሰብ፡ ንድምጺ የሆዋ ኣይሰምዖን እዩ።

11 እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኺጓዓዙ ኸለዉ፡ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ካብ ስልጣን ሙሴን ኣሮንን ዓለዉ። ብትዕቢት ተደሪኾም ድማ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓት ኣምልኾ ኬቝሙ ደለዩ። እሞኸ የሆዋ እንታይ ገበረ፧ ነቶም ዓለወኛታት ኣጥፈኦም። (ዘሁ. 26:8-10) እዚ ታሪኻዊ ጸብጻብ እዚ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና። ካብ የሆዋ ምዕላው፡ ሳዕቤኑ ጥፍኣት እዩ። ‘ንውርደት ትዕቢት ከም እትቕድማ’ እውን ኣይንረስዕ።—ምሳ. 16:18፣ ኢሳ. 13:11

12, 13. (ሀ) ስስዐ ብኸመይ መዓት ኬምጽእ ከም ዚኽእል ዚገልጽ ኣብነት ሃብ። (ለ) ስስዐ ልጓም እንተ ዘይተገይሩሉ፡ ብኸመይ ብቕልጡፍ ኪዓቢ ኸም ዚኽእል ግለጽ።

12 ስስዐ እውን እንተ ዀነ ሓደገኛ እዩ። ስሱዕ ሰብ ግቡእ ጠባይ ኬርኢ ዘለዎ ዀይኑ ስለ ዘይስምዖ፡ ንነገራት ብኢደ ወነኑ እዩ ዚገብሮ። ንእማን ዚብሃል ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ኻብ ለምጹ ምስ ሓወየ፡ ንነብዪ ኤልሳእ ህያባት ኪህቦ ደለየ፣ ንሱ ግና ኣበየ። ይኹን እምበር፡ እቲ ጊልያ ኤልሳእ ዝነበረ ገሓዚ፡ ነቲ ህያባት ተመነዮ። ብልቡ ድማ፡ “ህያው እግዚኣብሄር ኢለ፡ [ንንእማን] ደድሕሪኡ ጐይየ ገለ ኻብኡ ኽወስድ እየ” በለ። ንኤልሳእ ከይነገሮ ደድሕሪ ንእማን ብምጕያይ ኣርከቦ፣ “ሓደ ታለንት ብሩርን ክልተ ለውጢ ኽዳውንትን” ንኺረክብ ኢሉ ኸኣ፡ ውጹእ ሓሶት ሓሰወ። እሞኸ እቲ ስሱዕ ዝነበረ ገሓዚ ንነብዪ የሆዋ ብምሕሳዉ እንታይ ኣጋጠሞ፧ ለምጺ ንእማን ኣብኡ ለገበ።—2 ነገ. 5:20-27

13 ስስዐ ብንእሽቶ ነገር ኪጅምር ይኽእል እዩ፣ ልጓም እንተ ዘይተገይሩሉ ኸኣ፡ ብቕልጡፍ ኪዓብን ንህይወትና ኼበላሽዎን ይኽእል እዩ። እቲ ብዛዕባ ኣካን ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስስዐ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ዜርኢ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ስስዐ ኣካን ብኸመይ ብቕልጡፍ ከም ዝዓበየ እስከ ንርአ። “ኣብቲ እተዘምተ ሓደ ጽቡቕ ባርኖስ ሰንኣርን ክልተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓምሳ ሲቃል ዝሚዛኑ ልሳን ወርቅን፡ ምስ ርኤኹ፡ ሽዑ ተመኔኽዎ እሞ ወሰድክዎ” በለ። ነቲ ግጉይ ባህጊ ኣብ ክንዲ ዚነጽጎ፡ ነቲ ኣቕሑ ሰሪቑ ኣብ ድንኳኑ ሓብኦ። ኣበሳ ኣካን ምስ ተፈልጠ፡ እያሱ ንኣካን፡ የሆዋ ኸም ዜሸግሮ ወይ ኣብ ልዕሊኡ መዓት ከም ዜምጽኣሉ ነገሮ። ኣካንን ስድራ ቤቱን ድማ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ። (እያ. 7:11, 21, 24, 25) ሎሚ እውን ንዓና ስስዐ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ‘ካብ ኵሉ ስስዐ ኽንሕሎ ኣሎና።’ (ሉቃ. 12:15) ሓሓሊፉ ዘይጥዑይ ሓሳብ ክንሓስብ ወይ ከኣ ርኹስ ነገራት ኣብ ኣእምሮና ኺመጸና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብሰንኪ ባህግታትና ኣብ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይንወድቕ፡ ንኣእምሮና ኽንቈጻጸሮ ኣሎና።—ያእቆብ 1:14, 15 ኣንብብ።

14. ዝንባለ ትዕቢትን ስስዐን ከም ዘሎና እንተ ኣስተብሂልና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዚግብኣና፧

 14 ትዕቢትን ስስዐን መዓት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ግጉይ መገዲ ምስዓብ ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤን ነስተንትን እንተ ዄንና፡ እቲ ዝንባለታት ንድምጺ የሆዋ ንኸይዕብልሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ዘዳ. 32:29) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቕኑዕ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብእኡ ምምልላስ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕምን ካብኡ ምውጻእ ብዛዕባ ዜምጽኦ ሳዕቤንን እውን ይነግረና እዩ። ብትዕቢት ወይ ብስስዐ ተደሪኽና ገለ ነገር ንኽንገብር ብልብና እንተ ሓሲብና፡ ብዛዕባ ሳዕቤኑ ምሕሳብና ኣዝዩ ጥበባዊ እዩ። እቲ እንፍጽሞ ኣበሳ ንዓናን ነቶም እነፍቅሮም ሰባትን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኽንሓስብ ኣሎና።

ብዘይምቍራጽ ምስ የሆዋ ተዘራረብ

15. ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

15 የሆዋ ጽቡቕና እዩ ዚደሊ። (መዝ. 1:1-3) ልክዕ ኣብ ግዜኡ፡ እኹል መምርሒ ይህበና እዩ። (እብራውያን 4:16 ኣንብብ።) የሱስ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ የሆዋ ብዘይምቍራጽ ይዘራረብን ኣዘውቲሩ ይጽልን ነበረ። የሆዋ ድማ ንየሱስ ብዜደንቕ መገዲ ደጊፍዎን መሪሕዎን እዩ። ምእንቲ ኼገልግልዎ ኢሉ፡ መላእኽቲ ልኢኹሉ እዩ፣ ምእንቲ ኺሕግዞ ኢሉ፡ መንፈስ ቅዱሱ ሂብዎ እዩ፣ ነቶም 12 ሃዋርያት ኪመርጽ ከሎ ድማ መሪሕዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንየሱስ ዘለዎ ደገፍን ስምረትን ንምግላጽ፡ ካብ ሰማይ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 3:17፣ 17:5፣ ማር. 1:12, 13፣ ሉቃ. 6:12, 13፣ ዮሃ. 12:28) ንሕና እውን ልክዕ ከም የሱስ፡ ብጸሎት ኣቢልና ልብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከነፍስስ ኣሎና። (መዝ. 62:7, 8፣ እብ. 5:7) ብጸሎት ኣቢልና ንየሆዋ ብዘይምቍራጽ ክንዛረቦን ንዕኡ ኽብሪ ዜምጽእ ዓይነት ህይወት ክንነብርን ንኽእል ኢና።

16. ድምጺ የሆዋ ኽንሰምዕ ዜኽእለና ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 የሆዋ ይመኽረና እኳ እንተ ዀነ፡ ንምኽሩ ንኽንቅበሎ ግና ኣየገድደናን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺህበና፡ ንየሆዋ ኽንልምኖ ኣሎና፣ ንሱ ድማ ኣብዚሑ ኺህበና እዩ። (ሉቃስ 11:10-13 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ‘ከመይ ጌርና ኸም እንሰምዕ ከነቕልብ ኣሎና።’ (ሉቃ. 8:18) ንኣብነት፡ ካብ ርኹስ ሓሳባት ንኽንርሕቕ ምእንቲ ኺሕግዘና ንየሆዋ እናለመንናዮ ኽነስና፡ ስእለ ጽዩፍ ወይ ርኹስ ፊልምታት ምርኣይ ዘይነቋርጽ እንተ ዄንና፡ ግቡዛት ኢና እንኸውን። መንፈስ የሆዋ ኽንረክብ እንተ ደሊና፡ ንገዛእ ርእስና ኣብቲ መንፈስ የሆዋ ዘለዎ ቦታታት ወይ ኵነታት ክንገብራ ኣሎና። እቲ መንፈስ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኸም ዚርከብ ድማ ንፈልጥ ኢና። ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኣብ ኣኼባታት ንየሆዋ ብምስማዕ ካብ ሓደጋ ኺስተሩ ኽኢሎም እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ልቦም ዚዓቢ ዝነበረ ግጉይ ባህግታቶም ኬለልይዎን መገዶም ኬተዓራርዩን ክኢሎም እዮም።—መዝ. 73:12-17፣ 143:10

ወትሩ ድምጺ የሆዋ ስማዕ

17. ኣብ ገዛእ ርእስና ኽንምርኰስ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ነቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ገና መንእሰይ ከሎ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ዓርሞሸሽ ዝነበረ ጎልያድ ሰዓሮ። ድሕሪኡ ድማ፡ ወተሃደርን ንጉስን መዕቈብን ንጥቕሚ ህዝቡ ዚውስን መራሕን ኰነ። ዳዊት ኣብ ገዛእ ርእሱ ኺምርኰስ ከሎ፡ ልቡ የታልሎ ነበረ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ምስ ባትሴባ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሙን ንኡርያ ሰብኣያ ኣቕቲልዎን እዩ። ተግሳጽ ምስ ተዋህቦ ግና፡ ብትሕትና ጌጋኡ ተኣመነ፣ እንደገና ኸኣ ምስ የሆዋ ርክብ ኪምስርት ከኣለ።—መዝ. 51:4, 6, 10, 11

18. ወትሩ ንድምጺ የሆዋ ምእንቲ ኽንሰምዖ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

18 ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:12 ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ልብና ነሕድሮ፣ እምብዛ ድማ ብገዛእ ርእስና ኣይንተኣማመን። ‘ስጓመና ኸነቕንዕ’ ስለ ዘይንኽእል፡ ውዒልና ሓዲርና ወይ ንድምጺ የሆዋ ወይ ከኣ ንድምጺ ጸላኢኡ ኢና እንሰምዕ። (ኤር. 10:23) ሃየ እምበኣር፡ ኣዘውቲርና ንጸሊ፣ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዚህበና መምርሒ ንስዓብ፣ ወትሩ ኸኣ ንድምጺ የሆዋ ንስምዓዮ።