ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መስከረም 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 27 ጥቅምቲ ኽሳዕ 30 ሕዳር 2014 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

‘ትመጣጠርዶ’ ኣሎኻ፧

ነዚ ብቕኑዕ መገዲ ኽትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንሓቂ ኸም ዝረኸብካያ ኣሚንካ ዲኻ፧ ስለምንታይ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ ንሓያሎ ሰባት ዘእመኖም እንታይ ምዃኑ ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንርእሶም እውን ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ ዘእመኖም እንታይ ምዃኑ ኽንምርምር ኢና።

“ብዙሕ ጸበባ” እናሃለወ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልግሎ

ኵሉ ሰብ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ስለ ዚነብር፡ ጸበባ የሕልፍ እዩ። ገለ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሜላታት እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኽንዳለወሉ ንኽእል፧

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ጓስይዎም

ወለዲ ንደቆም “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:4) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ወለዲ ንደቆም ኪጓስይዎምን ፍቕሪ የሆዋ ኼስርጹሎምን ብዛዕባ ዚኽእሉሉ ሰለስተ መገዲ ትገልጽ።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 37:25 ኰነ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዚገልጾ ሓሳባት፡ የሆዋ፡ ሓደ ክርስትያን ንኺጠሚ ፈጺሙ ኣይፈቅድን እዩ ማለት ድዩ፧

እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ፡ ሞት እዩ

ሞትን ጠንቂ ሞትን ኣዝዩ ኸቢድ ስቓይ እዩ ዜስዕብ። ሰባት ዚሞቱ ስለምንታይ እዮም፧ እቲ ‘ናይ መወዳእታ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ዚስዓር’ ብኸመይ እዩ፧ (1 ቈረንቶስ 15:26) መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ንፍትሕን ንጥበብን፡ ብፍላይ ከኣ ንፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ከም ዜጕልሖ ርአ።

ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ዘክሮም

ብዙሓት ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምእታው ኣበርቲዖም ይዓዩ እዮም። እሞኸ ‘ነቲ ብእምነት ዚገብርዎ ግብርን’ ‘ነቲ ብፍቕሪ ዚጽዕርዎ ጻዕርን’ ንምዝካር እንታይ ክንገብር ንኽእል፧—1 ተሰሎንቄ 1:3።