ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ዘክሮም

ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ዘክሮም

“ነቲ ብእምነት ዝገበርኩምዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕርን . . . ከየቋረጽና ንዝክሮ ኣለና።”—1 ተሰ. 1:3

1. ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ብትግሃት ዘገልገልዎ ሰባት እንታይ እዩ ዚስምዖ ነይሩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ምእንቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም ብዙሕ ዝጸዓሩ ክርስትያናት ዘኪርዎም እዩ። “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ብእምነት ዝገበርኩምዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕርን ሳላ እታ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘላትኩም ተስፋ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን ከየቋረጽና ንዝክሮ ኣለና” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (1 ተሰ. 1:3) እወ፡ የሆዋ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ እቶም ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ሰባት ብፍቕሪ ዚጽዕርዎ ጻዕሪ፡ ይንኣስ ይብዛሕ ብዘየገድስ ይዝክሮ እዩ።—እብ. 6:10

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ቀደም ይኹን ሕጂ ዘለዉ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ንየሆዋ ንምግልጋል ብዙሕ መስዋእቲ ኸፊሎም እዮም። ገሊኣቶም ብኸመይ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም ዘገልገሉ ኽንርኢ ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ዘሎ እተፈላለየ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንምርምር ኢና፣ ነቶም ብፍሉይ መገዲ ምእንቲ ኼገልግሉ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ዘቕረቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኸመይ ክንዝክሮም ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት

3, 4. (ሀ) ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ዜገልግሉ ነይሮም፧ (ለ) ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ብኸመይ ይማልኣሎም ነይሩ፧

3 የሱስ፡ ካብ ዚጥመቕ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኪበጽሕ ዚግብኦ ዕዮ ኸም ዚጅምር ገበረ። (ሉቃ. 3:21-23፣ 4:14, 15, 43) ድሕሪ ሞቱ  ድማ፡ ሃዋርያቱ ንዕዮ ስብከት ኣብ ምስፋሕ መሪሕ ግደ ነበሮም። (ግብ. 5:42፣ 6:7) ከም ፊልጶስ ዝኣመሰሉ ገሊኦም ክርስትያናት፡ ኣብ ፍልስጥኤም ከም ወንጌላውያንን ሚስዮናውያንን ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። (ግብ. 8:5, 40፣ 21:8) ጳውሎስን ካልኦትን ድማ ካብኡ ርሒቖም ተጓዒዞም እዮም። (ግብ. 13:2-4፣ 14:26፣ 2 ቈረ. 1:19) ከም እኒ ስልዋኖስን (ሲላስ) ማርቆስን ሉቃስን ከኣ፡ ቀዳሕቲ ወይ ጸሓፍቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። (1 ጴጥ. 5:12) ክርስትያን ኣሓት እውን ምስቶም እሙናት ኣሕዋት ኰይነን ዓይየን እየን። (ግብ. 18:26፣ ሮሜ 16:1, 2) እቲ ባህ ዜብል ተመክሮኦም ድማ፡ ንናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተሓጒስና ኸም እነንብቦ እዩ ዚገብረና፣ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብጽቡቕ ከም ዚዝክሮም ከኣ ዜርኢ እዩ።

4 ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ፡ ብስጋዊ መዳይ እንታይ ደገፍ እዩ ዚግበረሎም ነይሩ፧ ሓድሓደ ሳዕ፡ ክርስትያናት ዝዀኑ ብጾቶም ተሓጒሶም ይቕበልዎምን ይድግፍዎምን እኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ግና ከምኡ ኺግበረሎም ከም ዚግባእ ገይሮም ኣይሓስቡን እዮም ነይሮም። (1 ቈረ. 9:11-15) ገሊኦም ውልቀ ሰባትን ጉባኤታትን ብፍታው ይድግፍዎም ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15፣ ፊልጲ 4:15-18 ኣንብብ።) ጳውሎስን መጓዕዝቱን እውን ንወጻኢታቶም ምእንቲ ኺሽፍኑ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ይሰርሑ ነበሩ።

ኣብ ግዜና ዘለዉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ

5. ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ሰብ ሓዳር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜሕልፍዎ ህይወት እንታይ ይስምዖም፧

5 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ይካፈሉ እዮም። (“እተፈላለየ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እሞኸ ብዛዕባ እዚ ዝመረጽዎ ሞያ እንታይ ይስምዖም፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ፣ ከምኡ ብምግባርካ ድማ ክትከሓስ ኢኻ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ስሩዕ ፈላምን ፍሉይ ፈላምን ሚስዮናውን ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣባል ስድራ ቤት-ኤልን ኰይኑ ዘገልገለ ሓደ ሓው፡ “ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ዝገበርክዎ ዝበለጸ ምርጫ እዩ። ወዲ 18 ዓመት ከለኹ፡ ወይ ዩኒቨርሲቲ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ወይ ከኣ ፈላምነት ክመርጽ ነበረኒ። ካብ ተመክሮይ ከም ዝረኣኽዎ፡ የሆዋ ነቲ ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቲኻ ንዕኡ ንኸተገልግሎ እትገብሮ መስዋእትታት ኣይርስዖን እዩ። ዓለማዊ ስራሕ እንተ ዝመርጽ ነይረ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃበኒ ዝዀነ ይኹን ተውህቦ ዀነ ኽእለት ኣይምተጠቐምኩሉን ነይረ” በለ። ሰበይቱ ድማ፡ “ነፍሲ ወከፍ ዕዮ ንኽዓቢ ሓጊዙኒ እዩ። ነቲ ቐደም ዝነበረና ምሾት ዓቂብና ኽንቅጽል እንተ ንደሊ ኔርና፡ ነቲ የሆዋ ብተደጋጋሚ ዝገበረልና ዕቝባን ዝሃበና መምርሕን ኣይምተመከርናዮን። ንየሆዋ በብመዓልቱ ስለቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እነሕልፎ ዘለና ህይወት አመስግኖ እየ” በለት። ንስኻኸ ብዛዕባ ህይወትካ ኸምኡ ኺስምዓካ ትደሊዶ፧

6. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ እነቕርበሉ ኣገልግሎት ከመይ ይስምዖ፧

6 ሓቂ እዩ፡ ገሊኦም ብምኽንያት ኵነታቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኣይክእሉን ይዀኑ። የሆዋ ነቲ ብምሉእ ነፍሶም ዚገብርዎ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንብምሉኦም ኣባላት ጉባኤ ቈሎሴ እውን ሓዊስካ፡ ብዛዕባ እቶም ጳውሎስ ኣብ ፊልሞን 1-3 ዝጠቐሶም ሰባት እሞ ሕስብ ኣብል። (ኣንብብ።) ጳውሎስ ኰነ የሆዋ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ፡ ነቲ እተቕርበሉ ኣገልግሎት እውን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ኰይኑ ግና፡ ነቶም ሕጂ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ኽትድግፎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንፈለምቲ ምድጋፍ

7, 8. ፈላሚ ምዃን እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ ካልኦት ኣባላት ጉባኤኸ ንፈለምቲ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

7 ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን፡ ቅንኣት ዘለዎም ፈለምቲ እውን ንጉባኤታት ምንጪ ምትብባዕ እዮም። ብዙሓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ን70 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ኬሕልፉ ይጽዕሩ እዮም። እሞኸ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

8 ሼሪ ዝስማ ፈላሚት፡ “ፈለምቲ በብመዓልቱ  ናብ ኣገልግሎት ስለ ዚኸዱ፡ ድልዱላት እዮም ዚመስሉ። ኰይኑ ግና፡ ንሳቶም እውን እንተ ዀኑ ምትብባዕ የድልዮም እዩ” በለት። (ሮሜ 1:11, 12) ንእተወሰነ ዓመታት ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ካልእ ሓብቲ እውን፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤኣ ዘለዉ ፈለምቲ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣበርቲዖምን ብቐጻልን እዮም ዚዓይዩ። ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብማኪና ኺወስድዎም፡ ምግቢ ኺጋብዝዎም፡ ንነዳዲ ዚኸውን ሒደት ገንዘብ ኪህብዎም፡ ወይ ከኣ ካልእ ገንዘባዊ ሓገዝ ኪገብሩሎም ከለዉ፡ ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። ከምኡ ምግባር፡ ብሓቂ ኸም እትሓልየሎም ዜርኢ እዩ” በለት።

9, 10. ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ፈለምቲ ንምሕጋዝ እንታይ እዮም ገይሮም፧

9 ንፈለምቲ ኣብ ኣገልግሎት ክትሕግዞም ትደሊዶ፧ ቦቢ ዝስማ ፈላሚት፡ “ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ኣብ ዘሎ መዓልትታት፡ ዝያዳ ደገፍ የድልየና እዩ” በለት። ኣብቲ ቦቢ ዘላትሉ ጉባኤ እተገልግል ካልእ ፈላሚት ድማ፡ “ድሕሪ ቐትሪ መገላግልቲ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” በለት። ሕጂ ኣብ ቤት-ኤል ብሩክሊን እተገልግል ዘላ ሓብቲ፡ ብዛዕባ እቲ ፈላሚት ኰይና ዘሕለፈቶ እዋን ብሓጐስ ክትገልጽ ከላ፡ “ሓንቲ ማኪና ዝነበረታ ሓብቲ፡ ‘መገላግልቲ እንተ ስኢንኪ፡ ደውልለይ፣ ኣነ መጺአ ምሳኺ ኸገልግል እየ’ ትብለኒ ነበረት። ፈላሚት ኰይነ ንክቕጽል ብሓቂ ሓጊዛትኒ እያ” በለት። ሼሪ እውን፡ “ንጽል ዝዀኑ ፈለምቲ፡ መብዛሕትኡ እዋን ድሕሪ ኣገልግሎት፡ ጽምዋ ይስምዖም እዩ። ንንጽል ኣሕዋት ወይ ኣሓት፡ ሓሓሊፍካ ናብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካ ኽትዕድሞም ይከኣል እዩ። ኣብ ካልእ ንጥፈታት እውን ምሳኻ ኸም ዚካፈሉ ምግባር፡ ድልዱላት ንኪዀኑ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ” በለት።

10 ዳርጋ ን50 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘገልገለት ሓንቲ ሓብቲ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢላ ብዛዕባ እቲ ምስተን ንጽል ዝዀና መገላግልታ ፈላሚት ኰይና ዘሕለፈቶ እዋን ክትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ሽማግለታት ኣብ እተወሰነ ኣዋርሕ ይበጽሑና ነበሩ። ብዛዕባ ጥዕናናን ዓለማዊ ስራሕናን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዜተሓሳስበና ነገራት እንተ ኣልዩ እውን ይሓትቱና ነበሩ። ብሓቂ እዮም ዚግደሱልና ነይሮም። ሓገዝ ዜድልየና እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ፡ ናብ መንበሪና ይመጹ ነበሩ።” እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነቲ ንጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ተቐቢሉ ዘተኣናገዶን ጳውሎስ ዘመስገኖን ሰብኣይ የዘኻኽረካ ይኸውን።—2 ጢሞ. 1:18

11. ፍሉይ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል እንታይ የጠቓልል፧

11 ገሊአን ጉባኤታት በቶም ምሳታተን ዜገልግሉ ፍሉያት ፈለምቲ ተባሪኸን እየን። ብዙሓት ፍሉያት  ፈለምቲ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 130 ሰዓት ኣብ ኣገልግሎት የሕልፉ። ንመብዛሕትኡ ግዜኦም ኣብ ኣገልግሎት ወይ ብኻልእ መገድታት ኣብ ምሕጋዝ ስለ ዜሕልፍዎ፡ ዓለማዊ ስራሕ ኣይሰርሑን እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር በብወርሑ እተወሰነ ገንዘብ ይህቦም እዩ።

12. ሽማግለታትን ካልኦት ኣስፋሕትን ንፍሉያት ፈለምቲ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

12 ንፍሉያት ፈለምቲ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግል ምስ ብዙሓት ፍሉያት ፈለምቲ ዚራኸብ ሽማግለ፡ ከምዚ በለ፦ “ሽማግለታት ብዛዕባ ዅነታቶም ፈሊጦም ብኸመይ ኪድግፍዎም ከም ዘለዎም ምእንቲ ኺውስኑ፡ ንፍሉያት ፈለምቲ ኼዘራርብዎም ኣለዎም። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ፍሉያት ፈለምቲ እተወሰነ ገንዘብ ስለ ዚውሃቦም፡ ደገፍ ከም ዘየድልዮም ገይሮም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ብብዙሕ መገዲ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።” ፍሉያት ፈለምቲ እውን ልክዕ ከም ስሩዓት ፈለምቲ፡ መገላግልቲ ኺረኽቡ ኸለዉ የማስዉሉ እዮም። እሞኸ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽትሕግዝ ትኽእልዶ፧

ንገየሽቲ ሓለውቲ ምሕጋዝ

13, 14. (ሀ) ብዛዕባ ሓለውቲ ወረዳ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ለ) ነቶም ኣብ ዕዮ መገሻ ዜገልግሉ ንምሕጋዝ ብውልቅኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

13 ሓለውቲ ወረዳን ኣንስቶምን፡ መብዛሕትኡ እዋን ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ከም ዝዀኑ ጌርካ እዮም ዚርኣዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሳቶም እውን እንተ ዀኑ ምትብባዕን መገላግልትን የድልዮም እዩ፣ ናብ መደባት ምዝንጋዕ ኪዕደሙ ኸለዉ እውን ባህ ይብሎም እዩ። ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል እንተ ኣትዮም እሞ፡ መጥባሕቲ ወይ ካልእ ሕክምና ዜድልዮም እንተ ዀይኑኸ፧ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ዜድልዮም ዘበለ ኼማልኡሎምን ኪግደሱሎምን ከለዉ፡ ኣዝዮም እዮም ዚሕጐሱ። እቲ ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፋ “ፍቑር ሓኪም” ዝነበረ ሉቃስ እውን እንተ ዀነ፡ ንጳውሎስን ንኻልኦት መጓዕዝቱን ይድግፎም ነይሩ እዩ።—ቈሎ. 4:14፣ ግብ. 20:5–21:18

14 ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን፡ እቲ ኻብ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ዚርከብ ፍቕርን ምትብባዕን የድልዮም እዩ። ሓደ ሓላው ወረዳ፡ “ኣዕሩኸይ መዓስ ምትብባዕ ከም ዜድልየኒ ዚፈልጡ እዮም ዚመስሉ። ብምስትውዓል ስለ ዚሓትቱኒ፡ ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበኒ ነገራት ንኽዛረብ ሓጊዙኒ እዩ። ጽን ኢሎም ብምስማዕ ጥራይ፡ ብዙሕ እዮም ዚሕግዙኒ” በለ። ሓለውቲ ወረዳን ኣንስቶምን ነቲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዜርእይዎም ተገዳስነት ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ።

ንኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ምድጋፍ

15, 16. እቶም ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ ብኸመይከ ኢና ኽንድግፎም እንኽእል፧

15 እቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚዕየ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ይድግፍዎ እዮም። ኣብ ጉባኤኻ ወይ ኣብ ወረዳኻ ቤት-ኤላውያን እንተ ኣልዮም፡ ከም እትዝክሮም ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

16 ኣሕዋትን ኣሓትን ንፈለማ እዋን ናብ ቤት-ኤል ኪመጹ ኸለዉ፡ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ሓዲጎም ስለ ዝመጹ፡ ይናፍቑ እዮም። ኣብ ቤት-ኤል ዘለዉ መሳርሕቶምን ኣባላት ጉባኤኦምን ኣዕሩኽ ኪዀንዎም ከለዉ፡ ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። (ማር. 10:29, 30) እቲ ዚሰርሑሉ ሰዓታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ንኺካፈሉ ዘይክልክሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ሓሓሊፉ ግና ኣብ ቤት-ኤል ተወሳኺ ዕዮ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ጉባኤታት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንቤት-ኤላውያንን ንዕዮኦምን ከም ዜማስዋሉ ዜርእያ እንተ ዀይነን፡ ኵሉ ኺጥቀም ይኽእል እዩ።1 ተሰሎንቄ 2:9 ኣንብብ።

ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ምሕጋዝ

17, 18. ኣብ ወጻኢ ሃገር ምግልጋል እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧

17 እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኼገልግሉ ፍቓደኛታት ዚዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እቲ ዜጋጥሞም ምግብን ቋንቋን ባህልን ኵነታትን፡ ካብቲ ዝለመድዎ ኣዝዩ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ለውጢ ንኺገብሩ ፍቓደኛታት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

 18 ገሊኦም ሚስዮናውያን ኰይኖም፡ ብቐንዱ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እዮም ዜተኵሩ፣ ነቲ ዝረኸብዎ ፍሉይ ስልጠና ድማ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ይጥቀሙሉ እዮም። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ፡ ነቲ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ንምሽፋን፡ መንበርን እተወሰነ ገንዘብን ይህቦም እዩ። ካልኦት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንኼገልግሉ ይምደቡ እዮም፣ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣብያተ ጽሕፈት ትርጕም፡ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ፡ ወይ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽ እውን ይሕግዙ እዮም። ምግብን መንበርን ካልእ ዜድሊ ነገራትን ድማ ይማልኣሎም እዩ። ልክዕ ከም ኣባላት ስድራ ቤት ቤት-ኤል፡ ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባታት ስለ ዚእከቡን ኣብ ኣገልግሎት ስለ ዚካፈሉን፡ ብብዙሕ መገዲ ምንጪ በረኸት እዮም።

19. ብዛዕባ እቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

19 ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኽትዝክሮም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብቐዳምነት፡ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚብላዕ ምግቢ ሓድሽ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ምግቢ ኽትጋብዞም ከለኻ፡ ነዚ ኣብ ግምት ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ፣ እንታይ ኪበልዑ ኸም ዚደልዩ ወይ እንታይ ሓድሽ ዓይነት ምግቢ ኺፍትኑ ኸም ዚደልዩ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናይቲ ሃገር ቋንቋን ባህልን ንኺለምድዎ ኺጽዕሩ ኸለዉ፡ ተዓገሶም። ንዅሉ እቲ እትብሎም ንኺርድእዎ ግዜ ኺወስደሎም ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንገሊኡ ቓላት ብኸመይ ከም ዜድህይዎ ብምንጋር ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባኡ ኺመሃሩ ይደልዩ እዮም።

20. ነቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ንወለዶምን ክትዝክረሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧

20 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግልቲ ዀኑ ወለዶም ብዕድመ ይደፍኡ እዮም። ወለዲ እቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዀይኖም፡ ደቆም ኣብቲ እተመደቡሉ ቦታ ኪቕጽሉ እዮም ዚደልዩ። (3 ዮሃ. 4) ሓቂ እዩ፡ እቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ወለዶም ክንክን እንተ ኣድልይዎም፡ ብዚከኣሎም ዓቕሚ ይከናኸንዎምን ናባታቶም ከይዶም ብምብጻሕ ይሕግዝዎምን እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቶም ብዕድመ ዚደፍኡ ዘለዉ ወለዲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ደገፍ እንተ ኣድልይዎም፡ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንዓታቶም ብምሕጋዝ፡ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኺድግፍዎም ይኽእሉ ይዀኑ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ኸም ዚካፈሉ ዘክር። (ማቴ. 28:19, 20) እሞኸ ንስኻ ወይ ጉባኤኻ ነቶም ደገፍ ዜድልዮም ወለዲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኽትሕግዝዎም ትኽእሉዶ፧

21. ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ዚገብሩሎም ሓገዝ እንታይ ይስምዖም፧

21 እቶም ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዚኣትዉ ሰባት፡ ንገንዘባዊ ጥቕሚ ኢሎም ዘይኰኑስ፡ ንየሆዋን ንኻልኦትን ኪህቡ ስለ ዚደልዩ እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ነቲ ንስኻ እትገብረሎም ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ድማ የማስዉሉ እዮም። ኣብ ወጻኢ ሃገር እተገልግል ሓንቲ ሓብቲ፡ “ሞሳኻ እትገልጽ ንእሽቶ ደብዳበ እውን እንተ ዀነት፡ ካልኦት ብዛዕባኻ ኸም ዚሓስቡን በቲ እትገብሮ ኸም ዚሕጐሱን ትሕብረካ እያ” ብምባል፡ ስምዒት ብዙሓት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ገለጸት።

22. ብዛዕባ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እንታይ ይስምዓካ፧

22 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቲኻ ንየሆዋ ምግልጋል፡ ዜሐጕስን ዜዕግብን እዩ። ከቢድ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ትምህርቲ እትረኽበሉን ዜዕግብን እዩ። ነቲ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጽበዮም ዘሎ ዜሐጕስ ኣገልግሎት ድማ ብዚግባእ ዜዳሉ እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ኵላትና ነቲ ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ኣሕዋትና ‘ብእምነት ዚገብርዎ ግብርን ብፍቕሪ ዚጽዕርዎ ጻዕርን ከየቋረጽና ንዘክሮ።’—1 ተሰ. 1:3