ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ፡ ሞት እዩ

እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ፡ ሞት እዩ

“እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ።”1 ቈረ. 15:26

1, 2. ኣዳምን ሄዋንን ፈለማ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ነይሮም፧ እዚኸ እንታይ ሕቶታት እዩ ዜበግስ፧

ኣዳምን ሄዋንን ኪፍጠሩ ኸለዉ፡ ዋላ ሓደ ጸላኢ ኣይነበሮምን። ኣብ ገነት ዚነብሩ ፍጹማት ሰባት እዮም ነይሮም። ፈጣሪኦም ከም ወዱን ከም ጓሉን ገይሩ ይርእዮም ስለ ዝነበረ፡ በቲ ምስኡ ዝነበሮም ጥብቂ ርክብ ይሕጐሱ ነበሩ። (ዘፍ. 2:7-9፣ ሉቃ. 3:38) ኣምላኽ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ሂብዎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:28 ኣንብብ።) ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን ‘ንምድሪ ኺመልኡዋን ኪመልኩዋን’ ይኽእሉ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ‘ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳ ንምግዛእ፡’ ንዘለኣለም ኪነብሩ ነበሮም፣ ኣዳም ድማ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ምእንቲ ኺፍጽሞ፡ ኪመውት ኣይነበሮን።

2 ይኹን እምበር፡ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ኣዝዩ እተፈልየ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንሓጐስ ደቂ ሰብ ዚሰርቁ ብዙሓት ጸላእቲ፡ እንተላይ እቲ ዝዓበየ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ኪህሉ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽ ነዞም ጸላእቲ እዚኦም ንምስዓር እንታይ ኪገብር እዩ፧ ነዝን ምስኡ ንእተተሓሓዘ ኻልእ ሕቶታትን ዚኸውን መልሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርከብ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ኣገዳሲ ኽፋላቱ እስከ ንመርምር።

 ፍቕራዊ መጠንቀቕታ

3, 4. (ሀ) ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን እንታይ ትእዛዝ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ነቲ ትእዛዝ ምኽባር ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ ነይሩ፧

3 ኣዳምን ሄዋንን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እኳ እንተ ነበሮም፡ ብህይወት ንምንባር ግና፡ ኬስተንፍሱን ኪሰትዩን ኪድቅሱን ኪበልዑን ነበሮም። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ህይወቶም ኣብቲ ምስቲ ህይወት ዝሃቦም ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ እተመስረተ እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 8:3) ንዘለኣለም ተሓጒሶም ምእንቲ ኺነብሩ፡ ንመምርሒ ኣምላኽ ኪቕበሉ ነበሮም። የሆዋ ንኣዳም፡ ገና ሄዋን ከይተፈጥረት ከላ ብዛዕባ እዚ ብንጹር ነጊርዎ ነይሩ እዩ። ብኸመይ፧ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ።”—ዘፍ. 2:16, 17

4 እታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም፡” ነቲ ኣምላኽ ዘለዎ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምውሳን ዝለዓለ መሰል እተመልክት እያ ነይራ። ሓቂ እዩ፡ ኣዳም ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥረን ሕልና ስለ ዝነበሮን፡ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምፍላጥ ክእለት ነይርዎ እዩ። ስለዚ፡ እታ ኦም ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ወትሩ መምርሒ የሆዋ ኸም ዜድልዮም እትሕብሮም እያ ነይራ። ካብታ ኦም ምብላዕ፡ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ካብ ኣምላኽ ምዕላው እዩ ዜመልክት ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣዳምን ሄዋንን ኰነ ኣብ ልዕሊ ዘርኦም ከቢድ ጕድኣት ዜውርድ እዩ ነይሩ። እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ትእዛዝን መቕጻዕቱን፡ እቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ዚሕብር እዩ ነይሩ።

ሞት ብኸመይ ናብ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ከም ዝኣተወ

5. ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ዘይተኣዘዝዎ ስለምንታይ እዮም፧

5 ሄዋን ምስ ተፈጥረት፡ ኣዳም ብዛዕባ ትእዛዝ ኣምላኽ ሓበራ። ሄዋን ጸኒሓ ነቲ ትእዛዝ ዳርጋ ቓል ብቓሉ ኽትደግሞ ስለ ዝኸኣለት፡ ኣጸቢቓ ትፈልጦ ነይራ እያ። (ዘፍ. 3:1-3) ነቲ ትእዛዝ ንሓደ ብተመን ኣቢሉ ናብኣ ዝቐረበ ጐራሕ ፍጡር እያ ነጊራቶ። እቲ ብተመን እተጠቕመ ፍጡር፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ነይሩ፣ ንሱ ብርእሱ ኺምራሕን ስልጣን ኪህልዎን ዚምነ ዝነበረ መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። (ምስ ያእቆብ 1:14, 15 ኣረኣኢ።) ነዚ እኩይ ትምኒቱ ንምፍጻም ድማ፡ ኣምላኽ ከም ዝሓሰወ ገይሩ ተዛረበ። ንሄዋን ከኣ፡ ከም ኣምላኽ ብምዃን ብርእሳ ኽትምራሕ ከም እትኽእልን ከም ዘይትመውትን ኣረጋገጸላ። (ዘፍ. 3:4, 5) ሄዋን ድማ ነቲ ሰይጣን ዝበላ ብምእማን ካብታ ኦም በልዐት እሞ፡ ብርእሳ ኽትምራሕ ከም እትደሊ ኣርኣየት፣ ንኣዳም ከኣ ምስኣ ንኺሓብር ኣእመነቶ። (ዘፍ. 3:6, 17) ድያብሎስ ሓስዩ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:14 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ኣዳም ‘ቃል ሰበይቱ ሰምዐ።’ እቲ ተመን ፈታዊኦም መሲሉ እኳ እንተ ቐረቦም፡ ሰይጣን ድያብሎስ ግና፡ እቲ ንሄዋን ክትገብሮ ዝነገራ ነገራት ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ጨካን ጸላኢ እዩ ነይሩ።

6, 7. የሆዋ ንፍርዲ እቶም ኣበስቲ ብኸመይ እዩ ሒዝዎ፧

6 ኣዳምን ሄዋንን ብሰንኪ ስስዐ፡ ካብቲ ህይወትን ኵሉ ነገራትን ዝሃቦም ኣምላኽ ዓለዉ። ሓቂ እዩ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ዜጋጥም ዝነበረ ነገራት ይርእዮ ነይሩ እዩ። (1 ዜና 28:9፣ ምሳሌ 15:3 ኣንብብ።) ንኣዳምን ንሄዋንን ንሰይጣንን ድማ፡ ብዛዕባኡ ዘለዎም ስምዒት ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ሃቦም። ከም ኣቦ መጠን፡ ውሽጡ ተጐዲኡ እዩ። (ምስ ዘፍጥረት 6:6 ኣረኣኢ።) ድሕሪኡ ግና፡ ከም ፈራዲ መጠን፡ ነቶም ሓጥኣን ፈሪድዎም እዩ።

7 ኣምላኽ ንኣዳም፡ “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም . . . ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢልዎ ነይሩ እዩ። ኣዳም ነዛ ‘መዓልቲ’ እትብል ቃል፡ ከም 24 ሰዓት ዘለዋ መዓልቲ ገይሩ ይርድኣ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰ፡ የሆዋ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ገና ጸሓይ ከይዓረበት ስጕምቲ  ንኺወስድ ተጸብዩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “ኣብቲ ፍሽፍሽታ ዚመጸሉ ኽፋል መዓልቲ ድማ፡” የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ኣዘራረቦም። (ዘፍ. 3:8NW) ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዚግበር ድማ፡ ንቓል ኣዳምን ሄዋንን ሰምዐ። (ዘፍ. 3:9-13) ድሕሪኡ፡ ነቶም ኣበስቲ ፈረዶም። (ዘፍ. 3:14-19) ብኡብኡ እንተ ዜጥፍኦም ነይሩ፡ እቲ ንዓታቶምን ንዘርኦምን ዚምልከት ዕላማ ኣይምተፈጸመን። (ኢሳ. 55:11) ንኣዳምን ንሄዋንን ሞት እኳ እንተ ፈረዶም፡ ሳዕቤን ሓጢኣቶም ድማ ብኡብኡ እኳ እንተ ጀመረ፡ ካብቲ ንሱ ዝገበሮ ኻልእ መሰናድዎታት ዚጥቀሙ ውሉዳት ኪወልዱ ፈቐደሎም። ስለዚ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ኣዳምን ሄዋንን ኣብታ ዝሓጥኡላ መዓልቲ እዮም ሞይቶም፣ ብዘይካዚ፡ 1,000 ዓመት ንየሆዋ ኸም ሓንቲ መዓልቲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ውሽጢ እታ “መዓልቲ” እዮም ሞይቶም ኪብሃል ይከኣል እዩ።—2 ጴጥ. 3:8

8, 9. ዘርኢ ኣዳም ብሓጢኣቱ እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧ (ኣብ ገጽ 23 ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ደቂ ኣዳምን ሄዋንን በቲ ወለዶም ዝገበርዎ ይጽለዉ ደዀን ይዀኑ፧ እወ። ሮሜ 5:12፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ” ትብል። እቲ ብመጀመርታ ዝሞተ ሰብ፡ እቲ እሙን ዝነበረ ኣቤል እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 4:8) ድሕሪኡ፡ ካልኦት ዘርኢ ኣዳም ኣሪጎም ሞቱ። ንሳቶምከ ሞት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓጢኣት እውን ወሪሶም ድዮም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ ብዙሓት ሓጥኣን ኰኑ’ ኢሉ መሊሱልና ኣሎ። (ሮሜ 5:19) በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኻብ ኣዳምን ሄዋንን እተወርሰ ሓጢኣትን ሞትን፡ ዘየናሕሲ ጸላኢ ደቂ ሰብ ኰነ፣ ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ድማ ካብኡ ኼምልጡ ኣይክእሉን እዮም። ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ብኣካላዊ መዳይ ናብ ዘርኢ ኣዳም ከም ዝሓለፈ ብዝርዝር እኳ እንተ ዘይፈለጥናዮ፡ ውጽኢቱ ግና ንርእዮ ኣሎና።

9 መጽሓፍ ቅዱስ ንሓጢኣትን ንሞትን፡ “ንዅሎም ህዝብታት ዚጋርድ መጋረጃን ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ዚጕልብብ መጐልበብን” ኢሉ ኺገልጾ ሓቁ እዩ። (ኢሳ. 25:7) እዚ ዓፋኒ መጐልበቢ ወይ መጋረጃ እዚ፡ ኣዝዩ እተሓላለኸ ስለ ዝዀነ፡ ካብኡ ኼምልጥ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሰብ የለን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኵላቶም ብኣዳም ይሞቱ’ ዚብል። (1 ቈረ. 15:22) ስዒቡ ኺለዓል ዚኽእል ሕቶ፡ ምስቲ ጳውሎስ ዝሓተቶ ይመሳሰል እዩ፣ ንሱ፡ “ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬድሕነኒ እዩ፧” በለ። እሞኸ ኼድሕነና ዚኽእል ኣሎዶ፧ *ሮሜ 7:24

ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሓጢኣትን ሞትን ኪሰዓር እዩ

10. (ሀ) የሆዋ ነቲ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሞት ከም ዚስዕሮ ዚሕብር ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ እዩ፧ (ለ) እቲ ጥቕስታት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ወዱን እንታይ እዩ ዚሕብረና፧

10 እወ፡ የሆዋ ንጳውሎስ ኬድሕኖ ይኽእል እዩ። ኢሳይያስ ብዛዕባ “መጋረጃ” ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳ. 25:8) ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣቦ ንጠንቂ ስቓይ ደቁ ብምውጋድ ንንብዓቶም ዚደርዘሎም፡ የሆዋ እውን ነቲ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሞት ብምስዓር ይሕጐስ እዩ። ነዚ ድማ በይኑ ኣይኰነን ዚገብሮ። ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:22፡ “ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ትብል። ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ፡ “መን ኬድሕነኒ እዩ፧” ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ፡ “ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን!” በለ። (ሮሜ 7:25) ስለዚ እምበኣር፡ እታ የሆዋ ንደቂ ሰብ ንኺፈጥሮም ዝደረኸቶ ፍቕሪ፡ ብሰንኪ  ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን ኣይዘሓለትን። እቲ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ናብ ህልውና ኣብ ምምጻእ እተኻፈለ የሱስ እውን፡ ንዘርኢ ኣዳም ዘለዎ ፍቕሪ ኣየጥፍአን። (ምሳ. 8:30, 31) ኰይኑ ግና፡ እቲ ናይ ምድሓን ዕዮ ዚፍጸም ብኸመይ እዩ፧

11. የሆዋ ንደቂ ሰብ ንምሕጋዝ እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩ፧

11 ዘይፍጽምናን ሞትን ደቂ ሰብ፡ ነቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣትን ንጽድቃዊ ፍርዲ የሆዋን ዜጠቓልል እዩ። (ሮሜ 5:12, 16) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ብሓንቲ ኣበሳ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ተዀነነ’ ዚብል ነንብብ ኢና። (ሮሜ 5:18) እሞኸ የሆዋ ንስርዓታቱ ኸይጠሓሰ፡ ነቲ ፍርዲ ዅነኔ ኼወግዶ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብተን፡ ‘ወዲ ሰብ ነፍሱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ እዩ መጺኡ’ ዚብላ ቓላት የሱስ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 20:28) እቲ ናይ መጀመርታ መንፈሳዊ ወዲ የሆዋ፡ ኣብ ምድሪ ፍጹም ኰይኑ ስለ እተወልደ፡ ተመዓራራዪ በጃ ኬቕርብ ይኽእል እዩ። እዚ በጃ እዚ ፍትሓዊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧—1 ጢሞ. 2:5, 6

12. እቲ ፍትሓዊ ዝዀነ ተመዓራራዪ በጃ እንታይ እዩ ነይሩ፧

12 የሱስ ከም ፍጹም ሰብ መጠን፡ ንዘለኣለም ኪነብር ይኽእል ነይሩ እዩ። ዕላማ የሆዋ፡ ንምድሪ በቶም ፍጹማት ዘርኢ ኣዳም ምምላእ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ ንኣቦኡን ንዘርኢ ኣዳምን ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ተበጊሱ፡ ንሰብኣዊት ህይወቱ ሰውኣ። እወ፡ የሱስ ምስታ ኣዳም ዘጥፈኣ እትመዓራረ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወት ሃበ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንወዱ ናብ መንፈሳዊ ህይወት መለሶ። (1 ጴጥ. 3:18) እቲ ፍጹም ሰብኣይ ዝነበረ የሱስ ዘቕረቦ መስዋእታዊ በጃ ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ኪቕበሎ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንስድራ ቤት ኣዳም፡ ነቲ ንሱ ዘጥፈኦ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እንደገና ኸም ዚኽፈተሎም ገይሩ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ንኣዳም ተኪእዎ እዩ። ጳውሎስ፡ “‘እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ’ ዚብል እውን ተጻሒፉ ኣሎ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ” በለ።—1 ቈረ. 15:45

እቲ ቕድሚ ዅሉ ዝሞተ ኣቤል፡ ካብ በጃ የሱስ ኪጥቀም እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. “እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም” ንምዉታት ንምሕጋዝ እንታይ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ፧

13 “እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም፡” ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ‘ህያው ዚገብር መንፈስ’ ስለ ዝዀነ፡ ንመብዛሕትኦም ዘርኢ ኣዳም ናብ ህይወት ንምምላስ ስጕምቲ ዚወስደሉ እዋን ቀሪቡ እዩ። ስለምንታይ እዩ ግና ናብ ህይወት ዚመልሶም፧ ብህይወት ነይሮም ስለ ዝሞቱ፡ እንደገና ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኺነብሩ፡ ትንሳኤ የድልዮም እዩ።—ዮሃ. 5:28, 29

14. ነቲ ኣዳም ናብ ዘርኡ ዘሕለፎ ዘይፍጽምና ንምውጋድ፡ የሆዋ እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩ፧

14 ደቂ ሰብ ካብቲ ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ናጻ ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧ የሆዋ በቲ “ዳሕረዋይ ኣዳም”ን ካብ ደቂ ሰብ ብእተወስዱ መጋዝእቱን ዝቘመት መንግስቲ ኣዳልዩ ኣሎ። (ራእይ 5:9, 10 ኣንብብ።) እዞም ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ዚነግሱ መጋዝእቲ የሱስ፡ ዘይፍጽምና እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ህይወቶም ተመኪሮምዎ እዮም። ንሽሕ ዓመት ምስ የሱስ ኪገዝኡ ኸለዉ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚህልዉ ሰባት ኣብ ፍጽምና ንኺበጽሑ ኺሕግዝዎም እዮም።—ራእ. 20:6

15, 16. (ሀ) እቲ ‘ናይ መወዳእታ ጸላኢ ዝዀነ ሞት’ እንታይ እዩ፧ መዓስከ እዩ ኺስዓር፧ (ለ) ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 15:28፡ የሱስ እንታይ ኪገብር እዩ፧

15 ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ካብቶም ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነት ኣዳም ዝመጹ ዅሎም ጸላእቲ ናጻ ኪዀኑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም። ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፦ ክርስቶስ ከም በዅሪ፣ ደሓር ከኣ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ [ምስኡ ዚገዝኡ ገዛእቲ]፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን። ቀጺሉ፡  ንዅሉ መንግስትን ንዅሉ ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ ነታ መንግስቲ ንኣምላኹን ንኣቦኡን ምስ ኣረከባ፡ መወዳእታ ይኸውን። ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ንዅሎም ጸላእቲ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብረሉ፡ ኪነግስ ይግብኦ እዩ። እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ።” (1 ቈረ. 15:22-26) እወ፡ እቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሞት፡ ኣብ መወዳእታኡ ኺስዓር እዩ። እቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ሸፊንዎም ዘሎ “መጋረጃ፡” ንዘለኣለም ኪቕንጠጥ እዩ።—ኢሳ. 25:7, 8

16 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ሓሳቡ፡ “ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽ ንዅሉ፡ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዘኦ ኺግዛእ እዩ” ብምባል ዛዚምዎ ኣሎ። (1 ቈረ. 15:28) ወዲ ኣምላኽ ዚገዝኣሉ ዕላማ ኺፍጸም እዩ። ድሕሪኡ፡ ንስልጣኑ ተሓጒሱ ናብ የሆዋ ኺመልሶ እዩ፣ ፍጹማት ሰብኣውያን ስድራ ቤት ድማ ኬረክቦ እዩ።

17. ሰይጣን ኣብ መወዳእታኡ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

17 እቲ ጠንቂ እዚ ዅሉ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ መከራ ዝዀነ ሰይጣንከ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ራእይ 20:7-15 መልሲ ትህበና እያ። ኣብቲ ፍጹማት ደቂ ሰብ ንመወዳእታ እዋን ዚፍተንዎ ፈተና፡ ሰይጣን ንደቂ ሰብ ንኼስሕቶም ኪፍቀደሉ እዩ። ድሕሪኡ፡ ድያብሎስን ሰዓብቱን በቲ “ኻልኣይ ሞት” ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም። (ራእ. 21:8) እቶም በዚ ሞት እዚ ዚሞቱ ሰባት እንደገና ስለ ዘይትንስኡ፡ እቲ “ኻልኣይ ሞት” ኪስዓር ኣየድልዮን እዩ። እዚ ሞት እዚ፡ ነቶም ንፈጣሪኦም ዜፍቅሩን ዜገልግሉን ሰባት ጸላኢኦም ኣይኰነን።

18. እቲ ኣምላኽ ንኣዳም ዝሃቦ መዝነት ዚፍጸም ብኸመይ እዩ፧

18 ድሕሪኡ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ፍጹማትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዚበቕዑን ኪዀኑ እዮም፣ ዝዀነ ይኹን ጸላኢ ድማ ኣይኪህሉን እዩ። እቲ ንኣዳም እተዋህቦ መዝነት፡ ብዘይ ብእኡ ኺፍጸም እዩ። ምድሪ ድማ ብዘርኡ ኽትምላእ እያ፣ ንሳቶም ከኣ ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚርከቡ እንስሳታትን ብምክንኻን ኪሕጐሱ እዮም። ሃየ እምበኣር፡ ነቲ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ዚስዕረሉ መገዲ ወትሩ ነማስወሉ።

^ ሕ.ጽ. 9 ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ብዛዕባ እቲ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንጠንቂ እርጋንን ሞትን ንምግላጽ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኽትገልጽ ከላ፡ “ፈጣሪ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ሞት ከም ዝፈረዶም፡ ነቲ ፍርዲ ድማ ደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ብዘይክእሉ መገዲ ኸም ዚፍጽሞ ኣይግንዘቡን እዮም” በለት።—2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 247።