ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ጥቅምቲ 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 1 ክሳዕ 28 ታሕሳስ 2014 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ፈትዮም ይመጹ—ታይዋን

ልዕሊ 100 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልይሉ ቦታ ንኼገልግሉ ናብዚ ቦታ እዚ ግዒዞም እዮም። ንተመክሮኦም ኣንብቦ፡ ንኺዕወቱ እንታይ ከም ዝሓገዞም ከኣ ርአ።

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ

የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽም ውሕስነት ንምሃብ ሽዱሽተ ኺዳናት ተጠቒሙ እዩ። እዚ ኺዳናት እዚ እምነትና ንኸነደልድል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

“መንግስቲ ኻህናት” ክትኰኑ ኢኹም

ካብተን ሽዱሽተ ኺዳናት፡ እተን ዳሕሮት ሰለስተ፡ ብመንግስቲ ኣምላኽ ንኽንኣምንን ንሰባት ብዛዕባኣ ንኸነበስሮምን ይድርኻና።

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሕለፍክዎ ኣገዳሲ ፍጻመታት

ሚልድረድ ኦልሰን ንየሆዋ ንልዕሊ 75 ዓመት ኣገልጊላቶ እያ፣ ንዳርጋ 29 ዓመት ድማ ሚስዮናዊት ኰይና ኣብ ኤል ሳልቫዶር ኣገልጊላ እያ። ብልባ ገና ጐርዞ ኸም ዝዀነት ኰይኑ ኸም ዚስምዓ ዚገብራ እንታይ እዩ፧

ነቲ መዓይይቲ የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ርኣዮ

ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ደድሕሪ እቲ ብውልቂ ዚደልይዎ ነገራት ንኸይስዕቡ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧

“ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣቕልቡ”

እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት ኬቕልቡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ብኸመይከ እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ፧