ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣቕልቡ”

“ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣቕልቡ”

“ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣቕልቡ።” ቈሎ. 3:2

1, 2. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ጉባኤ፡ መጥቃዕቲ የጋጥማ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋት ብጽንዓት ምእንቲ ኺመላለሱ፡ እንታይ ምኽሪ እዩ ተዋሂብዎም፧

እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ መጥቃዕቲ ኣጋጠማ። ገሊኦም ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት፡ ሕጊ ሙሴ ብጥብቂ ኺስዓብ ከም ዘለዎ ብምዝራብ፡ ምፍልላይ ከም ዚሰፍን ይገብሩ ነበሩ። ገሊኦም ድማ፡ ነቲ ኸም ምናነ ዝኣመሰለ ኽቱር ነፍስኻ ምሕሳም ዜተባብዕ ኣረማዊ ፍልስፍና ይጣበቑሉ ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ናይ ሓሶት ትምህርቲ እዚ ብምቅዋም፡ ዜተባብዕ መልእኽቲ ጸሓፈ፣ ንሰብ ቈሎሴ ድማ፡ “ኣብ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ስርዓት ሰብን ኣብ መባእታዊ ነገራት ዓለምን እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” በሎም።—ቈሎ. 2:8

2 እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ኣብ “መባእታዊ ነገራት ዓለም” እንተ ኣተኲሮም፡ ነቲ የሆዋ ንድሕነት ዝገበሮ መሰናድዎ እዮም ዝባኖም ዚህብዎ። (ቈሎ. 2:20-23) ስለዚ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ክቡር ርክብ ኣብ ምዕቃብ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ “ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣቕልቡ” ኢሉ መዓዶም። (ቈሎ. 3:2) እወ፡ ኣሕዋት ክርስቶስ ኣብቲ ‘ኣብ ሰማያት ተነቢሩሎም ዘሎ’ ዘይሓልፍ  ርስቲ ኬቕልቡ ነበሮም።—ቈሎ. 1:4, 5

3. (ሀ) ቅቡኣት ክርስትያናት ዜቕልቡሉ ተስፋ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቲ ‘ንክርስቶስ መዋርስቱ’ ናይ ምዃን ተስፋኦምን እዮም ዜቕልቡ። (ሮሜ 8:14-17) ብዛዕባ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎምከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ቃላት ጳውሎስ ኣባታቶም ኪውዕላ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧ “ካልኦት ኣባጊዕ” ‘ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ’ ኬቕልቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ዮሃ. 10:16) ኣብርሃምን ሙሴን ውልቃዊ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣቕሊቦም እዮም። ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧

ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምቕላብ እንታይ ማለት እዩ፧

4. ካልኦት ኣባጊዕ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኬቕልቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

4 ካልኦት ኣባጊዕ ሰማያዊ ተስፋ እኳ እንተ ዘይብሎም፡ ንሳቶም እውን እንተ ዀኑ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኬቕልቡ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ ንየሆዋ ኣምላኽን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ብምሃብ እዩ። (ሉቃ. 10:25-27) ከምኡ ንምግባር፡ ንክርስቶስ ከም ኣርኣያና ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። (1 ጴጥ. 2:21) ልክዕ ከምቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ዘጋጠሞም፡ ንዓና እውን ኣብዚ ስርዓት ሰይጣን፡ ናይ ሓሶት ኣተሓሳስባን ዓለማዊ ፍልስፍናን ፍቕረ ንዋያዊ ኣረኣእያን የጋጥመና እዩ። (2 ቈረንቶስ 10:5 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኣስኣሰር የሱስ ብምስዓብ፡ ኣብ ልዕሊ መንፈሳውነትና ንዚፍኖ ኸምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ብንቕሓት ክንከላኸሎ ኣሎና።

5. ብዛዕባ ፍቕረ ንዋይ ዘሎና ኣተሓሳስባ ንምፍላጥ፡ ገዛእ ርእስና ኽንምርምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 እቲ እዛ ዓለም እዚኣ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዘለዋ ኣረኣእያ ንኺጸልወና ንፈቕደሉ ዲና፧ እቲ እንፈትዎ ነገራት፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ኣተሓሳስባናን ተግባርናን ይንጸባረቕ እዩ። የሱስ፡ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ” በለ። (ማቴ. 6:21) ስለዚ፡ ልብና ናበይ ይመርሓና ኸም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ሓሓሊፍና ገዛእ ርእስና ምምርማርና ጽቡቕ እዩ። ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ብዛዕባ ገንዘብ ንምሕሳብ፡ ክንደይ ግዜ እየ ዘሕልፍ፧ ንመብዛሕትኡ ግዜይ ብዛዕባ ንግዲ፡ ብዛዕባ ወፍሪ፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ምሾት ዘለዎ ናብራ ብምሕሳብ ድየ ዘጥፍኦ፡ ወይስ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እተተኵር ዓይኒ እያ ዘላትኒ፧’ (ማቴ. 6:22) የሱስ፡ እቶም ብቐንዱ ‘ኣብ ምድሪ መዝገብ ንምግባር’ ዚጽዕሩ ሰባት፡ ንገዛእ ርእሶም ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ኸም ዜእትዉ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 6:19, 20, 24

6. ኣብቲ ኣንጻር ስጋዊ ዝንባለታት እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 እቲ ዘይፍጹም ስጋና፡ ብቐሊሉ ናብ ግጉይ ስጕምቲ ኺመርሓና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 7:21-25 ኣንብብ።) ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ዘይዓዪ እንተ ዀይኑ፡ “ግብሪ ጸልማት” ክንገብር ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ፡ ‘ፈንጠዝያን ስኽራንን፡ ብዕሉግ ጾታዊ ርክብን ንውርምናን’ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 13:12, 13) ስለዚ፡ ‘ኣብ ምድሪ ምስ ዘሎ’ ነገራት፡ ማለት ምስቲ ዘይፍጹም ዝንባለታትና ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ምእንቲ ኽንዕወት፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኸነቕልብ ኣሎና። ከምኡ ምግባር ጻዕሪ ይሓትት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ጳውሎስ፡ “ንሰብነተይ አጕስጦን አግዝኦን ኣለኹ” ዝበለ። (1 ቈረ. 9:27) ንሕና እውን ኣብቲ ንህይወት እንገብሮ ቕድድም ብቐጻሊ ምእንቲ ኽንጐዪ፡ ገዛእ ርእስና ኽንገትእ ኣሎና። ጥንቲ ዝነበሩ ኽልተ እሙናት ሰብኡት፡ ‘ንኣምላኽ ባህ ንኼብልዎ’ እንታይ ከም ዝገበሩ እስከ ንርአ።—እብ. 11:6

ኣብርሃም “ብየሆዋ ኣመነ”

7, 8. (ሀ) ንኣብርሃምን ንሳራን እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) ኣብርሃም ኣብ ምንታይ እዩ ዜቕልብ ነይሩ፧

7 የሆዋ ንኣብርሃም፡ ስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ምድሪ ከነኣን ኪግዕዝ ምስ ነገሮ፡ ብፍታው ተኣዘዘ። ስለቲ ዘርኣዮ እምነትን ተኣዛዝነትን ድማ፡ የሆዋ ምስኡ ኺዳን ገበረ፣ “ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ” እውን በሎ። (ዘፍ.  12:2) ይኹን እምበር፡ ዋላ እኳ ዓመታት እናሓለፈ እንተ ኸደ፡ ኣብርሃምን ሳራን ውሉድ ኣይነበሮምን። እሞኸ የሆዋ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ ረሲዕዎ ድዩ፧ ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ናብራ ከነኣን ቀሊል ኣይነበረን። ኣብርሃምን ስድራ ቤቱን፡ ነቲ ኣብታ ብልጽግቲ ኸተማ ኡር ዝነበሮም ምሹእ መነባብሮን ንኣዝማዶምን ሓዲጎም እዮም ከይዶም። ናብ ከነኣን ንምብጻሕ ድማ፡ ልዕሊ 1,600 ኪሎ ሜተር እዮም ተጓዒዞም፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብ ድንኳን ይነብሩ ነበሩ፣ ይጠምዩን ሸፋቱ የጋጥምዎምን ነይሮም እዮም። (ዘፍ. 12:5, 10፣ 13:18፣ 14:10-16) ኰይኑ ግና፡ ናብቲ ኣብ ኡር ዝነበሮም ምሾት ናይ ምምላስ ባህጊ ኣይነበሮምን።—እብራውያን 11:8-12, 15 ኣንብብ።

8 ኣብርሃም “ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ” ኣየቕለበን፣ የግዳስ፡ ‘ብየሆዋ እዩ ኣሚኑ።’ (ዘፍ. 15:6) እወ፡ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ የተኵር ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እዩ ዜቕልብ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ “ንሰማይ ጠምት፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር፡ . . . ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እዩ” ምስ በሎ፡ ኣብርሃም ሳላ እምነቱ ተባሪኹ እዩ። (ዘፍ. 15:5) እዝስ ንኣብርሃም ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጸናኒዕዎ ኪኸውን ኣለዎ! ናብቲ ብከዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ ኣብ ዚጥምተሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ ነቲ የሆዋ ንዘርኡ ኼብዝሖም ምዃኑ ዝኣተወሉ መብጽዓ እዩ ዚዝክር ነይሩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝወሰኖ እዋን ድማ፡ ልክዕ ከምቲ መብጽዓ፡ ኣብርሃም ወራሲ ወለደ።—ዘፍ. 21:1, 2

9. ነቲ ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት ምስዓብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትሑዛት ንኽንከውን ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧

9 ንሕና እውን ልክዕ ከም ኣብርሃም፡ ንመፈጸምታ መብጽዓታት ኣምላኽ ኢና እንጽበ ዘለና። (2 ጴጥ. 3:13) ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዘይነቕልብ እንተ ዄንና፡ መፈጸምታ እቲ መብጽዓታት ዝደንጐየ ዀይኑ ኺስምዓናን መንፈሳዊ ንጥፈታትና ኺንክን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ዕዮ ፈላምነት ምእንቲ ኽትካፈል ወይ ከኣ ብኻልእ መገዲ ኣገልግሎትካ ምእንቲ ኸተስፍሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት መስዋእቲ ጌርካ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ክትንኣድ ይግብኣካ እዩ። ሕጂኸ፧ ኣብርሃም ኣቓልቦኡ ኣብታ “ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ” ኸም ዝገበረ ዘክር። (እብ. 11:10) ኣብርሃም “ብየሆዋ ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ።”—ሮሜ 4:3

ሙሴ “ነቲ ዘይርአ” ረኣዮ

10. ኣተዓባብያ ሙሴ እንታይ እዩ ዚመስል ነይሩ፧

10 ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዘቕለበ ኻልእ ሰብኣይ፡ ሙሴ እዩ ነይሩ። ገና መንእሰይ ከሎ፡ “ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ።” እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ተራ ትምህርቲ ኣይኰነን ነይሩ። ከመይሲ፡ ግብጺ ኣብቲ እዋን እቲ ሓይሊ ዓለም እያ ነይራ፣ ሙሴ ድማ ኣብታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ግብጺ ይነብር ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቤት ፈርኦን እዩ ዓብዩ። ዝለዓለ ትምህርቲ ስለ እተማህረ ድማ፡ ‘ብቓሉን ብግብሩን ኪብርትዕ’ ከኣለ። (ግብ. 7:22) እቲ ሙሴ እተማህሮ ዝለዓለ ትምህርቲ፡ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኪኸፍተሉ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ፡ ማለት ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም እዩ ዜቕልብ ነይሩ።

11, 12. ሙሴ ነየናይ ትምህርቲ እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነይሩ፧ ብኸመይከ ንፈልጥ፧

11 ሙሴ ገና ንእሽቶ ኸሎ፡ ኣዲኡ ዮካቤድ ብዛዕባ ኣምላኽ እብራውያን ምሂራቶ እያ። ሙሴ ድማ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍልጠት ካብ ዝዀነ ይኹን ሃብቲ ንላዕሊ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ኣብ ቤት ፈርኦን ኪረኽቦ ዚኽእል ዝነበረ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ሓደጎ። (እብራውያን 11:24-27 ኣንብብ።) ብሓቂ እምበኣር፡ ሙሴ በቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ትምህርትን በታ ኣብ የሆዋ ዝነበረቶ እምነትን ተደሪኹ፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እዩ ዜቕልብ ነይሩ።

12 ሙሴ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝበለጸ ዚብሃል ዓለማዊ ትምህርቲ እዩ ተማሂሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ትምህርቲ ተጠቒሙ ኣብ ግብጺ ሓያል ንኪኸውን፡ ስሙ ንኼጸውዕ፡ ወይ ከኣ ሃብቲ ንኼጥሪ ጽዒሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከምኡ እንተ ዚገብር ነይሩ፡ ‘ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣይምኣበየን ነይሩ፣ ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡  ምስ ህዝቢ ኣምላኽ መከራ ኺጸግብ ኣይምሓረየን ነይሩ።’ ብንጹር እምበኣር፡ ሙሴ ነቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ዕላማ የሆዋ ኣብ ምድንፋዕ እዩ ተጠቒሙሉ።

13, 14. (ሀ) ሙሴ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ብቑዕ ንኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ለ) ንሕናኸ ልክዕ ከም ሙሴ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

13 ሙሴ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ህዝቡን ኣዝዩ ይግደስ ነበረ። ወዲ 40 ዓመት ከሎ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ንኼውጽኦም እተዳለወ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ነበረ። (ግብ. 7:23-25) ይኹን እምበር፡ ነቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ቅድሚ ምቕባሉ፡ ገና ኺመሃሮ ዝነበሮ ነገራት ነበረ። ከም ትሕትናን ትዕግስትን ልእመትን ርእሰ ግትኣትን ዝኣመሰለ ባህርያት ኬጥሪ ነበሮ። (ምሳ. 15:33) ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ነቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ፈተናታትን ጸገማትን ብተጻዋርነት ንኺዋጽኣሉ ዜኽእሎ ስልጠና የድልዮ ነበረ። ብሓቂ እምበኣር፡ እተን ከም ጓሳ ዀይኑ ዘሕለፈን ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣምላኻዊ ባህርያት ንኼጥሪ ሓጊዘናኦ እየን።

14 እሞኸ ሙሴ ኻብቲ ኸም ጓሳ ዀይኑ ዘሕለፎ እዋን፡ ግብራዊ ስልጠና ረኺቡ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሙሴ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ” ይብል። (ዘሁ. 12:3) ሙሴ፡ ትሕትና ኣማዕቢሉ ነይሩ እዩ፣ እዛ ባህርይ እዚኣ ኸኣ፡ ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ኪራኸብ ከሎ፡ ከምኡ እውን ጸገማት እቶም ሰባት ኪሰምዕ ከሎ፡ ትዕግስቲ ንኼርኢ ሓጊዛቶ እያ። (ዘጸ. 18:26) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ብ“ብርቱዕ ጸበባ” ሓሊፍና ናብታ ጽድቂ ኣምላኽ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ንኽንኣቱ ዜኽእለና መንፈሳዊ ባህርያት ከነማዕብል ኣሎና። (ራእ. 7:14) ምስ ኵሉ ዓይነት ሰብ፡ እንተላይ ምስቶም ጠባዮም ዓሰርተ ሳዕ ከም ዚቀያየር ወይ ከም ተነቀፍቲ ጌርና እንርእዮም ሰባት ተሳኒና ኽንነብር ንኽእል ዲና፧ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዝሃቦም ማዕዳ ኸነቕልበሉ ኣሎና፣ ንሱ፡ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ፡ ንዅሎም ኣሕዋት ኣፍቅሩ” በለ።—1 ጴጥ. 2:17

ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነቕልብ!

15, 16. (ሀ) ኣብቲ ቕኑዕ ዘበለ ነገራት ከነቕልብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናት ጽቡቕ ኣካይዳ ኺህልዎም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1) ስለዚ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣብቲ ቕኑዕ ዘበለ ነገራት ከነቕልብ ኣሎና። (1 ተሰ. 5:6-9) ኣብ ሰለስተ መዳይ ህይወትና፡ ብኸመይ ኣብ ቅኑዕ ዘበለ ነገራት ከነቕልብ ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

16 ኣካይዳና፦ ጴጥሮስ፡ ጽቡቕ ኣካይዳ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም . . . ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመጕስዎ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ” በለ። (1 ጴጥ. 2:12) ስለዚ፡ ኣብ ቤት፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ምዝንጋዕ፡ ወይ ኣብ ኣገልግሎት፡ ኰታስ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ብዘየገድስ፡ ብጽቡቕ ኣካይዳና ኣቢልና ንየሆዋ ኽብሪ ኸነምጽኣሉ ኽንጽዕር ኣሎና። ሓቂ እዩ፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ኵላትና ንጋገ ኢና። (ሮሜ 3:23) ኰይኑ ግና፡ ‘ጽቡቕ ገድሊ ብምግዳል፡’ ኣብቲ ምስ ዘይፍጹም ስጋና እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት ንኽእል ኢና።—1 ጢሞ. 6:12

17. ነቲ ክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ዓይነት ሓሳብ ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ኣብ ገጽ 28 ዘላ ስእሊ ርአ።)

17 ሓሳብና፦ ቅኑዕ ሓሳብ ምስ ጽቡቕ ኣካይዳ ኣዝዩ እተኣሳሰረ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ፡ ኣባኻትኩም እውን ይሃሉ” በለ። (ፊል. 2:5) ሓሳብ የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስ ትሑት እዩ ነይሩ። ኣብ ኣገልግሎት ጥቕሚ ርእሱ ንኺስውእ እትድርኾ ዝነበረት እውን ትሕትና እያ ነይራ። ንየሱስ ልዕሊ ዅሉ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር እዩ ነይሩ። (ማር. 1:38፣ 13:10) ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ንቓል ኣምላኽ፡ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ጽሑፍ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። (ዮሃ. 7:16; 8:28) ብዘይካዚ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኺጠቅስ፡ ንዕኡ ምእንቲ ኪከላኸለሉ፡ ከምኡ እውን ብግቡእ ምእንቲ ኺገልጾ ኢሉ፡  ብትግሃት የጽንዖ ነበረ። ንሕና እውን ትሑታት ብምዃን፡ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ብምክፋል፡ ከምኡ እውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብሕትና ብምጽናዕ፡ ብኣተሓሳስባና ኸም ክርስቶስ ክንከውን ንኽእል ኢና።

ንየሱስ ልዕሊ ዅሉ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

18. ንዕዮ የሆዋ በየናይ ኣገዳሲ መገድታት ኢና ኽንድግፎ እንኽእል፧

18 ደገፍና፦ ዕላማ የሆዋ፡ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ” እዩ። (ፊል. 2:9-11) የሱስ ከምዚ ዓይነት ዝለዓለ ቦታ እናሃለዎ ኽነሱ፡ ብትሕትና ንፍቓድ ኣቦኡ ይግዛእ እዩ፣ ንሕና እውን ንኣርኣያ የሱስ ብምስዓብ ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። (1 ቈረ. 15:28) ብኸመይ፧ ነቲ ኽንዓይዮ እተዋህበና ዕዮ፡ ማለት ‘ነቲ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር’ ዕዮ ብምሉእ ልብና ብምድጋፍ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። (ማቴ. 28:19) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንብጻይናን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ‘ሰናይ ክንገብር’ ኣሎና።—ገላ. 6:10

19. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

19 ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኸነቕልብ መዘኻኸሪ ስለ ዝሃበና፡ ንየሆዋ ኸነመስግኖ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ “ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቕድድም . . . ብተጻዋርነት ንጕየ።” (እብ. 12:1) ሃየ እምበኣር፡ ኵላትና ‘ንየሆዋ ኸም እንገብሮ ጌርና ብምሉእ ነፍስና’ ንዕየ፣ ሰማያዊ ኣቦና ኸኣ ንጻዕርና ምሉእ ብምሉእ ኪባርኾ እዩ።—ቈሎ. 3:23, 24