ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሕዳር 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 29 ታሕሳስ 2014 ክሳዕ 1 ለካቲት 2015 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ትንሳኤ የሱስ ብኸመይ ይጸልወና፧

የሱስ ከም ዝተንስአ ዜረጋግጽ ኣርባዕተ ዜእምን መርትዖ ኣሎ። የሱስ ከም ዝተንስአ ምእማንና ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዚግባእ፧

ቅዱሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኦሪት ዘሌዋውያን፡ ንምርዳኣ ትኸብደካ ወይ ተሰልክየካ ድያ፧ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ ክቡር መንፈሳዊ ሃብቲ፡ ኣብ ኣምልኾኻ ቕዱስ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን ይግብኣና

ከይትለማለም ምጥንቃቕ፡ ንየሆዋ ዝበለጸ ምሃብ፡ ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ኣዘውቲርካ ምምጋብ እንታይ ዜመሳስሎ ነገር ኣሎ፧

“የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ”

ኣምላኽ፡ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ፡ ንዅሎም እቶም ብቕንዕና ዜምልኽዎ ሰባት ይቕበሎም ድዩ፧

‘ሕጂ ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም’

“ህዝቢ ኣምላኽ” ክንከውንን ከምኡ ዄንና ኽንቅጽልን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ገጉባኤኡ፡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዚሽየሙ ብኸመይ እዮም፧ እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 11 እተጠቕሱ ኽልተ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧

ካብ መዛግብትና

ኣብ ምብራቕ ጸሓይ ዘላ ሃገር ብርሃን በሪሁላ

ብፍሉይ መገዲ እተሰርሓ “የሁ” ዚብሃላ ተጐተትቲ ገዛውቲ፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ጃፓን ከም ዚሰፍሕ ገይረን እየን።