ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅዱሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ቅዱሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

“ቅዱሳት ኩኑ።”—ዘሌ. 11:45

1. መጽሓፍ ዘሌዋውያን ብኸመይ እያ ኽትሕግዘና እትኽእል፧

“ቅድስና” እትብል ቃል፡ ካብ ኣብ ካልእ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንላዕሊ፡ ኣብ ዘሌዋውያን ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ንረኽባ ኢና። ኵሎም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ቕዱሳት ኪዀኑ ስለ ዘለዎም፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዘሎና ምርዳእን ሞሳን ምውሳኹ፡ ንሕና እውን ቅዱሳት ንኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

2. ገለ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዚርከብ ክቡር ነገራት እንታይ እዩ፧

2 እታ ብነብዪ ሙሴ እተጻሕፈት መጽሓፍ ዘሌዋውያን፡ ሓንቲ ኽፋል እቲ ንትምህርቲ ዚጠቅም “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ” እያ። (2 ጢሞ. 3:16) ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ ስም የሆዋ ብገምጋም ዓሰርተ ሳዕ ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና። ብዛዕባ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዘሎና ምርዳእ ምውሳኹ፡ ኣብ ልዕሊ መለኮታዊ ስም ወቐሳ ዜምጽእ ዝዀነ ይኹን ተግባር ንኸይንገብር የተባብዓና እዩ። (ዘሌ. 22:32: NW) ኣብታ መጽሓፍ፡ “ኣነ የሆዋ እየ” ዚብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ምህላዉ፡ ንኣምላኽ ንኽንእዘዞ እዩ ዚድርኸና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ቐጺላ ዘላን፡ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ብዛዕባ ዚርከብ ክቡር ነገራት ክንምርምር ኢና፣ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ ቅዱስ ኣምልኾና እትሕግዘና ህያብ ኣምላኽ እያ።

ቅድስና ኣገዳሲ እዩ

3, 4. ኣሮንን ደቁን ብማይ ምሕጻቦም እንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ዘሌዋውያን 8:5, 6 ኣንብብ። የሆዋ ንኣሮን፡ ኣብ እስራኤል ሊቀ  ኻህናት ንኪኸውን ሓረዮ፣ ደቂ ኣሮን ድማ ካህናት ህዝቢ ዀይኖም ንኼገልግሉ ተሓርዩ። ኣሮን ንየሱስ ክርስቶስ፡ ደቂ ኣሮን ከኣ ንቕቡኣት ሰዓብቲ የሱስ እዮም ዜመልክቱ። እሞኸ ኣሮን ብማይ ምሕጻቡ፡ የሱስ እውን ከም ዝጸረየ ዜመልክት ድዩ፧ ኣይፋልን፣ የሱስ ሓጢኣት ስለ ዘይፈጸመን “ብዘይ ኣበር” ስለ ዝነበረን፡ ኪነጽህ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። (እብ. 7:26፣ 9:14) ይኹን እምበር፡ ኣሮን ብማይ ምሕጻቡ፡ ነቲ ንጹህን ጻድቕን ኵነታት የሱስ እዩ ዜመልክት። ደቂ ኣሮን ብማይ ምሕጻቦምከ እንታይ እዩ ዜመልክት፧

4 ደቂ ኣሮን ብማይ ምሕጻቦም፡ እቶም ኣብ ሰማይ ካህናት ኰይኖም ንኼገልግሉ እተመርጹ ሰባት፡ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ዜመልክት እዩ። ጥምቀት ቅቡኣት ምስቲ ደቂ ኣሮን ዝገበርዎ ምሕጻብ ሰብነት ዚተሓሓዝ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ጥምቀት ካብ ሓጢኣት ኣየንጽህን እዩ፣ ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣምላኽ ህይወቱ ኸም ዝወፈየ ዜመልክት ተግባር ጥራይ እዩ። እቶም ቅቡኣት “በቲ ቓል” እዮም ዚነጽሁ፣ ስለዚ፡ ብምሉእ ልቦም ንትምህርቲ ክርስቶስ ኣብ ህይወቶም ኪትግብርዎ ኣለዎም። (ኤፌ. 5:25-27) በዚ ኸምዚ፡ ይቕደሱን ይነጽሁን። ብዛዕባ “ኻልኦት ኣባጊዕ”ከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧—ዮሃ. 10:16

5. እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብቓል ኣምላኽ ይነጽሁ እዮም ኪብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

5 ደቂ ኣሮን ነቶም ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ የሱስ ዝዀኑ “ብዙሓት ህዝቢ” ኣይኰኑን ዜመልክቱ። (ራእ. 7:9) እሞኸ ደኣ እቶም እተጠምቁ ኻልኦት ኣባጊዕ፡ ብቓል ኣምላኽ ይቕደሱን ይነጽሁን ድዮም፧ እሂናይ ደኣ! እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት፡ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ኣገዳስን ድሕነት ዜምጽእን ምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ኸለዉ፡ ኣብቲ ዘንበብዎ እምነት የሕድሩን ‘መዓልትን ለይትን ንኣምላኽ የገልግልዎን’ እዮም። (ራእ. 7:13-15) ቅቡኣት ኰኑ ኻልኦት ኣባጊዕ ብቐጻሊ እዮም ዚነጽሁ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ዜንጸባርቕዎ ‘ጽቡቕ ኣካይዳ’ ብንጹር ኪርአ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 2:12) የሆዋ ነቲ ቕቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ዘለዎም ንጽህና ዀነ ሓድነት ኪርኢ ኸሎ፡ ነቲ ጓሳኦም ዝዀነ የሱስ ድማ ኪሰምዕዎን ብተኣማንነት ኪስዕብዎን ከለዉ ኺርኢ ኸሎ፡ ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ።

6. ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናት ብኣካላዊ መዳይ ንጹሃት ንኪዀኑ እተዋህቦም ትእዛዝ፡ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ። እቶም ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ሰባት፡ ቦታታት ኣምልኾና ጽሩይ ምዃኑ፡ ንሕና እውን ንጹህን ግቡእን ክዳን ከም እንኽደን መብዛሕትኡ እዋን የስተብህሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንጽህና እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናት፡ ናብቲ ኽብ ዝበለ ኸረን ኣምልኾ የሆዋ ኺድይብ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ “ንጹህ ዝልቡ” ኪኸውን ከም ዘለዎ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና እዩ። (መዝሙር 24:3, 4 ኣንብብ፣ ኢሳ. 2:2, 3) እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት፡ ብንጹህ ኣእምሮን ልብን ኣካልን ኪቐርብ ኣለዎ። ስለዚ፡ ንገዛእ ርእስና ብተደጋጋሚ ኽንምርምራ፡ ኣገዳሲ ለውጢ ኽንገብር እንተ ኣድልዩ ኸኣ፡ ለውጢ ጌርና ቕዱሳት ክንከውን ኣሎና። (2 ቈረ. 13:5) ንኣብነት፡ ደይመደይ ኢሉ ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ እተጠምቀ ክርስትያን፡ ‘ብቕድስና ድየ ዝመላለስ ዘለኹ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትታ ኣለዎ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ጽዩፍ ተግባር ምእንቲ ኼቋርጾ፡ ሓገዝ ኪሓትት ኣለዎ።—ያእ. 5:14

እዙዝ ብምዃን ቅድስናኻ ኣርኢ

7. ምስ ዘሌዋውያን 8:22-24 ብዚሰማማዕ መገዲ፡ የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

7 ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኽህነት ዕዮኡ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣሮን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደቁን የማናይ እዝኖምን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዶምን ዓባይቶ የማነይቲ እግሮምን ደም ድዑል ተለኽዩ። (ዘሌዋውያን 8:22-24 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ነቲ እተዋህቦም ሓላፍነት ብተኣዛዝነት ኪፍጽምዎ ኸም ዚጽዕሩ ዜመልክት እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ እውን፡ ንቕቡኣትን ነቶም ካልኦት ኣባጊዕን ሰናይ ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ። ንመምርሒ ኣምላኽ ብኣእዛኑ  የቕልበሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣእዳዉ ፍቓድ ኣምላኽ እየን ዚፍጽማ ነይረን፣ ኣእጋሩ ኸኣ ካብቲ ቕዱስ መገዲ ኣላጊሰን ኣይፈልጣን እየን።—ዮሃ. 4:31-34

8. ኵሎም ኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

8 ቅቡኣት ክርስትያናትን ካልኦት ኣባጊዕ የሱስን፡ ነቲ ሊቀ ኻህኖም ንጽህናኡ ብምሕላው ዝሓደጎ ኣብነት ኪስዕቡ ኣለዎም። ኵሎም ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒ ኺእዘዝዎ ኣለዎም፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ኣየጕህይዎን። (ኤፌ. 4:30) እወ፡ ‘ንኣእጋሮም ትኽ ዝበለ መገዲ ኺገብሩ ኣለዎም።’—እብ. 12:13

9. ምስ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብቐረባ ዝዓየዩ ሰለስተ ኣሕዋት እንታይ እዮም ኢሎም፧ እቲ እተዛረብዎ ነገራትከ ቕዱስ ኴንካ ንኽትቅጽል ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 ምድራዊ ተስፋ ዘለዎምን ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብቐረባ ዝዓየዩን ሰለስተ ኣሕዋት ካብ ልቦም ተደሪኾም እተዛረብዎ ቓላት እስከ ንርአ። ሓደ ኻባታቶም፡ ምስ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ምግልጋል “ኣዝዩ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት እዩ፣ ብመንፈስ እተቐብኡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምስቶም ኣሕዋት ዝነበረኒ ቕርርብ ግና፡ ዘይፍጹማት ምዃኖም ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበረኒ ሸቶታት፡ ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት እዙዝ ምዃን እዩ ነይሩ” በለ። እቲ ኻልኣይ ሓው ድማ፡ “ከም 2 ቈረንቶስ 10:5 ዝኣመሰለ ‘ንክርስቶስ እዙዝ ብዛዕባ ምዃን’ ዚገልጽ ጥቕስታት፡ ኣነ እውን እዙዝ ንክኸውንን ምስቶም ሓላፍነት ዘለዎም ንኽተሓባበርን ሓጊዙኒ እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ልቢ ዝመንጨወ ተኣዛዝነት እዩ” በለ። እቲ ሳልሳይ ሓው እውን፡ “ንውድብ የሆዋን ነቶም ኣብ ምድሪ ንዕላማኡ ንምድንፋዕ ዚጽዕሩን እዙዝ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ የሆዋ ዜፍቅሮ ምፍቃርን ንሱ ዚጸልኦ ምጽላእን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ወትሩ ንመምርሒታቱ ምስዓብን ንዕኡ ዜሐጕሶ ምግባርን ዜጠቓልል እዩ” በለ። እዚ ሓው እዚ ኸም ዝገለጾ፡ እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበረ ናታን ኖር፡ ነቲ ኣብ ናይ 1925 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ትሕቲ “ውልደት ህዝቢ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ዝወጸ ነጥብታት፡ ዋላ እኳ ኻልኦት ኣብ ሕቶ እንተ ኣእተውዎ፡ ሓውና ኖር ግና ምሉእ ብምሉእ ተቐቢልዎ እዩ። ከምዚ ዓይነት ተኣዛዝነት፡ ነቲ ሓውና ልቡ ተንኪፍዎ እዩ። ብዛዕባ እቲ እዞም ሰለስተ ኣሕዋት እተዛረብዎ ነገራት ምስትንታንካ፡ እዙዝ ብምዃን ቅድስናኻ ንኸተርኢ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ነቲ ብዛዕባ ደም እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ተኣዘዞ እሞ ቕዱስ ኩን

10. ነቲ ብዛዕባ ደም እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ክንእዘዞ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ዘሌዋውያን 17:10 ኣንብብ። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ደም ዘበለ” ኸይበልዑ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ካብ ደም እንስሳ ወይ ደም ሰብ ኪርሕቁ ኣለዎም። (ግብ. 15:28, 29) ኣምላኽ ‘ገጹ ናባና ብምምላስ’ ኪጻረረና፡ ካብ ማእከል ህዝቡ ድማ ኪምንቍሰና ኣይንደልን ኢና። ንኣምላኽ ነፍቅሮን ክንእዘዞ ንደልን ኢና። ኣብ ህይወትና ሓደገኛ ዝዀነ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ እቶም ንየሆዋ ዘይፈልጥዎን ዘይእዘዝዎን ሰባት ዜቕርቡልና ምሕጽንታን ሕቶን ኢድና ኣይንህብን ኢና። ሓቂ እዩ፡ ደም ዘይንወስድ ብምዃንና ላግጺ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዞ እንደሊ። (ይሁ. 17, 18) ደም ንኸይንበልዕ ወይ ከኣ ደም ንኸይንወስድ ብቘራጽነት ‘ንኽንጸንዕ’ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧—ዘዳ. 12:23

11. እቲ ዓመታዊ መዓልቲ ዕርቂ፡ ሃይማኖታዊ ጽምብል ጥራይ ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧

11 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብቲ ዓመታዊ መዓልቲ ዕርቂ ንደም እንስሳታት ብኸመይ ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ ምፍላጥና፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ደም ንፍሉይ ዕላማ እዩ ዚውዕል ነይሩ። ንሓጢኣት እቶም የሆዋ ይቕረ ኺብለሎም ዚደልዩ ሰባት ዜተዓርቕ እዩ ነይሩ። ደም ዝራብዕ ወይ ጤል ናብቲ ኣብ  ልዕሊ ታቦት ኪዳን ዝነበረ መኽደንን ኣብ ቅድሚኡን ኪንጸግ ነበሮ። (ዘሌ. 16:14, 15, 19) በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንሓጢኣት እስራኤላውያን ይቕረ ይብሎ ነበረ። ብዘይካዚ፡ “ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም” ስለ ዝዀነ፡ ሓደ ሰብ ንምግቢ ኢሉ እንስሳ እንተ ሓሪዱ፡ ነቲ ደም ኬፍስሶን ኣብ መሬት ኪቐብሮን ከም ዘለዎ፡ የሆዋ ኣዚዙ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 17:11-14) ኰይኑ ግና፡ እዚ ዅሉ ተግባር፡ ኣገዳስነት ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ጽምብል ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ደም ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ምንባሩ፡ ኣብ መሬት ኪክዓው ከም ዘለዎ ዚገልጽ ትእዛዝ ድማ ምውጽኡ፡ ምስቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ንኖህን ንዘርኡን ዝሃቦም ትእዛዝ ዚሰማማዕ እዩ። (ዘፍ. 9:3-6) የሆዋ ኣምላኽ፡ ህይወት ከም ዚቕጽል ንምግባር ኢልካ ደም ምጥቃም ከልኪሉ እዩ። እዚ ንክርስትያናት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

12. እታ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ክርስትያናት ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ ንደም ምስ ሕድገት ሓጢኣት እተተሓሕዞ ብኸመይ እያ፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ደም ዘለዎ ናይ ምንጻህ ሓይሊ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ “ከምቲ ሕጊ ኸኣ፡ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዚነጽህ፣ ደም እንተ ዘይፈሰሰ እውን፡ ሕድገት ኣይከውንን እዩ” በለ። (እብ. 9:22) ብዘይካዚ፡ መስዋእቲ እንስሳታት ብእተወሰነ ደረጃ ጥቕሚ እኳ እንተ ነበሮ፡ ንእስራኤላውያን ሓጥኣን ምዃኖም ጥራይ እዩ ዜዘኻኽሮም ነይሩ፣ ሓጢኣቶም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺድምሰስ፡ ካብ መስዋእቲ እንስሳታት ንላዕሊ የድልዮም ነበረ። እወ፡ ሕጊ ሙሴ፡ ‘ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት ዘለዎ እምበር፡ እቲ ናይ ሓቂ ምስሊ ኣይኰነን ነይሩ።’ (እብ. 10:1-4) ሕድገት ሓጢኣት ዚርከብ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧

13. የሱስ ንዋጋ ደሙ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምቕራቡ፡ እንታይ ስምዒት እዩ ዚፈጥረልካ፧

13 ኤፌሶን 1:7 ኣንብብ። መስዋእታዊ ሞት እቲ ‘ምእንታና ርእሱ ዘሕለፈ’ የሱስ ክርስቶስ፡ ንዅሎም እቶም ንዕኡ ዀነ ንኣቦኡ ዜፍቅርዎ ሰባት ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ። (ገላ. 2:20) ይኹን እምበር፡ ብሓቂ ሕድገት ሓጢኣት ከም እንረክብ ዚገብረና፡ እቲ የሱስ ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ዝገበሮ ነገራት እዩ። ነቲ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዚፍጸም ዝነበረ ኸም ጽላሎት ኰይኑ ዘገልገለ ነገራት ድማ እዩ ፈጺምዎ። ኣብታ  መዓልቲ ዕርቂ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ካብቲ ንመስዋእቲ ዝቐረበ እንስሳ እተወሰነ ደም ወሲዱ፡ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን እታ ማሕደር ይኣቱ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ልክዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዝቐረበ ጌርካ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። (ዘሌ. 16:11-15) የሱስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንዋጋ እቲ ሰብኣዊ ደሙ ሒዙ ናብ ሰማይ ብምእታው፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረቦ። (እብ. 9:6, 7, 11-14, 24-28) ኣብ ደም የሱስ እምነት ብምሕዳርና፡ ሓጢኣትና ይቕረ ኺብሃለልናን ጽሩይ ሕልና ኺህልወናን ክኢሉ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ኣዚና ኢና እነማስወሉ።

14, 15. ነቲ የሆዋ ዘውጸኦ ንደም ዚምልከት ሕጊ ኽንርድኦን ክንእዘዞን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ሕጂኸ፡ የሆዋ ደም ዘበለ ንኸይንበልዕ ዝኣዘዘሉ ምኽንያት ብዝያዳ ተረዲኡካዶ፧ (ዘሌ. 17:10) ኣምላኽ ንደም ከም ቅዱስ ገይሩ ዚርእየሉ ምኽንያት ብዚግባእ ተገንዚብካዮዶ፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ደምን ህይወትን ማዕረ እዩ። (ዘፍ. 9:4) ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ኽንቅበሎን ነቲ ኻብ ደም ክንርሕቕ ዝሃበና ትእዛዝ ክንሕልዎን ከም ዘሎና ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ምስ ኣምላኽ ብሰላም ክንመላለስ እንኽእል፡ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ብምእማንን ደም ንፈጣሪና ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ብምርዳእን እዩ።—ቈሎ. 1:19, 20

15 ካባና ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ምስ ደም ዚተሓሓዝ ጕዳያት ብሃንደበት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ንሓደ ኣባል ስድራ ቤትና ወይ ንናይ ቀረባ ዓርክና ኸምኡ ኼጋጥሞ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ብዛዕባ ኽፋላት ደምን ብደምና ንዚግበር ሕክምናን ዚምልከት ውሳነ ኽንገብር ኣሎና። ስለዚ፡ ምርምር ክንገብርን ንሃንደበታዊ ዅነታት ኣቐዲምና ኽንዳለወሉን ኣሎና። ነቲ ውሳነና ብጸሎት ኣሰኒና እንተ ወሲንናዮ፡ ኣብ መትከልና ንኽንጸንዕን ንኸይንለማለምን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ ዚዅንኖ ነገራት ብምውሳድ፡ ንልቢ የሆዋ ኸነጕህዮ ኣይንደልን ኢና። ብዙሓት ሓካይምን ተጣበቕቲ ምትሕልላፍ ደምን፡ ደም ንህይወት ኬድሕን ከም ዚኽእል ብምግላጽ፡ ንሰባት ደም ንኺህቡ የተባብዕዎም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ቅዱሳት ህዝቢ የሆዋ፡ ንኣጠቓቕማ ደም ብዚምልከት መምርሒ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎ፡ ፈጣሪ ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ “ደም ዘበለ” ቕዱስ እዩ። ነቲ ንደም ዚምልከት ሕጊ ኣምላኽ ክንእዘዞ ኣሎና። በቲ ቕዱስ ኣካይዳና ኣቢልና ድማ፡ ነቲ ህይወት ናይ ምድሓን ሓይሊ ዘለዎ ደም የሱስ ኣዚና ኸም እነማስወሉ ኸነርኢ ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ብደም የሱስ ጥራይ እዩ ሕድገት ሓጢኣትን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ኪርከብ ዚከኣል።—ዮሃ. 3:16

ነቲ ብዛዕባ ደም እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ክትእዘዞ ቘሪጽካ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14, 15 ርአ)

የሆዋ፡ ቅዱሳት ክንከውን ዚጽበየና ስለምንታይ እዩ፧

16. ህዝቢ የሆዋ ቕዱሳት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

16 የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም፡ “ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” በሎም። (ዘሌ. 11:45) የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ እስራኤላውያን እውን ቅዱሳት ኪዀኑ ነበሮም። ንሕና እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና፡ ቅዱሳት ክንከውን ኣሎና። መጽሓፍ ዘሌዋውያን ነዚ ብንጹር እያ እትገልጾ።

17. ሕጂ ብዛዕባ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎካ፧

17 ንእተወሰነ ኽፋላት መጽሓፍ ዘሌዋውያን ብምምርማርና፡ ብዙሕ ተጠቒምና ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እታ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዘሎካ ግንዛበ ኣስፊሓትልካ ትኸውን እያ። ብዛዕባ እቲ ኣብኣ ዚርከብ ኣዝዩ ኽቡር ሓበሬታ ምስትንታንና፡ ቅዱሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ብዝያዳ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዛ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ ክቡር መንፈሳዊ ሃብቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን፡ ንየሆዋ ቕዱስ ኣገልግሎት ንኸነቕርበሉ ዚሕግዘና እንታይ ካልእ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ ነዚ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።