ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ታሕሳስ 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 2 ለካቲት ክሳዕ 1 መጋቢት 2015 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

‘ነቲ መገዲ ፈሊጥዎ’

እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ጋይ ሆሊስ ፒርስ፡ ብሰሉስ 18 መጋቢት 2014 ዓሪፉ።

የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም

ካብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ንወፈያ ዚምልከት ትእዛዝ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።

‘ስማዕን ኣስተውዕልን’

የሱስ ብዛዕባ ምሳሌ ፍረ ኣድርን ማይ ብሑቝን ነጋዳይን መዝገብን ገለጸ። ትርጕሙ እንታይ እዩ፧

‘ተስተውዕሎዶ’ ኣለኻ፧

እቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳሌ እቲ ዚድቅስ ዘራእን ምሳሌ እታ መርበብን ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወድን፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧

ትዝክሮዶ፧

እዘን 12 ሕቶታት፡ ነቲ ኻብ ሰነ ኽሳዕ ታሕሳስ 2014 ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ትዝክሮ እንተ ዄንካ ንገዛእ ርእስኻ ንኽትፍትን ኪሕግዛኻ እየን።

ሓሳብካ ኽትቅይር ግቡእ ድዩ፧

ንገሊኡ ውሳነታትካ ኽትቅይሮ የብልካን፡ ንገሊኡ ግና ክትቅይሮ ኼድልየካ እዩ። ነቲ ኽትቅይሮ ዘሎካን ክትቅይሮ ዘይብልካን ውሳነታት ብኸመይ ክትፈልጦ ትኽእል፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኤርምያስ፡ ራሄል ንደቃ ኸም ዝበኸየት ኪገልጽ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ንመወዳእታ እዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ብሓባር ንጋጠሞ!

ሓድነት ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ዜርኢ ኣርባዕተ ኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ፣ ኣብ መጻኢ ንሓድነትና ኽንዕቅብ ኣገዳሲ ዚኸውን ስለምንታይ ምዃኑ እውን ተገሊጹ ኣሎ።

ነቲ እተቐበልካዮ ተማስወሉ ዲኻ፧

ንመንፈሳዊ ርስትና ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

መሐበሪ ርእሰ ነገር ግምቢ ዘብዐኛ 2014

ዝርዝር እቲ ኣብ 2014 ኣብ ሕታማት ህዝብን መጽናዕትን ዝወጸ ዓንቀጻት።