ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓሳብካ ኽትቅይር ግቡእ ድዩ፧

ሓሳብካ ኽትቅይር ግቡእ ድዩ፧

እተወሰኑ ክርስትያን መንእሰያት ብጕጅለ ዀይኖም ፊልም ኪርእዩ ወሰኑ። እቶም መንእሰያት፡ ሓያሎ ኻብ መማህርቶም ነታ ፊልም ከም ዝፈተዉዋ ሰሚዖም ነበሩ። ናብቲ ሲኒማ ምስ ከዱ ግና፡ ሓያል ኣጽዋር ውግእን ዳርጋ ጥርሐን ዝዀና ኣንስትን ዜርኢ ሓበሬታ እቲ ፊልም ተለጢፉ ረኣዩ። እሞኸ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧ ናብቲ ሲኒማ ኣትዮም ነታ ፊልም ኪርእይዋ ድዮም፧

እዚ ዅነታት እዚ፡ ንመንፈሳውነትናን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ኪጸልዎ ዚኽእል ውሳነ ዜድልዮ እተፈላለየ ዅነታት ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ዚሕብር እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ነገር ክትገብር ትሓስብ ትኸውን፣ ነቲ ዅነታት ምስ ገምገምካዮ ግና ሓሳብካ ትቕይር። እዝስ፡ ላንግላንጋ ኸም ዝዀንካ ድዩ ዚሕብር ወይስ ከምኡ ምግባርካ ግቡእ ዝዀነሉ እዋን ኣሎ፧

ሓሳብካ ኽትቅይር ግቡእ ዘይኰነሉ ዅነታት

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ርእስና ንዕኡ ንኽንውፍን ንኽንጥመቕን ደሪኻትና እያ። ንኣምላኽ እሙናት ኴንና ኽንነብር ልባዊ ባህጊ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ እቲ ጸላኢና ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ንጽህናና ንኼበላሹ ቘሪጹ እዩ ዘሎ። (ራእ. 12:17) ብወገንና ግና፡ ንየሆዋ ኸነገልግሎን ትእዛዛቱ ኽንሕሉን ወሲንና ኢና። ነቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ ብዚምልከት ሓሳብና እንተ ቐይርና፡ ዕሽነት እዩ ዚኸውን። ከመይሲ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ሓሳብና ምስ እንቕይር፡ ጥፍኣት ኬስዕበልና ይኽእል እዩ።

ልዕሊ 26 ዘመናት ይገብር፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሓደ ዓብዪ ምስሊ ወርቂ ኣቘመ እሞ፡ ኵሎም ሰባት ነቲ ምስሊ እቲ ፍግም ኢሎም ኪሰግዱሉ ኣዘዘ። ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ ናብ እቶን ሓዊ ኺድርበ ነበሮ። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚብሃሉ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰለስተ ሰባት ግና፡ ነቲ ምስሊ ኺሰግዱሉ ኣይደለዩን። ብዘይምስጋዶም ከኣ ናብ እቶን ሓዊ ተደርበዩ። ኣብቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝገበርዎ ውሳነ ኻብ ምልምላም፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኼእትዉ ፍቓደኛታት ስለ ዝዀኑ፡ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ኣድሓኖም።—ዳን. 3:1-27

ድሕርዚ፡ ነብዪ ዳንኤል፡ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ እንተ ዘየቋሪጹ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ ምዃኑ ምፍርራህ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንሱ ግና ተጊሁ ይጽሊ ነበረ። እወ፡ ከም ልማዱ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ናብ የሆዋ ኻብ ምጽላይ ኣየቋረጸን። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምምላኽ ዝገበሮ ቘራጽነት ኣይቀየሮን። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ነብዪ “ኻብ ኣናብስ” ኣድሓኖ።—ዳን. 6:1-27

ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም እዮም ዚነብሩ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ዚምሃሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሃገራዊ ኣርማ ንምምላኽ ኣብ ዚገብር ጽምብል ምክፋል ኣበዩ። ኣብዚ ጽምብል እዚ ምስ ካልኦት ተመሃሮ ሓቢሮም እንተ ዘይተሳቲፎም፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ኺስጐጉ ምዃኖም ተነግሮም። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ናብታ ኸተማ ኸይዱ፡ ንእተወሰኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ተመሃሮ ኣዘራረቦም። እቶም ተመሃሮ ብትሕትናን ብትብዓትን መትከሎም እንታይ ምዃኑ ገለጹ። ድሕሪኡ እቲ ጕዳይ ደቀሰ። እቶም ክርስትያን መንእሰያት፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ዝምድና ንኺለማለሙሉ ጸቕጢ ኸይተገብረሎም ኣብታ ቤት ትምህርቲ ይምሃሩ ኣለዉ።

ብዛዕባ ሓደ ጆሴፍ ዚብሃል ሓው እውን ንርአ። ሰበይቱ ብሕማም መንሽሮ ትሳቐ ነበረት፡ ብሃንደበት ከኣ ሞተት። ስድራ ቤት ጆሴፍ፡ ነቲ ንሱ ምስ ቀብሪ ዚተሓሓዝ ዚደልዮ ነገራት ይርዱኡሉን የኽብሩሉን ነበሩ። ኣዝማድ ሰበይቱ ግና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን፣ ስለዚ፡ ምስ ቀብሪ ዚተሓሓዝ ልምድታት፡ እንተላይ ንኣምላኽ ዜጕሂ ጽምብላት ኪገብሩ ደለዩ። ጆሴፍ ከምዚ በለ፦ “ሓሳበይ ከም ዘይቅይር ምስ ፈለጡ፡ ንደቀይ ጽልዋ ኺገብሩሎም ጸዓሩ፣ ደቀይ ግና ኣብ መትከሎም ጸንዑ። እቶም ኣዝማድ ከም ልማዶም ኣብ ቤተይ ነቲ ሬሳ እናሓለውዎ ኺሓድሩ ፈተኑ። ኣነ ግና፡ ነቲ ሬሳ እናሓለውዎ ኺሓድሩ እንተ ደልዮም፡ ኣብ ቤተይ ከምኡ ኸም ዘይገብሩ ነገርክዎም። ሬሳ እናሓለኻ ምሕዳር ምስ እምነተይን ምስ እምነት ሰበይተይን ከም ዚጻረር ይፈልጡ እዮም፣ ስለዚ፡ ድሕሪ ብዙሕ ምይይጥ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ዀይኖም ከምቲ ዝደለየይዎ ገበሩ።

“ኣብዚ ኣሸጋሪ እዋን ሓዘን እዚ፡ ስድራ ቤትና ሕጊ የሆዋ ምእንቲ ኸይትጥሕስ፡ ሓገዝ የሆዋ ንኽረክብ ለመንኩ። የሆዋ ንጸሎተይ ሰምዖ፡ ጸቕጢ እናሃለወ ኣብ መትከልና ንኽንጸንዕ ድማ ሓገዘና።” ጆሴፍን ደቁን፡ ንኣምልኾ ብዚምልከት ሓሳቦም ኪቕይሩ ግቡእ ከም ዘይኰነ ተገንዚቦም እዮም።

ሓሳብካ ኽትቅይር ግቡእ ዝዀነሉ ዅነታት

ድሕሪ እቲ ብ32 ድ.ክ. ዝወዓለ ፋስጋ ቝሩብ ጸኒሑ፡ ሓንቲ ኻብ ሲዶን ዝዀነት ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ናብ የሱስ ክርስቶስ ቀሪባ፡ ንጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ብተደጋጋሚ ለመነቶ። ኣብ ፈለማ፡ የሱስ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ “ብዘይካ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል፡ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” በሎም። ኣጽኒዓ ምስ ለመነቶ ግና፡ የሱስ፡ “እንጌራ ውሉዳት ኣልዒልካ ንዀራኹር ምድርባይ ግቡእ ኣይኰነን” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ዓባይ እምነት ስለ ዝነበረታ፡ “እወ ጐይታይ፡ ኰራኹር እውን ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰት። የሱስ፡ ንልማኖኣ ተቐበሎ፡ ንጓላ ኸኣ ኣሕወየላ።—ማቴ. 15:21-28

በዚ ኸምዚ የሱስ፡ ነቲ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት ሓሳቡ ኪቕይር ፍቓደኛ ዝነበረ ኣቦኡ መሲልዎ እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ምራኽ ወርቂ ምስ ገበሩ፡ ኣምላኽ ኬጽንቶም ሓሲቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ውሳነኡ ንኺግምግም ሙሴ ኺልምኖ ኸሎ ሰሚዕዎ እዩ።—ዘጸ. 32:7-14

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብነት የሆዋን የሱስን ስዒቡ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ማርቆስ ንጳውሎስን ንበርናባስን ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ጠንጢንዎም ስለ ዝኸደ፡ ካልእ ግዜ ምስኦም ኪኸይድ ምስ ደለየ፡ ጳውሎስ ኣይተሰማምዐን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ጳውሎስ፡ ማርቆስ ከም ዘመሓየሸን ንዕዮ ኸም ዚጠቕሞን ኣስተብሂሉ ኪኸውን ኣለዎ። ንጢሞቴዎስ ከኣ፡ “ማርቆስ ንኣገልግሎት ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማሊእካዮ ምጻእ” በሎ።—2 ጢሞ. 4:11

ንሕናኸ፧ ንሕና እውን ነቲ መሓርን ዕጉስን ፈቃርን ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ኽንመስሎ ስለ እንደሊ፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ሓሳብና ኽንቅይር ግቡእ ከም ዝዀነ ንግንዘብ ንኸውን። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኻልኦት ዘሎና ርእይቶ ኽንቅይር የድልየና ይኸውን። የሆዋን የሱስን ፍጹማት እዮም፣ ንሕና ግና ፍጹማት ኣይኰንናን። ስለዚ፡ ንሳቶም ኪቕየሩ ፍቓደኛታት ካብ ኰኑ፡ ንሕናኸ ንዅነታት ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባኦም ዘሎና ሓሳብ ክንቅይር ኣይግብኣናንዶ፧

ብፍላይ ንቲኦክራስያዊ ሸቶታት ኣብ ግምት ከነእቱ ኸሎና፡ ሓሳብና ኽንቅይር ጽቡቕ ኣማራጺ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ፡ ንእተወሰነ እዋን ከኣ ኣብ ኣኼባታት ኪካፈሉ ዝጸንሑ ገሊኦም ሰባት፡ ንኸይጥመቑ ይደናጐዩ ይዀኑ። ወይ ከኣ ገሊኦም ኣሕዋት ሽሕ እኳ ፈለምቲ ብምዃን ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዅነታቶም ዚፈቕደሎም እንተ ዀነ፡ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ንምእታው ነግፈረግ ይብሉ ይዀኑ። ገሊኦም ኣሕዋት ከኣ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪረኽቡ ኣይመጣጠሩን ይዀኑ። (1 ጢሞ. 3:1) ንስኻኸ ኣብ ሓደ ኻብቲ እተጠቕሰ ዅነታት ዲኻ እትርከብ፧ የሆዋ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ንኽትምከሮ ብፍቕሪ ይዕድመካ ኣሎ። እምበኣር፡ ሓሳባትካ ብምቕያር ነቲ ንኣምላኽ ብምግልጋልን ንሰባት ብምሕጋዝን ዚርከብ ሓጐስ ንምንታይ ዘይተስተማቕሮ፧

ሓሳብካ ምቕያር በረኸት ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ

ኣብ ሓንቲ ኻብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተገልግል ዘላ ኤላ፡ ከምዚ በለት፦ “መጀመርታ ናብ ቤት-ኤል ምስ ኣተኹ፡ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይመሰለንን ነይሩ። ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሰይ ከገልግሎ እደሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ምስ ስድራ ቤተይ ጥብቂ ርክብ ነበረኒ። ፈለማ ንስድራ ቤተይ ኣጸቢቐ እናፍቖም ነበርኩ። ግናኸ፡ ምሳይ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ እትድቅስ ቤት-ኤላዊት ስለ ዘተባብዓትኒ፡ ክጸንሕ ወሰንኩ። ኣብዚ እዋን እዚ ንዓሰርተ ዓመት ዚኣክል ድሕሪ ምጽናሐይ፡ ኣብቲ እተመደብኩሉ ዕዮ ቤት-ኤል ብምጽናዕ፡ ብእተኻእለኒ መጠን ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን እናኣገልገልኩ ክቕጽል እየ ዝደሊ።”

ሓሳብካ ኽትቅይር ግድን ዝዀነሉ ዅነታት

ቃየል ብሓዉ ምስ ቀንአን ምስ ተቘጥዐን ዘጋጠመ ነገር ትዝክሮዶ፧ ኣምላኽ ነዚ ቒመኛ ሰብኣይ እዚ፡ ሓሳቡ ብምቕያር ጽቡቕ እንተ ገይሩ ሞገሱ ኸም ዚረክብ ነገሮ። ነታ ‘ኣብ ኣፍ ደገ እትቃጸዎ ዝነበረት’ ሓጢኣት ከኣ ኪገዝኣ መኸሮ። ቃየል ኣካይዳኡን ሓሳቡን ኪቕይር ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ንምኽሪ ኣምላኽ ዕሽሽ ኪብሎ መረጸ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ቃየል ንሓዉ ቐተሎ፣ ናይ መጀመርታ ቐታል ሰብ ከኣ ኰነ።—ዘፍ. 4:2-8

ቃየል ሓሳቡ እንተ ዚቕይርከ፧

ኣብነት ንጉስ ዑዝያ እውን ንርአ። ንሱ ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ነገር እዩ ዚገብር ነይሩ፡ ንኣምላኽ ድማ ብቐጻሊ ይደልዮ ነበረ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ስለ እተዓበየ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ኣበላሸዎ። ካህን ዘይኰነ ኽነሱ፡ ዕጣን ኪዓጥን ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ካህናት ብዛዕባ እቲ ብትዕቢት ዝወሰዶ ስጕምቲ ምስ ኣጠንቀቕዎ፡ ሓሳቡ ቐይሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኰረየ፡” ነቲ ዝሃብዎ መጠንቀቕታ ኸኣ ዕሽሽ በሎ። የሆዋ ድማ ብለምጺ ወቕዖ።—2 ዜና 26:3-5, 16-20

እወ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓሳብና ኽንቅይር ዜድልየሉ ዅነታት የጋጥመና እዩ። ኣብዚ ሓደ ዘመናዊ ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ስሙ ዣኪም ይብሃል። ንሱ ብ1955 ተጠምቀ፡ ብ1978 ከኣ ተወገደ። ድሕሪ 20 ዓመት ስለ እተነስሐ ግና ተመሊሱ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓደ ሽማግለ ንዣኪም፡ ንምንታይ ንነዊሕ ዓመታት ከም ዝጸንሐ ሓተቶ። ዣኪም፡ “ሕርቃንን ትዕቢትን ስለ ዝነበረኒ እዩ። ነዊሕ ዓመታት ምጽናሐይ የጣዕሰኒ እዩ። ኣብ እተወገድኩሉ እዋን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ኸም ዚምህሩ እፈልጥ ነይረ እየ” ኢሉ መለሰ። እወ፡ ኣመለኻኽታኡ ኪቕይርን ኪንሳሕን ኣድልይዎ እዩ።

ንሕና እውን ሓሳብናን ኣካይዳናን ክንቅይር ኣብ ዜድልየሉ ዅነታት ንርከብ ንኸውን። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ኽንረክብን ባህ ምእንቲ ኸነብሎን ሓሳብና ንምቕያር ፍቓደኛታት ንኹን።—መዝ. 34:8