ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ እተቐበልካዮ ተማስወሉ ዲኻ፧

ነቲ እተቐበልካዮ ተማስወሉ ዲኻ፧

‘እቲ ብኣምላኽ ብለውሃት እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ኢና ተቐቢልና።’—1 ቈረ. 2:12

1. ሓድሓደ እዋን፡ እንታይ ኪብሃል ኢኻ እትሰምዕ፧

“ኣብ ኢድ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ” ኺብሃል ከሎ ንሰምዕ ኢና፣ እወ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ኽቡር ነገር ምስ ሰኣንዎ እዮም ክቡር ምንባሩ ዜስተውዕሉ። ንስኻኸ ሓድሓደ እዋን ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ሓደ ሰብ ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ብዙሕ ነገራት ዚረክብ እንተ ዀይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣየማስወሉን ይኸውን። ንኣብነት፡ ኣብ ሃብታማት ስድራ ቤት ዝዓበየ ሰብ፡ ንዘለዎ ብዙሕ ነገራት ኣቕሊሉ ኺርእዮ ይኽእል እዩ። ብፍላይ መንእሰያት ከምኡ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ሰኣን ተመክሮ፡ ኣብ ህይወት ብሓቂ ኣገዳሲ ንዝዀነ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን ይዀኑ።

2, 3. (ሀ) ክርስትያን መንእሰያት ካብ ምንታይ እዮም ኪጥንቀቑ ዘለዎም፧ (ለ) ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ እተቐበልናዮ ነገራት ንኸነማስወሉ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

2 ኣብ ዓሰርተታት ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድመ እትርከብ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ብዝያዳ ዜገድሰካ እንታይ እዩ፧ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከም ጽቡቕ ደሞዝ፡ ምዕሩግ ቤት፡ ወይ ከኣ ዘመናዊ መሳርሒታት ንዝኣመሰለ ስጋዊ ነገራት ዘማእከለ እዩ። ይኹን እምበር፡ ህይወትና ብቐንዱ ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘተኰረ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር፡ ማለት መንፈሳዊ ሃብቲ ይጐድለና ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ዜሕዝን፡ ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ይትረፍዶ መንፈሳዊ ሃብቲ ኺህልዎምሲ፡ ገና ንዕኡ ምድላይ እውን ኣይጀመሩን። ኣቱም ክርስትያን ወለዲ ዘዕበዩኹም መንእሰያት፡ እቲ እተቐበልኩምዎ መንፈሳዊ ርስቲ ኣዝዩ ኽቡር ስለ ዝዀነ፡ ኣቕሊልኩም ከይትርእይዎ ተጠንቀቑ። (ማቴ. 5:3) ንመንፈሳዊ ነገራት ሞሳ ዘይብልኩም እንተ ዄንኩም፡ ንመላእ ህይወትኩም ዚጸሉ ዜሕዝን ሳዕቤን ኬጋጥመኩም ይኽእል እዩ።

3 ንስኻ ግና ንገዛእ ርእስኻ ኻብዚ ዅሉ ኽትሰትራ ትኽእል ኢኻ። ንመንፈሳዊ ርስትኻ ኣኽቢርካ ምእንቲ ኽትርእዮ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ንመንፈሳዊ ርስትና ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኽሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ምዃኑ ዜርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። እቲ ኣብነታት፡ ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ እተቐበሎ ነገራት ኣኽቢሩ ንኺርእዮ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ።

ሞሳኦም ኣጥፍኡ

4. ቀዳማይ ሳሙኤል 8:1-5፡ ብዛዕባ ደቂ ሳሙኤል እንታይ እያ እትሕብረና፧

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቶም ብዙሕ መንፈሳዊ ርስቲ ዝነበሮም ግናኸ ሞሳኦም ዘጥፍኡ ገሊኦም ሰባት ዚገልጽ ጸብጻብ ንረክብ ኢና። እዚ ጕዳይ እዚ፡ ኣብ ቤት ነብዪ ሳሙኤል ተራእዩ እዩ፣ ንሱ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንየሆዋ ዘገልገሎን ኣብ የሆዋ ጽቡቕ መዝገብ ዝነበሮን ሰብ እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 12:1-5) ሳሙኤል ነቶም ዮኤልን ኣቢያን ዝስሞም ደቁ፡ ኪቐድሕዎ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም። ይኹን እምበር፡ ንሳቶም ነቲ ኣብነቱ ስለ ዘየማሰዉሉ፡ መወዳእታኦም ዜሕዝን ኰነ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ካብ ኣቦኦም ብእተፈልየ መገዲ፡ “ፍርዲ የቕንኑ ነበሩ።”—1 ሳሙኤል 8:1-5 ኣንብብ።

5, 6. ደቅን ደቂ ደቅን ዮስያስ፡ መወዳእታኦም እንታይ ኰነ፧

5 ኵነታት ደቂ ንጉስ ዮስያስ እውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ዮስያስ ምስ ኣምልኾ የሆዋ ብዚተሓሓዝ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ኣብነት እዩ ሓዲጉ። ሕጊ ኣምላኽ ምስ ተረኽበን ኣብ ቅድሚኡ ምስ ተነብበን፡ ንመምርሒታት የሆዋ ንምትግባር ኣበርቲዑ ጽዒሩ እዩ። ንኣምልኾ ጣኦትን ንሓተታ መናፍስትን ካብታ ሃገር ንምጥፋእ ዓይዩ እዩ፣ ነቶም ህዝቡ ድማ ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ኣተባቢዕዎም እዩ። (2 ነገ. 22:8፣ 23:2, 3, 12-15, 24, 25) ስለዚ፡ ደቂ ዮስያስ ካብ ኣቦኦም፡ ኣዝዩ ብዙሕ መንፈሳዊ ርስቲ እዮም ተቐቢሎም። እተወሰነ እዋን ጸኒሑ፡ ሰለስተ ደቂ ዮስያስን ሓደ ወዲ ወዱን ነገስታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ካባታቶም ግና ነቲ እተቐበሎ መንፈሳዊ ርስቲ ዘማሰወሉ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።

6 ዮሓኣዝ ወዲ ዮስያስ፡ ካብ ኣቦኡ ቐጺሉ እኳ እንተ ነገሰ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።” ንሰለስተ ወርሒ ጥራይ ምስ ገዝአ፡ ፈርኦን ግብጺ ኣሰሮ፣ ኣብ ምርኮ ኸሎ ድማ ሞተ። (2 ነገ. 23:31-34) ድሕሪኡ፡ ሓዉ ዮያቂም ን11 ዓመት ገዝአ። ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ኻብ ኣቦኡ እተቐበሎ መንፈሳዊ ርስቲ ሞሳ ኣይነበሮን። ብሰንኪ እቲ ሕማቕ መገዱ ድማ፡ ኤርምያስ ብዛዕባኡ፡ “ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኪቐብርዎ” ምዃኖም ተነበየ። (ኤር. 22:17-19) እቶም ንዮስያስ ስዒቦም ዝነገሱ ነገስታት፡ ማለት ጼዴቅያስ ወዱን ዮያኪን ወዲ ወዱን እውን እንተ ዀኑ፡ ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ዝሓሹ ኣይነበሩን፣ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ነቲ ቕኑዕ መገዲ ዮስያስ ንኺስዕብ ዝመረጸ ኣይነበረን።—2 ነገ. 24:8, 9, 18, 19

7, 8. (ሀ) ሰሎሞን ነቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ርስቲ ዘጥፍኦ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብቶም ንመንፈሳዊ ርስቶም ዘባኸንዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት፡ እንታይ መለበሚ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

7 ሰሎሞን እውን ካብ ኣቦኡ ዳዊት ብዙሕ መንፈሳዊ ርስቲ እተረስተየ ንጉስ እዩ ነይሩ። ኣዝዩ ዜደንቕ መንፈሳዊ ድሕረ ባይታ ነበሮ፣ ጽቡቕ ኣጀማምራ እውን እዩ ነይርዎ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ንቕኑዕ ነገራት ዝነበሮ ሞሳ ጠፍአ። “ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።” (1 ነገ. 11:4) ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ሰሎሞን ሞገስ የሆዋ ሰኣነ።

8 እዞም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ሰብኡት፡ ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩን ይኽእሉ ነይሮም እዮም፣ እቲ ዜሕዝን ግና፡ ነቲ ዝነበሮም ኣጋጣሚ ኣጥፍእዎ። ይኹን እምበር፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ኵላቶም ኣይኰኑን ሕማቕ መገዲ ስዒቦም፣ ሎሚ እውን፡ ኵላቶም መንእሰያት ኣይኰኑን ሕማቕ መገዲ ዚስዕቡ። ቀጺልና እስከ ክርስትያን መንእሰያት ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ሰናይ ኣብነት ብዛዕባ ዝሓደጉ መንእሰያት ንመርምር።

ነቲ እተቐበልዎ ኣማሰዉሉ

9. ደቂ ኖህ፡ ሰናይ ኣብነት ዝሓደጉ ብኸመይ እዮም፧ (ኣብ ገጽ 27 ዘላ ስእሊ ርአ።)

9 ደቂ ኖህ ሰናይ ኣብነት ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም። ኣቦኦም፡ መርከብ ኪሃንጽን ንስድራ ቤቱ ናብኣ ሒዝዎም ኪኣቱን ትእዛዝ ተዋህቦ። ደቂ ኖህ፡ ፍቓድ የሆዋ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚቦም ምንባሮም ኣየጠራጥርን እዩ። ምስ ኣቦኦም እውን ይተሓባበሩ ነይሮም እዮም። ድሕሪ ግዜ፡ ንኖህ፡ መርከብ ንኺሃንጽ ሓገዝዎ፣ ምስኡ ድማ ናብታ መርከብ ኣተዉ። (ዘፍ. 7:1, 7) ዕላማኦም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ብመሰረት ዘፍጥረት 7:3፡ ‘ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዚኸውን ብህይወት ምእንቲ ኺተርፍ፡’ ንእንስሳታት ናብታ መርከብ ኣእተውዎም። ሰባት እውን ድሒኖም እዮም። ደቂ ኖህ ነቲ ኻብ ኣቦኦም እተቐበልዎ ስለ ዘማሰዉሉ፡ ንዘርኢ ደቂ ሰብ ናይ ምዕቃብን ኣብታ ዝጸረየት ምድሪ እንደገና ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚምስረት ናይ ምግባርን ፍሉይ መሰል ረኸቡ።—ዘፍ. 8:20፣ 9:18, 19

10. ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣርባዕተ እብራውያን መንእሰያት፡ ነቲ እተማህርዎ ሓቂ ኸም ዜማስዉሉ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

10 ዘመናት ጸኒሑ፡ ኣርባዕተ እብራውያን መንእሰያት፡ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ እንታይ ምዃኑ ኸም ዚፈልጡ ኣርኣዩ። ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዳንኤልን ብ617 ቅ.ክ. ናብ ባቢሎን ተወስዱ። ምልኩዓትን ኣስተውዓልትን መንእሰያት ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ባቢሎን ብቐሊሉ ኺዕወቱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንሳቶም ግና ከምኡ ኣይገበሩን። እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ፡ ንመንፈሳዊ ርስቶም፡ ማለት ነቲ እተማህርዎ ነገራት ከም ዝዘከርዎ ዜርኢ እዩ ነይሩ። እዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም፡ ነቲ ብቝልዕነቶም እተማህርዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣጥቢቖም ስለ ዝሓዝዎ፡ ብዙሕ ተባሪኾም እዮም።—ዳንኤል 1:8, 11-15, 20 ኣንብብ።

11. ካልኦት ሰባት ካብቲ የሱስ እተቐበሎ መንፈሳዊ ርስቲ እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧

11 እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት እውን እንተ ዀነ፡ ከይተጠቕሰ ኺሕለፍ የብሉን። ካብ ኣቦኡ ብዙሕ እዩ ተቐቢሉ፣ ነቲ እተቐበሎ ድማ ብሓቂ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። ነቲ እተማህሮ ነገራት የማስወሉ ኸም ዝነበረ፡ “ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ዮሃ. 8:28) ብዘይካዚ፡ ካልኦት ሰባት ካብቲ ኻብ ኣቦኡ እተቐበሎ ኺጥቀሙ ይደሊ ነበረ። ተኣኪቦም ንዝነበሩ ሰባት፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በሎም። (ሉቃ. 4:18, 43) እዛ ዓለም እዚኣ ብሓፈሻኡ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢራ ስለ ዘይትርእዮ፡ የሱስ ንሰማዕቱ፡ ‘ካብ ዓለም ከይኰኑ’ ሓጊዝዎም እዩ።—ዮሃ. 15:19

ነቲ እተቐበልካዮ ኣማስወሉ

12. (ሀ) ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:14-17፡ ሎሚ ኣብ ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያት እትውዕል ብኸመይ እያ፧ (ለ) ክርስትያን መንእሰያት ነየናይ ሕቶታት እዮም ኪሓስቡሉ ዘለዎም፧

12 ንስኻ እውን ልክዕ ከምቶም ኣቐዲምና ዝረኣናዮም መንእሰያት፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ውፉያት ዝዀኑ ወለዲ ኣዕብዮምኻ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ዚብሎ ነገራት፡ ኣባኻ እውን ኪውዕል ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14-17 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ብኸመይ ንዕኡ ኸም እተሐጕሶን፡ ካብ ወለድኻ ኢኻ ‘ተማሂርካ።’ ምናልባት ወለድኻ ኻብ ሕጻንነትካ ኣትሒዞም ይምህሩኻ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ‘ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ምእንቲ ኽትልብምን’ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ‘ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኽትከውንን’ ሓጊዙካ እዩ። ሕጂ እቲ ቐንዲ ሕቶ፡ ‘ነቲ እተቐበልካዮ ኸተማስወሉ ዲኻ፧’ ዚብል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ገዛእ ርእስኻ ኽትምርምር የድልየካ ይኸውን። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ፦ ‘ከም ሓደ ኻብቶም ንነዊሕ እዋን ብተኣማንነት ዘገልገሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝቝጸር ምዃነይ እንታይ ይስምዓኒ፧ ሓደ ኻብቶም ሎሚ ኣምላኽ ዚፈልጦም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሒደት ሰባት ብምዃነይ ከመይ ይስምዓኒ፧ ንሓቂ ምፍላጥ ፍሉይን ዓብዪን መሰል ምዃኑ እርዳእ ድየ፧’

ሓደ ኻብቶም እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃንካ እንታይ ይስምዓካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9, 10, 12 ርአ)

13, 14. ገሊኦም ክርስትያን መንእሰያት እንታይ ፈተና እዩ ዜጋጥሞም፧ ነቲ ፈተና ኢድካ ምሃብ ጥበባዊ ዘይኰነ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

13 ክርስትያን ወለዲ ዘዕበይዎም ገሊኦም መንእሰያት፡ ኣብ መንጎ እቲ ንሕና ሕጂ ዘሎና ባህ ዜብል መንፈሳዊ ገነትን ኣብ መንጎ እቲ ብጸልማት እተሸፈነ ናይ ሰይጣን ዓለምን ዘሎ ንጹር ፍልልይ ኣይርድኦምን ይኸውን። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ ናይዛ ዓለም ህይወት እንታይ ከም ዚመስል ንኺርእይዎ ተፈቲኖም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜቐንዙ፡ ወይ ከኣ ህይወትካ ዜስእን እንተ ዀይኑ ንኽትፈልጥ ኢልካ፡ ናብ ቅድሚ እትኸይድ ዘላ ማኪና ጐይኻዶ ምኣተኻ፧ ከምኡ ኣይትገብርን ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ “ዕያግ ዝርጋን” ናይዛ ዓለም እዚኣ ጐዳኢ ምዃኑ ንኽትፈልጥ ኢልካ ንዕኡ ኽትጥዕሞ ኣየድልየካን እዩ።—1 ጴጥ. 4:4

14 ኣብ እስያ ዚነብር ጀነር፡ ኣብ ክርስትያን ስድራ ቤት እዩ ዓብዩ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ ድማ ተጠምቀ። ኣብ ዕድመ ዀተቴ ግና፡ ናብ ዓለም ተሳሕበ። “ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኸም እትህቦ ጌርካ ዚሕሰብ ‘ናጽነት’ ክርእዮ ደለኹ” በለ። ክልተ ዓይነት ህይወት ከኣ ኪነብር ጀመረ። ወዲ 15 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ከምቶም ኣዕሩኹ ዚነብርዎ ዓይነት ሕማቕ ህይወት ኪመርሕ ጀሚሩ ነበረ። ከማታቶም ድማ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትን ይጻረፍን ነበረ። ምስ ኣዕሩኹ ቢልያርዶን ዓመጽ ዝመልኦ ጸወታታት ኮምፕዩተርን ኪጻወት ውዒሉ፡ ኣምስዩ እዩ ናብ ቤት ዚኣቱ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ዚስሕብ ነገራት፡ ናይ ሓቂ ዕግበት ከም ዘየምጽእ ኪግንዘብ ጀመረ። ባዶ ዝዀነ ህይወት እዩ ዚነብር ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተመልሰሉ እዋን ኪገልጽ ከሎ፡ “ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብዙሕ ጸገማት የጋጥመኒ እዩ፣ እቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸብክዎ በረኸት ግና ካብኡ ዚበልጽ እዩ” በለ።

15. ክርስትያናት ወለዲ ዘየዕበይዎም መንእሰያት እውን እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪሓስቡ ዘለዎም፧

15 ሓቂ እዩ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ወለዶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ መንእሰያት ኣለዉ። ወለድኻ ኣብ ሓቂ እንተ ዘየልዮም፡ ንፈጣሪ ኽትፈልጦን ከተገልግሎን ብምኽኣልካ ብዛዕባ ዝረኸብካዮ ፍሉይ መሰል ሕሰብ። ኣብ ምድርና፡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣለዉ። ስለዚ፡ ሓደ ኻብቶም የሆዋ ብለውሃት ናብኡ ዝሰሓቦምን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዝገለጸሎምን ሰባት ምዃን፡ ዓብዪ በረኸት እዩ። (ዮሃ. 6:44, 45) ሎሚ ኻብ ዘለዉ 1,000 ሰባት፡ እቲ ሓደ ጥራይ እዩ ቕኑዕ ፍልጠት ሓቂ ዘለዎ፣ ንስኻ ድማ ሓደ ኻብቶም ንሓቂ ዚፈልጡ ኢኻ። ንሓቂ ዝፈለጥናሉ መገዲ ብዘየገድስ፡ ንሓቂ ምፍላጥና ንባዕሉ ዜሐጕስ ደይኰነን፧ (1 ቈረንቶስ 2:12 ኣንብብ።) ጀነር፡ “ብዛዕባ እዚ ኽሓስብ ከለኹ፡ ውሽጠይ ኣዝዩ እዩ ዚትንከፍ። ኣነስ መን ኰይነ እየ እሞ በቲ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ኽፍለጥ ዝኽእል፧” በለ። (መዝ. 8:4) ኣብቲ ጀነር ዚነብረሉ ቦታ እትነብር ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ እውን፡ “ተመሃሮ፡ መምህሮም ፍሉይ ኣቓልቦ ኺገብረሎም ከሎ ይሕበኑ እዮም። በቲ ዝዓበየ መምህር ዝዀነ የሆዋ ኽትፍለጥ እሞ ኸኣ ብዝያዳ ዜሐብን እዩ!” በለት።

እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

16. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት፡ እንታይ ጥበባዊ ምርጫ እዮም ኪገብሩ ዚኽእሉ፧

16 ነቲ ዝረኸብካዮ ኣዝዩ ዜደንቕ ፍሉይ መሰል ድሕሪ ምምርማርካ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ህይወቶም ቅኑዕ ዘበለ ዚገብሩ ሒደት ሰባት ንምዃን ንምንታይ ዘይትቘርጽ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ምስቶም ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዘገልገልዎ ብዙሓት ሰባት ክትቍጸር ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ ካብቶም ምስዛ ናብ ጥፍኣት እትጓዓዝ ዘላ ዓለም ብዓይኒ ዕሙተይ ዚኸዱ ዘለዉ መብዛሕትኦም መንእሰያት ንላዕሊ ጥበበኛ ምዃንካ ዜርኢ እዩ።—2 ቈረ. 4:3, 4

17-19. ካብዛ ዓለም እዚኣ እተፈለኻ ብዛዕባ ምዃን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

17 ካብዛ ዓለም እተፈለኻ ምዃን፡ ኵሉ ሳዕ ቀሊል እዩ ማለት ኣይኰነን። ሕስብ እንተ ኣቢልካዮ ግና፡ ካብዛ ዓለም እተፈለና ኽንከውን ጥበባዊ እዩ። ነቲ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ኦሎምፒክ ዚወዳደር ኣትለት እሞ ሕሰብ። ናብቲ ደረጃ እቲ ንምብጻሕ፡ እተፈለየ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣብ ስልጠና ዜውዕሎ ግዜኡን ንኣቓልቦኡን ኪሰርቆ ኻብ ዚኽእል ብዙሕ ነገራት ኪርሕቕ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ብዝያዳ ምእንቲ ኺለማመድን ኣብ ሸቶኡ ምእንቲ ኺበጽሕን፡ ካብ መዛኑኡ እተፈለየ ኪኸውን ፍቓደኛ እዩ።

18 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ህይወት ኣርሒቖም ኣይሓስቡን እዮም። ንስኻ ግና ኣርሒቕካ እትሓስብ፡ ካብዛ ዓለም እተፈለኻ፡ ካብቲ ብስነ ምግባራዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ጐዳኢ ዝዀነ ንጥፈታት እትርሕቕ ድማ እንተ ዄንካ፡ ‘ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዕኻ ኽትሕዛ ኢኻ።’ (1 ጢሞ. 6:19) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰ ሓብቲ፡ “ኣብቲ እትኣምነሉ ነገራት ጽኑዕ እንተ ዄንካ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልካ። ኣንጻር እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንኽትጓዓዝ ዜኽእለካ ብርታዐ ኸም ዘሎካ ኢኻ እተርኢ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ የሆዋ ብኣኻ ኸም ዝዀርዐን ከም እተሓጐሰን ኰይኑ ኺስምዓካ እዩ። ሽዑ ኻብ ካልኦት እተፈለኻ ብምዃንካ ጽቡቕ ኪስምዓካ እዩ” በለት።

19 ሓደ ሰብ ኣብቲ ሕጂ ኺረኽቦ ዚኽእል ነገራት ጥራይ ዜተኵር እንተ ዀይኑ፡ ህይወቱ ዋጋ የብላን። (መክ. 9:2, 10) መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ዕላማ ህይወትካን ብዛዕባ መጻኢኻን ድማ ኣርዚንካ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ‘ከምቲ ኣህዛብ ዚመላለስዎ ምእንቲ ኸይትመላለስ’ ክትጥንቀቕን ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ክትነብርን ደይኰንካን ክትጽዕር ዘሎካ፧—ኤፌ. 4:17፣ ሚል. 3:18

20, 21. ቅኑዕ ውሳነታት እንተ ጌርና፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ኢና እንረክብ፧ ግናኸ እንታይ ትጽቢት እዩ ዚግበረልና፧

20 ቅኑዕ ውሳነታት እንተ ጌርና፡ ሕጂ ዜዕግብ ህይወት ኪህልወና ይኽእል እዩ፣ ኣብ መጻኢ ኸኣ ‘ንምድሪ ብምውራስ’ ንዘለኣለም ክንነብር ንኽእል ኢና። ንዅሉ እቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ዜደንቕ በረኸት፡ ክንግምቶ እውን ኣይንኽእልን ኢና። (ማቴ. 5:5፣ 19:29፣ 25:34) ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ብኸምኡ ኣይኰነን በረኸቱ ዚህብ። ሓደ ነገር ክንገብር ይጽበየና እዩ። (1 ዮሃንስ 5:3, 4 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ሕጂ ንዕኡ ብተኣማንነት ምግልጋልና ጻማ ኣለዎ።

21 ካብ ኣምላኽ ብዙሕ ነገር ክንቅበል ምኽኣልና፡ ፍሉይ መሰል እዩ። ቅኑዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ኣሎና፣ ብዛዕባ ሓቅን ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ዕላማኡን እውን ንጹር ምርዳእ ኣሎና። ስም የሆዋ ናይ ምጻርን መሰኻኽሩ ናይ ምዃንን ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና። ኣምላኽ እውን ኣብ ጐድንና ኸም ዘሎ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (መዝ. 118:7) ሃየ እምበኣር፡ መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ፡ ኵላትና ንየሆዋ ‘ንዘለኣለም ክብሪ’ ኽንህቦ ልባዊ ባህጊ ኸም ዘሎና ብዜርኢ መገዲ ንህይወትና ብምምራሕ፡ ሞሳና ነርኢ።—ሮሜ 11:33-36፣ መዝ. 33:12