ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመወዳእታ እዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ብሓባር ንጋጠሞ!

ንመወዳእታ እዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ብሓባር ንጋጠሞ!

‘ኣካላት ሓድሕድ ኢና።’—ኤፌ. 4:25

1, 2. የሆዋ፡ እቶም መንእሰያትን ዓበይትን ዜጠቓልሉ ኣምለኽቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደሊ፧

መንእሰይ ዲኻ፧ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ከም ሓደ ኣባል እታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ የሆዋ መጠን፡ ኣኽቢርና ኸም እንርእየካ ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ዚጥመቑ፡ መንእሰያት እዮም። ብዙሓት መንእሰያት ምስቶም ንየሆዋ ንኼገልግልዎ ዝወሰኑ ሰባት ይሓብሩ ምህላዎም ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ።

2 መንእሰይ ከም ምዃንካ መጠን፡ ምስ ካልኦት መንእሰያት ምሕባር የሐጕሰካዶ፧ “እወ” ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ምስ መሳቱኻ ዄንካ ባህ ዜብል ግዜ ምሕላፍ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። ይኹን እምበር፡ መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ ወይ እውን ድሕረ ባይታና ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ፡ ሓቢርና ኸነምልኾ እዩ ዚደሊ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ኣብ ራእይ 7:9 እውን፡ ብዛዕባ እቶም ካብ “ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ዝመጹ ኣምለኽቲ የሆዋ ዚሕብር መግለጺ ንረክብ ኢና።

3, 4. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያት እንታይ መንፈስ እዮም ዜንጸባርቑ፧ (ለ) እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ምስ ኤፌሶን 4:25 ዚሳነ፧

3 ኣብ መንጎ እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ዝዀኑ መንእሰያትን ኣብ መንጎ እቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ መንእሰያትን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘሎ። ብዙሓት ንየሆዋ ዘየገልግልዎ ሰባት፡ ኣብ ናብራኦምን ኣብቲ ንሳቶም ዚደልይዎ ነገራትን ጥራይ ዘተኰረ ህይወት እዮም ዚመርሑ። ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ሎሚ ዘለዉ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ስሱዓት ምዃኖም እዮም ዚገልጹ። ብኣዘራርባኦምን ብኣከዳድናኦምን፡ ነቶም ከም “ድሑራት” ገይሮም ዚቘጽርዎም ካባታቶም ዚዓብዩ ሰባት ዋላ ሓንቲ ኣኽብሮት ከም ዘይብሎም የርእዩ እዮም።

4 በዚ መንፈስ እዚ ኢና ተኸቢብና ዘለና። ስለዚ፡ መንእሰያት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ካብቲ መንፈስ እቲ ብምርሓቕ ንኣረኣእያ ኣምላኽ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ብርቱዕ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን እንተ ዀነ፡ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ካብቲ ‘ንሳቶም እውን ዚመላለሱሉ ዝነበሩ’ “ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ዚዓዪ ዘሎ መንፈስ” ንኺርሕቁ ተማሕጺንዎም ነይሩ እዩ። (ኤፌሶን 2:1-3 ኣንብብ።) ካብቲ መንፈስ ንኺርሕቁን ምስ ኵሎም ኣሕዋቶም ኰይኖም ብሓድነት ንኺዓይዩን ዚጽዕሩ መንእሰያት ኪንኣዱ ይግብኦም። ከመይሲ፡ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምስቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ‘ኣካላት ሓድሕድ ኢና’ ዚብል ሓሳብ ዚሰማማዕ እዩ። (ኤፌ. 4:25) ኣብዚ ናብ መወዳእታ እዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ እንቐርበሉ ዘለና እዋን፡ ሓድነትና ዓቂብና ብሓባር ክንዓዪ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓድነትካ ሓሊኻ ብሓባር ምምልላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ዚኽእል ገለ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።

ፈጺሞም ኣይተፈላለዩን

5, 6. ካብቲ ብዛዕባ ሎጥን ኣዋልዱን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ከይተፈላለኻ ብሓባር ብዛዕባ ምምልላስ እንታይ ንመሃር፧

5 ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ብሓባር ኰይኖም ኪተሓጋገዙ ኸለዉ የዕቍቦም ነበረ። ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ኣብነታት ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ኻባታቶም ሎጥ እዩ።

6 ኣብ ልዕሊ እታ ሎጥን ስድራ ቤቱን ዚነብሩላ ዝነበሩ ኸተማ ሶዶም ጥፍኣት ኣንጠልጢሉ ስለ ዝነበረ፡ እታ ስድራ ቤት ኣብ ሓደገኛ ዅነታት እያ ነይራ። መላእኽቲ ኣምላኽ ንሎጥ፡ ካብታ ኸተማ ብቕልጡፍ ኪወጽእን ኣብ ኣኽራን ኣቢሉ ንኺሃድም ነገርዎ፣ “ነፍስኻ ኣድሕን” ኢሎም ድማ ሃወኽዎ። (ዘፍ. 19:12-22) ሎጥ ተኣዘዘ፣ እተን ክልተ ደቁ እውን ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ከሎ ምስኡ ተሓባበራ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ካልኦት ኣዝማዱ ኣይሰምዕዎን። እቶም ንደቁ ተሓጽዮምወን ዝነበሩ ሰብኡት፡ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሎጥ “ይዋዘ ኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም።” እዚ ኸኣ ህይወቶም ኣስኣኖም። (ዘፍ. 19:14) ሎጥን እተን ካብኡ ዘይተፈልያ ኣዋልዱን ጥራይ ካብቲ ጥፍኣት ደሓኑ።

7. የሆዋ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ መንፈስ ሓድነት ንዘርኣዩ ሰባት ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎም፧

7 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ በብርእሶም ኣይኰኑን ዚጓዓዙ ነይሮም። ብዘይካዚ፡ ሙሴ ‘ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ምስ ዘርግሐ፡’ የሆዋ ድማ ነቲ ባሕሪ ምስ መቐሎ፡ ሙሴ ንበይኑ ወይ ከኣ ሒደት እስራኤላውያን ሒዙ ኣይኰነን ተሳጊሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሳላ ዕቝባ የሆዋ፡ ብምሉኦም እስራኤላውያን በቲ ባሕሪ ሰገሩ። (ዘጸ. 14:21, 22, 29, 30) እወ፡ መንፈስ ሓድነት ነበሮም፣ ምሳታቶም ድማ እስራኤላውያን ዘይኰኑ “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ” ነበሩ። (ዘጸ. 12:38) ሒደት ውልቀ ሰባት፡ ምናልባት እውን ጕጅለ መንእሰያት ካብቲ ህዝቢ ተፈልዮም፡ በቲ ንሳቶም ዝመረጽዎ መገዲ ብርእሶም እንተ ዚኸዱ ነይሮም፡ ዕሽነት ምዀነ። ከመይሲ፡ ከምኡ ምግባር፡ ዕቝባ የሆዋ ኸም እትስእን ዚገብር እዩ ነይሩ።—1 ቈረ. 10:1

8. ብግዜ ዮሳፍጥ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነት ከም ዘለዎም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

8 ብግዜ ንጉስ ዮሳፍጥ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣዝዩ ሓያል ጸላኢ ኣጋጠሞም፣ እቲ ጸላኢ፡ ካብቲ ኸባቢ ዝመጸ “ብዙሕ ሰራዊት” እዩ ነይሩ። (2 ዜና 20:1, 2) እቲ ዜሐጕስ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ጸላኢ ብናይ ገዛእ ርእሶም ብርታዐ ኺዋግእዎ ኣይፈተኑን። የግዳስ፡ ኣብ የሆዋ ተወከሉ። (2 ዜና መዋእል 20:3, 4 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዝመሰሎ ገይሩ ብገዛእ ርእሱ ኣይኰነን ዚዋጋእ ነይሩ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘለዉ ይሁዳ ኸኣ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደዉ ኢሎም ነበሩ” ይብለና። (2 ዜና 20:13) መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ፡ ንመምርሒ የሆዋ ንምስዓብ ኣበርቲዖም ጽዒሮም እዮም፣ የሆዋ ድማ ካብ ጸላእቶም ኣዕቊብዎም እዩ። (2 ዜና 20:20-27) እዚ ሰናይ ኣብነት እዝስ፡ ከም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን ብኸመይ ንጸገማት ክንዋጽኣሉ ኸም ዘሎና ዜርኢ ደይኰነን፧

9. ካብቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ኣብ ተግባሮምን ዝንባለኦምን ዝነበሮም ሓድነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

9 ቀዳሞት ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ብሓባር ብምዕያይ እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። ንኣብነት፡ ብዙሓት ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ክርስትያናት ምስ ኰኑ፡ “ብትምህርቲ ሃዋርያትን ዘለዎም ብምምቓልን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ከኣ ጸኒዖም ነበሩ።” (ግብ. 2:42) እዚ ሓድነት እዚ ብፍላይ ኣብቲ ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙ ዜድልየሉ ዝነበረ እዋን መስጐጕቲ ተራእዩ እዩ። (ግብ. 4:23, 24) ኣብ ጽንኩር እዋናት፡ ብሓባር ኴንካ ምዕያይ ኣገዳሲዶ ኣይመስለካን፧

መዓልቲ የሆዋ ኽትቀርብ ከላ፡ ሓድነት ይሃሉኹም

10. ሓድነት ብፍላይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚዀነሉ እዋን መዓስ እዩ፧

10 ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ እቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ግዜ ኺመጽእ እዩ። ነብዪ ዮኤል፡ “መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ዮኤ. 2:1, 2፣ ጸፎ. 1:14) እቲ እዋን እቲ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነቶም ዜርእዩሉ እዋን እዩ። ስለዚ፡ ነቲ፡ “ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ መንግስቲ ትጠፍእ” ዚብል ቃላት የሱስ ዘክሮ።—ማቴ. 12:25

11. ኣብ መዝሙር 122:3, 4 ዚርከብ እንታይ ንጽጽር እዩ ኣብቶም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ኪውዕል ዚኽእል፧ (ኣብ ገጽ 22 ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ኣብቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ጥፍኣት እዚ ስርዓት እዚ፡ ናይ ሓቂ ሓድነት ኪህልወና ኣለዎ። እቲ ኣብ መንጎና ኺህሉ ዚግባእ መንፈሳዊ ሓድነት፡ ምስቲ ኣባይቲ ጥንታዊት የሩሳሌም እተሰርሓሉ መገዲ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። እቲ ኣባይቲ ንሓድሕዱ ተጸጋጊዑ ስለ እተሰርሐ፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ንየሩሳሌም፡ “ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ” ኢሉ ገለጻ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ተቐማጦ ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙን ኪተሓላለዉን ከኣሉ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣባይቲ ንሓድሕዱ እተጸጋግዐ ምዃኑ፡ እቶም ከም “ነገዳት ያህ” (NW) ዝዀኑ እስራኤላውያን ንየሆዋ ንምምላኽ ብሓደ ኺእከቡ ኸለዉ ንዘለዎም መንፈሳዊ ሓድነት እውን ዜመልክት እዩ። (መዝሙር 122:3, 4 ኣንብብ።) ንሕና እውን እንተ ዀንና፡ ሎሚ ዀነ ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ ጽንኩር እዋን፡ ‘ንሓድሕድና ብሓድነት ክንጋጠም’ ኣሎና።

12. ካብቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዜጋጥም መጥቃዕቲ ንኽንድሕን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

12 ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸበባ፡ ‘ንሓድሕድና ብሓድነት ክንገጥም’ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ህዝቅኤል ምዕራፍ 38 ብዛዕባ እቲ “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዜውርዶ መጥቃዕቲ ትንበ እያ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ንኺፈላልየና ኽንፈቅድ የብልናን። ሓገዝ ደሊና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኽንውከል ድማ ዕሽነት እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ኣሕዋትና ኽንጠብቕ ኣሎና። ሓቂ እዩ፡ ኣባላት ሓደ ጕጅለ ስለ ዝዀንና ጥራይ ካብ ጥፍኣት ንድሕን ማለት ኣይኰነን። የሆዋን ወዱን፡ ነቶም ስም የሆዋ ዚውጽዑ ዘበሉ፡ ነቲ ጽንኩር እዋን ብደሓን ከም ዚሓልፍዎ ኺገብሩ እዮም። (ዮኤ. 2:32፣ ማቴ. 28:20) ኰይኑ ግና፡ እቶም ምስ መጓሰ ኣምላኽ ሓድነት ዘይብሎምን ብርእሶም ንኺምርሑ ኢሎም ካብቲ መጓሰ ዚፍለዩን ሰባት፡ ዚድሕኑዶ ይመስለካ፧—ሚክ. 2:12

13. ንኣምላኽ ዚፈርሁ መንእሰያት፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝረኣናዮ ነጥብታት እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

13 ንመገዲ እቶም ብርእሶም ዚምርሑ መንእሰያት ምስዓብ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ንጹር ደይኰነን፧ ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ኣገዳሲ ዚዀነሉ እዋን ይቐርብ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንዅላትና፡ ማለት ንመንእሰያት ኰነ ንዓበይቲ ዜጠቓልል እዩ። እወ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዘሎካ ርክብ ኣደልድሎ፣ ከመይሲ፡ ኣብ መጻኢ፡ ምስ ህዝቢ የሆዋ ዘሎካ ሓድነት ንህይወትካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

“ኣካላት ሓድሕድ”

14, 15. (ሀ) ሎሚ የሆዋ ንመንእሰያትን ንዓበይትን ሓድነት ንኺህልዎም ዜሰልጥኖም ዘሎ ንምንታይ ዕላማ እዩ፧ (ለ) ሓድነት ምእንቲ ኺህልወና፡ የሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ዚመኽረና፧

14 የሆዋ፡ ‘ሓቢርና ንኸነገልግሎ’ ይሕግዘና ኣሎ። (ጸፎ. 3:8, 9) ኣብ ዘለኣለማዊ ዕላማኡ ግደ ምእንቲ ኺህልወና ድማ፡ የሰልጥነና ኣሎ። ዕላማ የሆዋ እንታይ እዩ፧ ኵሉ ነገር “ኣብ ክርስቶስ ዳግም ምእንቲ ኺጥቕልል እዩ።” (ኤፌሶን 1:9, 10 ኣንብብ።) እወ፡ የሆዋ፡ ኵሎም ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ዘለዉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ፍጡራት፡ ሓድነት ከም ዚህልዎም ኪገብር እዩ ዚደሊ፣ ከምኡ ኣብ ምግባር ከኣ ኪዕወት እዩ። እዚ ዕላማ ኣምላኽ እዚ፡ ከም መንእሰይ መጠን ምስ ውድብ የሆዋ ብሓድነት ንኽትዓዪ ደይኰነን ዚሕግዘካ፧

15 የሆዋ ኻብዚ እዋን እዚ ኣትሒዙ፡ ሓድነት ንኺህልወናን ነቲ ሓድነትና ንዘለኣለም ዓቂብናዮ ንኽንነብርን ይምህረና ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ‘ንሓድሕድና ንኽንተሓላለ፡’ ‘ንሓድሕድና ኻብ ልቢ ንኽንፋቐር፡’ ‘ንሓድሕድና ንኽንጸናናዕ፡’ ከምኡ እውን ‘ንሓድሕድና ንኽንተሃናነጽ’ ብተደጋጋሚ ይነግረና እዩ። (1 ቈረ. 12:25፣ ሮሜ 12:10፣ 1 ተሰ. 4:18፣ 5:11) የሆዋ፡ ክርስትያናት ዘይፍጹማት ምዃኖምን በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብሓድነት ንኺመላለሱ ኪኸብዶም ከም ዚኽእልን ይፈልጥ እዩ፣ ስለዚ፡ ‘ንሓድሕድና ብናጻ ይቕረ ንኽንበሃሃል’ ክንጽዕር ኣሎና።—ኤፌ. 4:32

16, 17. (ሀ) ካብ ዕላማ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እቲ ሓደ እንታይ እዩ፧ (ለ) መንእሰያት ካብቲ የሱስ ብንእስነቱ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

16 ሓድነትና ዓቂብና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ የሆዋ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ኣዳልዩልና እዩ። ነቲ ኣብ እብራውያን 10:24, 25 ዚርከብ ማዕዳ ብተደጋጋሚ ኣንቢብናዮ ኢና። ካብ ዕላማ ኣኼባታትና እቲ ሓደ፡ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ምእንቲ ኸነስተብህል’ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣኼባታት፡ ‘እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽንርኢ ኸለና፡ ንሓድሕድና ንኽንተባባዕን ነዚ ብዝያዳ ንኽንገብሮን’ ይጠቕመና እዩ።

17 የሱስ ብግዜ ንእስነቱ፡ ነቲ ምስ ኣኼባታት ዚተሓሓዝ መሰናድዎ የማስወሉ ስለ ዝነበረ፡ ሰናይ ኣብነት ይዀነና እዩ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ ምስ ወለዱ ዀይኑ ኣብ ዓብዪ መንፈሳዊ ኣኼባ ተኣከበ። ኣብ ገለ እዋን ድማ ወለዱ ደልዮም ሰኣንዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ምስ ካልኦት መንእሰያት ንኪኸውን ኢሉ ኣይኰነን ጠፊኡ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዮሴፍን ማርያምን፡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ምስ መምህራን ኰይኑ መንፈሳዊ ምይይጥ ኪገብር ከሎ እዮም ረኺቦምዎ።—ሉቃ. 2:45-47

18. እቲ እነቕርቦ ጸሎት፡ ሓድነት ንኺህልወና ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

18 ንሓድሕድና ኽንፋቐርን ብክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኣቢልና ንሓድነትና ኸነደልድልን ዚግብኣና እኳ እንተ ዀነ፡ ምእንቲ ሓድሕድና እውን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ምእንቲ ኣሕዋትና ናብ የሆዋ እነቕርቦ ጸሎት፡ ንዅነታቶም ብንጹር ንጠቕሶ እንተ ዄንና፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እንሓልየሎም ክንዘኻኸር ኢና። ነዚ ድማ ዓበይቲ ክርስትያናት ጥራይ ኣይኰኑን ኪገብርዎ ዚኽእሉ ወይ ኪገብርዎ ዚግብኦም። መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ብጸሎት ኣቢልካ ምስ መንፈሳዊ ስድራ ቤትካ ንምቅርራብ ትዕጽር ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ኽትጠፍእ ከላ፡ ንስኻ ግና ክትድሕን ኢኻ።

ኵላትና ምእንቲ ኣሕዋትና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

“ኣካላት ሓድሕድ” ምዃንና ነርኢ

19-21. (ሀ) “ኣካላት ሓድሕድ” ምዃንና ብኸመይ ፍልይ ዝበለ መገዲ ኢና እነርኢ፧ ኣብነታት ሃብ። (ለ) ካብቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ባህርያዊ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ዝሃብዎ ምላሽ እንታይ ኢኻ እትምሃር፧

19 ህዝቢ የሆዋ ምስቲ ኣብ ሮሜ 12:5 ዚርከብ፡ “ኣካላት ሓድሕድ ኢና” ዚብል ስርዓት ተሳንዮም እዮም ዚነብሩ። ባህርያዊ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ እዚ ንብጹር ይርአ እዩ። ኣብ ታሕሳስ 2011፡ ህቦብላ ንፋስ ኣብታ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ደሴት ሚንዳናኦ ሓያል ምዕልቕላቕ ማይ ከም ዜጋጥም ገበረ። ብሃንደበት ድማ ልዕሊ 40,000 ኣባይቲ፡ እንተላይ ብዙሕ ኣባይቲ ኣሕዋትና ብማይ ኣዕለቕለቐ። ይኹን እምበር፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከም ዝጸብጸቦ፡ “ረድኤት ዚህባ ኮሚተታት ስራሐን ቅድሚ ምጅማረን እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ዚነብሩ ክርስትያን ኣሕዋት፡ ሓገዝ ይልእኩ ነበሩ።”

20 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምብራቓዊ ጃፓን ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሱናሚን ምስ ኣጋጠመ፡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ተጐዲኦም እዮም። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ ጥራይ ኢዶም እዮም ተሪፎም። እታ ኻብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስታት 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትነብር ዮሺኮ፡ ቤታ ዓነወ። “ካብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ዕለት ንጽብሒቱ፡ ሓላው ወረዳን ካልኦት ኣሕዋትን ንዓና ኼናድዩ ምስ መጹ፡ ኣዚና ተገረምና” በለት። ፍሽኽ ኢላ ድማ፡ “በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ፡ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ብብዙሕ መጠን ስለ ዚማልኣልና፡ ኣዚና ኢና እነመስግን። ክዳውንትን ኣሳእንን ቦርሳታትን ክዳውንቲ ለይትን እውን ተዋሂቡና እዩ” በለት። ኣባል ኮሚተ ረድኤት ዝዀነ ሓደ ሓው፡ “ካብ ብምሉኡ ጃፓን ዝመጹ ኣሕዋት፡ ንሓድሕዶም እናተሓጋገዙ ብሓደ ይዓይዩ ነበሩ። ምእንቲ ኺሕግዙ ኢሎም ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹ ኣሕዋት እውን ነይሮም እዮም። ክንድዚ ነዊሕ ተጓዒዞም ስለምንታይ ከም ዝመጹ ምስ ተሓትቱ፡ ‘ምስቶም ኣብ ጃፓን ዘለዉ ኣሕዋትና ሓድነት ኣሎና፣ ሓገዝና ድማ የድልዮም እዩ’ ኢሎም መለሱ።” ኣባል ሓደ ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩ ኣባላት ዘለውዎ ውድብ ምዃንካ ኣየዅርዓካንዶ፧ የሆዋ ኸምዚ ዓይነት መንፈስ ሓድነት ኪርኢ ኸሎ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

21 ሕጂ መንፈስ ሓድነት እንተ ኣልዩና፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ጸገማት ብሓባር ኴንና ኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ዋላ እውን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ምስ ዘለዉ ኣሕዋትና እንተ ተፈላለና፡ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ኽንሓብር ንኽእል ኢና። እዚ መንፈስ እዚ፡ እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ኺጠፍእ ከሎ ኼጋጥመና ንዚኽእል ጸገማት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ኼሰልጥነና ይኽእል እዩ። ኣብ ጃፓን ግዳይ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዝዀነት ፉሚኮ፡ “መወዳእታ ኣዝዩ ቐሪቡ እዩ። ነቲ ዝዀነ ይኹን ባህርያዊ ሓደጋታት ዘይህልወሉ እዋን እናተጸበና፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣዘውቲርና ኽንሕግዞም ኣሎና” በለት።

22. ክርስትያናዊ ሓድነት ኣብ መጻኢ ብኸመይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

22 ሎሚ ሓድነት ንኺህልዎም ዚጽዕሩ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ፡ ካብ ጥፍኣት እዛ እክይትን ሓድነት ዘይብላን ዓለም ንኺድሕኑ እዮም ዚዳለዉ ዘለዉ። ኣምላኽ ከምቲ ጥንቲ ዝገበሮ፡ ሎሚ እውን ንህዝቡ ኼድሕኖም እዩ። (ኢሳ. 52:9, 10) ንስኻ እውን ኣብ መንጎ እቶም ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ኣምላኽ ክትመላለስ እንተ ጽዒርካ፡ ሓደ ኻብቶም ዚድሕኑ ኽትከውን ከም እትኽእል ወትሩ ዘክር። ካልእ ኪሕግዘና ዚኽእል መዳይ፡ ነቲ እተቐበልናዮ ነገራት ዘሎና ሞሳ ምዕባይ እዩ። ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ እያ።