ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ተስተውዕሎዶ’ ኣለኻ፧

‘ተስተውዕሎዶ’ ኣለኻ፧

“ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬስተውዕልዎ፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።”—ሉቃ. 24:45

1, 2. የሱስ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤኡ ንደቀ መዛሙርቱ ዘበራትዖም ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ካብ ሞት ዝተንስኣላ መዓልቲ እያ ነይራ። ክልተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ካብ የሩሳሌም ዳርጋ 11.2 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ቍሸት ብእግሮም ይጓዓዙ ነበሩ። የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ገና ስለ ዘይፈለጡ፡ በቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዘጋጠመ ነገራት ጕህዮም እዮም ነይሮም። ብሃንደበት፡ የሱስ ምሳታቶም ኪኸይድ ጀመረ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኣጸናንዖም። ብኸመይ፧ “ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነብያትን ጀሚሩ . . . እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ተርጐመሎም።” (ሉቃ. 24:13-15, 27) ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ስለ ‘ዝገለጸሎም’ ወይ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘረድኦም ድማ፡ ልቦም ይነድዶም ነበረ።—ሉቃ. 24:32

2 ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ናብ ሃዋርያት ከይዶም ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ነገራት ነገርዎም። ገና ኺዛረቡ ኸለዉ፡ የሱስ ንዅላቶም ተራእዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ሃዋርያት ኣመና ፈሪሆም ነበሩ። ብልቦም ድማ ኪጠራጠሩ ጀመሩ። እሞኸ የሱስ ብኸመይ ኣበራትዖም፧ ኣብቲ ጸብጻብ፡ “ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬስተውዕልዎ፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም” ዚብል ነንብብ።—ሉቃ. 24:45

3. እንታይ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧ ብዛዕባ ኣገልግሎትና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ኺሕግዘና ዚኽእልከ እንታይ እዩ፧

3 ንሕና እውን ልክዕ ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ሓድሓደ እዋን ንጕሂ ንኸውን። ብዕዮ ጐይታ ትሑዛት እኳ እንተ ዀንና፡ ውጽኢት ስለ ዘይረኸብና ግና ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። (1 ቈረ. 15:58) ወይ ከኣ እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት፡ ብዙሕ ዕቤት ኣይገብሩን ይዀኑ። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ንየሆዋ ዝባኖም ይህብዎ ይዀኑ። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎትና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ምሳሌታት የሱስ ምሉእ ብምሉእ ንኽንርድኦ ምጽዓር እዩ። ካብቲ ምሳሌታት ነቲ ሰለስተ እስከ ንመርምሮ፣ ካብኡ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ድማ ክንርኢ ኢና።

እቲ ዚድቅስ ዘራኢ

4. እቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳሌ እቲ ዚድቅስ ዘራኢ፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧

4 ማርቆስ 4:26-29 ኣንብብ። እቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳሌ እቲ ዚድቅስ ዘራኢ፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብዚ ምሳሌ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ፡ ነቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚእውጁ ውልቀ ሰባት የመልክት። እቲ ዘርኢ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ዚስበኽ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። እቲ ዘራኢ፡ ንቡር ናብራ ህይወቱ እናገበረ “ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን።” እቲ ዘርኢ ዚዓብየሉ መስርሕ፡ ካብ ምዝራእ ጀሚርካ ኽሳዕ ምዕጻድ፡ ንውሕ ዝበለ እዋን እዩ ዚወስድ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ፡ “እቲ ዘርኢ . . . ይበቍልን ይዓብን።” እቲ ዘርኢ በብቝሩብን በብደረጃን ‘ባዕሉ እዩ ዚዓቢ።’ መንፈሳዊ ዕቤት እውን ብተመሳሳሊ፡ ቀስ ብቐስን በብደረጃን እዩ ዚርአ። ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር ኣብቲ ንኣምላኽ ንኼገልግሎ ዚድረኸሉ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ ርእሱ ንየሆዋ ብምውፋይ ይጥመቕ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ፍረ ይፈሪ።

5. የሱስ ንምሳሌ እቲ ዚድቅስ ዘራኢ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሱስ ነታ ምሳሌ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ነታ ምሳሌ እተጠቕመ፡ ሓቂ ኣብ ልቢ እቶም “ዘንቀዱ” ሰባት ከም ዚዓቢ ዚገብሮ፡ የሆዋ ምዃኑ ምእንቲ ኽንርዳእ ኢሉ እዩ። (ግብ. 13:48፣ 1 ቈረ. 3:7) ክንተክልን ማይ ከነስትን እኳ እንተ ኸኣልና፡ ነቲ ዕቤት ግና ንሕና ኣይኰንናን እንቈጻጸሮ። ባዕልና ደፊእና ኸነዕብዮ ወይ ዕቤቱ ኸነቀላጥፎ ኣይንኽእልን ኢና። ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ምሳሌ እተጠቕሰ ሰብኣይ፡ ንመስርሕ እቲ ዕቤት ኣይንፈልጦን ኢና። ንቡር መዓልታዊ ንጥፈታትና ኽንገብር ከለና፡ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ዕቤት ኣይነስተብህለሉን ንኸውን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ እቲ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ፍረ ይፈሪ። እቲ ሓድሽ ወደ መዝሙር ድማ ኣብ ዓጺድ ይሓብረና፣ ካብ ሓገዙ ኸኣ ብዙሕ ንጥቀም።—ዮሃ. 4:36-38

6. ምስ መንፈሳዊ ዕቤት ብዚተሓሓዝ፡ ነየናይ ሓቂ ኢና ኽንቅበሎ ዘሎና፧

6 ካብቲ ምሳሌ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ቀዳማይ፡ ንመንፈሳዊ ዕቤት እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ ክንቈጻጸሮ ኸም ዘይንኽእል ክንቅበሎ ኣሎና። ትሕትና፡ ነቲ ተመሃራይና ንኺጥመቕ ጸቕጢ ንኽንገብረሉ ወይ ንኸይነገድዶ ትሕግዘና እያ። ንኽንሕግዞን ንኽንድግፎን ዚከኣለና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ኣብ መወዳእታኡ ርእሱ ወሲኑ ኺጥመቕ ዚኽእል ግና፡ እቲ ሰብ ባዕሉ እዩ። ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ፡ ንኣምላኽ ብዘሎካ ፍቕሪ ተደሪኽካ ብፍታው እትገብሮ ውሳነ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ እቲ ውሳነ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ኣይረክብን እዩ።—መዝ. 51:12፣ 54:6፣ 110:3

7, 8. (ሀ) ካብቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳሌ እቲ ዚድቅስ ዘራኢ፡ እንታይ ካልእ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧ ኣብነት ሃብ። (ለ) እቲ ምሳሌ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ እዩ ዚምህረና፧

7 ካልኣይ፡ ነቲ ኻብቲ ምሳሌ እንመሃሮ ትምህርቲ እንተ ተረዲእናዮ፡ ኣብ ፈለማ ኻብ ዕዮና ውጽኢት ብዘይምርካብና ተስፋ ንኸይንቘርጽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ክንዕገስ ኣሎና። (ያእ. 5:7, 8) ዋላ እኳ እቲ ዘርኢ ፍረ እንተ ዘይፈረየ፡ ነቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንሕግዞ ዚከኣለና ስለ ዝጸዓርና፡ ብሰንኪ ዘይተኣማንነትና ኸምኡ ዘጋጠመ ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። የሆዋ ንዘርኢ ሓቂ ኺበቍል ዚፈቕደሉ፡ ለውጢ ኺገብር ፍቓደኛ ኣብ ዝዀነ ትሑት ልቢ እዩ። (ማቴ. 13:23) ስለዚ፡ ንኣገልግሎትና በቲ እንረኽቦ ውጽኢት ጥራይ ክንዕቅኖ የብልናን። የሆዋ እውን እንተ ዀነ፡ ንኣሳልጦ ኣገልግሎትና በቲ እቶም እንምህሮም ሰባት ዚህብዎ ምላሽ ኣይኰነን ዚልክዖ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ውጽኢት ብዘየገድስ፡ ነቲ ብተኣማንነት እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።—ሉቃስ 10:17-20፣ 1 ቈረንቶስ 3:8 ኣንብብ።

8 ሳልሳይ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ዚገብሮ ዘሎ ለውጢ እንፈልጦ፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰንናን። ንኣብነት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሎም ሚስዮናዊ፡ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ ነገርዎ። እቲ ሚስዮናዊ ግና፡ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኪዀኑ እንተ ደልዮም፡ ምትካኽ ሽጋራ ኼቋርጽዎ ኸም ዘለዎም ኣዘኻኸሮም። እቲ ዜገርም ግና፡ እቶም ሰብ ሓዳር ቅድሚ እተወሰነ ኣዋርሕ ከም ዘቋረጹ ነገርዎ። ስለምንታይ እዮም ኣቋሪጾም፧ የሆዋ ኸም ዚርእዮምን ግብዝና ኸም ዚጸልእን ስለ እተገንዘቡ እዮም። ስለዚ፡ ብልቦም ተደሪኾም፡ ወይ ኣብ ቅድሚ እቲ ሚስዮናዊ ሽጋራ ኼትክኹ ወይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኪሓድግዎ ወሰኑ። እታ እናዓበየት እትኸይድ ዝነበረት ንየሆዋ ዝነበረቶም ፍቕሪ፡ ቅኑዕ ውሳነ ንኺገብሩ ሓጊዛቶም እያ። እቲ ሚስዮናዊ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ዝገበርዎ ለውጢ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ብሓቂ ግና መንፈሳዊ ዕቤት ገይሮም እዮም።

መርበብ

9. ምሳሌ እታ መርበብ እንታይ እዩ ትርጕሙ፧

9 ማቴዎስ 13:47-50 ኣንብብ። እቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳሌ እታ መርበብ፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ የሱስ ነቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚስበኽ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ናብ ባሕሪ ምስ እተደርበየት ዓባይ መርበብ ኣመሳሰሎ። ልክዕ ከምቲ ሓንቲ መርበብ ዋላ ሓንቲ ኸየማረጸት “ኵሉ ዓይነት ዓሳ” እትእክብ፡ ዕዮ ስብከትና እውን ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ይስሕቦም እዩ። (ኢሳ. 60:5) በብዓመቱ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትናን ኣብ በዓል ዝኽርን ምሳና ዚእከቡ ውልቀ ሰባት ቍጽሮም ይውስኽ ምህላዉ፡ ነዚ ዜርኢ እዩ። ገሊኣቶም ብምሳልያዊ መገዲ ‘ጽቡቓት’ ዓሳ ስለ ዝዀኑ፡ ናብ ክርስትያን ጉባኤታት ይእከቡ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ካብቶም እተኣከቡ ዓሳ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ኪህልዎም ዚኽእል ኵላቶም ኣይኰኑን፣ ከመይሲ፡ ገሊኣቶም ‘ሕማቓት’ እዮም።

ማቴዎስ 13:47-50 ድሕሪ ምንባብካ፣ ብዛዕባ ዘመናዊ ኣወዓዕላኡ ሕሰብ

ገለ ኻብቶም ናብ ሓቂ ዚስሓቡ ሰባት፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ይብሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 9-12 ርአ)

10. የሱስ ንምሳሌ እታ መርበብ ዝጠቐሶ ስለምንታይ እዩ፧

10 የሱስ ነዛ ምሳሌ እዚኣ ዝጠቐሳ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ምፍላይ እቶም ዓሳ፡ ነቲ ብግዜ ብርቱዕ ጸበባ ዚግበር ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዜመልክት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት እንታይ ከም ዜጋጥም ዜጕልሕ እዩ። የሱስ ከም ዝገለጾ፡ ካብቶም ናብ ሓቂ ዚስሓቡ ሰባት፡ ኵሎም ኣይኰኑን ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ዚብሉ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣኼባታትና ምሳና ይሓብሩ እዮም። ገሊኣቶም ድማ ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ፍቓደኛታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ግና ኣይደልዩን እዮም። (1 ነገ. 18:21) ገሊኣቶም ከኣ፡ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብ ምሕባር ኣቋሪጾም እዮም። ክርስትያን ወለዲ ዘዕበይዎም ገለገለ መንእሰያት፡ ንስርዓታት የሆዋ ገና ፍቕሪ ኣየሕደሩን። እቲ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብውልቁ ውሳነ ኺገብር ከም ዘለዎ፡ የሱስ ኣጕሊሑ ኣሎ። ቅኑዕ ውሳነ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ኸም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ገይሩ ኺርእየና እዩ።—ሃጌ 2:7

11, 12. (ሀ) ካብ ምሳሌ እታ መርበብ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) እቲ ምሳሌ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ እዩ ዚምህረና፧

11 ካብ ምሳሌ እታ መርበብ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ ወይ ከኣ ሓደ ኻብ ደቅና ንሓቂ ናቱ ምስ ዘይገብራ፡ ነቲ ኻብታ ምሳሌ እንረኽቦ ትምህርቲ ምርዳእና፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይንጭነቕ ወይ ከኣ ተስፋ ንኸይንቘርጽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ከምኡ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር እኳ እንተ ተሰማምዐ፡ ወይ ከኣ ሓደ ውሉድ ኣብ ሓቂ እኳ እንተ ተወልደ፡ ብኡብኡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ይምስርት ማለት ኣይኰነን። እቶም ንግዝኣት የሆዋ ኺእዘዝዎ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታኡ ኻብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ኪፍለዩ እዮም።

12 ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እቶም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ሰባት፡ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኺምለሱ ኣይፍቀደሎምን እዩ ማለት ድዩ፧ ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ርእሱ ንየሆዋ እንተ ዘይወፍዩ፡ ንዘለኣለም ከምቶም ‘ሕማቓት’ ዓሳ ጌርካ እዩ ዚቝጸር ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስጕምቲ ንኺወስድ ኣጋጣሚ ኺረክብ እዩ። የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም፡ “ናባይ ተመለሱ፡ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ይብሎም ኣሎ። (ሚል. 3:7) እዚ ሓቂ እዚ፡ ኣብ ካልእ ምሳሌ የሱስ፡ ማለት ኣብ ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ ጐሊሑ ኣሎ።—ሉቃስ 15:11-32 ኣንብብ።

ዘራዊ ወዲ

13. ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧

13 እቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ፡ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ርሕሩሕ ኣቦ፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ እዩ ዜመልክት። እቲ ርስቱ ኺውሃቦ ዝሓተተን ከይዱ ዝዘረዎን ውሉድ ድማ፡ ነቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀብለሉ ሰባት እዩ ዜመልክት። እቶም ሰባት ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺወጹ ኸለዉ፡ ናብቲ ኸም “ርሑቕ ሃገር” ጌርካ ኺርአ ዚኽእል ናይ ሰይጣን ዓለም እዮም ዚኸዱ፣ እዚ ኸኣ ካብ የሆዋ ዝረሓቐ ዓለም እዩ። (ኤፌ. 4:18፣ ቈሎ. 1:21) ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ጸኒሖም ነቲ ናብ ውድብ የሆዋ ንምምላስ ዚግበር ኣጸጋሚ ጕዕዞ ብምጅማር ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም። እቲ ይቕረ ዚብል ኣቦና፡ ነዞም ካብ ሓጢኣቶም ዚንስሑ ትሑታት ሰባት ሓንጐፋይ ኢሉ እዩ ዚቕበሎም።—ኢሳ. 44:22፣ 1 ጴጥ. 2:25

14. የሱስ ንምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

14 የሱስ ነታ ምሳሌ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ብኣዝዩ ዚማርኽ መገዲ ገይሩ፡ የሆዋ ነቶም ዝዀብለሉ ናብኡ ኺምለሱ ኸም ዚደሊ ብምሳሌ ገለጸ። እቲ ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሰ ኣቦ፡ ወዱ ንኺምለስ ተስፋ ይገብር ነበረ። ወዱ ኺምለስ ከሎ ምስ ረኣዮ ግና፡ ዋላ እኳ “ገና ርሑቕ” እንተ ነበረ፡ ኣቦኡ ንኪቕበሎ ቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። እዝስ ነቶም ካብ ሓቂ ዝወጹ ሰባት፡ ውዓል ሕደር ከይበሉ ናብ የሆዋ ንኺምለሱ ዚድርኾም ሓያል ትምህርቲ ደይኰነን፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ደኺሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ናብ ውድብ የሆዋ ምምላስ ድማ የሕፍሮም ወይ የጸግሞም ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ጻዕሪ ኺገብሩሉ ዚግባእ ጕዳይ እዩ፣ ንሳቶም ናብ ውድብ የሆዋ ኺምለሱ ኸለዉ፡ ኣብ ሰማያት እውን ሓጐስ ይኸውን እዩ።—ሉቃ. 15:7

15, 16. (ሀ) ካብቲ የሱስ ዝገልጾ ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ኣብነታት ሃብ። (ለ) እቲ ምሳሌ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ እዩ ዚምህረና፧

15 ካብ ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቲ የሆዋ ዝሓደገልና ኣብነት ክንቀድሖ ኣሎና። “እምብዛ ጻድቕ” ብምዃን ነቶም እተነስሑ ሓጥኣን ካብ ምቕባል ክንኣቢ የብልናን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ውጽኢቱ መንፈሳዊ ‘ጥፍኣት’ ጥራይ እዩ ዚኸውን። (መክ. 7:16) ካልእ እንመሃሮ ትምህርቲ እውን ኣሎ። ካብ ጉባኤ ዝረሓቐ ሰብ፡ ከም “ጥፍእቲ በጊዕ” ደኣ እምበር፡ ተስፋ ኸም ዘይብሉ ጌርካ ኺርአ የብሉን። (መዝ. 119:176) ካብ ጉባኤ ዝረሓቐ ሰብ እንተ ረኺብና፡ ምእንቲ ኺምለስ፡ ፍቕራውን ግብራውን ሓገዝ ክንገብረሉ ዲና፧ ግቡእ ሓገዝ ምእንቲ ኺረክብ፡ ውዓል ሕደር ከይበልና ንሽማግለታት ክንሕብሮም ዲና፧ ነቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ እንተ ተረዲእናዮን ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮን፡ ከምኡ ኽንገብር ኢና።

16 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ምስቲ ዘራዊ ወዲ ዚመሳሰሉ ገለ ክርስትያናት፡ ንምሕረት የሆዋን ነቲ ኣባላት ጉባኤኦም ዘርኣይዎም ፍቕርን ደገፍን ብዙሕ እዮም ዜማስዉሉ። ን25 ዓመት ተወጊዱ ዝነበረ ሓደ ሓው፡ “ናብ ሓቂ ኻብ ዝምለስ ጀሚረ ኻብ የሆዋ ‘እዋን ዕረፍቲ’ ስለ ዝረኸብኩ፡ ሓጐሰይ ይውስኽ እዩ ዘሎ። (ግብ. 3:19) ኵሉ ሰብ እዩ ዚድግፈንን ዜፍቅረንን። ሕጂ ዝበለጸ መንፈሳዊ ስድራ ቤት እዩ ዘሎኒ” በለ። ንሓሙሽተ ዓመት ካብ የሆዋ ርሒቓ ዝነበረት ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ፡ “እቲ የሱስ ዝገለጾ ፍቕሪ፡ ብንጹር መገዲ ኣባይ ክውዕል ከሎ ርእየ እየ፣ ነዚ ግና ብቓላት ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ኣባል ውድብ የሆዋ ምዃን ብዋጋ ዘይሽነን እዩ” በለት።

17, 18. (ሀ) ካብተን ዝመርመርናየን ሰለስተ ምሳሌታት እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ኢና ተማሂርና፧ (ለ) እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

17 ካብቲ ሰለስተ ምሳሌታት እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ኢና ተማሂርና፧ ቀዳማይ፡ ንመንፈሳዊ ዕቤት ክንቈጻጸሮ ኸም ዘይንኽእል ክንግንዘብ ኣሎና። እዚ ንየሆዋ እዩ ዚምልከቶ። ካልኣይ፡ ካብቶም ምሳና ዚሓብሩን መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑን ሰባት ንሓቂ ዚቕበሉ፡ ኵላቶም ከም ዘይኰኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ድማ፡ ገሊኦም ካብ ሓቂ ብምርሓቕ ንየሆዋ ዝባኖም ኪህብዎ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኪምለሱ ኸም ዘይክእሉ ጌርና ብምሕሳብ ግና ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። እንተ ተመሊሶም ከኣ፡ ንኣረኣእያ የሆዋ ብዜንጸባርቕ መገዲ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎም ኣሎና።

18 ኵላትና ፍልጠትን ምስትውዓል ጥበብን ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኣዘውቲርና ንጽዓር። ንምሳሌታት የሱስ ከነንብብ ከለና፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽንሓትት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበሉ ምኽንያት ክንፈልጥ፡ ብኸመይ ክንትግብሮ ኸም ዘሎና ኽንሓስብ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ ከም ዚምህረና ኸነስተንትን ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንቓላት የሱስ ነስተውዕሎ ኸም ዘለና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።