ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም

የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም

ፈጣሪና ንደቂ ሰብ ብዋጋ ዘይሽነን ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢርዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተጠቒሞም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምስፋሕ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡን ነቲ ቕዱስ ስሙ ንምቕዳስ እጃሞም ዜበርክቱን ነቲ ዓብዪ ዕላማኡ ዚድግፉን ኣብዚሑ እዩ ዚባርኾም። የሆዋ፡ ሰባት ፈሪሆምን ግዴታ ዀይንዎም ኪእዘዝዎ ኣይደልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ብናይ ሓቂ ፍቕርን ብዓሚቚ ሞሳን ተደሪኽካ ዚግበር ናይ ፍታው ወፈያ እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ።

ንኣብነት፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ቦታ ኣምልኾ ኺሃንጹ መምርሒ ሃቦም። ንሱ፡ “ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ” በሎም። (ዘጸ. 35:5) ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ፡ ኪህቦ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኪህብ ይኽእል ነበረ፣ ነፍሲ ወከፍ ብፍታው ዚግበር ውጽኢት፡ ማለት መጠን ወይ ብዝሒ ብዘየገድስ፡ መለኮታዊ ዕላማ ንምፍጻም ብግቡእ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ይኽእል ነበረ። እሞኸ እስራኤላውያን እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

‘ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦን ኵሉ መንፈስ ፍቓድ ዘልዓለሉን ፍታው ልቢ ዘለዎ ዘበለን’ ብፍቓዱ ሃበ። ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣቝላፍን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ኣምባውርትን ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ሰማያዊ ፈትልን ሕብሪ ደም ዘለዎ ጸምርን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጕሪ ጤልን እተቐርጸ ቘራብቲ ድዓውልን ቈራብቲ ተሃስን ኣእማን ዕንቍን ዕንጨይቲ ሽጢምን ዘይቲ ቕብኣትን ምኡዝ ዕጣንን ብፍቓዶም ኣምጺኦም እዮም። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “እቲ መተዓየዪ ንዅሉ ዚዕየ ዕዮ ዚአክል ነበረ፡ ተረፈ እኳ” ይብል።—ዘጸ. 35:21-24, 27-29፣ 36:7

ንየሆዋ ዘሐጐሶ፡ እቲ ዝቐረበ ነገራት ዘይኰነስ፡ እቲ ንንጹህ ኣምልኾ ንምድጋፍ እተራእየ መንፈስ ፍቓደኛነት እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ግዜኦምን ጕልበቶምን ንኺህቡ እውን ተደሪኾም እዮም። እቲ ጸብጻብ፡ “ጥበበኛ ልቢ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን” ከም ዘምጽኣ ይገልጽ እዩ። እወ፡ “ኵለን ኣንስቲ ልበን ብጥበብ ዘልዐለን ከኣ ጸጕሪ ጤል ፈተላ።” ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንበሳልኤል “ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን” ንኼገልግል መንፈሱ ሃቦ። እወ፡ ኣምላኽ ንበሳልኤልን ንኦሆልያብን ነቲ እተዋህቦም ዘበለ ዕዮ ንኺዓይዩ ዜድልዮም ጥበብ ሃቦም።—ዘጸ. 35:25, 26, 30-35

የሆዋ ንእስራኤላውያን ንኺውፍዩ ምስ ዓደሞም፡ “ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ” ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚድግፍ ምሉእ እምነት ነበሮ። በዚ መሰረት እዚ፡ መምርሒ ብምሃብን ብዙሕ ከም ዚሕጐሱ ብምግባርን ነቶም ብፍታው ልቦም ዝሃቡ ባረኾም። የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ዜርእይዎ መንፈስ ፍቓደኛነት ኪባርኾ ኸሎ፡ ፍቓዱ ንምፍጻም ዜድሊ ነገራት ወይ ክእለት ከም ዘይጐድል ዜረጋግጽ እዩ። (መዝ. 34:9) ንስኻ እውን ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእ ንየሆዋ ምስ እተገልግሎ፡ ንሱ ነቲ እተርእዮ መንፈስ ፍቓደኛነት ብርግጽ ኪባርኾ እዩ።