ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

“ኣዝዩ ኽቡር ወቕቲ”

“ኣዝዩ ኽቡር ወቕቲ”

ብ1870 ኣብ ፒትስበርግ (ኣሊጌኒ)፡ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትምርምር ጀመረት። ኣባላት እታ ብቻርለስ ቴዝ ራስል እትምራሕ ዝነበረት ጕጅለ፡ ነቲ ብዛዕባ በጃ ክርስቶስ ዚገልጽ ርእሰ ነገር መጽናዕቲ ገበሩሉ፣ ብዙሕ ከይጸንሑ ድማ፡ እቲ በጃ ኣብ ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎ ተገንዘቡ። እቲ በጃ ነቶም ገና ብዛዕባ የሱስ ዘይሰምዑ ሰባት እውን እንተ ዀነ፡ መገዲ ድሕነት ኸም ዝኸፈተሎም ምስ ፈለጡ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ልቦም ብሞሳ ስለ ዝመልአ ኸኣ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ በብዓመቱ ኼብዕሉ ወሰኑ።—1 ቈረ. 11:23-26

ሓውና ራስል ዛዮንስ ዎች ታወር (ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ) ኬሕትም ጀመረ፣ እዛ መጽሔት እዚኣ ድማ፡ ተሓላቒት እቲ ቐንዲ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀነ ሰረተ እምነት በጃ እያ ነይራ። ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዚበዓለሉ እዋን፡ “ኣዝዩ ኽቡር ወቕቲ” ኢላ ጸውዓቶ፣ ንኣንበብታ ድማ፡ ነቲ በዓል ዝኽሪ ወይ ኣብ ፒትስበርግ ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ቦታ ብጕጅለ ዀይኖም ኬብዕልዎ ኣተባብዓቶም። “ክብርቲ እምነት ዘላቶም ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት፡” ዋላ እውን ሓደ ሰብ እንተ ዀነ፡ ነቲ በዓል ኬብዕሉ ኸለዉ፡ ‘ጐይታ ምሳታቶም ከም ዚህሉ’ ድማ ገለጸት።

ቍጽሪ እቶም በብዓመቱ ንበዓል ዝኽሪ ኢሎም ናብ ፒትስበርግ ዚመጹ ዝነበሩ ሰባት እናወሰኸ ኸደ። እቲ ወረቐት ዕድመ፡ “እቶም ኣብዚ እትረኽብዎም ፍሽሑዋት ሰባት፡ ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበሉኹም እዮም” ይብል ነበረ። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ኣብ ፒትስበርግ ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ናብ ቤቶም ተቐቢሎም ኣአንጊዶምዎም እዮም። ብ1886 ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚግበረሉ ወቕቲ፡ ንሓያሎ መዓልትታት “ሓፈሻዊ ኣኼባ” ዚብሃል ዓብዪ ኣኼባ ተገብረ። ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ልብኹም በታ ንጐይታን ንኣሕዋትን ንሓቅን ዘላትኩም ፍቕሪ መሊእኩም ምጹ” ዚብል ዕድመ ኣቕረበት።

ኣብቲ ለንደን ታበርናክል ዚብሃል ኣዳራሽ፡ ቅጫን ወይንን በዓል ዝኽሪ ብኸመይ ኪዘውር ከም ዘለዎ ዜርኢ ሰሌዳ

ንሓያሎ ዓመታት፡ ኣብ ፒትስበርግ ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቶም በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ኢሎም ዚመጹ ዝነበሩ ኣብ በጃ ዚኣምኑ ሰባት፡ ዓበይቲ ኣኼባታት የዳልዉሎም ነበሩ። ቍጽሪ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ እውን ኣብ መላእ ዓለም ወሰኸ። ኣብ ኤክለስያ (ጉባኤ) ቺካጎ ዝነበረ ሬይ ቦፕ፡ ኣብ 1910ታት ዳርጋ ዅሎም ተኣከብቲ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ቕጫን ወይንን ኣብቶም ኣማእታት ተኣከብቲ ምዛር ነዊሕ ሰዓታት ይወስድ ከም ዝነበረ፡ ተዘክሮኡ ገለጸ።

ኣብቲ በዓል ዝኽሪ፡ ንስጋን ደምን የሱስ ንምምልካት እንታይ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፧ የሱስ ኣብ ድራር ጐይታ፡ ወይኒ ኸም እተጠቕመ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ግና፡ እቶም “ድኹማት” ምእንቲ ኸይፍተኑ፡ ጽማቝ ሓድሽ ፍረ ወይኒ ወይ ጽማቝ ዘቢብ ኪጥቀሙ ተተባብዕ ነበረት። ይኹን እምበር፡ ነቶም “ዝፈልሐ ወይኒ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ከም ዘለዎ” ዀይኑ ዚስምዖም ዝነበረ፡ ወይኒ ይውሃቦም ነበረ። እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጸኒሖም፡ ንደም የሱስ ብልክዕ ኬመልክት ዚኽእል፡ ዋላ ሓንቲ ሕዋስ ዘይብሉ ወይኒ ምዃኑ ተረድኡ።

ኣብ ኒከራግዋ ኣብ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ፡ ብዝሒ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ ንምፍላጥ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ እትዘውር ዝነበረት ወረቐትን ርሳስን

ዝኽሪ ሞት የሱስ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣርዚንካ ንምሕሳብ ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊአን ጉባኤታት፡ እቲ በዓል ዝኽሪ ብሓዘን እተመልአ ይኸውን ነበረ፣ እቲ መደብ ኪዛዘም ከሎ ድማ፡ ኵሎም ተኣከብቲ ሓንቲ ቓል ከይተዛረቡ እዮም ዚኸዱ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ እታ ብ1934 እተሓትመት የሆዋ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ በዓል ዝኽሪ፡ በቲ ዜሳቒ ሞት የሱስ ‘እናሓዘንካ’ ዘይኰነስ፡ በቲ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ዝጀመረ ግዝኣቱ ‘እናተሓጐስካ’ ኺበዓል ከም ዘለዎ ሓበረት።

ኣሕዋት ብ1957 ኣብቲ ኣብ ሞርዲቪንያ፡ ሩስያ ዚርከብ ደምበ ሸቕሊ፡ በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ተኣኪቦም ከለዉ

ዓመተ 1935 ነቲ ኣብ መጻኢ ዚግበር በዓል ዝኽሪ ብዜደንቕ መገዲ ዝቐየረት ዓመት እያ ነይራ፣ ከመይሲ፡ መንነት እቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ህዝቢ” ንጹር ዝዀነሉ ዓመት እዩ ነይሩ። ክሳዕ እቲ እዋን እቲ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቶም “ብዙሓት ህዝቢ፡” ርእሶም ዝወፈዩ ግናኸ ብዙሕ ቅንኣት ዘይብሎም ክርስትያናት ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። ብ1935 ግና፡ እቶም ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰባት፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ምዃኖም ነጸረ። ራስል ፖጀንሲ ዝስሙ ሓው፡ ድሕሪ እቲ እተዋህበ መብርሂ ንገዛእ ርእሱ ምስ መርመረ፡ “የሆዋ ነቲ ሰማያዊ ተስፋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኣብ ውሽጠይ ኣይተኸለለይን” በለ። ሓውና ፖጀንሲን ካልኦት ብዙሓት እሙናት ክርስትያናትን፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ምውሳድ ኣቋረጹ፣ ናብ በዓል ዝኽሪ ምምጻእ ግና ኣየቋረጹን።

እቲ ኣብዚ “ኣዝዩ ኽቡር ወቕቲ” እዚ ዚግበር ዝነበረ ፍሉይ ወፈራ ስብከት፡ ብዙሓት ንበጃ የሱስ ዘለዎም ሞሳ ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ። ብ1932 ዝወጸት ቡለቲን፡ ክርስትያናት ንመልእኽቲ ሓቂ ዚሰብኩ “ናይ ሓቂ ዓየይቲ” ደኣ እምበር፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ “ቕዱሳት በዓል ዝኽሪ” ኪዀኑ ኸም ዘይብሎም ገለጸት። ብ1934 እውን፡ ቡለቲን ንኣሕዋት “ሓገዝቲ” ፈለምቲ ኪዀኑ ዕድመ ብምቕራብ፡ “ኣብ በዓል ዝኽሪ፡ 1,000 [ሓገዝቲ] ይህልዉ ደዀን ይዀኑ፧” ዚብል ሕቶ ኣቕረበት። ኢንፎርማንት ድማ ብዛዕባ ቕቡኣት ክትገልጽ ከላ፡ “ሓጐሶም ምሉእ ኪኸውን ዚኽእል፡ ኣብ ምስክርነት መንግስቲ ኣምላኽ ብምክፋል ጥራይ እዩ” በለት። እቶም ምድራዊ ተስፋ ዝነበሮም እውን ሓጐስ ዚረኽቡ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብምክፋል ምዃኑ፡ ጸኒሑ ተራእዩ እዩ። *

ሃሮልድ ኪንግ ንበይኑ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ዚገልጽ ግጥምታትን መዝሙራትን ይጽሕፍ ነበረ

ኵሎም ህዝቢ የሆዋ፡ ነታ በዓል ዝኽሪ ዚበዓለላ ምሸት፡ ከም ቅድስቲ ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። ዋላ እውን ኣጸጋሚ ዅነታት እንተ ኣጋጠሞም፡ ነቲ በዓል ከየብዓሉ ኣየሕልፍዎን እዮም። ብ1930 ፐርል ኢንግሊሽን ኦራ ሓብታን፡ በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ኣስታት 80 ኪሎ ሜተር ብእግረን ተጓዒዘን እየን። እቲ ሚስዮናዊ ዝነበረ ሃሮልድ ኪንግ ኣብ ቻይና ንበይኑ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ዚገልጽ ግጥምታትን መዝሙርን ጸሓፈ፣ ጸሊም ዘቢብን ሩዝን ተጠቒሙ ድማ ነቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኣዳለወ። ካብ ምብራቕ ኤውሮጳ ጀሚርካ ኽሳብ ማእከላይ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝነበሩ ተባዓት ክርስትያናት፡ ውግእ ወይ እገዳ እናሃለወ ኽነሱ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣብዒሎም እዮም። እንነብረሉ ቦታ ዀነ ዘለናሉ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ኣብቲ ኣዝዩ ኽቡር ወቕቲ ዝዀነ በዓል ዝኽሪ ምእንቲ ኸነኽብሮም፡ ብሓባር ንእከብ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 10 ቡለቲን ጸኒሓ ኢንፎርማንት ተባህለት፣ ሕጂ ኸኣ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ትብሃል ኣላ።