ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ዕዮና ይመርሖ

የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ዕዮና ይመርሖ

“ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን፡ በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳ. 48:17

1. ኣብዚ ቐረባ ዘመናት፡ ንክርስትያናት ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ኼጋጥሞም ጸኒሑ፧

 ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመንን ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመንን ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ * ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎም እዩ። እዚኣቶም እውን ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብብዙሓት ዘይፍቶ መልእኽቲ እዮም ዚእውጁ ነይሮም። ቍጽሮም ሒደት እዩ ነይሩ፣ ገሊኦም ሰባት ከኣ ግቡእ ትምህርቲ ኸም ዘይረኸቡ እዮም ዚቘጽርዎም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ናብ ምድሪ ምስ ተደርበየ፡ “ብብርቱዕ ቍጥዓ” እዩ ወሪድዎም። (ራእ. 12:12) እቲ ዕዮ ስብከት ከኣ ኣብቲ “ጽንኩር ግዜ” ዝዀነ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዩ ዚፍጸም።—2ጢሞ. 3:1።

2. ዕዮ ስብከት ኣብ ግዜና ምእንቲ ኺድንፍዕ፡ የሆዋ እንታይ እዩ ኺገብር ጸኒሑ፧

2 ይኹን እምበር፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ግዜና ብሰፊሑ ኺስበኽ፡ ዕላማ የሆዋ እዩ ነይሩ፣ ንዕላማ የሆዋ ኸም ዘይፍጸም ኪገብሮ ዚኽእል ከኣ ዋላ ሓደ የለን። የሆዋ ኸምቲ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ካብ ባቢሎን ሓራ ዘውጽኦም፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ እውን ካብታ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ሓራ ኣውጺእዎም እዩ። (ራእ. 18:1-4) ዚጠቕመና ነገራት ምሂሩና፡ ሰላም ብምሃብ ባሪኹና፡ ትምህርትታቱ ንኻልኦት ንኸነመሓላልፎ ኸኣ ሓጊዙና እዩ። (ኢሳይያስ 48:16-18 ኣንብብ) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺድንፍዕ፡ የሆዋ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ተጠቒሙ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራት ይቈጻጸሮ ማለት ኣይኰነን። ገሊኡ ዅነታት ነቲ ናይ ምስክርነት ዕዮና ምሹእ ሃዋሁ ፈጢሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ እተዋህበና ዕዮ ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ዘላ ዓለም ክንፍጽም ከለና ንዜጋጥመና መስጐጕትን ካልእ ጸገማትን ብሓገዝ የሆዋ ጥራይ ኢና ኽንጻወሮ እንኽእል።—ኢሳ. 41:13፣ 1 ዮሃ. 5:19

3. “ናይ ሓቂ ፍልጠት” እናወሰኸ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧

3 የሆዋ ንነብዪ ዳንኤል፡ ኣብ ዘመን መወዳእታ “ምስትውዓል” ማለት “ናይ ሓቂ ፍልጠት” (NW) እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ ንኺንበ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ። (ዳንኤል 12:4 ኣንብብ።) ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ነቲ ብሰረተ እምነት ህዝበ ክርስትያን ተቐቢሩ ዝነበረ መሰረታዊ ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ንኺርድኡ ሓጊዝዎም እዩ። ሎሚ ንህዝቡ ነቲ ናይ ሓቂ ፍልጠት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንኺዝርግሕዎ ይጥቀመሎም ኣሎ። ትንቢት ዳንኤል ኪፍጸም ከሎ ኸኣ ንርኢ ኣለና። ዳርጋ 8,000,000 ዚዀኑ ሰባት ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊጦም ኣብ መላእ ዓለም ይእውጅዎ ኣለዉ። ገለ ኻብቲ እዚ ኸም ዚከኣል ዝገበረ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና

4. ኣብ መበል 19 ዘመን መጽሓፍ ቅዱስ ብኽንደይ ቋንቋታት እዩ ተተርጒሙ ነይሩ፧

4 ሓደ ኻብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንእውጅ ዝሓገዘና ረቛሒታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ብዙሓት ሰባት ኪርከብ ምኽኣሉ እዩ። ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይንበብ ኪኽልክሉን ንዜንብብዎ ኸኣ ኪጻረርዎምን ጸኒሖም እዮም፣ ንገለ ኻብቶም ተርጐምቲ እሞ ኸኣ ቐቲሎምዎም እዮም። ኣብ መበል 19 ዘመን ግና፡ ማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ንገለ ኽፋሉ ብኣስታት 400 ቛንቋ ኸም ዚትርጐም ገይረን እየን። ኣብ መወዳእታ እቲ ዘመን እቲ ኸኣ ሓያሎ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ኽኢሎም እዮም፣ ኰይኑ ግና ቅኑዕ ፍልጠት ትምህርቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣይነበሮምን።

5. ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም እንታይ ጻዕሪ እዮም ገይሮም፧

5 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰብኩ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም፣ ከይሰልከዩ ኸኣ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ገሊጾምሎም እዮም። ብዘይካዚ፡ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞምን ዘርጊሖምን እዮም። ካብ 1950 ንነጀው ከኣ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ብምሉኡ ወይ ብኸፊሉ ብልዕሊ 120 ቋንቋ ሓቲሞም እዮም። ብ2013 ድማ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከም ብሓድሽ ተኣሪሙ ተዳለወ። እዚ ሕታም እዚ፡ ናብ ካልእ ቋንቋታት ንኺትርጐም ብዙሕ ዜሸግር ኣይኰነን። ንጹርን ብቐሊሉ ዚንበብን መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ምኽኣልና፡ ነቲ እተዋህበና ዕዮ ስብከት ንኽንፍጽም ይሕግዘና እዩ።

እዋን ሰላም ብኸመይ ከም ዝሓገዘና

6, 7. (ሀ) ኣብ ግዜና ውግእ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ፧ (ለ) ኣብ ገሊአን ሃገራት ዘሎ ተዛማዲ ሰላም ንዕዮ ስብከትና ዚጠቕሞ ብኸመይ እዩ፧

6 ኣብ መበል 20 ዘመን፡ ንቐዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ሓዊስካ፡ ሓያሎ ውግኣት ተኻይዱ እዩ። ብሰንኩ ኸኣ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሞይቶም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብ1942 ካልኣይ ውግእ ዓለም እናተኻየደ ኸሎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሪሕ ግደ ዝነበሮ ናታን ኖር፡ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ፡ “ሰላም ንሓዋሩ ኪቕጽል ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስቱ መደረ ሃበ። ብመሰረት ራእይ ምዕራፍ 17 ኸኣ እቲ ሽዑ ዚካየድ ዝነበረ ውግእ ናብ ኣርማጌዶን ዘይኰነስ፡ ናብ እዋን ሰላም ከም ዚመርሕ ዜብርህ መርትዖ ሃበ።—ራእ. 17:3, 11

7 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ኣቋረጸ፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ሰላም ሰፊኑ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ፡ ካብ 1946 ክሳዕ 2013 ብዕጡቓት ሰራዊት እተኻየደ 331 ውግኣት ነይሩ እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ሞይቶም እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ ሓያሎ ሃገራት ተዛማዲ ሰላም ነይርወን እዩ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ነቲ ዅነታት እቲ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ተጠቒሞምሉ እዮም። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ብ1944፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ 110,000 ኣይመልኡን እዮም ነይሮም። ሎሚ ግና ኣስታት 8,000,000 በጺሖም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 60:22 ኣንብብ።) ኣብ ሰላማዊ ዅነታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ብምኽኣልናስ ኣይነማስወሉንዶ፧

ምሹእ ጕዕዞ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና

8, 9. ኣብ መጐዓዝያ እንታይ ዕቤት እዩ ተራእዩ፧ እዚኸ ኣብ ዕዮና ብኸመይ እዩ ሓጊዙና፧

8 ኣብ መጐዓዝያ እተራእየ ዕቤት እውን ዕዮ ስበከት ንኼስፋሕፍሕ ሓጊዙ እዩ። ብ1900—እታ ናይ መጀመርታ ግምቢ ዘብዐኛ ካብ እትሕተም 21 ዓመት ጸኒሑ—ኣብ ምሉእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 8,000 ማካይን ጥራይ እየን ተመዝጊበን ነይረን፣ ማኪና ኽትዝውረሉ እትኽእል ጥጡሕ ጽርግያ ኸኣ ሒደት እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሓደን ፈረቓን ቢልዮን ተሽከርከርቲ ኣለዋ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ከኣ ክትጐዓዘሉ እትኽእል ጥጡሕ ጽርግያ ኣሎ። ማካይንን ጽርግያታትን ኣብ ርሑቕ ቦታታት ንዘለዉ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነብጽሓሎም ሓጊዙና እዩ። ይኹን እምበር፡ ምሹእ መጐዓዝያ እኳ እንተ ዘይብልና፡ ነዊሕ መገዲ ብእግርና ኽንጐዓዝ እውን እንተ ተገደድና፡ ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብር ንጽዕር ኢና።—ማቴ. 28:19, 20

9 ኣብ ዕዮና ኽንጥቀመሉ ዝጸናሕና ኻልእ እተፈላለየ ዓይነት መጐዓዝያታት እውን ኣሎ። ናይ ጽዕነት ማካይንን መራኽብን ባቡራትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኣብ ውሽጢ ሰሙን ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ንኸነብጽሕ ኣኽኢሉና እዩ። ነፈርቲ እውን ንሓለውቲ ወረዳን ንኣባላት ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ንሚስዮናውያንን ንኻልኦትን ናብ ዓበይቲ ኣኼባታት ቀልጢፎም ንኺበጽሑ ወይ ከኣ ንቲኦክራስያዊ መዝነት ንኺፍጽሙ ኣኽኢለናኦም እየን። ብተወሳኺ፡ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልን ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚሰርሑ ኻልኦት ኣሕዋትን ንብጾቶም ክርስትያናት ንኼተባብዑን ንኺምህሩን ናብ ሓያሎ ሃገራት ብነፈርቲ ይጐዓዙ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ መጐዓዝያ ዚርአ ዕቤት፡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነት ንኺድንፍዕ ሓጊዙ እዩ።—መዝ. 133:1-3

ቋንቋ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና

10. ‘እንግሊዝኛ ኣህጉራዊ ቛንቋ እዩ’ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

10 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ሮሜ እትቈጻጸሮ ዝነበረት ሃገራት ብዙሓት ሰባት ግሪኽኛ ይዛረቡ ነይሮም እዮም። ሎሚ እንግሊዝኛ ብዙሓት ሰባት ዚዛረቡሉ ቛንቋ እዩ። ኢንግሊሽ ኣዝ አ ግሎባል ላንጔጅ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ዳርጋ ሓደ ርብዒ ህዝቢ ዓለም እንግሊዝኛ ጽቡቕ ገይሮም ኪዛረቡ ወይ ከኣ ኪመልክዎ ይኽእሉ እዮም” በለት። እወ፡ እንግሊዝኛ ብደረጃ ኣህጉር ኣብ ንግድን ኣብ ፖለቲካን ኣብ ስነ ፍልጠትን ኣብ ቴክኖሎጅን ስለ ዚዕየየሉ፡ ሓያሎ ሰባት እንግሊዝኛ ይምሃሩ እዮም።

11. እንግሊዝኛ ኣብ ምድንፋዕ ጽሩይ ቋንቋ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧

11 እንግሊዝኛ ብብዙሓት ዚዝረበሉ ብምዃኑ፡ ጽሩይ ቋንቋ ንምድንፋዕ እውን ሓጊዙ እዩ። ንዓመታት ዚኣክል፡ ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን መጀመርታ ብእንግሊዝኛ እዩ ዚሕተም ነይሩ። ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወግዓዊ ቛንቋ ዀይኑ ዚዕየየሉ እውን እንግሊዝኛ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ንተመሃሮ ዚውሃብ ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ እዩ ዚቐርብ።

12. ጽሑፋትና ብኽንደይ ዚኸውን ቋንቋታት እዩ ተተርጒሙ ዘሎ፧ ቴክኖሎጂ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሓገዘናኸ ብኸመይ እዩ፧

12 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ንኽንሰብከሎም መሰል ስለ ዝረኸብና፡ ንጽሑፋትና ብኣስታት 700 ቛንቋ ተርጒምናዮ ኢና። ኮምፕዩተርን ከም ሜፕስ (ማልቲ ላንጔጅ ኤለክትሮኒክ ፓብሊሽን ሲስተም) ዝኣመሰለ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማትን ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ሓጊዙና እዩ። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነስፍሕን ሓድነትና ንኸነደልድልን ሓጊዙና እዩ። ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ “ጽሩይ ቋንቋ፡” ማለት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኽንዛረብ ስለ ዝኸኣልና ኸኣ ሓድነትና ብዝበለጸ ኺድንፍዕ ክኢሉ እዩ።

ሕጊ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና

13, 14. ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ሕግታትን ሕጋዊ ውሳነታትን እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧

13 ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ከም ዝረአናዮ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ካብቲ ኣብ ምሉእ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዚዓዪ ሕጊ ሮሜ ተጠቒሞም እዮም። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያናት ካብ ሕጋዊ መሰናድዎታት ይጥቀሙ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብታ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትና ዚርከበላ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ሃይማኖት፡ ናይ ምዝራብ፡ ናይ ምእካብ ናጽነት ይፈቅድ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንዘለዉ ኣሕዋት ብጋህዲ ንኺእከቡን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ንኺገብሩን ነቲ ዝፈለጥዎ ድማ ንኻልኦት ንኼካፍልዎምን ናጽነት ሂብዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ንገሊኡ መሰላት ናይ ምርካብ ናጽነት ኣብ ቤት ፍርዲ ብሕጊ ኺስረት ኣድልዩ እዩ። (ፊል. 1:7) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ስጕምቲ ምስ ተወስደ፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ይግባይ ነቲ ኸም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም መሰል ከም ዚጸድቕ እተገብረሉ ኣጋጣሚታት ውሑድ ኣይኰነን።

14 ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ኣብያተ ፍርዲ እውን ናይ ምምላኽ ናጽነትናን ንኽንሰብኽ ዘሎና መሰልን ከም ዚሕሎ ገይሩ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ቤት ፍርዲ ኣንጻርና ዝበየነሉ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ነበረ፡ ናብ ኣህጉራዊ ኣብያተ ፍርዲ ይግባይ ኢልና ኢና። ንኣብነት፡ ካብ ሰነ 2014 ጀሚሩ፡ ሰብኣዊ መሰል ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ ኣብ 57 ጕዳያት ንዓና ዚድግፍ ብይን በይኑ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኵለን እተን ኣብ ትሕቲ ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ ዝዀና ሃገራት ከም ዚዕየየሉ ተገይሩ እዩ። “ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት” እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዘሎ ኣብያተ ፍርዲ፡ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽንመላለስ መሰል ከም ዘሎና በይኑ እዩ።—ማቴ. 24:9

ካልእ ረቛሒታት ንዕዮና ብኸመይ ከም ዝጸለዎ

ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ንዝርግሕ ኣሎና

15. ኣብ መስርሕ ሕትመት እንታይ ምዕባለ እዩ ተራእዩ፧ እዚኸ ብኸመይ እዩ ሓጊዙና፧

15 ኣብ ኢንዱስትሪ ሕትመት እተራእየ ምዕባለታት፡ ኣብ ምድንፋዕ እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። እቲ 1450 ኣቢሉ ብዮሃንስ ጉተንበርግ እተማህዘ ጥንታዊ ዓይነት ማሕተም ንዘመናት ኪዕየየሉ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዘመናት ግና፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ሕትመት እዚ ዘይብሃል ለውጢ ተራእዩ እዩ። ዝዓበያን ዝቐልጠፋን ዝማዕበላን ዓይነት ሓተምቲ ተማሂዘን እየን። ዋጋ ወረቐት ኰነ ዋጋ ምጥርናፍ መጻሕፍቲ እናሓሰረ መጸ። ኣብ መስርሕ ሕትመት እተራእየ ምዕባለ፡ ብብዝሕን ብዓይነትን እተመሓየሸ ጽሑፋት ንኺሕተም ሓጊዙ እዩ። እዚ ዅሉ ንዕዮና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ እታ ናይ መጀመርታ ግምቢ ዘብዐኛ (ሓምለ 1879) ብ6,000 ቕዳሕ ጥራይ እያ ተሓቲማ። እታ ሕታም እቲኣ፡ ስእሊ ዚብሃል ኣይነበራን፡ ብእንግሊዝኛ ጥራይ ከኣ እያ ተሓቲማ። ሎሚ ድሕሪ 136 ዓመት፡ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብልዕሊ 50,000,000 ቅዳሕ ትሕተምን ትዝርጋሕን ኣላ። ብዘይካዚ፡ ምሉእ ሕብሪ ዘለዎ ማራኺ ስእልታት ዘለዋ ዀይኑ ብልዕሊ 200 ቛንቋ ትርከብ እያ።

16. (ሀ) ኣብ መላእ ዓለም ንኽንሰብኽ ዝሓገዘና ምህዞታት እንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 24 ዘላ ስእሊ ርአ።)

16 ገለ ኻብቲ ኣብ ዝሓለፈ 200 ዓመት ህዝቢ ኣምላኽ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እተጠቕሙሉ ዓይነት ምህዞታት ቴክኖሎጂ እሞ ንሕሰብ። ኣቐድም ኣቢልና፡ ባቡራትን ማካይንን ነፈርትን ጠቒስና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ብሽክለታታት፡ ማካይን ጽሕፈት፡ መሳርሒታት ብረይል፡ ተሌግራፋት፡ ተሌፎናት፡ ካሜራታት፡ ቀረጽቲ ድምጽን ቪድዮን፡ ረድዮታት፡ ተሌቪዥናት፡ ተንቀሳቓሲ ስእልታት፡ ኮምፕዩተራት፡ ከምኡ እውን ኢንተርነት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። እዚ ነገራት እዚ፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብር እተዋህበና መዝነት ንኽንፍጽም ብእተፈላለየ መገድታት ሓጊዙና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ ጽሑፋትን ንምሕታም ከም ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝኣመሰለ ጥሪት ኣህዛብ ብጥበብ ንጥቀመሉ ብምህላውና፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ‘ጸባ ኣህዛብ ከም ዚጠብዉ’ ዚገልጽ ትንቢት ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ።—ኢሳይያስ 60:16 ኣንብብ።

17. (ሀ) እዚ መርትዖ እዚ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኸም እንበጽሕ እዩ ዚገብረና፧ (ለ) የሆዋ “መዓይይቱ’ ንኽንከውን ዝፈቐደልና ስለምንታይ እዩ፧

17 ኣምላኽ ንዕዮና ይባርኾ ኸም ዘሎ ዜርኢ ኣየ ኸመይ ዝበለ ድልዱል መርትዖ ዀን እዩ ዘሎና! የሆዋ ዕላማኡ ንኺፍጽም ኣባና ኸም ዘይምርኰስ ፍሉጥ እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ‘መዓይይቱ’ ንኽንከውን ስለ ዝፈቐደልና፡ ንዕኡን ንብጻይናን ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ኽኢልና ኢና። (1 ቈረ. 3:9፣ ማር. 12:28-31) ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ፡ ማለት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽ ተዋሂቡና ዘሎ ኣጋጣሚ ንጠቐመሉ። ሃየ እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ዕዮና ይመርሖን ይባርኾን ብምህላዉ ሞሳና ንግለጽ።

^ ሕ.ጽ. 1 ብ1931 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ስም ሓዙ።—ኢሳ. 43:10