ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ከምኡ ዝዀነ፡ ስለ ዝሰመርካዮ እዩ”

“ከምኡ ዝዀነ፡ ስለ ዝሰመርካዮ እዩ”

“ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ ብግህዶ እውድሰካ ኣለኹ።”—ሉቃ. 10:21

1. ንየሱስ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ባህ ንኺብሎ’ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

የሱስ ክርስቶስ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ባህ ኪብሎ ኸሎ’ ኸመይ ከም እተሰምዖ ኽትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ፍሽኽታ ነይርዎ፡ ኣብ ኣዒንቱ ኸኣ ሓጐስ ይንበብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንኺሕጐስ ዝደረኾኸ እንታይ እዩ፧ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ን70 ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ልኢኽዎም ነይሩ እዩ። ነቲ እተዋህቦም መዚ ብኸመይ ከም ዚፍጽምዎ ኪፈልጥ ተሃንጥዩ ነይሩ እዩ። እቶም በላሕትን ምሁራትን ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዚርከብዎም ብዙሓት ጸላእቲ እቲ ብስራት ነይሮም እዮም። እዚኣቶም፡ ንየሱስ ከም ተራ ጸራቢ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ከም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ገይሮም ንኺርእይዎም ንሓያሎ ሰባት ጽልዋ ይገብሩሎም ነበሩ። (ግብ. 4:13፣ ማር. 6:3) ይኹን እምበር፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ዕዮኦም ብሓጐስ ተመልሱ። ካብ ኣጋንንቲ እውን ከይተረፈ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም ሰቢኾም እዮም። ንኺሕጐሱን ንኺተብዑን ዝሓገዞምከ እንታይ እዩ፧—ሉቃስ 10:1, 17-21 ኣንብብ።

2. (ሀ) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ቈልዑ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ሓቅታት ንኺፈልጡ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

2 የሱስ ንየሆዋ፡ “ኦ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ ብግህዶ እውድሰካ ኣለኹ። እወ፡ ኦ ኣቦይ፡ ከምኡ ዝዀነ፡ ስለ ዝሰመርካዮ እዩ” ኸም ዝበሎ ኣስተብህል። (ማቴ. 11:25, 26) የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ቓል ብቓሉ ሕጻናት ከም ዝነበሩ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጥበበኛታት ዝነበሩ ኣስተውዓልትን ምሁራትን ኪነጻጸሩ ኸለዉ፡ ቈልዑ መሲሎም ይርኣዩ ኸም ዝነበሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዝያዳ ኸኣ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ቈልዑ ብምዃን ትሑታትን ተቐበልትን ኪዀኑ ምሂርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 18:1-4) ትሑታት ብምዃኖምከ ብኸመይ እዮም ተጠቒሞም፧ እቶም ዜላግጹሎም ዝነበሩ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ብትዕቢቶምን ብሰይጣንን ኪዓውሩ ኸለዉ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ግና ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ሓቅታት ንኺፈልጡ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ሓጊዝዎም እዩ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 የሱስ ኣዝዩ እንተ ተሓጐሰ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። የሆዋ ንትሑታት ዘበሉ ዅሎም ዓይነት ሰባት፡ ትምህርቶም ወይ እቲ ብተውህቦ ዝረኸብዎ ፍልጠት ብዘየገድስ፡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት ዝገለጸሎም መገዲ፡ ንየሱስ ኣሐጒስዎ እዩ። እወ፡ የሆዋ ነቲ ትምህርቲ እተዋህበሉ መገዲ ሰሚርዎ እዩ። ሎሚኸ የሆዋ ተለዊጡ ድዩ፧ ሕጂ እውን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ዚውሃበሉ መገዲ ኸም ዚሰምሮ ብኸመይ እዩ ዜርኢ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንምርምር ከለና፡ ንሕና እውን ከም የሱስ ክንሕጐስ ኢና።

ዕምቈት ዘለዎ ሓቅታት ንዅሎም ሰባት ምግላጽ

4. እቲ ብቕልል ዝበለ ቛንቋ እተዳለወ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ፍቕራዊ ውህበት ምዃኑ እተረጋገጸ ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ውድብ ኣምላኽ ብቐሊልን ንጹርን መገዲ ዚውሃብ ትምህርቲ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸተጐልሕ ጸኒሓ እያ። ሰለስተ ኣብነት ንርአ። መጀመርታ፡ እቲ ብቕልል ዝበለ ቛንቋ እተዳለወ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ንርአ። * እዚ ሕታም እዚ፡ ነቶም ቋንቋ ዚኸብዶም ወይ ንባብ ዚጽግሞም ሰባት ፍቕራዊ ውህበት ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። ርእስታት ስድራ ቤት፡ እዛ መንፈሳዊ ምግቢ እንረኽበላ ቐንዲ መትረብ ዝዀነት መጽሔት ክትጽናዕ ከላ፡ ደቆም ብዝያዳ ኸም ዚሳተፉ ተገንዚቦም እዮም። ሓያሎ ሰባት ድማ ልባዊ ምስጋናኦም ዚገልጽ ደብዳበታት ጽሒፎም እዮም። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሓሳብ ንምሃብ ትፈርህ ከም ዝነበረት ገለጸት። ነቲ ብቕልል ዝበለ ቛንቋ እተዳለወ ሕታም ክትጥቀመሉ ምስ ጀመረት ግና፡ “ሕጂ ኻብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ እየ ዝምልስ፡ ፍርሀይ ከኣ ጠፊኡ እዩ። ንየሆዋን ንዓኻትኩምን አመስግነኩም” በለት።

5. እተመሓየሸ ሕታም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧

5 ካልኣይ፡ እቲ ኣብ 5 ጥቅምቲ 2013 ኣብ እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ ብእንግሊዝኛ ዝወጸ፡ እተመሓየሸ ሕታም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም እዩ። * ሕጂ መብዛሕትኡ ጥቕስታት ዝወሓደ ቓላት እኳ እንተለዎ፡ ትርጕሙ ኣይተቐየረን፣ ብዝያዳ ኸኣ እዩ ነጺሩ። ንኣብነት፡ እዮብ 10:1 ካብ 27 ቃላት ናብ 19 ቓላት እዩ ጐዲሉ፣ ምሳሌ 8:6 ድማ ካብ 20 ቓላት ናብ 13 ቓላት እዩ ጐዲሉ። ይኹን እምበር፡ ክልቲኡ ጥቕስታት፡ ኣብቲ ሓድሽ ሕታም ብዝያዳ እዩ ነጺሩ። ንዓሰርተታት ዓመታት ብተኣማንነት ዘገልገለ ሓደ እሙን ቅቡእ ሓው፡ “ንመጽሓፍ እዮብ በዚ ሓድሽ ሕታም እዚ እንደገና ምስ ኣንበብክዋ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኸም እተረድኣትኒ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለ። ሓያሎ ኻልኦት እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቦም እዮም።

6. ብዛዕባ እቲ ንማቴዎስ 24:45-47 ብዚምልከት ኣብ ዝነበረና ግንዛበ እተገብረ ምትዕርራይ እንታይ ይስምዓካ፧

6 ሳልሳይ፡ ገለ ኻብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግንዛበ እተገብረ ምትዕርራያት እውን ንርአ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2013 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ፡ ብዛዕባ “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝነበረና ግንዛበ ብምንጻሩ ኣሐጒሱና እዩ። (ማቴ. 24:45-47) እቲ እሙን ባርያ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ከም ዝዀነ፡ “ኣገልገልቲ ቤት” ከኣ ቅቡኣት ይኹኑ ኻልኦት ኣባጊዕ ብዘየገድስ፡ ኵሎም መንፈሳዊ ምግቢ ዚምገቡ ሰባት ምዃኖም ተገሊጹ እዩ። (ዮሃ. 10:16) ነዚ ሓቅታት እዚ ኽትመሃርን ንኻልኦት ክትምህርንሲ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰነ እዩ። የሆዋ በየናይ ካልእ መገድታት እዩ ነቲ ብቕልል ዝበለን ንጹርን ኣገባብ ዚውሃብ ትምህርቲ ኸም ዝሰመሮ ዘርኣየ፧

ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልል ዝበለ መገዲ ምግላጽ

7, 8. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢታዊ ጽላሎት ዘለዎ እንታይ ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል፧

7 ንየሆዋ ኸተገልግሎ ኻብ እትጅምር ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበርካ እንተ ዄንካ፡ ጽሑፋትና ንሓያሎ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጸሉ መገዲ ኸም እተቐየረ ኣስተብሂልካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ጽሑፋትና ንጸብጻብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ናይ ዝዓበየ ነገር ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዘለዎ ገይሩ እዩ ዚገልጾ ነይሩ። ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ በዚ መገዲ እዚ ኽንገልጾ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎናዶ፧ እወ። ንኣብነት፡ የሱስ ብዛዕባ “ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ” ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 12:39, 40 ኣንብብ።) ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ንእተወሰነ መዓልትታት ምጽናሑ ትንቢታዊ ጽላሎት እቲ የሱስ ኣብ መቓብር ዝጸንሓሉ እዋናት ምዃኑ፡ የሱስ ገሊጹ ኣሎ። ከመይሲ፡ የሆዋ ንዮናስ ብህይወት እንተ ዘየጽንሖ፡ ከብዲ እቲ ዓሳ መቓብር ዮናስ ምዀነ ነይሩ።

8 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትንቢታዊ ፍጻመ ዘለዎ ኻልእ ጸብጻባት እውን ሒዙ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንገለ ኻብዚ ጸብጻባት እዚ ገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብርሃም ምስ ኣጋርን ምስ ሳራን ዝነበሮ ርክብ፡ ነቲ የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤልን ምስ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽን ዝነበሮ ርክብ ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዝነበሮ ዜመልክት እዩ ነይሩ። (ገላ. 4:22-26) ብተመሳሳሊ፡ ማሕደርን ቤተ መቕደስን፡ መዓልቲ ምትዕራቕ፡ ሊቀ ኻህናት፡ ከምኡ እውን ካልእ መዳያት ሕጊ ሙሴ፡ “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት” ሒዙ ነበረ። (እብ. 9:23-25፣ 10:1) ነዚ ትንቢታዊ ጽላሎት ዝነበሮ ጸብጻባት ምጽናዕና ዜሐጕስን ንእምነትና ዜደልድልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ሰብ ኰነ፡ ፍጻመ ዀነ፡ ወይ ኣቕሓ ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ነገር ከም ዜመልክት ጌርና ኽትገልጾ ንኽእል ዲና፧

9. ብዛዕባ ናቦት ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብኸመይ እዩ ዚግለጽ ነይሩ፧

9 ኣብ ዝሓለፈ፡ ጽሑፋትና ንገሊኡ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ መገዲ እዚ እዩ ዚገልጾ ነይሩ። ንኣብነት፡ ነቲ ብዛዕባ ናቦት ዚገልጽ ጸብጻብ ንርአ፣ እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ እታ እክይቲ ዝነበረት ንግስቲ ኢዛቤል፡ ሰብኣያ ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ምእንቲ ኺወርስ ኢላ ንናቦት ብዘይፍትሓዊ መገዲ ኸም ዚፍረድን ከም ዚቕተልን ገበረት። (1 ነገ. 21:1-16) ብ1932፡ እቲ ጸብጻብ እቲ ትንቢታዊ ፍጻመ ኸም ዘለዎ ተገሊጹ ነይሩ። ኣከኣብን ኢዛቤልን ንሰይጣንን ንውድቡን ከም ዜመልክቱ፡ ናቦት ንየሱስ ከም ዜመልክት፡ ሞት ናቦት ከኣ ንስቕለት የሱስ ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዝነበሮ ተገሊጹ ነይሩ። ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ ግና፡ ኣብታ “ለት ዩር ኔም ቢ ሳንክቲፋይድ” (ስምካ ይቀደስ) ዘርእስታ ብ1961 እተሓትመት መጽሓፍ፡ ናቦት ንቕቡኣት ከም ዜመልክት፡ ኢዛቤል ከኣ ንህዝበ ክርስትና ኸም እተመልክት ተገልጸ። እቲ ኢዛቤል ኣብ ናቦት ዘውረደቶ ግፍዒ ኸኣ፡ ነቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ንቕቡኣት ዚበጽሖም መስጐጕቲ ኸም ዜመልክት ተገልጸ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ መገዲ እዚ ጌርካ ምግላጹ፡ ንእምነት ዜደልድል ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ኵነታት እተለወጠ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧

10. (ሀ) ምስትውዓል ንገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምግላጽ ዝያዳ ጥንቃቐ ንኺግበር ዝሓገዘ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ጽሑፋትና ብዝያዳ ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር፧

10 ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ የሆዋ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝያዳ ኣስተውዓሊ ኪኸውን ሓጊዝዎ እዩ። ሕጂ እቲ እሙን ባርያ፡ ዝያዳ ኣስተውዓሊ ብምዃኑ፡ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንጹር ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ ትንቢታዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ገይሩ ንኸይገልጽ ዝያዳ ጥንቃቐ ይገብር ኣሎ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሓደ ነገር ትንቢታዊ ጽላሎት ናይ ዝዓበየ ነገር ከም ዝዀነ ዚውሃብ ዝነበረ ገሊኡ መግለጺታት ንኽትርድኦን ንኽትዝክሮን ንኽትትግብሮን ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። ብዝያዳ ድማ፡ ኣብ ትንቢታዊ ትርጕም ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣትኵሮ ይግበረሉ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኺመሓላለፍ ዚድለ ስነ ምግባራውን ግብራውን ትምህርቲ ኸይተመሓላለፈ እዩ ዚተርፍ። ስለዚ፡ ሎሚ ጽሑፋትና ኣብቲ ኻብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ፡ ከም እምነትን ተጻዋርነትን ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ካልእ ኣገዳሲ ባህርያትን ዚድህስስ ቀሊልን ግብራውን ዝዀነ ትምህርቲ እዩ ዜተኵር። *

ኣብነት ናቦት ሓያል ትምህርቲ ይምህረና (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. (ሀ) ሎሚ፡ ንጸብጻብ ናቦት ብኸመይ ኢና እንርድኦ፧ እቲ ንሱ ዝገደፎ ኣብነትከ ንዅላትና ኺጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሕታማትና ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ንገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዝዓበየ ነገር ትንቢታዊ ጽላሎት ከም ዝዀነ ገይሩ ብዙሕ ዘይገልጽ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብዛ ሕታም እዚኣ፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።)

11 ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እቲ ብዛዕባ ጸብጻብ ናቦት ዘሎና ምርዳእ፡ ዝያዳ ንጹርን ቅልል ዝበለን እዩ። እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ዝሞተ፡ ትንቢታዊ ጽላሎት የሱስ ወይ ቅቡኣት ብምዃን ዘይኰነስ፡ ንጽህናኡ ብምሕላዉ እዩ። ኣብ ቅድሚ ንስልጣን ዚዕምጽጽ ሓያል ገዛኢ፡ ንሕጊ የሆዋ ተኣዘዘ። (ዘሁ. 36:7፣ 1 ነገ. 21:3) ንሕና እውን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽንያት መስጐጕቲ ኼጋጥመና ስለ ዚኽእል፡ ካብ ኣብነቱ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:12 ኣንብብ።) ኵሎም ክርስትያናት፡ ነዚ እምነት ዜደልድል ትምህርቲ እዚ ኺርድእዎን ኪዝክርዎን ኪትግብርዎን ይኽእሉ እዮም።

12. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻባት እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም ዘይብልና፧ (ለ) ብዛዕባ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ነገራት እውን ከይተረፈ፡ ንጹር ምርዳእ ኪህልወና ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

12 እሞኸ፡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ትምህርቲ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካልእ ትርጕም ከም ዘይብሉ ጌርና ኽንድምድም ይግብኣና ድዩ፧ ኣይፋልናን። ሎሚ ሕታማትና፡ ሓደ ነገር ብዝያዳ ንኻልእ ነገር ከም ዜዘኻኽረና ወይ ንኻልእ ነገር ከም ዜረድኣና ደኣ እዩ ዚምህረና እምበር፡ ትንቢታዊ ጽላሎት ናይ ሓደ ነገር ከም ዝዀነ ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ። ንኣብነት፡ ናቦት ኣብ ቅድሚ መስጐጕትን ሞትን ንጽህናኡ ምሕላዉ፡ ንንጽህና ክርስቶስን ንንጽህና እቶም ቅቡኣትን እዩ ዜዘኻኽረና። ይኹን እምበር፡ ንንጽህና ሓያሎ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ጐይታ እውን ኬዘኻኽረና ይኽእል እዩ። የሆዋ ብቕልል ዝበለን ንጹርን መገዲ ይምህረና ኸም ዘሎ እምበኣር ፍሉጥ እዩ። *

ንምሳሌታት የሱስ ብቕልል ዝበለ መገዲ ምግላጽ

13. ሎሚ ንገሊኡ ምሳሌታት የሱስ ብቕልል ዝበለን ንጹርን መገዲ ኸም እንገልጾ ዚሕብር እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

13 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት እቲ ዝዓበየ መምህር እዩ። ሓደ ኻብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላታት ኣመሃህራ፡ ምሳሌታት እዩ። (ማቴ. 13:34) ምሳሌታት ንኣእምሮና ዜነቓቕሕን ንልብና ዚትንከፍን ስእላዊ ዘረባ እዩ። እሞኸ፡ ጽሑፋትና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንምሳሌታት የሱስ እውን ብቕልል ዝበለን ንጹርን መገዲ ኺገልጾ ጸኒሑ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ። ናይ 15 ሓምለ 2008 ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ማይ ብሑቝን ብዛዕባ ፍረ ኣድርን ብዛዕባ መርበብን እተጠቕመሉ ምሳሌ ብቕልል ዝበለ መገዲ ንኽንርድኦ ሓጊዛትና እያ። እዚ ምሳሌታት እዚ ነታ ንናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብዛ እክይቲ ዓለም ንኺወጹ ዝሓገዘቶም መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜመልክት ብንጹር ክንርዳእ ክኢልና ኢና።

14. (ሀ) ንዛንታ እቲ ሳምራዊ ብኸመይ ኢና እንገልጾ ኔርና፧ (ለ) ሎሚ ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ዛንታ እቲ ሳምራዊ ብኸመይ ኢና እንርድኦ፧

14 ብዛዕባ እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ዝያዳ ዝርዝር ነጥብታት ዘለዎ ዛንታታትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ገሊኡ ምሳልያውን ትንቢታውን እዩ፣ ገሊኡ ኸኣ ግብራዊ ትምህርቲ እዩ ዜጕልሕ። ግናኸ፡ ሓደ ዛንታ ምሳሌያዊ ምዃኑን ዘይምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ በብቝሩብ እናነጸረ መጺኡ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ቅድሚ ሕጂ እንህቦ ዝነበርና መግለጺ እሞ ንመርምር። (ሉቃ. 10:30-37) ብ1924 እተሓትመት ግምቢ ዘብዐኛ፡ እቲ ሳምራዊ ንየሱስ ከም ዜመልክት፡ እቲ ኻብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ዚወስድ ቍልቁል መገዲ ነቲ ኣብ ኤደን ካብ እተፈጸመ ዕልወት ንነጀው ኣብ ደቂ ሰብ እተራእየ ምንቍልቋል ከም ዜመልክት፡ እቶም ከተርቲ ንዓበይቲ ኩባንያታትን ንስሱዓት ነጋዶን ከም ዜመልክቱ፡ እቲ ኻህንን እቲ ሌዋውን ከኣ ጽላሎት ህዝበ ክርስትና ኸም ዝነበሩ ሓቢራ ነይራ። ሎሚ ግና፡ ጽሑፋትና ነዚ ምሳሌ እዚ ንዅሎም ሰባት ብዘይ ሌላን ጕሌላን፡ ብፍላይ እኳ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም ከም ዘሎና ንምዝኽኻር እዩ ዚጥቀመሉ። የሆዋ ንትምህርታቱ ብንጹር መገዲ ይገልጸልና ብምህላዉስ ኣየሐጕሰናንዶ፧

15. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

15 ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግል ዝሃቦ ምሳሌ ኽንምርምር ኢና። (ማቴ. 25:1-13) የሱስ፡ እቶም ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰዓብቱ ነቲ ምሳሌ እቲ ብኸመይ ኪርድእዎ እዩ ደልዩ ነይሩ፧ ኵሉ እቲ ኣብቲ ምሳሌ ዘሎ ሰብ፡ ነገር፡ ወይ ፍጻመ ትንቢታዊ ጽላሎት ነይርዎ ድዩ፧ ወይስ የሱስ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኪጠቕመና ዚኽእል ግብራዊ ትምህርቲ ኺንቀስም እዩ ደልዩና፧ እስከ ንርአ።

^ ሕ.ጽ. 4 እቲ ብቕልል ዝበለ ቛንቋ እተዳለወ ሕታም፡ ብሓምለ 2011 መጀመርታ ብእንግሊዝኛ እዩ ተዳልዩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኸኣ ብሒደት ካልእ ቋንቋታት ኪዳሎ ጸኒሑ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 እቲ እተመሓየሸ ሕታም ብኻልእ ቋንቋታት እውን ንኺትርጐም ምድላዋት ይግበር ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 10 ንኣብነት፡ ኢሚተይት ዘያር ፈይዝ (ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ታሪኽ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ 14 ሰባት ብሰፊሑ ትትርኽ እያ። እቲ ትምህርቲ ኣብቲ ኽንመሃረሉ እንኽእል ግብራዊ ነጥብታት ደኣ እምበር፡ ኣብ ምሳልያዊ ወይ ትንቢታዊ ትርጕም ዜተኰረ ኣይኰነን።

^ ሕ.ጽ. 12 ቃል ኣምላኽ፡ “ንምስትውዓሉ ዜሸግር” ዚመስል ነገራት ከም ዚርከቦ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኡ ጽሑፋት ጳውሎስ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም እዮም ጽሒፎም። ሎሚ እውን መንፈስ ቅዱስ ንክርስትያናት ንመለኮታዊ ሓቅታት፡ እንተላይ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ብቐሊሉ ንኺርድኡ ይሕግዞም ኣሎ።—2 ጴጥ. 3:16, 17፣ 1 ቈረ. 2:10