ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሚያዝያ 2015

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 1 ሰነ ኽሳዕ 28 ሰነ 2015 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ኣቱም ሽማግለታት፡ ንኻልኦት ምስልጣን ብኸመይ ትርእይዎ፧

ንኻልኦት ብምስልጣን እተዓወቱ ሽማግለታት ዝሃብዎ ሸውዓተ ርእይቶ ኣንብብ።

ሽማግለታት ብኸመይ ከም ዜሰልጥኑ

ሽማግለታት ካብቲ የሱስ እተጠቐመሉ ኣገባብ ስልጠና ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም፣ ሰልጠንቲ ኸኣ ኣብነት ኤልሳእ ኪስዕቡ ይኽእሉ እዮም።

ታሪኽ ህይወት

“ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን” ዝረኸብክዎ በረኸት

ታሪኽ ህይወት ትሮፊም ንሶምባ፡ እሙን ኴንካ ንኽትቅጽል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ፣ ንሱ ነቲ ብምኽንያት እምነቱ ኣብ ማላዊ ዘጋጠሞ ጭካነ ዝመልኦ መስጐጕቲ ብተጻዋርነት ሓሊፍዎ እዩ።

ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ድልዱል ድዩ፧

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ንዝዀነ ይኹን ርክብ የደልድሎ እዩ። ንስኻኸ ነዚ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ከተውዕሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ወትሩ ኣብ የሆዋ ተወከል!

ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ክትምስርት እኳ እንተ ጸዓርካ፡ ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ።

ውገዳ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ብዙሕ ስቓይ ዜምጽእ ተግባር፡ ንዅሉ ዚጠቅም ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

እተቘርጸ ኦም መሊሱ ኺጥጥዕ ይኽእልዶ፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ተስፋ ይጸልዎ እዩ።