ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ድልዱል ድዩ፧

ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ድልዱል ድዩ፧

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።” ያእ. 4:8

1. ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነደልድሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ርእስኻ ወፊኻ እተጠመቕካ ናይ የሆዋ ምስክር ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ኣዝዩ ኽቡር ጥሪት ኣሎካ፣ ንሱ ኸኣ፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ብሕታዊ ርክብ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ርክብ እዚ፡ ካብዛ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ዘይፍጹም ስጋና እውን መጥቃዕቲ የጋጥሞ እዩ። እዚ ፈታኒ ዅነታት እዚ ድማ ንዅሎም ክርስትያናት እዩ ዜጋጥሞም። ስለዚ፡ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣዝዩ ድልዱል ኪኸውን ኣለዎ።

2. (ሀ) ርክብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።) (ለ) ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነደልድሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ድልዱል ድዩ፧ ብዝያዳ ኸተደልድሎ ትደሊዶ፧ ያእቆብ 4:8 ብኸመይ ከምኡ ኽትገብር ከም እትኽእል ክትገልጽ ከላ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ትብል። እቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ፡ ንዓኻን ንየሆዋን ዜጠቓልል እዩ። * ንሕና ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንቀርቦ ስጕምቲ ኽንወስድ ከለና፡ ንሱ ድማ ናባና ይቐርብ እዩ። ነዚ ብተደጋጋሚ ኽንገብሮ ኸለና፡ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብዝያዳ እናደልደለ እዩ ዚኸይድ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንሱ ብዝያዳ ጋህዲ ስለ ዚዀነልና፡ ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ዓይነት ተኣማንነት ከነጥሪ ንኽእል ኢና፣ ንሱ፡ “እቲ ዝለኣኸኒ . . . ናይ ሓቂ እዩ፡ . . . እፈልጦ እየ” በለ። (ዮሃ. 7:28, 29) ይኹን እምበር፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትቀርብ፡ እንታይ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል፧

ምስ ኣምላኽ ክትዘራረብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)

3. ምስ የሆዋ ኽንዘራረብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ምስ የሆዋ ወትሩ ምዝርራብ፡ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ናብኡ ንምቕራብ እንወስዶ ስጕምቲ እዩ። ምስ ኣምላኽ ብኸመይ ኢኻ ኽትዘራረብ እትኽእል፧ ኣብ ርሑቕ ቦታ ምስ ዚነብር ፈታዊኻ ብኸመይ ኢኻ እትዘራረብ፧ ምናልባት ደብዳበ ትጸሓሓፉ፡ ወይ ከኣ ብተደጋጋሚ ተሌፎን ትደዋወሉ ትዀኑ። ንየሆዋ እውን በቲ ኣዘውቲርካ እተቕርቦ ጸሎት ኣቢልካ ኽትዛረቦ ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 142:2 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ወትሩ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ብምስትንታንን፡ የሆዋ ኺዛረበካ ኸሎ ኽትሰምዖ ትኽእል ኢኻ። (ኢሳይያስ 30:20, 21 ኣንብብ።) እዚ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ የሆዋን ዘሎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መስመር፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም ዜደልድሎን ንዕኡ ናይ ሓቂ ዓርክና ንኽንገብሮ ብኸመይ ከም ዚሕግዘናን እስከ ንርአ።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ —የሆዋ ንዓኻ ዚዛረበሉ መገዲ

4, 5. የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዚዛረበካ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

4 መጽሓፍ ቅዱስ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዚኸውን መልእኽቲ ኣምላኽ ዝሓዘ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኸመይ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኸም እንኽእል ይገልጽ ድዩ፧ እወ፡ ይገልጽ እዩ። ብኸመይ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ኸተንብቦን ከተጽንዖን ከለኻ፡ ነቲ ዚብሎ ኣስተብህለሉ፣ ብኸመይ ኣብ ኵነታትካ ኽትትግብሮ ከም እትኽእል ድማ ሕሰብ፣ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ብቓሉ ገይሩ ንኺዛረበካ ትፈቕደሉ ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ምስኡ ብዝያዳ ንኽትቀራረብ ኪሕግዘካ እዩ።—እብ. 4:12፣ ያእ. 1:23-25

5 ንኣብነት፡ ነቲ፡ “ኣብ ምድሪ መዝገብ ኣይትግበሩ” ዚብል ቃላት የሱስ ኣንብቦ እሞ ኣስተንትነሉ። ህይወትካ ድሮ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ እንተ ዀይኑ፡ ንቓላት የሱስ ከተንብብ ከለኻ፡ የሆዋ ይንእደካ ኸም ዘሎ ዀይኑ ኺስምዓካ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንህይወትካ ብዝያዳ ዝቐለለ ኽትገብሮን ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ኸተተኵርን ከም እትኽእል እንተ ተገንዚብካ፡ የሆዋ ናብኡ ምእንቲ ኽትቀርብ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ክትዓይየሉ ዚግባእ ነጥቢ እዩ ዚሕብረካ ዘሎ።—ማቴ. 6:19, 20

6, 7. (ሀ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ ንሕና ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ዀነ ነታ ንሱ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ዚጸልዋ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና፡ ዕላማና እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧

6 መጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ከነመሓይሸሉ እንኽእል መዳያት ጥራይ ኣይኰነን ዚሕብረና። ነቲ ፍቕሪ ዝመልኦ መገድታት የሆዋ ንዘሎና ሞሳ እውን የዕብዮ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸም እነፍቅሮ እዩ ዚገብረና። ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኽትዓቢ ኸላ ድማ፡ እታ ንሱ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ እውን ስለ እትዓምቝ፡ ምስኡ ዘሎና ርክብ ኪድልድል ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 8:3 ኣንብብ።

7 ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ኽንቀርቦ እንተ ደሊና፡ ካብ ቅኑዕ ዕላማ ተበጊስና ኸነጽንዕ ኣገዳሲ እዩ። ዮሃንስ 17:3፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ትብል። ስለዚ፡ ዕላማና ንየሆዋ ላዕሊ ላዕሉ ጥራይ ክንፈልጦ ዘይኰነስ፡ ብዝያዳ ጋህዲ ኽሳዕ ዚዀነልና ብዛዕባኡ ‘ንኽንፈልጥ’ ኪኸውን ኣለዎ።—ዘጸኣት 33:13 ኣንብብ፣ መዝ. 25:4

8. (ሀ) እቲ ኣብ 2 ነገስት 15:1-5 ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ ንንጉስ ኣዛርያ ዝሓዘሉ መገዲ፡ እንታይ ሕቶ ኸም ዚልዓል እዩ ዚገብር፧ (ለ) ንየሆዋ እንፈልጦ ምዃንና፡ በቲ ዚወስዶ ስጕምቲ ንኸይንጠራጠር ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ንየሆዋ ብዝያዳ እንተ ቐሪብናዮ፡ ኣብ ገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚርከብ ስጕምቲ የሆዋ ኽንሓስብ ከለና፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኣይክንጭነቕን ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸመይ ይስምዓካ፧ (2 ነገ. 15:1-5) “እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን” እኳ እንተ ነበረ፡ ኣዛርያ ግና ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ እዩ ዚገብር ነይሩ።’ ይኹን እምበር፡ “እግዚኣብሄር . . . ነቲ ንጉስ ወቕዖ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ለምጻም ኰነ።” ስለምንታይ፧ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እዚ ኣይሕብረናን እዩ። እሞኸ እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ኬጨንቐና ይግባእ ድዩ፧ ወይ ከኣ የሆዋ ንኣዛርያ ብዘይ ምኽንያት ከም ዝቐጽዖ ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ዚገብር ድዩ፧ ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ዓሚቝ ፍልጠት እንተ ኣልዩና፡ ከምኡ ኣይስምዓናን እዩ። እቲ ፍልጠት እቲ ኸኣ፡ የሆዋ ወትሩ “ብልክዕ” ከም ዚግስጽ ንዚገልጽ ሓቂ ዜጠቓልል እዩ። (ኤር. 30:11) ከምዚ ዓይነት ፍልጠት፡ ነቲ የሆዋ ንኣዛርያ ዝቐጽዓሉ ምኽንያት እኳ እንተ ዘይፈለጥናዮ፡ ፍርዱ ጻድቕ ምዃኑ ኸም እንተኣማመን ኪገብረና ይኽእል እዩ።

9. የሆዋ ንኣዛርያ ብለምጺ ዝወቕዓሉ ምኽንያት ዜብርህ እንታይ ተወሳኺ ነጥብታት ኣሎ፧

9 ይኹን እምበር፡ ንጕዳይ ኣዛርያ ብዚምልከት፡ ኣብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንጉስ ኣዛርያ፡ ንጉስ ኡዝያ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ነይሩ እዩ። (2 ነገ. 15:7, 32) ኣብቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 26:3-5, 16-21 ዚርከብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኡዝያ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንግዜኡ ቕኑዕ ዘበለ እኳ እንተ ገበረ፡ ጸኒሑ ግና “ልቡ ንጥፍኣቱ ተዐበየሉ።” ብትዕቢት ተደሪኹ ድማ፡ ካብቲ ዘለዎ ስልጣን ወጻኢ ዝዀነ ስራሕ ካህናት ኪሰርሕ ፈተነ። ሰማንያን ሓደን ካህናት ተቓወምዎ፣ ኪእርምዎ ኸኣ ፈተኑ። እሞኸ ኡዝያ ሰሚዕዎምዶ፧ ኣይፋሉን፣ ኣመና ተዓብዩ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ካህናት ‘ኰረየሎም።’ በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ብለምጺ ወቕዖ።

10. ብዛዕባ ስጕምትታት የሆዋ መብርሂ ዜድልየና ወትሩ ዘይኰነ ስለምታይ እዩ፧ ኣብ መገድታት ጽድቂ የሆዋ ዘሎና ምትእምማን ከነደልድል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ካብዚ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧ ኣብዚ ምስ ኣዛርያ ዚተሓሓዝ ጕዳይ፡ ነቲ ነጥቢ ዜብርህ ተወሳኺ ሓሳብ ንረክብ ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ሓበሬታ ዘይህበሉ ጸብጻባት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና እንገብር፧ ንጽድቂ ኣምላኽ ዲና ኣብ ሕቶ እነእትዎ፡ ወይስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዚገብር፡ ኣብ ርእሲኡ እውን ንሱ ንቕኑዕን ንጌጋን ዚምልከት ስርዓት ኬውጽእ ከም ዚኽእል ዚሕብር እኹል ሓበሬታ ኸም ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና፧ (ዘዳ. 32:4) የሆዋ ጋህዲ እናዀነልና ኪኸይድ ከሎ፡ ንመገድታቱ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን እውን እናዓበየ ስለ ዚኸይድ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዚወስዶ ስጕምቲ ምኽንያቱ ኽንርድኦ ኣየድልየናን እዩ። ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዚዛረበሉ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዖን ነስተንትነሉን እንተ ዄንና፡ እቲ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ኺዓምቝ እዩ። (መዝ. 77:12, 13) እዚ ኸኣ፡ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብዝያዳ ኸም ዚድልድልን ንዕኡ ኸም እንቐርቦን እዩ ዚገብረና።

ጸሎት —ንስኻ ንየሆዋ እተዛረበሉ መገዲ

11-13. የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ኣብ ገጽ 19 ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ብጸሎት ኣቢልና ንየሆዋ ንቐርቦ ኢና። ብዘይካዚ፡ ብእኡ ኣቢልና ንውድሶን ነመስግኖን መምርሒ ንሓትቶን ኢና። (መዝ. 32:8) ኰይኑ ግና፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምእንቲ ኽንምስርት፡ ንሱ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ኽንኣምን ኣሎና።

12 ገሊኦም ሰባት ንጸሎት፡ ካብ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥቕሚ ዚሓልፍ ፋይዳ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ‘ንጸገምካ ብምልላይ ንሓሳብካ ብቓላት ስለ ዝገለጽካዮን ኣእምሮኻ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ስለ ዘተኰረን ጥራይ እዩ ጸሎትካ ኸም እተመለሰልካ ዀይኑ ዚስምዓካ’ ኢሎም ይሓስቡ። ጸሎት ኣብዚ እተጠቕሰ መዳይ ኪሕግዘካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ክትጽሊ ኸለኻ፡ የሆዋ ኸም ዚሰምዓካ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧

13 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ የሱስ፡ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጽኡ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንጸሎት ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ኺምልሶ ኸሎ ብዓይኑ ርእዩ እዩ። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ እውን እንተ ዀነ፡ የሱስ ብጸሎት ኣቢሉ ንሰማያዊ ኣቦኡ ብዛዕባ ስምዒቱ ይነግሮ ነበረ። እሞኸ የሆዋ ኸም ዘይሰምዖ እናፈለጠ ኸምኡ ምገበረዶ፧ ምሉእ ለይቲኸ ኺጽሊ ምሓደረዶ፧ (ሉቃ. 6:12፣ 22:40-46) ጸሎት ካብ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥቕሚ ዚሓልፍ ፋይዳ ኸም ዘይብሉ ዚፈልጥ እንተ ነይሩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺጽልዩ ምመሃሮምዶ፧ ብንጹር እምበኣር፡ የሱስ፡ ጸሎት ንየሆዋ እንዛረበሉ ናይ ሓቂ መስመር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ። . . . ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓንስ፡ ፈሊጠ ኣለኹ” በለ። ንሕና እውን፡ የሆዋ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 11:41, 42፣ መዝ. 65:2

14, 15. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበና ጕዳያት ኣነጺርና ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ (ለ) ጸሎት ንሓንቲ ሓብቲ፡ ምስ የሆዋ ዘለዋ ርክብ ንኸተደልድል ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧

14 ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበካ ጕዳያት ኣነጺርካ ትጽሊ እንተ ዄንካ፡ ነቲ የሆዋ ዚህበካ መልሲ፡ ዋላ እውን ኣዝዩ ንጹር እንተ ዘይኰነ፡ ብዝያዳ ኸተቕልበሉ ኢኻ። ጸሎትካ እንተ ተመሊሱ ድማ፡ የሆዋ ብዝያዳ ጋህዲ ኪዀነልካ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ናይ ልብኻ ኣውጺእካ ኽትነግሮ ኸለኻ፡ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ።

15 ንተመክሮ ካቲ * እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ኣዘውቲራ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትካፈል እኳ እንተ ነበረት፡ ሓጐስ ግና ኣይትረኽበሉን እያ ነይራ። ከምዚ በለት፦ “ኣገልግሎት ኣይፈቱን እየ ነይረ። ናይ ብሓቀይ እየ ዝብለኩም፡ ኣይፍተወንን እዩ ነይሩ። ካብ ዓለማዊ ስራሐይ ጡረታ ምስ ወጻእኩ፡ ሓደ ሽማግለ፡ ፈላሚት ክኸውን ኣተባብዓኒ፣ አረ ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን ዚምላእ ፎርም እውን ሂቡኒ እዩ። ፈላሚት ክኸውን ድማ ወሰንኩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣገልግሎት ክፈቱ ንኺሕግዘኒ፡ በብመዓልቱ ናብ የሆዋ ኽጽሊ ጀመርኩ።” እሞኸ የሆዋ ንጸሎታ መሊስዎዶ፧ ካቲ ኸምዚ በለት፦ “ፈላሚት ካብ ዝኸውን፡ ሕጂ ሳልሳይ ዓመተይ ሒዘ ኣለኹ። ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ግዜ ስለ ዘሕልፍን ካብ ካልኦት ኣሓት ስለ ዝመሃርን፡ ኣብ ዕዮ ምስክርነት ዘሎኒ ኽእለት በብቝሩብ ተመሓይሹ እዩ። ሎሚ ንኣገልግሎት ኣዝየ እየ ዝፈትዎ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንየሆዋ ክቐርቦ ኽኢለ እየ።” ስለዚ እምበኣር፡ ጸሎት ንካቲ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዋ ርክብ ንኸተደልድሎ ሓጊዝዋ እዩ።

እጃምና ንግበር

16, 17. (ሀ) ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ምእንቲ ኸነደልድሎን ምእንቲ ኸነዕብዮን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ፈተና ኢና ኽንምርምር፧

16 ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምምስራት፡ ኣብ ምሉእ ህይወትና ዚቕጽል እዩ። ንሱ ኪቐርበና እንተ ደሊና፡ ንሕና እውን ክንቀርቦ ኣሎና። ስለዚ፡ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብጸሎትን ኣቢልና ወትሩ ምስ ኣምላኽና ንዘራረብ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ እቲ እናዓበየ ዚኸይድ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ፡ ንፈተናታት ብዓወት ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና እዩ።

ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምምስራት፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዚቕጽል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16, 17 ርአ)

17 ይኹን እምበር፡ ካብ ልቢ እኳ እንተ ጸለና፡ እቲ ዜጋጥመና ውልቃዊ ጸገማት ኣይፍታሕን ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኺዳኸም ይኽእል እዩ። የሆዋ ብሓቂ ንጸሎትና ዚሰምዖ እንተ ዀይኑ ወይ ከኣ ንዓና ኸም ኣዕሩኹ ገይሩ ዚርእየና እንተ ዀይኑ ኽንጠራጠር ንጅምር ንኸውን። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ድልዱል ምዃኑ ብምእማን ነቲ ጸገማት ክንሰግሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነዚ ኽትምልሶ እያ።

^ ሕ.ጽ. 2 ርክብ ኪብሃል ከሎ፡ ክልተ ሰባት ብዛዕባ ንሓድሕዶም ዘለዎም ስምዒትን ዚወስድዎ ስጕምትን ዜጠቓልል እዩ። ስለዚ፡ እቶም ሰባት ነቲ ርክብ ናይ ምድልዳል ማዕረ ግደ እዩ ዘለዎም።

^ ሕ.ጽ. 15 ስም ተቐዪሩ እዩ።