ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሽማግለታት ብኸመይ ከም ዜሰልጥኑ

ሽማግለታት ብኸመይ ከም ዜሰልጥኑ

“እቲ . . . ኻባይ ዝሰማዕካዮ ነገራት፡ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚበቕዑ እሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም።”2 ጢሞ. 2:2

1. (ሀ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም እንታይ እዮም ኬስተውዕሉ ጸኒሖም፧ እዚ ንግዜና እውን ዜመልክት ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

ስልጠና ናብ ዓወት ከም ዚመርሕ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ኬስተውዕሉ ጸኒሖም እዮም። እቲ ኣበው ዝነበረ ኣብራም፡ ንሎጥ ምእንቲ ኼድሕኖ ኢሉ “ፍቱናት [“ዝሰልጠኑ፡” NW] ሰብ ኣዕጢቑ” እዩ። እቶም ሰባት ከኣ ተዓዊቶም እዮም። (ዘፍ. 14:14-16) ብግዜ ንጉስ ዳዊት እውን፡ ዘመርቲ ቤት ኣምላኽ፡ ‘ንየሆዋ ምዝማር እተማህሩ’ ወይ ዝሰልጠኑ እዮም ነይሮም፣ ንየሆዋ ኸኣ ወዲሶምዎ እዮም። (1 ዜና 25:7) ሎሚ፡ ኣንጻር ሰይጣንን ሰዓብቱን መንፈሳዊ ውግእ ንዋጋእ ኣለና። (ኤፌ. 6:11-13) ብዛዕባ ስም የሆዋ ንኻልኦት ብምንጋር፡ ንየሆዋ ኽንውድሶ እውን ንጽዕር ኢና። (እብ. 13:15, 16) ስለዚ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ንኽንዕወት ክንስልጥን ኣሎና። ኣብ ጉባኤ፡ የሆዋ ንሽማግለታት ኬሰልጥኑ ሕድሪ ሂብዎም እዩ። (2 ጢሞ. 2:2) ምኩራት ሽማግለታት፡ ኣሕዋት ንመጓሰ ኣምላኽ ምእንቲ ኺኣልዩ ንኼሰልጥንዎም እንታይ ሜላታት እዮም ዚጥቀሙ ዘለዉ፧

ነቶም ዚስልጥኑ መንፈሳውነቶም ኬደልድሉ ሓግዝዎም

2. ሓደ ሽማግለ ንሓደ ተመክሮ ዘይብሉ ሓው፡ ገለ ብልሓት ቅድሚ ምስትምሃሩ፡ እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧

2 ሓደ ሽማግለ ምስ ኣታኽልተኛ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ሓደ ኣታኽልተኛ፡ ዘርኢ ቕድሚ ምዝራኡ፡ እቲ መሬት ዝያዳ ፍርያም ምእንቲ ኪኸውን ይድኵዖ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ሽማግለ ንሓደ ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሉ ሓው፡ እተፈለለየ ብልሓት ቅድሚ ምስትምሃሩ፡ ንልቢ እቲ ዚስልጥን ሓው ምእንቲ ኼዳልዎ፡ ገለ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬካፍሎ ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ጢሞ. 4:6

3. (ሀ) ሓደ ሽማግለ ነቲ ኣብ ማርቆስ 12:29, 30 ዚርከብ ቃላት የሱስ፡ ምስ ሓደ ዚስልጥን ሓው ኣብ ዚገብሮ ዝርርብ ብኸመይ ኪጥቀመሉ ይኽእል፧ (ለ) ሓደ ሽማግለ ዜቕርቦ ጸሎት ንሓደ ዚስልጥን ሓው እንታይ ጽልዋ እዩ ኺገብረሉ ዚኽእል፧

3 ሓቂ ንኣተሓሳስባን ተግባራትን ሓደ ስልጠና ዚውሃቦ ሓው ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ኸም ዝገበረሉ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ‘ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይካ፡ ንህይወትካ ንእትጥቀመሉ መገዲ ብኸመይ እዩ ጸልይዎ፧’ ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና እነገልግሎ ብኸመይ ምዃኑ፡ ትርጕም ዘለዎ ምይይጥ ንኽንገብር ክትመርሓና ትኽእል እያ። (ማርቆስ 12:29, 30 ኣንብብ።) ምናልባት ንዝርርብኩም ብጸሎት ክትድምድሞ ትኽእል ኢኻ፣ ኣብ ጸሎትካ ኸኣ የሆዋ፡ ነቲ ሓው ኣብ ስልጠናኡ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንኺሕግዞ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓው ኣብ ክንዳኡ ዄንካ ልባዊ ጸሎት ከተቕርብ ኪሰምዓካ ኸሎ ኣዝዩ ኸም ዚህነጽ ፍሉጥ እዩ።

4. (ሀ) ንሓደ ስልጠና ዚውሃቦ ሓው መንፈሳዊ ምዕባለ ንኺገብር ኪሕግዞ ዚኽእል ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ጥቐስ። (ለ) ሽማግለታት ንኻልኦት ኬሰልጥኑ ኸለዉ እንታይ ሸቶ እዮም ኣብ ኣእምሮኦም ኪሕዙ ዘለዎም፧

4 ስልጠና ኽትህብ ከለኻ፡ መጀመርታ ነቲ እተሰልጥኖ ሓው ፍቓደኛን እሙንን ትሑትን ንኪኸውን ኪሕግዞ ዚኽእል ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣካፍሎ። (1 ነገ. 19:19-21፣ ነህ. 7:2፣ 13:13፣ ግብ. 18:24-26) ልክዕ ከምቲ ድዅዒ ንመሬት ዚጠቕሞ፡ እዚ ባህርያት እዚ እውን ነቲ ሰልጣኒ ይጠቕሞ እዩ። ንመንፈሳዊ ዕቤቱ የቀላጥፎ እዩ። ኣብ ፈረንሳ ዚነብር፡ ዥን ክሎድ ዝስሙ ሽማግለ፡ “ከሰልጥን ከለኹ ቐንዲ ሸቶይ ዝገብሮ፡ ነቲ ዚስልጥን ሓው፡ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ንኺህልዎ ምሕጋዝ እዩ። እቲ ዚስልጥን ሓው ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ‘ተኣምራት’ ኪርኢ ‘ኣዒንቱ ምእንቲ ኪኽፈተሉ፡’ እተወሰነ ጥቕስታት ሓቢርና እነንብበሉ ኣጋጣሚታት አናዲ እየ” በለ። (መዝ. 119:18) ሓደ ዚስልጥን ሓው ንኺድልድል ኪሕግዞ ዚኽእል እንታይ ተወሳኺ መገድታት ኣሎ፧

ሸቶታት ኬውጽኡ ርእይቶ ሃብ፣ ዚስልጥኑሉ ምኽንያት ግለጽ

5. (ሀ) ሓደ ሽማግለ ንዜሰልጥኖ ሓው ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታት ኬዘራርቦ ኣገዳሲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሽማግለታት ነቶም ገና ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ኣሕዋት ኬሰልጥንዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

5 ነቲ ስልጠና እትህቦ ሓው፡ ‘እንታይ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣሎካ፧’ ኢልካ ሕተቶ። ንጹር ዝዀነ ሸቶ ኸም ዘለዎ እንተ ዘይጠቒሱ፡ ርትዓውን ኪብጻሕ ዚኽእልን ሸቶ ኼውጽእ ሓግዞ። ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ንርእስኻ ዘውጻእካዮ ፍሉይ መንፈሳዊ ሸቶ ጥቐሰሉ፣ ሸቶኻ ምስ ወቓዕካ ድማ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐስካ ብውዕዉዕ ስምዒት ገለጸሉ። እዚ ሜላ እዚ ቐሊል ዚመስል እኳ እንተ ዀኑ፡ ውጽኢታዊ እዩ። ሽማግለን ፈላምን ዝዀነ ቪክቶር ዝስሙ ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብር ሓው፡ “መንእሰይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ሸቶታተይ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እተመርጻ ሒደት ሕቶታት ሓተተኒ። እተን ሕቶታት ብዛዕባ ኣገልግሎተይ ኣርዚነ ንኽሓስብ ሓጊዘናኒ እየን” በለ። ምኩራት ሽማግለታት፡ ንኣሕዋት ካብ ንእስነቶም፡ ማለት ኣብ መጀመርታታት ዕድመ ዀተቴ ኸለዉ ኣትሒዝካ ምስ ዕድሚኦም ዚኸይድ ዕዮታት ጉባኤ ብምሃብ ከተሰልጥኖም ኣገዳሲ ምዃኖም ኣጕሊሖም እዮም። መንእሰያት ካብ ግዜ ንእስነቶም ኣትሒዞም ስልጠና እንተ ረኺቦም፡ ኣብ መወዳእታታት ዕድመ ዀተቴ እተፈላለየ ዕንቅፋታት ኬጋጥሞም ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶ ንኼተኵሩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።—መዝሙር 71:5, 17 ኣንብብ። *

ሓደ ዕዮ ስለምንታይ ኪዕይየ ኸም ዜድሊ ግለጽ፣ ነቲ ዕዮ እቲ ንምፍጻም ጻዕሪ ምስ ተገብረ ኸኣ ንኣድ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-8 ርአ)

6. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኼሰልጥኖም ከሎ፡ እንታይ ኣገዳሲ ሜላ እዩ ተጠቒሙ፧

6 ንሓደ ዚስልጥን ሓው፡ እንታይ ከም ዚገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ነገር እቲ ስለምንታይ ኪገብሮ ኸም ዘለዎ እውን ምስ እትገልጸሉ ንኼገልግል ባህጊ ኸተሕድረሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓው ንሓደ ነገር ዚገብረሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ምስ እትገልጽ፡ ነቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ትመስሎ ኣለኻ ማለት እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንሃዋርያቱ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ መዝነት ቅድሚ ምሃቡ፡ ስለምንታይ ኪእዘዙ ኸም ዘለዎም ዜብርህ ምኽንያት ሂብዎም እዩ። ከመይሲ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ” ምስ በለ እዩ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ዚብል ትእዛዝ ዝሃቦም። (ማቴ. 28:18, 19) ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘሰልጠነሉ መገዲ ብኸመይ ክትቀድሖ ትኽእል፧

7, 8. (ሀ) ሎሚ ሽማግለታት ነቲ የሱስ ንምስልጣን ዚጥቀመሉ መገድታት ዚቐድሕዎ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ንሓደ ዚስልጥን ሓው ምንኣድ፡ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ (ሐ) ሽማግለታት ንኻልኦት ንምስልጣን ዚሕግዞም ርእይቶታት እንታይ እዩ፧ (“ብኸመይ ከም እተሰልጥን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

7 ነቲ ዚስልጥን ሓው፡ ሓደ ዕዮ ንኺዓዪ ኽትሓትቶ ኸለኻ፡ እቲ ዕዮ እቲ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ግለጸሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺሓስብ ትምህሮ። ንኣብነት፡ ንሓደ ሓው፡ ኣፍ ደገ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኼጽርን ንእግሪ ዚዓናቕፍ ነገራት ኬልግስን ትሓትቶ ትኸውን። ቲቶስ 2:10 ኣንቢብካ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምጽብባቕ ዚዓይዮ ዕዮ፡ ‘ንትምህርቲ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚስልሞ’ ግለጸሉ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ሓው ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣረጋውያንን ዕዮኡ ብኸመይ ከም ዚጠቕሞምን ንኺሓስብ ሓግዞ። ነቲ ሓው ከተሰልጥኖ ኸለኻ ኸምዚ ዓይነት ዝርርብ ምግባርካ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሕጊ ብዝያዳ ኣብ ሰባት ንኼተኵር ይሕግዞ እዩ። ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብቲ ዚዓይዮ ዕዮ ኺጥቀሙ ኸለዉ ብምርኣዩ ኸኣ ይሕጐስ።

8 ብተወሳኺ፡ እቲ ሓው ንርእይቶታትካ ንኺትግብሮ ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ ንኣዶ። ናእዳ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ ልክዕ ከምቲ ማይ ንሓንቲ ተኽሊ ንኽትለምዕ ዚሕግዛ፡ ልባዊ ናእዳ እውን ንሓደ ዚስልጥን ሓው ዕቤት ንኺገብር ይሕግዞ እዩ።—ምስ ማቴዎስ 3:17 ኣረኣኢ።

ካልእ ብድሆ

9. (ሀ) ስልጠና ብምሃብ ዝመጸ፡ ኣብ ዝበልጸጋ ሃገራት ዚነብሩ ሽማግለታት እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) ገሊኦም መንእሰያት ኣሕዋት ንሓቂ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዘይህብዋ ስለምንታይ እዮም፧

9 ኣብ ዝበልጸጋ ሃገራት ዚነብሩ ሽማግለታት፡ ነቶም ኣብ 20ታት ወይ 30ታት ዚርከቡ እተጠምቁ ኣሕዋት ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ንኺሳተፉ ብኸመይ ከም ዚድርኽዎም፡ ብድሆ ዀይንዎም ኣሎ። ኣብ 20 ዝዀና ምዕራባውያን ሃገራት ንዚነብሩ ምኩራት ሽማግለታት፡ መንእሰያት ሓላፍነት ጉባኤ ኻብ ምቕባል ንምንታይ ከም ዜድሓርሕሩ ሓሳብ ኪህቡ ሓቲትናዮም ኔርና። መብዛሕትኦም ዝሃብዎ ምላሽ ከም ዚሕብሮ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ግዜ ንእስነቶም መንፈሳዊ ሸቶታት ንኼውጽኡ ምትባብዕ ኣይውሃቦምን እዩ ነይሩ። ገሊኦም መንእሰያት መንፈሳዊ ሸቶ ኼውጽኡ ምስ ዚደልዩ ኸኣ፡ ወለዶም ኣብ ክንዳኡ ዓለማዊ ሸቶታት ንኼውጽኡ የተባብዕዎም ነበሩ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ሂቦምዎ ኣይፍለጡን እዮም።—ማቴ. 10:24

10, 11. (ሀ) ሓደ ሽማግለ ንሓደ ሓው ኣተሓሳስባኡ ንኪቕይር በብቝሩብ ኪሕግዞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ሽማግለ ንሓደ ሓው ድራኸ ንኼሕድረሉ እንታይ ጥቕስታት እዩ ኺጥቀም ዚኽእል፧ ስለምንታይከ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

10 ሓደ ሓው ኣብ ጉባኤ ዝያዳ ንኺዓዪ ተገዳስነት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ ኣተሓሳስባኡ ንኪቕየር ዝያዳ ጻዕርን ትዕግስትን ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ኪቕየር ግና ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣታኽልተኛ፡ ንገሊኡ ተኽሊ በብቝሩብ ቀጥ ከም ዚብል ብምግባር ንዕቤቱ ዚከታተሎ፡ ንሳኻ እውን ንገሊኦም ኣሕዋት፡ ፍሉይ መሰላት ብምቕባል ዝመጸ ንዘለዎም ኣመለኻኽታ ኪቕይሩ ኸም ዘለዎም ንኺግንዘቡ በብቝሩብ ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ግናኸ ብኸመይ፧

11 ግዜ መዲብካ ምስቲ ሓው ዕርክነት መስርት። ኣብ ጉባኤ ተደላዪ ምዃኑ ሓብሮ። ድሕሪ ግዜ፡ ምስኡ ኾፍ ኢልካ እተወሰነ ጥቕስታት እናኣንበብካ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዝገበሮ ወፈያ ኸም ዚሓስበሉ ግበር። (መክ. 5:4፣ ኢሳ. 6:8፣ ማቴ. 6:24, 33፣ ሉቃ. 9:57-62፣ 1 ቈረ. 15:58፣ 2 ቈረ. 5:15፣ 13:5) ‘ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ፡ እንታይ ኢኻ ተመባጺዕካሉ፧’ ኢልካ ሕተቶ። ‘ኣብ እተጠመቕካሉ እዋን የሆዋ እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧’ ኢልካ ብምሕታት ልቡ ኽትትንክፍ ፈትን። (ምሳ. 27:11) ‘ሰይጣንከ እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧’ ኢልካ እውን ሕተቶ። (1 ጴጥ. 5:8) ከምዚ ዝኣመሰለ እተመርጸ ጥቕስታት ኣንቢብካ ምምይያጥ ሓያል ጽልዋ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ዚስልጥን ሓው ልቡ ኺትንከፍ ይኽእል እዩ።—እብራውያን 4:12 ኣንብብ። *

ኣቱም ሰልጠንቲ፡ እሙናት ኩኑ

12, 13. (ሀ) ኤልሳእ ከም ሰልጣኒ መጠን እንታይ ኣመለኻኽታ እዩ ነይርዎ፧ (ለ) የሆዋ ንኤልሳእ ስለቲ ዘርኣዮ ተኣማንነት ብኸመይ ባረኾ፧

12 ኣቱም መንእሰያት ዘበልኩም እውን፡ እታ ጉባኤ ሓገዝኩም ከም ዜድልያ ኸነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ኣብቲ ንየሆዋ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ንኽትዕወቱ ኺሕግዘኩም ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንኽንምልሳ፡ ታሪኽ ሓደ ስልጠና እተዋህቦ ጥንቲ ዝነበረ ሰብ ንመርምር።

13 ዳርጋ 3,000 ዓመት ይገብር፡ ነብዪ ኤልያስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ኤልሳእ ኣገልጋሊኡ ንኪኸውን ዓዲምዎ ነበረ። ኤልሳእ ውዓል ሕደር ከይበለ፡ ነቲ ዕድመ ተቐበሎ፣ ትሑት ዕዮ ብምዕያይ ከኣ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኤልያስ ብተኣማንነት ኣገልገሎ። (2 ነገ. 3:11) ድሕሪኡ ኤልሳእ፡ ንሽዱሽተ ዓመት ዚኸውን ስልጠና ምስ ተዋህቦ፡ እቲ ኤልያስ ዚገብሮ ዝነበረ ዕዮ ዜብቅዓሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ተገንዘበ። ሽዑ፡ ኤልያስ ነቲ ግቡእ ስልጠና ዝረኸበ ብጻዩ፡ ከይስዕቦ ነገሮ፣ ኤልሳእ ግና ሰለስተ ሳዕ፡ ከም ‘ዘይሓድጎ’ ተዛረበ። ብእተኻእለ መጠን ምስ ኣሰልጣኒኡ ኺጸንሕ ቈሪጹ ነበረ። የሆዋ ኸኣ ንኤልሳእ ስለቲ ዘርኣዮ ተኣማንነት፡ ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ኪዓርግ ከሎ፡ ብዓይኑ ንኺርኢ ኣጋጣሚ ብምሃብ ባሪኽዎ እዩ።—2 ነገ. 2:1-12

14. (ሀ) ሎሚ ስልጠና ዚውሃቦም ኣሕዋት ንኤልሳእ ኪመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ስልጠና ዚውሃቦ ሓው፡ እሙን ኪኸውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ሎሚኸ ንኤልሳእ ብኸመይ ኢኻ ኽትመስሎ እትኽእል፧ ዝዀነ ይኹን ስራሕ፡ ዋላ እውን ትሑት ዕዮ ምስ ዚውሃበካ ብኡብኡ ተቐበሎ። ንኣስልጣኒኻ ኸም ዓርኪ ረኣዮ፡ ነቲ ምእንታኻ ዚገብሮ ጻዕርታት ክሳዕ ክንደይ ከም እተማስወሉ ኸኣ ግለጸሉ። በቲ እትህቦ ምላሽ ድማ፡ ከምቲ ኤልሳእ ንኤልያስ ዝበሎ፡ ‘ኣይሓድገካን እየ’ ትብሎ ኣለኻ ማለት እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንእተዋህበካ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ብተኣማንነት ፈጽሞ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ እሙንን ሕድሪ እተጽንዕን ምዃንካ ምስ ኣርኣኻ ጥራይ እዮም ሽማግለታት፡ የሆዋ ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነት ኪውሃበካ ኸም ዚደሊ ኺፈልጡ ዚኽእሉ።—መዝ. 101:6፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:2 ኣንብብ።

ነቶም ዜሰልጥኑኹም ኣኽብርዎም

15, 16. (ሀ) ኤልሳእ ንኣስልጣኒኡ ኣኽብሮት ከም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 9 ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እንታይ ኤልሳእ ዝገበሮ ነገር እዩ ነቶም ካልኦት ነብያት ኣብኡ ምትእምማን ኬሕድሩ ዝሓገዞም፧

15 ታሪኽ እቲ ንኤልያስ ዝተክኦ ኤልሳእ፡ ሎሚ ዘለዉ ኣሕዋት ነቶም ምኩራት ሽማግለታት ብኸመይ ኬኽብርዎም ከም ዘለዎም እውን ይሕብር እዩ። ኤልያስን ኤልሳእን ኣብ ያሪኮ ንዝነበሩ እተወሰኑ ነብያት ድሕሪ ምብጻሖም፡ ክልቲኦም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ፡ “ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለ።” ሽዑ፡ ክልቲኦም በቲ ንቑጽ ምስ ተሳገሩ፡ ‘እናተዛራረቡ ይኸዱ ነበሩ።’ ኤልሳእ ኣብቲ ግዜ እቲ ዅሉ ኸም ዚፈልጥ ኰይኑ ኣይተሰምዖን። ክሳዕ እቲ ኤልያስ ካብኡ ተፈልዩ ዝኸደሉ እዋን፡ ንዅሉ እቲ ንሱ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ልቡ ኣሕዲርዎ እዩ። ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ዓረገ። ድሕሪኡ፡ ኤልሳእ ናብቲ ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተመልሰ፡ ነቲ ማይ ብባርኖስ ኤልያስ ገይሩ ወቕዖ እሞ፡ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኤልያስ ኣበይ ኣሎ፧’ በለ። እቲ ማይ ከኣ ተመቕለ።—2 ነገ. 2:8-14

16 እቲ ኤልሳእ ንመጀመርታ ግዜኡ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ምስቲ ኤልያስ ንመወዳእታ ግዜ ዝገበሮ ተኣምራት ሕደ ምዃኑስ ኣስተብሂልካዶ፧ እዚ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ኤልሳእ፡ ሓላፍነት ስለ እተረከበ፡ ካብቲ ኤልያስ ዚዓይየሉ ዝነበረ መገዲ ብእተፈልየ ኣገባብ ኪዓዪ ኸም ዘለዎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኤልያስ ኣገልግሎቱ ዚፍጽመሉ ዝነበረ መገዲ ብምስዓብ፡ ንኣሰልጣኒኡ ኸም ዜኽብሮ ኣርኣየ፣ ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ ነቶም ካልኦት ነብያት ኣብኡ ምትእምማን ኬሕድሩ ሓጊዝዎም እዩ። (2 ነገ. 2:15) ጸኒሑ ግና፡ ኣብቲ ኤልሳእ ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለሉ 60 ዓመት፡ የሆዋ ኻብቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዝበዝሐ ተኣምራት ንኺፍጽም ሓጊዝዎ እዩ። ከም ሰልጣኒ መጠን፡ እዚ ንዓኻ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፈልካ፧

17. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ስልጠና ዚውሃቦም ኣሕዋት ንኣረኣእያ ኤልሳእ ብኸመይ እዮም ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ፧ (ለ) ድሕሪ ግዜኸ የሆዋ ንእሙናት ሰልጠንቲ ብኸመይ እዩ ዚባርኾም፧

17 ኣብ ጉባኤ እተወሰነ ሓላፍነት ምስ ተቐበልካ፡ ብኡብኡ ኻብቲ ኣቐዲሙ ዚዕየየሉ ዝነበረ ኣገባብ ብእተፈልየ መገዲ ኽትዓዪ ኸም ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ለውጢ ኺግበር ዜድሊ እንተ ዀይኑ፡ በቲ ንለውጢ ብዘሎካ ድሌት ዘይኰነስ፡ ነታ ጉባኤ ብዜድልያ ነገራትን በቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃበና መምርሕን እዩ ዚውሰን። ልክዕ ከምቲ ኤልሳእ ነቲ ኤልያስ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ሜላታት ብምጥቃሙ ነቶም ብጾቱ ዝዀኑ ነብያት ኣብኡ ምትእምማን ከም ዜሕድሩ ዝገበሮም፡ ንኤልያስ ዘለዎ ኣኽብሮት ድማ ዘርኣየ፡ ንስኻ እውን ነቲ ምኩራት ሽማግለታት ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሜላታት ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ንክርስትያን ብጾትካ ኣባኻ ምትእምማን ከም ዜሕድሩ ትገብሮም፡ ነቶም ምኩራት ሽማግለታት ኣኽብሮት ከም ዘሎካ ድማ ተርኢ። (1 ቈረንቶስ 4:17 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ተመክሮ እናደለብካ ምስ ከድካ፡ ነታ ጉባኤ ምስታ እናሰጐመት እትኸይድ ዘላ ውድብ የሆዋ ማዕረ ማዕረ ንኽትከይድ ዚሕግዛ ለውጥታት ኣብ ምትግባር እጃምካ ኸም እተበርክት ፍሉጥ እዩ። የሆዋ ኸምቲ ንኤልሳእ ካብ ናይ ኤልያስ ዝዓበየ ዕዮ ንኺዓዪ ዝሓገዞ፡ ንዓኻትኩም ሰልጠንቲ እውን ካብቶም ዜሰልጥኑኹም ሽማግለታት ዝዓበየ ዕዮ ንኽትዓይዩ ኺድርኸኩም ይኽእል እዩ።—ዮሃ. 14:12

18. ሎሚ ንኣሕዋት ምስልጣን ቀዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

18 እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ዝሓለፈትን እተዋህበ ርእይቶታት፡ ንሓያሎ ሽማግለታት ግዜ መዲቦም ንኣሕዋት ንኼሰልጥኑ ኺድርኾም ተስፋ ንገብር። ብቑዓት ኣሕዋት ነዚ ስልጠና እዚ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎም፡ ንኣባጊዕ የሆዋ ኣብ ምጕሳይ ብጥበብ ንኺጥቀሙሉ ንምነ። ከምዚ ዝኣምሰለ ስልጠና፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዋ ጉባኤታት ኬደልድለን እዩ፣ ንነፍሲ ወከፍና ኸኣ ኣብቲ ዚመጽእ ኣገዳሲ ፍጻመታት እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ኪሕግዘና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ሓደ መንእሰይ ክርስትያናዊ ብስለት እንተ ኣርእዩ፡ ትሑት እንተ ዀይኑ፡ ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት እንተ ኣማሊኡ፡ ዕድሚኡ 20 እኳ እንተ ዘይመልአ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንኪኸውን ሽማግለታት ርእይቶ ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም።—1 ጢሞ. 3:8-10, 12ናይ 5 ግንቦት 2000 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 8 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 ነቲ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2012 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 14-16፡ ሕጡብ ጽሑፍ 8-13 ዚርከብ ነጥብታት፡ ከምኡ እውን ኣብታ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 16፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-3 ዘሎ ሓሳባት እውን ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ።