ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ሽማግለታት፡ ንኻልኦት ምስልጣን ብኸመይ ትርእይዎ፧

ኣቱም ሽማግለታት፡ ንኻልኦት ምስልጣን ብኸመይ ትርእይዎ፧

ንዅሉ ገጊዜኡ ኣለዎ።’መክ. 3:1

1, 2. ሓለውቲ ወረዳ ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት እንታይ እዮም ኣስተብሂሎም፧

ሓላው ወረዳ ምስ ሽማግለታት ኣኼባ ገይሩ ነበረ፣ እቲ ኣኼባ ኸኣ ናብ ምድምዳም ገጹ ይኸይድ ነበረ። እቲ ሓላው ወረዳ ነቶም ጻዕረኛታት ጓሶት (ገለ ኻባታቶም ብዕድመ ኣቦታቱ ኪዀኑ ዚኽእሉ) ምስ ጠመቶም፡ ብዝያዳ ፈተዎም። ይኹን እምበር፡ ስለ ዘተሓሳሰቦ እውን፡ “ኣቱም ኣሕዋት፡ ካልኦት ኣብ ጉባኤ ዝያዳ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስከሙ ንምስልጣኖም እንታይ ዝገበርኩምዎ ነገር ኣሎ” በሎም። እቶም ሽማግለታት፡ እቲ ሓላው ወረዳ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ በጽሖም፡ ንኻልኦት ናይ ምስልጣን ጕዳይ ብዝያዳ ኼተኵሩሉ ተላብይዎም ከም ዝነበረ ይዝክሩ እዮም። ኣብ መወዳእታ፡ ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት፡ “ሓቂ ይሓይሽ፡ ብዙሕ ኣይጸዓርናን” በለ። እቶም ካልኦት ሽማግለታት እውን ምስኡ ተሰማምዑ።

2 ንስኻ እውን ክርስትያን ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ምናልባት ከምኡ ዓይነት ምላሽ ትህብ ትኸውን። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሓለውቲ ወረዳ፡ ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት ንኣሽቱን ዓበይትን ኣሕዋት ንመጓሰ ኣምላኽ ኣብ ምእላይ ኪሕግዙ ንምስልጣን ዝያዳ ኺዕይየ ኸም ዜድሊ ኣስተብሂሎም እዮም። እዚ ግና በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧

3. (ሀ) ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ንኻልኦት ምስልጣን ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ንዅላትና ዜገድስከ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።) (ለ) ገሊኦም ሽማግለታት ንኻልኦት ኬሰልጥኑ ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ፧

3 ከም ጓሳ መጠን፡ ንኣሕዋት ምስልጣን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትስሕቶን ኢኻ። * እዘን ሕጂ ዘለዋ ጉባኤታት ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ምእንቲ ኪዀናን ሓደስቲ ጉባኤታት ምእንቲ ኺምስረታን ብዙሓት ኣሕዋት ከም ዜድልዩ ትፈልጥ ኢኻ። (ኢሳይያስ 60:22 ኣንብብ።) ቃል ኣምላኽ፡ ‘ንኻልኦት ክንምህር’ ከም ዚምሕጸነና እውን ትፈልጥ ኢኻ። (2 ጢሞቴዎስ 2:2 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ነቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሽማግለታት ዘጸገሞም፡ ንዓኻ እውን ነዚ ምትግባሩ የጸግመካ ይኸውን። እቲ ዘሎካ ግዜ ንስድራ ቤትን ንስራሕን ንናይ ጉባኤ ሓላፍነትን ንኻልእ ህጹጽ ጕዳያትን ምስ ተመቕለ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ንምስልጣን ዚኸውን ግዜ ከም ዘይብልካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኻልኦት ንምስልጣን ግዜ ኽትምድብ ስለምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ቐጺልና ንርአ።

ስልጠና—ቀዳምነት ዚውሃቦ ጕዳይ

4. ሓደ ኻብቲ ንገሊኦም ሽማግለታት ስልጠና ኻብ ምሃብ ከም ዚደናጐዩ ኺገብሮም ዚኽእል ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

4 ሓደ ኻብቲ ገሊኦም ሽማግለታት ንኻልኦት ንምስልጣን ዚኸውን ግዜ ኺምድቡ ኸም ዚኸብዶም ዚገብር ምኽንያታት እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ገሊኦም፡ ‘ስልጠና ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ኺጸንሕ ዘይክእል ካልእ ጕዳይ ጉባኤ ህጹጽ ኣይኰነን። ነቲ ስልጠና ናብ ካልእ ግዜ እንተ ኣሳጊረዮ፡ ነታ ጉባኤ ጽልዋ ኣይገብረላን እዩ’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ህጹጽ ቈላሕታኻ ዜድልዮ እተፈላለየ ጕዳያት እኳ እንተሎ፡ ንኻልኦት ስልጠና ኻብ ምሃብ ትደናጐ እንተ ዄንካ ግና፡ እዚ ኣብ መንፈሳዊ ጥዕና እታ ጉባኤ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።

5, 6. ካብቲ ሓደ መራሕ ማኪና ንማኪናኡ ዚሕዘሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ እዚኸ፡ ምስቲ ኣብ ጉባኤ ዚውሃብ ስልጠና ብኸመይ ኪመሳሰል ይኽእል፧

5 ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ሕሰብ፦ ሓደ መራሕ ማኪና፡ ማኪናኡ ብጽቡቕ ንኽትንቀሳቐስን ሞተራ ብግቡእ ንኺዓይን፡ ብስሩዕ ዘይቲ ኪቕየረላ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንማኪናኡ ነዳዲ እንተ ዘይመሊኡላ፡ ምሉእ ብምሉእ ደው ስለ እትብል፡ ነዳዲ ደኣ እምበር፡ ዘይቲ ምቕያር ክሳዕ ክንድቲ ህጹጽ ከም ዘይኰነ ይስምዖ ይኸውን። ‘ዘይቲ ንምቕያር ግዜ እንተ ስኢነ፡ እቲ ሞተር እንተ ወሓደ ንእተወሰነ እዋን ምዕያዩ ኣይተርፎን እዩ’ ኢሉ እውን ይሓስብ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እዚ እንታይ ሓደጋ እዩ ዘለዎ፧ እቲ መራሕ ማኪና፡ ነቲ ሞተር ቈላሕታ ኻብ ምሃብ ድሕር ምሕር እንተ ኢሉ፡ እታ ማኪና ምሉእ ብምሉእ ዕዮኣ ኸተቋርጽ ትኽእል እያ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ ኸኣ፡ እቲ መራሕ ማኪና፡ ንማኪናኡ ንምጽጋንን እንደገና ኸም እትዓዪ ንምግባርን ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ኬጥፍእ ይኽእል እዩ። ካብዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧

6 ሽማግለታት፡ ብቕልጡፍ ኪግበር ዜድልዮ ሓያሎ ኣገዳሲ ዕዮታት ይዓይዩ እዮም። ከምኡ እንተ ዘይገይሮም ከኣ፡ እታ ጉባኤ ኣጸቢቓ ኽትህሰ ትኽእል እያ። ስለዚ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ መራሕ ማኪና ንማኪናኡ በብግዜኡ ነዳዲ ዚመልኣ፡ ሽማግለታት እውን ‘እቲ ዚሓይሽ ብምርማር’ ዜድሊ ነገራት ኪገብሩ ኣለዎም። (ፊል. 1:10) ይኹን እምበር፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ መራሕ ማኪና፡ ዘይቲ ሞተር ምቕያር ዕሽሽ ዚብሎ፡ ገሊኦም ሽማግለታት ኣብቲ ዝያዳ ህጹጽ ዝዀነ ነገራት ኣዝዮም ትሑዛት ካብ ምዃኖም እተላዕለ፡ ንኻልኦት ምስልጣን ዕሽሽ ይብልዎ ይዀኑ። ሽማግለታት ዜድሊ ስልጠና ኻብ ምሃብ ዚደናጐዩ እንተ ዀይኖም፡ ውዒሉ ሓዲሩ እታ ጉባኤ ንዅሉ እቲ ዜድሊ ነገራት ኪኣልዩ ዚኽእሉ ብቕዓት ዘለዎም እኹላት ሽማግለታት ክትስእን ትኽእል እያ።

7. ነቶም ግዜ መዲቦም ንኻልኦት ዜሰልጥኑ ሽማግለታት ብኸመይ ክንርእዮም ይግባእ፧

7 ስለዚ እምበኣር፡ ስልጠና ቐዳምነት ኪውሃቦ ኸም ዘይብሉ ጌርና ፈጺምና ኽንሓስብ የብልናን። ኣርሒቖም ብምጥማት፡ ግዜ መዲቦም ነቶም ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ኣሕዋት ዜሰልጥኑ ሽማግለታት፡ ጥበበኛታት መገብቲ እዮም፡ ንምልእቲ እታ ጉባኤ ድማ ናይ ሓቂ በረኸት እዮም። (1 ጴጥሮስ 4:10 ኣንብብ።) እታ ጉባኤ ብኸመይ እያ እትጥቀም፧

ኣብ ምስልጣን ዚጠፍእ ግዜ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ

8. (ሀ) ሽማግለታት ንኻልኦት ንምስልጣን ዚድርኾም እንታይ እዩ፧ (ለ) እቶም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ዜገልግሉ ሽማግለታት እንታይ ህጹጽ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ (“ህጹጽ ተልእኾ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

8 እቶም ኣዝዮም ምኩራት ዝዀኑ ሽማግለታት እውን ከይተረፈ ዓቕሞም ኪፈልጡን ብዕድመ ምድፋኦም ነቲ ኣብታ ጉባኤ ብብሕቲ ኺዓይዎ ዚኽእሉ ዕዮ በብቝሩብ ኪድርቶ ኸም ዚኽእል ኪግንዘቡን ኣለዎም። (ሚክ. 6:8) “ጊዜን ኣጋጣምን” እውን ሓላፍነት ጉባኤ ንምፍጻም ኣብ ዘለዎም ዓቕሚ፡ ሃንደበታዊ ለውጢ ኼምጽእ ከም ዚኽእል ኪግንዘቡ ኣለዎም። (መክ. 9:11, 12፣ ያእ. 4:13, 14) ስለዚ፡ ኣርሒቖም ዚጥምቱ ሽማግለታት ንጥዕና ኣባጊዕ የሆዋ ልባዊ ተገዳስነት ስለ ዘለዎም፡ ንመንእሰያት ኣሕዋት ካብቲ ብተኣማንነት ንየሆዋ ብምግልጋል ዝቐሰምዎ ተመክሮ የካፍልዎም እዮም።—መዝሙር 71:17, 18 ኣንብብ።

9. እንታይ ኣብ ዚመጽእ ዚፍጸም ነገር እዩ ስልጠና ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ፧

9 ንኻልኦት ዜሰልጥኑ ሽማግለታት፡ በየናይ ካልእ ምኽንያት እዮም ነተን መጓሰ በረኸት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ ከምዚ ዚገብሩ ሽማግለታት ነታ ጉባኤ የደልድሉዋ እዮም። ብኸመይ፧ ሽማግለታት ንኻልኦት ንምስልጣን ምስ ዚጽዕሩ፡ ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ እውን ንኽትጸንዕን ሓድነት ንኺህልዋን ነታ ጉባኤ ኺሕግዝዋ ዚኽእሉ እተዳለዉ ብዙሓት ኣሕዋት ኪርከቡ ይኽእሉ እዮም። (ህዝ. 38:10-12፣ ሚክ. 5:5, 6) ስለዚ፡ ኣቱም ፍቑራት ሽማግለታት፡ ሎሚ ስልጠና ምሃብ ከም ክፍሊ ስሩዕ መዳይ ኣገልግሎትኩም ጌርኩም ንኽትርእይዎ ንምሕጸነኩም።

10. ሓደ ሽማግለ ንኻልኦት ንምስልጣን ግዜ ምእንቲ ኺረክብ፡ እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

10 ግዜኹም ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ንጥፈታት እታ ጉባኤ ንምፍጻም ስለ እተሕልፍዎ፡ ትሑዛት ምዃንኩም ዚርድኣና እኳ እንተ ዀነ፡ ንገለ ኻብቲ ግዜ እቲ ነኪኹም ንኻልኦት ንምስልጣን ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። (መክ. 3:1) ከምዚ ምግባር ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ።

ምሹእ ሃዋህው ምፍጣር

11. (ሀ) እቲ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዚነብሩ ሽማግለታት ንኻልኦት ብዛዕባ ምስልጣን ዝሃብዎ ርእይቶ ኣገዳሲ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብመሰረት ምሳሌ 15:22፡ ካልኦት ሽማግለታት ንዚህብዎ ርእይቶ ምምርማሩ ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

11 ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ኣሕዋቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ንዝሓገዙ እተወሰኑ ሽማግለታት ንኻልኦት ኬሰልጥኑ ኸለዉ እንታይ ሜላታት ከም እተጠቕሙ ሕቶ ቐሪቡሎም ነይሩ። * ኵነታቶም እተፈላለየ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሎም ዝሃብዎ ርእይቶ ግና ተመሳሳሊ እዩ። እዚ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ ስልጠና፡ “ኣብ በቦታኡ ንዘለዋ ዅለን ጉባኤታት” ዚዓዪ እዩ። (1 ቈረ. 4:17) ስለዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትቕጽልን፡ ንገለ ኻብቲ እዞም ሽማግለታት ዝሃብዎ ርእይቶታት ክንምርምር ኢና።—ምሳ. 15:22

12. ሓደ ኣሰልጣኒ እንታይ ሃዋህው እዩ ኺፈጥር ዜድልዮ፡ ስለምንታይከ፧

12 ሓደ ኣሰልጣኒ ንኼሰልጥን ምሹእ ሃዋህው ኪፈጥር ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣታኽልተኛ፡ ዘርኢ ቕድሚ ምዝራኡ፡ ነቲ መሬት ኪዅስኵሶ ወይ ኬለስልሶ ዘለዎ፡ ሓደ ዜሰልጥን ሽማግለ እውን ንሓደ ዚስልጥን ሓው ሓድሽ ብልሓት ቅድሚ ምምሃሩ፡ ኬዳልዎ ወይ ኬተባብዖ ኣለዎ። ስለዚ፡ ስልጠና ዚህቡ ሽማግለታት ንኻልኦት ንምስልጣን ምሹእ ሃዋህው ኪፈጥሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ጥንቲ ሓደ ነብዪ ንእተጠቕመሉ ሜላ ብምስዓብ እዩ። እቲ ነብዪ እንታይ ሜላ እዩ ተጠቒሙ፧

13-15. (ሀ) ነብዪ ሳሙኤል እንታይ ሓላፍነት እዩ ተቐቢሉ፧ (ለ) ሳሙኤል ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ብኸመይ እዩ ፈጺምዎ፧ (ኣብ ገጽ 3 ዘላ ስእሊ ርአ።) (ሐ) እቲ ብዛዕባ ሳሙኤል ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ሎሚ ብፍላይ ንሽማግለታት ዜገድሶም ስለምንታይ እዩ።

13 ሓደ መዓልቲ፡ ልዕሊ 3,000 ዓመት ይገብር፡ የሆዋ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ነብዪ ሳሙኤል፡ “ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፡ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ኪኸውን ቅብኣዮ” በሎ። (1 ሳሙ. 9:15, 16) ሳሙኤል፡ ከም መራሒ መጠን ዝነበሮ ግደ ኸም ዘኽተመ፡ የሆዋ ኸኣ ንዕኡ ዚትክእ መራሒ ኪቐብእ ከም ዝመዘዞ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሳሙኤል፡ ‘ነቲ ሰብ እቲ ነዚ ዕዮ ብኸመይ እየ ኸዳልዎ ዝኽእል፧’ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ሓሳብ መጸሉ እሞ፡ ውጥን ወጠነ።

14 ንጽብሒቱ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረኣዮ፡ የሆዋ ንሳሙኤል፡ “እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ” በሎ። ሽዑ፡ ሳሙኤል ነቲ ዝወጠኖ ውጥን ተግበሮ። ንሳኦል ምስኡ ኺምሳሕ ናብ መመገቢ ኣዳራሽ ዓደሞ። ንሳኦልን ንጊልያኡን ከኣ፡ ካብቲ ናይቶም ዕዱማት ዝበለጸ ቦታ፡ ካብ ስጋ እውን እቲ ዝበለጸ ግደ ሃቦም፣ ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ነዛ ምድብቲ ጊዜ እዚኣ ተነቢሩልካ እዩ እሞ፡ . . . እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ ጌርካ ብልዓዮ” በለ። ድሕሪኡ ሳሙኤልን ሳኦልን እናተዘራረቡ ናብ ቤት ሳሙኤል ከዱ። ሳሙኤል እቲ ጥዑም ምግብን ብኣእጋሮም ቀስ እናበሉ ዝገበርዎ ጕዕዞን ንዝፈጠሮ ባህ ዜብል ሃዋህው ተጠቒሙ ናብ ናሕሱ ኺድይብ ዓደሞ። ኣብቲ ህዱእ ንፋስ ዝነበሮ ምሸት ከኣ ክሳዕ ዚድቅሱ፡ “ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ምስ ሳኦል ተዛረበ።” ንጽብሒቱ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ቀብኦ፡ ሰዓሞ፡ ተወሳኺ መምርሒታት ድማ ሃቦ። ንዚመጽእ ኣዳልዩ ኸኣ ሰደዶ።—1 ሳሙ. 9:17-27፣ 10:1

15 ሳሙኤል ንሳኦል መራሕ ሃገር ኪኸውን እዩ ቐቢእዎ። እዚ ግና ምስቲ ንሓደ ሓው፡ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኪኸውን ኢልካ ዚግበር ስልጠና ፈጺሙ እተፈልየ እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ካብቲ ሳሙኤል እተጠቕመሉ ኣቀራርባ ሓያሎ ጠቓሚ ትምህርቲ ኪቐስሙ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኻብቲ ኪቐስምዎ ዚኽእሉ ትምህርቲ፡ ክልተ ንርአ።

ፍቓደኛታት ኣሰልጠንትን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽን

16. (ሀ) እስራኤላውያን፡ ንጉስ ኪነግሶም ምስ ሓተቱ፡ ሳሙኤል እንታይ ተሰምዖ፧ (ለ) የሆዋ ንሳሙኤል፡ ንሳኦል ኪቐብኦ ምስ ነገሮ፡ ሳሙኤል እንታይ ምላሽ ሃበ፧

16 ፍቓደኛታት ኩኑ፡ ሰጋእ መጋእ ኣይትበሉ። ሳሙኤል፡ እስራኤላውያን ሰብኣዊ ንጉስ ከም ዝደለዩ ምስ ሰምዐ፡ ጐሃየ፡ በቲ ህዝቢ እተናዕቐ ዀይኑ ድማ ተሰምዖ። (1 ሳሙ. 8:4-8) ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ድላዮም ኪገብረሎም ኣይደለየን ነይሩ፣ ስለዚ የሆዋ ንሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ኺሰምዖም ሰለስተ ሳዕ ነገሮ። (1 ሳሙ. 8:7, 9, 22) ምስናይዚ ግና፡ ሳሙኤል ነቲ ንዕኡ ዚትክእ ሰብ ኣይቀንኣሉን ወይ ብእኡ ኣይተመረረን። የሆዋ ንሳሙኤል፡ ንሳኦል ኪቐብኦ ምስ ነገሮ፡ ተገዲዱ ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ተኣዘዘ።

17. ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ንኣረኣእያ ሳሙኤል ብኸመይ እዮም ዚቐድሕዎ፧ እዚኸ እንታይ ዕግበት እዩ ዜምጽኣሎም፧

17 ሎሚ እውን ምኩራት ሽማግለታት፡ ልክዕ ከም ሳሙኤል፡ ንኻልኦት ብፍታው እዮም ዜሰለጥንዎም። (1 ጴጥ. 5:2) እዞም ሽማግለታት እዚኦም፡ ገለ ኻብቲ ዘለዎም ፍሉይ መሰላት ጉባኤ ኸይውሰደሎም ብምፍራህ፡ ንኻልኦት ካብ ምስልጣን ድሕር ኣይብሉን እዮም። ነቶም ብፍታው ዚስልጥኑ ኣሕዋቶም፡ ከም መወዳድርቶም ዘይኰነስ፡ ምስኦም ‘ሓቢሮም ዚዓይዩ’ ኽቡራት ውህበት ጉባኤ ኸም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። (2 ቈረ. 1:24፣ እብ. 13:16) እዞም ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዘየተኵሩ ኣሰልጠንቲ፡ እቶም ሰልጠንቲ ንኽእለቶም ኣብ ረብሓ እታ ጉባኤ ኼውዕልዎ ኺርእይዎም ከለዉ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚዓግቡ እሞ ሕሰቦ!—ግብ. 20:35

18, 19. ሓደ ሽማግለ ንልቢ ሓደ ዜሰልጥኖ ሓው ብኸመይ እዩ ኼዳልዎ ዚኽእል፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

18 ከም ዓርኪ ደኣ እምበር፡ ከም ኣሰልጣኒ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረኸቦ፡ ብኡብኡ ዘይቱ ኣልዒሉ ኣብ ርእሲ ሳኦል ብምፍሳስ ቀቢኡ ኺሰድዶ ምኸኣለ ነይሩ። ሽዑ፡ ሳኦል ሽሕ እኳ እንተ ተቐብአ፡ ነቲ ህዝቢ ኺመርሕ ግና ዘይተዳለወ ሓድሽ ንጉስ ኰይኑ ምተዓነደ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሳሙኤል ግዜ ወሲዱ ንልቢ ሳኦል በብቝሩብ ኣዳልይዎ ነይሩ እዩ። ሳሙኤል ንሳኦል ቅድሚ ምቕባኡ፡ ክልቲኦም ብሓንሳእ ተመጊቦም፡ ብእግሮም ቀስ እናበሉ ተጓዒዞም፡ ንንውሕ ዝበለ ተዘራሪቦም፡ ጽቡቕ ዕረፍቲ ድማ ገይሮም ነይሮም እዮም። እወ፡ ሳሙኤል ነቲ ሓድሽ ንጉስ ዚቐብኣሉ ምሹእ ግዜ ኽሳዕ ዚረክብ ተጸብዩ እዩ።

ንኻልኦት ምስልጣን፡ ዕርክነት ብምምስራት እዩ ዚጅምር (ሕጡብ ጽሑፍ 18, 19 ርአ)

19 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ስልጠና ዚህብ ሽማግለ፡ ንኻልኦት ቅድሚ ምስልጣኑ፡ ምስቶም ዜሰልጥኖም ኣሕዋት ጽቡቕ ሃዋህው ኪፈጥርን ዕርክነት ኪምስርትን ኣለዎ። ኵነታትን ልምድን ነፍሲ ወከፍ ሃገር እተፈላለየ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ሓደ ሽማግለ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምዉቕ ርክብ ንኺምስርት ዚወስዶ ስጕምታት እውን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እትነብረሉ ሃገር ብዘየገድስ፡ ከም ሽማግለ መጠን ስራሕ ዝበዝሓካ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሓደ እተሰልጥኖ ሓው ግዜ ትምድበሉ እንተ ዄንካ፡ “ንስኻ ንዓይ ብሓቂ እተገድስ ሰብ ኢኻ” ትብሎ ኸም ዘሎኻ እዩ ዚቝጸር። (ሮሜ 12:10 ኣንብብ።) እዚ ብተግባር ዚመሓላለፍ መልእኽቲ ኸኣ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚነብሩ ፍቓደኛታት ሰልጠንቲ ብንጹር ዚርድእዎን ኣኽቢሮም ዚርእይዎን እዩ።

20, 21. (ሀ) ንሓደ ዕዉት ኣሰልጣኒ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ እዩ ኪቐርብ፧

20 ኣቱም ሽማግለታት፡ ሓደ ዕዉት ዚብሃል ኣሰልጣኒ፡ ንኻልኦት ምስልጣን ዚፈቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዜሰልጥኖ ሰብ ኬፍቅር ከም ዘለዎ እውን ኣይትረስዑ። (ምስ ዮሃንስ 5:20 ኣረኣኢ።) ሓደ ኣሰልጣኒ ኸምዚ ዓይነት ባህርይ እንተ ኣልይዎ፡ እቲ ሰልጣኒ ነዚ ቐልጢፉ ኬቕልበሉ እዩ፣ ነቲ ስልጠና ኣብ ዚቕበለሉ መገዲ እውን ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣቱም ፍቑራት ሽማግለታት፡ ስልጠና ኽትህቡ ኸለኹም፡ ኣሰልጠንቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣዕሩኽ እውን ኩኑ።—ምሳ. 17:17፣ ዮሃ. 15:15

21 ሓደ ሽማግለ ንልቢ ሓደ ሰልጣኒ ምስ ኣዳለዎ፡ ነቲ ዜድሊ ብልሓት ኬመሓላልፈሉ እዩ ዚደሊ። እቲ ሽማግለ እንታይ ሜላታት እዩ ኺጥቀም ዚኽእል፧ እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪቐርብ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 እዛ ዓንቀጽ እዚኣን እታ እትቕጽልን ብፍላይ ንሽማግለታት ተባሂለን እየን ተዳልየን። ይኹን እምበር፡ እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ኵሎም እተጠምቁ ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ዝያዳ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስከሙ ስልጠና ኣገዳሲ ምዃኑ ኺግንዘቡ ስለ ዚሕግዝ፡ ንዅሎም ኣባላት ጉባኤ እውን ዜገድስ እዩ። ሓላፍነት ጉባኤ ዚስከሙ ዝሰልጠኑ ኣሕዋት ምስ ዚህልዉ ድማ፡ እታ ጉባኤ ብምልእታ እያ እትጥቀም።

^ ሕ.ጽ. 11 እዞም ሽማግለታት እዚኦም፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ መክሲኮ፡ ሩስያ፡ ሪዩንየን፡ በልጅዩም፡ ባንግላደሽ፡ ብራዚል፡ ናሚብያ፡ ናይጀርያ፡ ኣውስትራልያ፡ ኮሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጃፓን፡ ፈረንሳ፡ ፈረንሳይ ጊያና ዚነብሩ እዮም።