ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወትሩ ኣብ የሆዋ ተወከል!

ወትሩ ኣብ የሆዋ ተወከል!

“ኣቱም ህዝቢ፡ ኵሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉ።”መዝ. 62:8

1-3. እቲ ጳውሎስ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ትውክልቲ ዝደልደለ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ሮሜ ክርስትያን ምዃን ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ሰዓብቲ ክርስቶስ ብ64 ድ.ክ. ንኸተማ ሮሜ ብሓዊ ኸም ዘባርዕዋን ጸላእቲ ደቂ ሰብ ምዃኖምን ተኸሲሶም ስለ ዝነበሩ፡ ሓያል ጽልኢ የጋጥሞም ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበርካ ክርስትያን እንተ ትኸውን፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን መዓልቲ፡ ማእሰርቲ ወይ ስቓይ መጋጠመካ ነይሩ። ገሊኦም መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ድማ፡ ብእንስሳታት ተበሊዖም ወይ ከኣ ብህይወቶም ከለዉ ብሓዊ ነዲዶም፡ ከም ሽግ ኰይኖም ንኼብርሁ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ኵነታት እዩ ንኻልኣይ ሳዕ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኪኸውን ዘለዎ። እሞኸ ኻልኦት ክርስትያናት ይድግፍዎ ደዀን ይዀኑ፧ ጳውሎስ ኣብ ፈለማ፡ እዚ ጕዳይ እዚ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡—ኣይተሓዘሎም ደኣ እምበር፡—ሓደ እኳ ኣብ ጐድነይ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ኵላቶም ሓደጉኒ” ኢሉ ጽሒፉሉ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ደጋፊ ዘይብሉ ዀይኑ ኸም ዘይተረፈ ገሊጹ እዩ። “ጐይታ ኣብ ጐድነይ ቈመ፡ ኣበርትዓኒ ኸኣ” ኢሉ ጸሓፈ። እወ፡ ጐይታና የሱስ ንጳውሎስ፡ እቲ ዜድልዮ ብርታዐ ሂብዎ እዩ። እዚ መለኮታዊ ሓገዝ እዚ፡ ንጳውሎስ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧ ንሱ ብዛዕባ እቲ ውጽኢቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብ ኣፍ ኣንበሳ እውን ተናገፍኩ” በለ።—2 ጢሞ. 4:16, 17 *

3 ጳውሎስ ነቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ምዝካሩ፡ ኣበራቲዕዎ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ሽዑ ዜጋጥሞ ዝነበረ ዀነ ነቲ ኣብ መጻኢ ኼጋጥሞ ዚኽእል ጸገማት ብተጻዋርነት ንኺዋጽኣሉ ኸም ዚሕግዞ ኺተኣማመን ክኢሉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ጐይታ ኻብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ . . . እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (2 ጢሞ. 4:18) እወ፡ ሓገዝ ሰባት ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ የሆዋን ወዱን ዚብህዎ ደገፍ ግና ናይ ሓቂ ምዃኑ ተማሂሩ እዩ።

‘ኣብ የሆዋ እንውከለሉ’ ኣጋጣሚታት

4, 5. (ሀ) ወትሩ ኺሕግዘካ ዚኽእል መን እዩ፧ (ለ) ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ከተደልድሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

4 ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ኣጋጠመካ፡ ዚሕግዘካ ሰብ ዘይብልካ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ምናልባት ስራሕ ስኢንካ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸቕጢ ኣጋጢሙካ፡ ጸገም ጥዕና ኣጓኒፉካ፡ ወይ ከኣ ካልእ ዜጨንቕ ኵነታት ኣጋጢሙካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ካልኦት ሓገዝ እኳ እንተ ሓተትካ፡ ንሳቶም ግና ነቲ ዜድልየካ ነገራት ስለ ዘየማልኡልካ ትጕሂ ትኸውን። ገሊኡ ጸገማት ብሓገዝ ሰባት ኪፍታሕ ከም ዘይክእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ‘ብየሆዋ ኽንእመን’ ከም ዘሎና ዚገልጽ ምኽሪ፡ ከንቱ ድዩ፧ (ምሳ. 3:5, 6) ዋላ ሓንቲ ትርጕም ዘይብሉ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከምቲ ኣብ ሓያሎ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ፡ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ሓገዝ ናይ ሓቂ እዩ።

5 ስለዚ፡ ሰባት ኪሕግዙና ብዘይምኽኣሎም ኣብ ክንዲ እንጕሂ፡ ነቲ ዅነታትና ብዚምልከት ከም ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፣ እወ፡ ነቲ ዅነታትና፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም እንውከለሉን ፍቕራዊ ኽንክኑ ኸም እንርእየሉን ኣጋጣሚ ጌርና ንርኣዮ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ዀነ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ኬደልድሎ እዩ።

ኣብ የሆዋ ተወከል

6. ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ የሆዋ ምውካል ኪኸብደና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

6 ንሓደ ዜጨንቐካ ጸገም ብእተኻእለካ ዓቕሚ ባዕልኻ ኽትፈትሖ ጽዒርካን ናብ የሆዋ ጸሊኻን ንበል፣ ድሕሪኡ፡ ንሱ ኸም ዚሕግዘካ ብምትእምማን ክትሃድእ ትኽእልዶ፧ እወ፡ ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 62:8፣ 1 ጴጥሮስ 5:7 ኣንብብ።) ኣብ የሆዋ ብምውካል ከምኡ ምግባርካ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎካ ርክብ ንኸተደልድሎ ኺሕግዘካ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ ዜድልየካ ዘበለ ኸም ዜማልኣልካ ምትእምማን፡ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያት፡ የሆዋ ሓድሓደ ሳዕ ንጸሎትና ብኡብኡ ስለ ዘይምልሶ እዩ።—መዝ. 13:1, 2፣ 74:10፣ 89:46፣ 90:13፣ ኣን. 1:2

7. የሆዋ ሓድሓደ ሳዕ ንጸሎትና ብኡብኡ ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧

7 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ልመናና ብኡብኡ ምላሽ ዘይህበሉ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ምስ ናይ ወላድን ውሉድን ከም ዜመሳስሎ ኣይትረስዕ። (መዝ. 103:13) ሓደ ወላዲ ንውሉዱ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝሓተቶ ነገር ብኡብኡ ኣይህቦን እዩ። ከመይሲ፡ ገሊኡ እቲ ውሉድ ዚሓትቶ ነገራት፡ ኣብቲ ህሞት እቲ ባህ ዝበሎ ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ውሉድ ዚደልዮ ገሊኡ ነገራት ከኣ፡ ግቡእ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ጥራይ ዚውሃቦ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ድማ ነቲ ቘልዓ ዘይጠቕሞ ወይ ከኣ ንኻልኦት ዚጸሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ውሉድ፡ ዝሓተቶ ዘበለ ብኡብኡ ዚውሃቦ እንተ ዀይኑ፡ ወላድን ውሉድን ምዃኖም ተሪፉ፡ ጐይታን ባርያን ይዀኑ፣ እቲ ውሉድ ድማ እዩ ጐይታ ዚኸውን። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንዓና ዚሕሸና ስለ ዚፈልጥ፡ ንጸሎትና ቕድሚ ምምላሱ እተወሰነ ግዜ ንኺሓልፍ ኪፈቅድ ይኽእል እዩ። ንሱ ጥበበኛ ፈጣሪናን ፈቃር ጐይታናን ሰማያዊ ኣቦናን ስለ ዝዀነ፡ ከምኡ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎ። ዝሓተትናዮ ዘበለ ብኡብኡ ዜማልኣልና እንተ ዀይኑ ግና፡ እቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ፡ ግቡእ መልክዕ ኣይህልዎን እዩ።—ምስ ኢሳይያስ 29:16፣ 45:9 ኣረኣኢ።

8. የሆዋ፡ ምስ ዓቕምና ብዚተሓሓዝ እንታይ ተስፋ እዩ ሂቡና ዘሎ፧

8 የሆዋ ንዓቕምና ምሉእ ብምሉእ ይፈልጦ እዩ። (መዝ. 103:14) ስለዚ፡ ንጸገማት ብናይ ገዛእ ርእስና ብርታዐ ኽንዋጽኣሉ ኣይጽበየናን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ኣቦና መጠን ይሕግዘና እዩ። ሓቂ እዩ፡ ሓድሓድ እዋን፡ እቲ ጸገማትና ልዕሊ ዓቕምና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ኣገልገልቱ ልዕሊ እቲ ኺጻወርዎ ዚኽእሉ ንኺሳቐዩ ኣይፈቅድን እዩ። እወ፡ ‘መዋጽኦ ይገብረሎም እዩ።’ (1 ቈረንቶስ 10:13 ኣንብብ።) ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ነፍሲ ወከፍና ዘሎና ዓቕሚ ኸም ዚርድኦ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

9. የሆዋ ንኺሕግዘና ደድሕሪ ምጽላይና ቕሳነት እንተ ዘይተሰሚዑና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

9 ደድሕሪ ምጽላይና ቕሳነት እንተ ዘይተሰሚዑና፡ ነቲ ምእንታና ኢሉ ስጕምቲ ዚወስድ ኣምላኽና ንጸበዮ። ንሱ እውን ንዓና ንኺሕግዘና ኢሉ ብትዕግስቲ ኸም ዚጽበ ኣይንረስዕ። “እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዅላቶም ብጹኣን እዮም።”—ኢሳ. 30:18

“ኣፍ ኣንበሳ”

10-12. (ሀ) ንሓደ ሕዱር ሕማም ዘለዎ ኣባል ስድራ ቤት ዚከናኸን ክርስትያን፡ ኵነታት ኣጸጋሚ ኪዀኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ኣብ የሆዋ ዚውከል እንተ ዀይኑ፡ እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

10 ከቢድ ጸገም ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ኣብ ውሽጢ ወይ ከኣ ኣብ ጥቓ “ኣፍ ኣንበሳ” ዘለኻ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት እዋን ኣብ የሆዋ ምውካል ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ ንሓደ ሕዱር ሕማም ዘለዎ ኣባል ስድራ ቤትካ ትከናኸን ኣለኻ ንበል። ጥበብን ብርታዐን ምእንቲ ኺህበካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊኻ ትኸውን። * ዚከኣለካ ምስ ገበርካ፡ የሆዋ ንዅነታትካ ኸም ዚርእዮን ብተኣማንነት ንኽትጸንዕ ከም ዚሕግዘካን ብምፍላጥ ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 32:8

11 ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ኣብቲ ጸገምካ ዚሕግዘካ ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዓካን ይኸውን። ሓካይም ንሓድሕዱ ዚጋጮ ርእይቶታት ኪህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ወይ ከኣ እቶም ኬጸናንዑኻ እትጽበዮም ኣዝማድካ፡ ነቲ ዅነታትካ መሊሶም ኬጋድድዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ብርታዐ ምእንቲ ኺህበካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። ናብኡ ድማ ብዝያዳ ቕረብ። (1 ሳሙኤል 30:3, 6 ኣንብብ።) ካብቲ ጸገምካ ዕረፍቲ ምስ ረኸብካ፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኪድልድል እዩ።

12 ሊንዳ * ነቶም ቅድሚ ሙማቶም ብዙሕ ዚሓምሙ ዝነበሩ ወለዳ ኣብ ምሕጋዝ እተወሰነ ዓመታት ምስ ኣሕለፈት፡ ንሓቅነት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ነጥቢ ተመኪራቶ እያ። ከምዚ በለት፦ “ኣነን ሰብኣየይን ሓወይን ንወለድና ኽንከናኸኖም ከለና፡ እንገብሮ ይጠፍኣና ነበረ። ሓድሓደ እዋን እሞ ኸኣ፡ ኣመና ይሕርብተና ነበረ። ምልስ ኢልና ኽንሓስቦ ኸለና ግና፡ የሆዋ ምሳና ኸም ዝነበረ ብንጹር ኪርድኣና ኽኢሉ እዩ። ኣብቲ ዋላ ሓንቲ ኣማራጺ ዘይብልና ዀይኑ እተሰምዓና እዋናት እውን እንተ ዀነ፡ ኣበራቲዑናን ዜድልየና ዘበለ ኣማሊኡልናን እዩ።”

13. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ የሆዋ ምውካላ፡ ነቲ ብተኸታታሊ ዘጋጠማ ዜጨንቕ ጸገማት ንኽትዋጽኣሉ ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምትእምማን፡ ዜሕዝን ፍጻመ ኼጋጥመና ኸሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ኵነታት ራንዳ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብኣያ ኺፈትሓ እናሓሰበ ኸሎ፡ ሓዋ፡ ሉፐስ ዚብሃል ከቢድ ሕማም ከም ዘለዎ ተፈልጠ፣ እዚ ኸኣ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ሕማም እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ፡ ሰበይቲ ሓዋ ሞተት። ራንዳ ኻብዚ ዜሰምብድ ፍጻመታት ክትጸናናዕ ምስ ጀመረት፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰነት። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ኣዲኣ ሞተት። ራንዳ ነዚ ዅሉ ንኽትጻወሮ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ከምዚ በለት፦ “ንንእሽቶ ውሳነ ብዚምልከት እውን እንተ ዀነ፡ በብመዓልቱ ምስ የሆዋ እዘራረብ ነይረ። ከምኡ ምግባረይ፡ የሆዋ ጋህዲ ኸም ዚዀነለይ ገይሩ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሰይ ወይ ከኣ ኣብ ካልኦት ሰባት ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ኽውከል ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። እቲ ንሱ ዚህበኒ ዝነበረ ሓገዝ ድማ ናይ ሓቂ እዩ ነይሩ፣ ዜድልየኒ ዘበለ የማልኣለይ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ምስ የሆዋ ብቐረባ ናይ ምዕያይ ኣጋጣሚ ረኺበ እየ።”

ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዚፍትን ፈተናታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ)

14. ኣባል ስድራ ቤቱ እተወገዶ ሓደ እሙን ክርስትያን፡ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኺተኣማመን ዚኽእል፧

14 ካልእ ዜጨንቕ ኵነታት እስከ ንርአ። ሓደ እትፈትዎ ኣባል ስድራ ቤትካ ተወጊዱ ንበል። ምስ እተወገዱ ሰባት ኪህልወና ብዛዕባ ዘለዎ ርክብ ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂርካ ኢኻ። (1 ቈረ. 5:11፣ 2 ዮሃ. 10) ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ እዋን ነቲ ናይ ውገዳ ውሳነ ምቕባሉ ኣጸጋሚ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዘይከኣል ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። * ነቲ ምስ ውገዳ ዚተሓሓዝ መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ብጽንዓት ምእንቲ ኽትእዘዞ፡ ሰማያዊ ኣቦኻ ብርታዐ ኸም ዚህበካ ትተኣማመን ዲኻ፧ ነቲ ዅነታት፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ከም እተደልድለሉ ኣጋጣሚ ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእልዶ፧

15. ኣዳም ነቲ የሆዋ ኣብ ኤድን ዝሃቦ ትእዛዝ ዝጠሓሶ ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝነበረ ኣዳም እስከ ሕሰብ። ኣዳም ንየሆዋ ኸይተኣዘዘ ብህይወት ኪቕጽል ከም ዚኽእል ድዩ ዚኣምን ነይሩ፧ ኣይፋሉን፣ ከመይሲ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣዳም ከም ‘ዘይተታለለ’ እዩ ዚሕብረና። (1 ጢሞ. 2:14) ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ዘይእዙዝ ኰይኑ፧ ነቲ ሄዋን ዝሃበቶ ፍረ ኺበልዖ ዝኸኣለ፡ ምስ ሰበይቱ ናይ ምዃን ባህጊ ስለ ዝነበሮ ኪኸውን ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ኣምላኹ ዘይኰነስ፡ ንሰበይቱ ሰምዓ።—ዘፍ. 3:6, 17

16. ልዕሊ ዅሉ ንመን ኢና ኸነፍቅሮ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

16 ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንኣባላት ስድራ ቤትና ኣይነፍቅሮምን ኢና ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኰይኑ ግና፡ ልዕሊ ዅሉ ንየሆዋ ኢና እነፍቅሮ። (ማቴዎስ 22:37, 38 ኣንብብ።) ከምኡ ምግባርና፡ ነቶም ሕጂ ንየሆዋ ዜገልግሉ ዀነ ዘየገልግሉ ኣባላት ስድራ ቤትና ዚጠቅም እዩ። ስለዚ፡ ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕርን ነቲ ኣብኡ ዘሎካ ትውክልትን ኣደልድሎ። ኵነታት እቲ እተወገደ ኣባል ስድራ ቤትካ ዜጨንቐካ እንተ ዀይኑ፡ ልብኻ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብጸሎት ኣፍስስ። * (ሮሜ 12:12፣ ፊል. 4:6, 7) እቲ ዅነታትካ ልቢ ዚሰብር እኳ እንተ ዀነ፡ ነዚ ተጠቒምካ፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ብዝያዳ ኣደልድል። እዚ ኸኣ፡ ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ዝበለጸ ውጽኢት ከም ዜምጽእ ንኽትግንዘብ ኪሕግዘካ እዩ።

ክንጽበ ኸለና

ኣብ ዕዮ ስብከት ትሑዝ ብምዃን፡ ኣብ የሆዋ ኸም እትውከል ኣርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ትሑዛት እንተ ዄንና፡ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል እነርኢ ብኸመይ ኢና፧

17 ጳውሎስ ‘ካብ ኣፍ ኣንበሳ እተናገፈ’ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ስብከት ብኣይ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጸምን ኵሎም ኣህዛብ ምእንቲ ኺሰምዕዎን” በለ። (2 ጢሞ. 4:17) ንሕና እውን ከም ጳውሎስ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ትሑዛት ክንከውን ከለና፡ የሆዋ ኻልእ ዜድልየና ነገራት ‘ከም ዚውስኸልና’ ንተኣማመን ኢና። (ማቴ. 6:33) ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና፡ ‘እቲ ብስራት ሕድሪ ተዋሂቡናን’ የሆዋ ኸም ‘መዓይይቱ’ ገይሩ ይርእየናን እዩ። (1 ተሰ. 2:4፣ 1 ቈረ. 3:9) ስለዚ፡ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ብእተኻእለና መጠን ንጡፋት እንተ ዄንና፡ ካብ ስቓይና ዕረፍቲ እንረኽበሉ ግዜ ኣይኪነውሓናን እዩ።

18. ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ከነደልድሎን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ሃየ እምበኣር፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ሎሚ ነደልድሎ። ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ ዅነታት ተጠቒምና ንየሆዋ ብዝያዳ ንቕረቦ። እወ፡ ንቓል ኣምላኽ ብዕምቈት ብምጽናዕን ኣዘውቲርና ብምጽላይን ምሉእ ኣቓልቦና ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብምግባርን፡ የሆዋ ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ዅነታት ኰነ ነቲ ኣብ መጻኢ ኼጋጥመና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገራት ንኽንዋጽኣሉ ኸም ዚሕግዘና ንተኣማመን።

^ ሕ.ጽ. 2 እቲ ጳውሎስ ካብ “ኣፍ ኣንበሳ” ኸም እተናገፈ ዝገለጾ ሓሳብ፡ ቃል ብቓሉ እተፈጸመ ወይ ከኣ ምሳልያዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 10 ነቶም ምስ ሕማም ዚቃለሱን ንሕሙማት ዚኣልዩን ክርስትያናት ኪሕግዞም ዚኽእል ዓንቀጻት ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ሕታማት ንቕሑ! ዝወጸ ርአ፦ 8 ለካቲት 1994፣ 8 ለካቲት 1997፣ 22 ግንቦት 2000፣ 22 ጥሪ 2001።

^ ሕ.ጽ. 12 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ነታ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “ውገዳ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 እሙናት ኣባላት ስድራ ቤት፡ ዚፈትውዎ ኣባል ስድራ ቤቶም ንየሆዋ ኺሓድጎ ኸሎ ንዚስምዖም ስምዒት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ ዚሕግዞም ዓንቀጻት ተሓቲሙ ኣሎ። ነዘን ዚስዕባ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ርአ፦ 1 መስከረም 2006፡ ገጽ 17-2115 ጥሪ 2007፡ ገጽ 17-20