ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ተጠቒሱ ዘሎ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ መን እዩ፧

ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ንሰይጣን ድያብሎስ፡ ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ ኸም ዜመልክት፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሕታማትና ኺግለጽ ጸኒሑ እዩ። እዚ መግለጺ እዚ ዚውሃበሉ ዝነበረ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ከም መራሒ እቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍኖ ዓለምለኻዊ መጥቃዕቲ ተገሊጹ ብምህላዉ እዩ። (ራእ. 12:1-17) ስለዚ፡ ጎግ ካልእ ትንቢታዊ ስም ሰይጣን ከም ዝዀነ ጌርካ ይሕሰብ ነበረ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ዚውሃብ ዝነበረ መግለጺ፡ ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት የበግስ እዩ። ስለምንታይ፧ ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ የሆዋ ነቲ ጎግ ዝሰዓረሉ ግዜ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ጎግ ከምዚ ብምባል ተዛረበ፦ “ኪበልዑኻውን ንጋባትን ንበብዓይነቶም ዝዀኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ግዳምን ክውፍየካ እየ።” (ህዝ. 39:4) ኣስዒቡ ኸኣ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል . . . ቦታ መቓብር ክህቦ እየ። . . . ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቡን ኪቐብርዎም እዮም” በለ። (ህዝ. 39:11) ይኹን እምበር፡ መንፈሳዊ ፍጡር ‘ብኣዕዋፍን ብኣራዊት ግዳምን’ ኪብላዕ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ሰይጣን ኣብ ምድሪ “ቦታ መቓብር” ኪውሃቦ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን ከም ዚብላዕ ወይ ከም ዚቕበር ዘይኰነስ፡ ን1,000 ዓመት ኣብ መዓሙቝ ከም ዚእሰር እዩ ኣነጺሩ ዚገልጽ።—ራእ. 20:1, 2

ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት፡ ሰይጣን ካብ መዓሙቝ ኪፍታሕ እሞ፡ “ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዘለዉ ኣህዛብ፡ ማለት ንጎግን ማጎግን፡ ናብ ውግእ ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኬስሕቶም ኢሉ ኺወጽእ እዩ።” (ራእ. 20:8) ግናኸ፡ ሰይጣን ንባዕሉ ጎግ እንተ ዀይኑ ኸመይ ገይሩ እዩ ንጎግ ኬስሕቶ ዚኽእል፧ ስለዚ፡ ጎግ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ኰነ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ንሰይጣን ኣየመልክትን እዩ።

ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ደኣ እሞ መን እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚ ምእንቲ ኽንምልሳ መጀመርታ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜጥቅዖም መን ምዃኑ ቕዱሳት ጽሑፋት እንታይ ኢሉ ኸም ዚገልጽ ክንምርምር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ብ‘ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ’ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ብ“ንጉስ ሰሜን” ዚፍኖ መጥቃዕትን ብ“ነገስታት ምድሪ” ዚፍኖ መጥቃዕትን እውን ይገልጽ እዩ። (ህዝ. 38:2, 10-13፣ ዳን. 11:40, 44, 45፣ ራእ. 17:14፣ 19:19) እዚ ንእተፈላለየ መጥቃዕትታት ድዩ ዜመልክት፧ ከምኡ ኣይመስልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ ስማት ገይሩ ብዛዕባ ሓደ ዓይነት መጥቃዕቲ እዩ ዚገልጽ ዘሎ። ከምኡ ኢልና ኽንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ኣብቲ ንውግእ ኣርማጌዶን ዘለዓዕል ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኸም ዚካፈላ ይገልጸልና እዩ።—ራእ. 16:14, 16

ንዅሉ እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍኖ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ዚገልጽ ጥቕስታት ምስ እነነጻጽሮ፡ እቲ “ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ” ዚብል ስም፡ ንሰይጣን ዘይኰነስ፡ ንጕጅለ መንግስትታት እዩ ዜመልክት። ነዚ ጕጅለ እዚ ዚመርሖ፡ እቲ ምሳልያዊ “ንጉስ ሰሜን” ደዀን ይኸውን፧ ርግጸኛታት ኴንና ኸምኡ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ምስቲ የሆዋ ብዛዕባ ጎግ፡ “ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፡ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡን ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ” ብምባል እተዛረቦ ሓሳብ ዚሰማማዕ እዩ ዚመስል።—ህዝ. 38:6, 15

ብተመሳሳሊ፡ እቲ ብግዜ ህዝቅኤል ዚነብር ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል እውን ብዛዕባ ንጉስ ሰሜን ከምዚ በለ፦ “ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ወረ ኼሸብሮ እዩ እሞ፡ ንብዙሓት ኬጥፍእን ኬጽንትን ኢሉ፡ ብዓብዪ ነድሪ ኺወጽእ እዩ። ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን ድንኳናት ኣዳራሹ ኺተክል እዩ። ግናኸ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽሕ እዩ፡ ዚረድኦ ኸኣ የብሉን።” (ዳን. 11:44, 45) እዚ ኸኣ፡ ምስቲ መጽሓፍ ህዝቅኤል ብዛዕባ ንጥፈታት ጎግ ዚገልጾ ሓሳብ ዚመሳሰል እዩ።—ህዝ. 38:8-12, 16

ደድሕሪ እዚ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዜጋጥም እንታይ እዩ፧ ዳንኤል ከምዚ ብምባል ይምልስ፦ “በቲ ዘመንቲ ሚካኤል [የሱስ ክርስቶስ]፡ እቲ [ካብ 1914 ጀሚሩ] ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፡ [ኣብ ኣርማጌዶን] ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘመን ጸበባ [ብርቱዕ ጸበባ] ኪኸውን እዩ፡ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሀለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኽበ ዘበለ፡ ኪድሕን እዩ።” (ዳን. 12:1) እዚ ወኪል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ዚወስዶ ስጕምቲ ኣብ ኣብ ራእይ 19:11-21 እውን ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ኣብ ራእይ 20:8 “ጎግን ማጎግን” ተባሂሉ ዘሎኸ ደኣ ንመን እዩ ዜመልክት፧ ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ኣብ ዚህሉ ናይ መወዳእታ ፈተና፡ እቶም ካብ የሆዋ ዚዓልዉ ሰባት ከምቲ ናይተን ኣብ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜጥቅዓ ‘ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ’ እተባህላ መንግስትታት ዜርእያኦ ናይ ቅትለት መንፈስ ኬንጸባርቑ እዮም። መወዳእታ ኽልቲኦም ጕጅለታት ከኣ ናይ ዘለኣለም ሞት እዩ። (ራእ. 19:20, 21፣ 20:9) ኵሎም እቶም ዓለወኛታት ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት፡ “ጎግን ማጎግን” ኪብሃሉ እምበኣር ብቑዕ እዩ ዚመስል።

ከም ትጉሃት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መጠን፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ “ንጉስ ሰሜን” ኰይኑ ዚመጽእ መን ምዃኑ ኽንርኢ ብሃንቀውታ ንጽበ ኢና። ግናኸ፡ ነቲ ጕጅለ መንግስትታት ዚመርሖ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ነዚ ዚስዕብ ክልተ ነገር ኣረጋጊጽና ኣሎና፦ እዚ ኸኣ፡ (1) ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግን ሰራዊቱን ኪሰዓሩን ኪጠፍኡን እዮም፣ (2) እቲ ዚገዝእ ዘሎ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣድሒኑ ናብታ ሰላምን ናይ ሓቂ ደሓንን ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ኬእትዎም እዩ።—ራእ. 7:14-17