ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ተሰማሚዕካ ንበር—1ይ ክፋል

ምስታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ተሰማሚዕካ ንበር—1ይ ክፋል

“ስምካ ይቀደስ።”—ማቴ. 6:9

1. ነታ ኣብ ማቴዎስ 6:9-13 እተጠቕሰት ጸሎት፡ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧

ብዙሓት ሰባት ነታ “ኣቡነ ዘበሰማያት” እትብሃል ጸሎት፡ ብቓሎም ይወጽዋ እዮም። ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድርና ዜደንቕ ለውጢ እተምጽእ ናይ ሓቂ መንግስቲ ምዃና ንምግላጽ፡ ነታ ጸሎት ንሰብ ቤት ንጠቕሰሎም ኢና። ወይ ከኣ፡ ኣምላኽ ውልቃዊ ስም ከም ዘለዎን ንስሙ ኽንቅድሶ ኸም ዚግባእን ንምሕባር፡ ነታ “ስምካ ይቀደስ” እትብል ናይ መጀመርታ ልመና ንጠቕሳ ንኸውን።—ማቴ. 6:9

2. የሱስ፡ እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ቃል ብቓሉ ኽትድገም ከም ዘይሓሰበ ብኸመይ ንፈልጥ፧

2 የሱስ፡ ልክዕ ከምቲ ብዙሓት ምእመናን ህዝበክርስትያን ዚገብርዎ፡ እታ ጸሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ቃል ብቓሉ ኽትድገም ድዩ ሓሲቡ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ነታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ቀቅድሚ ምሃቡ፡ “ክትጽልዩ ኸለኹም፡ . . . ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 6:7) ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ጸሎት እኳ እንተ ደገማ፡ እተፈልየ ቓላት እዩ ተጠቒሙ። (ሉቃ. 11:1-4) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ፡ ኣብ ጸሎትና ኽንሓትቶ እንኽእል ነጥብታትን ነየናይ ቀዳምነት ክንህብ ከም ዘሎናን ንኽንፈልጥ ሓጊዙና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እያ እታ የሱስ ዝመሃረና ጸሎት፡ “ኣብነት እትዀነና ጸሎት” ተባሂላ እትጽዋዕ።

3. ነታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ክንምርምራ ኸለና፡ ብዛዕባ ኣየናይ ሕቶታት ኢና ኸነስተንትን እንኽእል፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ቐጺላ ዘላን፡ ንትሕዝቶ እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ክንምርምሮ ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ‘እዛ ጸሎት እዚኣ ንውልቃዊ ጸሎተይ ምእንቲ ኸመሓይሾ ኽትሕግዘኒ እትኽእል ብኸመይ እያ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስታ ጸሎት ብዚሰማማዕ መገዲ ድየ ዝነብር ዘለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

“ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና”

4. እታ “ኣቦና” እትብል ቃል እንታይ እያ እተዘኻኽረና፧ የሆዋ ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ‘ኣቦኦም’ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

4 እታ “ኣቦይ” ዘይኰነስ፡ “ኣቦና” እትብል ቃል፡ ኣባላት ንሓድሕዶም ብሓቂ ዚፋቐሩ ‘ኣሕዋት’ ምዃንና ተዘኻኽረና እያ። (1 ጴጥ. 2:17) እዝስ ከመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ! እቶም ኣምላኽ ከም ደቁ ገይሩ እተቐበሎምን ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎምን ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ንየሆዋ “ኣቦና” ኢሎም ኪጽውዕዎ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 8:15-17) እቶም ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ ንየሆዋ፡ “ኣቦና” ኢሎም ኪጽውዕዎ ይኽእሉ እዮም። ወሃብ ህይወቶም እዩ፣ ንዅሎም ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ኸኣ ዜድልዮም ዘበለ ብፍቕሪ የማልኣሎም እዩ። እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት፡ ኣብ ፍጽምና ምስ በጽሑን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ተኣማንነቶም ምስ ኣመስከሩን፡ ምሉእ ብምሉእ ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ እዮም።—ሮሜ 8:21፣ ራእ. 20:7, 8

5, 6. ወለዲ ንደቆም እንታይ ጽቡቕ ህያብ እዮም ኪህብዎም ዚኽእሉ፧ ነፍሲ ወከፍ ውሉድከ ነቲ ህያብ ብኸመይ ኪርእዮ ይግባእ፧ (ኣብ ገጽ 20 ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 ወለዲ ንደቆም ምጽላይ ኪምህርዎምን ንየሆዋ ኸም ሓላዪ ሰማያዊ ኣቦኦም ገይሮም ምእንቲ ኺርእይዎ ኺሕግዝዎምን ከለዉ፡ ጽቡቕ ህያብ እዮም ዚህብዎም። ሕጂ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜገልግል ዘሎ ሓደ ሓው፡ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ካብታ ደቅና እተወልዳላ መዓልቲ ኣትሒዘ፡ ብሓንሳእ እንተ ዘይኣሊና እንተ ዘይኰይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ምሳታተን ኰይነ እጽሊ ነይረ። ደቀይ መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቲ ቘልዑ ኸለዋ ምሸት ምሸት ዝጽልዮ ዝነበርኩ ቓላት ከም ዘይዝክራኦ ይዛረባ እየን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሃዋህውን ነቲ ህድኣትን ነቲ ሰላምን ምስቲ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ምዝርራብ ዘለዎ ቕድስናን ይዝክራኦ እየን። ሓሳባተንን ስምዒተንን ንየሆዋ ኺነግራኦ ኸለዋ ምእንቲ ኽሰምዐን፡ ካብቲ ኣፍ ዘጽረያሉ እዋን ኣትሒዘ፡ ዓው ኢለን ክጽልያ አተባብዐን ነይረ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ልበን ዘሎ ነገራት ንኽፈልጥ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸፊቱለይ እዩ። ድሕሪኡ፡ ጸሎተን ትርጉም ዘለዎ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኪጽልያ ኸለዋ ኣገዳሲ መዳያት እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ኬጠቓልላ ብለውሃት እነግረን ነይረ።”

6 እተን ንኣሽቱ ደቂ እዚ ሓውና፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት እንተ ገበራ እምበኣር ኣየገርምን እዩ። ሕጂ ዜሐጕስ ሓዳር ኣለወን፣ ምስ ሰብኡተን ብሓባር ድማ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይነን ፍቓድ ኣምላኽ ይገብራ ኣለዋ። ወለዲ ንደቆም ኪህብዎ ኻብ ዚኽእሉ ህያብ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱ ምሕጋዝ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ነቲ ኽቡር ርክብ ዓቂብካ ምቕጻል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተመርኰሰ እዩ። እዚ ኸኣ ንስም ኣምላኽ ምፍቃርን ብኣኽብሮት ምርኣይን ዜጠቓልል እዩ።—መዝ. 5:11, 12፣ 91:14

“ስምካ ይቀደስ”

7. ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘለዎም፧ እዚ ግና እንታይ ሓላፍነት እዩ ዜሰክመና፧

7 ስም ኣምላኽ ክንፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ንስሙ ዚኸውን ህዝቢ’ ብምዃን ስሙ ኽንጸውር ምኽኣልናስ፡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! (ግብ. 15:14፣ ኢሳ. 43:10) ንሰማያዊ ኣቦና፡ “ስምካ ይቀደስ” ኢልና ንልምኖ ኢና። ከምኡ ኢልና ምልማንና፡ ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ዜሕስር ዝዀነ ይኹን ነገር ከይንገብር ወይ ከይንዛረብ ምእንቲ ኺሕግዘና ኽንልምኖ እዩ ዚድርኸና። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ነቲ ዚሰብክዎ ዘይትግብርዎ ሰባት ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኦም ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይጽረፍ ኣሎ” በለ።—ሮሜ 2:21-24

8, 9. የሆዋ ነቶም ብዛዕባ ምቕዳስ ስሙ ዚግደሱ ሰባት ከም ዚባርኾም ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

8 ንስም ኣምላኽ ምእንቲ ኽንቅድሶ፡ ብዚከኣለና ኽንጽዕር ኣሎና። ሓንቲ ኣብ ኖርወይ እትነብር ሓብቲ፡ ሰብኣያ ምስ ሞተ፡ ምስቲ ወዲ ኽልተ ዓመት ወዳ በይና ተረፈት። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ህይወተይ ክንድኡ ዘጸገመኒ እዋን የልቦን። ስምዒታዊ ሚዛነይ ክሕሉ ዜኽእለኒ ብርታዐ ምእንቲ ኽረክብን ሰይጣን ብሰንኪ እቲ ኣነ ዝገብሮ ዘይጥበባዊ ውሳነ ወይ ዘይተኣማንነት ንየሆዋ ዚጸርፈሉ ምኽንያት ምእንቲ ኸይረክብን፡ በብመዓልቱ፡ አረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት እየ ዝጽሊ ነይረ። ንስም ኣምላኽ ክቕድሶን ወደይ ንኣቦኡ ኣብ ገነት እንደገና ኺርእዮን እየ ዝደሊ።”—ምሳ. 27:11

9 እሞኸ የሆዋ ንኸምዚ ዓይነት ካብ ንጹህ ልቢ ዚቐርብ ጸሎት ይምልሶ ድዩ፧ እወ፡ ይምልሶ እዩ። እታ ሓብቲ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾታ ኣዘውቲራ ትቀራረብ ስለ ዝነበረት፡ ካብኡ ደገፍ ረኸበት። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ምስ ሓደ ሽማግለ ተመርዓወት። እቲ ሕጂ ወዲ 20 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ወዳ፡ እተጠምቀ ሓው እዩ። ንሳ፡ “ሰብኣየይ ንወደይ ከዕብዮ ስለ ዝሓገዘኒ፡ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ” በለት።

10. ስም ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኪቕደስ፡ እንታይ እዩ ዜድሊ፧

10 ስም ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኪቕደስን ካብ ኵሉ ጸርፊ ናጻ ምእንቲ ኪኸውንን እንታይ እዩ ዜድሊ፧ የሆዋ ንዅሎም እቶም ደይመደይ ኢሎም ንልዑላውነቱ ዚነጽግዎ ሰባት ኬጥፍኦም ኣለዎ። (ህዝቅኤል 38:22, 23 ኣንብብ።) ሽዑ ደቂ ሰብ ቀስ ብቐስ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ነቲ ዅሎም ኣስተውዓልቲ ፍጡራት ንስም የሆዋ ዚቕድሱሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ‘ንዅሉ፡ ኵሉ ኪኸውን እዩ።’—1 ቈረ. 15:28

“መንግስትኻ ትምጻእ”

11, 12. ኣብ ከባቢ መወዳእታ መበል 19 ዘመን፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ እዮም ኣስተውዒሎም፧

11 የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ሃዋርያቱ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ ግዜ እዚዶ ናብ እስራኤል መንግስቲ ኽትመልስ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እቲ የሱስ ዝሃቦም መልሲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ምግዛእ ከም እትጅምር ዚፈልጡሉ እዋን ከም ዘይኰነ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ምስክርነት ኬተኵሩ ነገሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ብሃንቀውታ ኺጽበይዎ ምሂርዎም እዩ። ስለዚ፡ ካብ ግዜ ሃዋርያት ንነጀው ዝነበሩ ክርስትያናት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ጸልዮም እዮም።

12 መንግስቲ ኣምላኽ ብየሱስ እናተመርሐት ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝኣሉ እዋን ምስ ቀረበ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኣበየናይ ዓመት ምግዛእ ከም እትጅምር ንኼስተውዕሉ ሓጊዝዎም እዩ። ብ1876 ብቻርለስ ቴዝ ራስል እተጻሕፈት ዓንቀጽ፡ ኣብታ ባይብል ኤግዛማይነር ዘርእስታ መጽሔት ወጸት። እታ፡ “ዘመናት ኣህዛብ፦ መዓስ እየን ዚውድኣ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ን1914 ከም ኣገዳሲት ዓመት ገይራ ጠቐሰታ። ነተን ኣብ ትንቢት ዳንኤል እተጠቕሳ “ሾብዓተ ግዝያት” ድማ ምስቲ የሱስ ዝገለጾ “ምዱብ እዋናት ኣህዛብ” ኣተሓሓዘቶ። *ዳን. 4:16፣ ሉቃ. 21:24

13. ብ1914 እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ ካብ ሽዑ ንነጀው ዘሎ ፍጻመታት ዓለምከ እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧

13 ብ1914 ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ውግእ ተወልዐ፣ እዚ ውግእ እዚ ኸኣ፡ ቀስ ብቐስ ኣብ መላእ ዓለም እናተላብዐ ኸደ። እቲ ውግእ ብ1918 ኣብ እተዛዘመሉ እዋን፡ ብርቱዕ ጥሜትን ለበዳ ኢንፍሉወንዛን ስለ ዘጋጠመ፡ ካብቶም በቲ ውግእ ዝሞቱ ሰባት፡ በቲ ጥሜትን ለበዳን ዝሞቱ በዝሑ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ የሱስ ዝሃቦ ኸም ሓድሽ ንጉስ ምድሪ ዀይኑ ብዘይርአ መገዲ ምሳና ኣብዚ ኸም ዚህሉ ዚገልጽ “ምልክት” ኪፍጸም ጀመረ። (ማቴ. 24:3-8፣ ሉቃ. 21:10, 11) ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ‘ኣኽሊል እተዋህቦ’ ብ1914 ምዃኑ ዚሕብር እኹል መርትዖ ኣሎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ፡ “እናሰዓረስ ኪስዕር . . . ወጸ።” (ራእ. 6:2) ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ተዋጊኡ ንሰማይ ኣጽርይዎ እዩ፣ ንዓታቶም ከኣ ናብ ከባቢ ምድሪ ደርበዮም። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ደቂ ሰብ ንሓቅነት እዘን ዚስዕባ ቓላት ተመኪሮምወን እዮም፦ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም።”—ራእ. 12:7-12

14. (ሀ) ሕጂ እውን እንተ ዀነ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ክንጽሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧

14 እቲ ኣብ ራእይ 12:7-12 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢት፡ ውልደት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ምጅማር እቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ኣጸጋሚ ፍጻመታት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ይሕብረና። እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ኣብ መንጎ ጸላእቱ ኺገዝእ ጀሚሩ እዩ። ንመወዳእታ እዋን ክሳዕ ዚስዕርን ንእከይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዜጥፍኦን ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ እነቕርቦ ጸሎት ክንቅጽለሉ ኢና። ማዕረ ማዕሪኡ እውን፡ ኣብቲ ዜደንቕ መዳይ እቲ “ምልክት” ብምክፋል፡ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ኽንነብር ንኽእል ኢና። የሱስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 24:14

“ፍቓድካ . . . ኣብ ምድሪ ይኹን”

15, 16. ምስቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውን እነቕርቦ ጸሎት ተሰማሚዕና ኽንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ኣስታት 6,000 ዓመት ይገብር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ብፍጹም መገዲ ይኸውን ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሆዋ ነቲ ደቂ ሰብ ዝነበሮም ጽቡቕ ጅመራ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ዝበለ። (ዘፍ. 1:31) ድሕሪኡ ግና ሰይጣን ዓለወ፣ ካብቲ እዋን እቲ ንነጀው ድማ፡ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ፍቓድ ኣምላኽ ፈጺሞም። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ይጽልዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቲ ጸሎቶም ተሰማሚዖም ኪነብሩ ይጽዕሩ ኣለዉ። ነዚ ኸኣ ኣብ ናብራኦምን ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብቕንኣት ብምክፋልን የርእይዎ ኣለዉ።

ንደቅኻ፡ ምስቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውን እነቕርቦ ጸሎት ብዚሰማማዕ መገዲ ኺነብሩ ትሕግዞምዶ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16 ንኣብነት፡ ብ1948 እተጠምቀትን ሚስዮናዊት ኰይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘገልገለትን ሓንቲ ሓብቲ፡ “ምስዛ ኽፋል እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ብዚሰማማዕ መገዲ፡ እቲ ግዜ ቕድሚ ምውዳኡ፡ ኵሎም እቶም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት ኪርከቡን ንየሆዋ ኺፈልጥዎን፡ ኣዘውቲረ እጽሊ እየ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ንሓደ ሰብ ቀቅድሚ ምምስካረይ፡ ልቡ ኽትንክፎ ዜኽእለኒ ጥበብ ምእንቲ ኺህበኒ፡ ናብ የሆዋ እጽሊ እየ። የሆዋ ነቶም ዝረኸብናዮም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት ንኽንሕግዞም እንገብሮ ጻዕሪ ምእንቲ ኺባርኾ እውን እጽሊ እየ” በለት። እዛ ጓል 80 ዓመት ሓብቲ ኣብ ኣገልግሎታ ዕውትቲ እንተ ዀነት ኣየገርምን እዩ፣ ምስ ካልኦት ብሓባር ኰይና ድማ ንብዙሓት ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ ሓጊዛቶም እያ። ንስኻ እውን፡ ዕድመ ምድፋእ ዜምጽኦ ጸገማት እናሃለዎም ክነሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣርኣያ ዚዀኑና ውልቀ ሰባት ትፈልጥ ትኸውን።—ፊልጲ 2:17 ኣንብብ።

17. የሆዋ ነቲ ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ኪኸውን እነቕርቦ ጸሎት ንምምላስ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚገብሮ ነገራት እንታይ ይስምዓካ፧

17 ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ምጽላይና ኽንቅጽል ኢና። ድሕሪኡ፡ ቢልዮናት ሰባት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኻብ ሞት ምስ ተንስኡ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ከሎ ኽንርኢ ኢና። የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም [ድምጸይ] ዚሰምዑላ ሰዓት ስለ እትመጽእ፡ በዚ ኣይትገረሙ” በለ። (ዮሃ. 5:28, 29) ብህይወት ጸኒሕና ነቶም ዝሞቱ እነፍቅሮም ሰባት እንቕበለሉ እዋን፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ [ኣዒንትና] ኺደርዝ እዩ።” (ራእ. 21:4) መብዛሕትኦም ካብቶም ዚትንስኡ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ ወዱን እቲ ሓቂ ኸይፈለጡ ዝሞቱ “ሓጥኣን” እዮም። ነቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ሰባት፡ ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማን ኣምላኽ ኪፈልጡ ብምሕጋዝ፡ ን“ናይ ዘለኣለም ህይወት” ከም ዚበቕዑ ምግባር፡ ፍሉይ መሰል እዩ።—ግብ. 24:15፣ ዮሃ. 17:3

18. ንደቂ ሰብ ልዕሊ ዅሉ ዜድልዮም ነገር እንታይ እዩ፧

18 ሰላምን ስኒትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ኪሰፍን ዚኽእል፡ ስም የሆዋ ብመንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተቐደሰ እዩ። ስለዚ፡ እተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ልመና እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ምሉእ ብምሉእ ምስ ተመለሳ፡ ንደቂ ሰብ ልዕሊ ዅሉ ዜድልዮም ነገራት ኪፍጸም እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣብተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ልመና እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እተጠቕሰ ኻልእ ዜድልየና ነገራት ኣሎ። እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 12 መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ተወልደት፡ እቲ ትንቢት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ዚገልጽ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 215-218 ርአ።