ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ”

“ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ”

ኣኒታ * ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ምስ ተጠምቀት፡ ሰብኣያ ኣዝዩ ተጻረራ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ናብ ኣኼባታት ከይከይድ፡ ስም ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ ኸይጽውዕ ከልከለኒ። ‘የሆዋ’ እትብል ቃል ካብ ኣፈይ እንተ ወጺኣ፡ ኣመና ይቝጣዕ ነበረ” በለት።

ካልእ ንኣኒታ ዘጋጠማ ጸገም፡ ንደቃ ብዛዕባ የሆዋ ምምሃር እዩ ነይሩ። ከምዚ በለት፦ “ኣብ ገዛእ ቤተይ፡ ንየሆዋ ኸየምልኾ ተኣጊደ እየ ነይረ። ምስ ደቀይ ብግህዶ ኸጽንዕ ኰነ ናብ ኣኼባታት ክወስዶም ኣይክእልን እየ ነይረ።”

ተመክሮ ኣኒታ፡ ካብ ኣባላት ስድራ ቤት ዚመጽእ ምጽራር፡ ንክርስትያናዊ ንጽህናና ብሓቂ ኺፍትኖ ኸም ዚኽእል ይሕብረና። ጸገማት ጥዕና ኼጓንፈና፡ ሞት ውሉድ ወይ መጻምድቲ ኼጋጥመና፡ ወይ ከኣ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራ ቤትና ኺውገድ ከሎ እውን፡ ኣሸጋሪ ኪዀነና ይኽእል እዩ። እሞኸ ሓደ ክርስትያን ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ምእንቲ ኪቕጽል እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ” በለ። (እብ. 10:36) ኰይኑ ግና፡ ተጻዋርነት ምእንቲ ኺህልወካ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ብጸሎት ኣብ የሆዋ ተወከል

ሓደ ኻብቲ ንፈተናታት ክንጻወሮ ዜኽእለና ብርታዐ እንረኽበሉ ቐንዲ መገድታት፡ ብጸሎት ኣብ ኣምላኽ ምውካል እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ መዓልቲ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ንስድራ ቤት ኣና ዜሕዝን ፍጻመ ኣጋጠማ። ምስ ሰብኣያ ኻብ ዚምርዓዉ ድሕሪ 30 ዓመት ብሃንደበት ሞተ። ኣና፡ “ካብ ስራሑ ናብ ቤት ኣይተመልሰን፣ ወዲ 52 ዓመት ጥራይ ድማ እዩ ነይሩ” በለት።

እሞኸ ኣና ብኸመይ እያ ነቲ ጸገም ክትጻወሮ ኽኢላ፧ እንደገና ስራሕ ጀመረት፣ እዚ ኸኣ ምሉእ ኣቓልቦኣ ኣብኡ ኸም እተተኵር ስለ ዝገበራ፡ ሓጊዝዋ እዩ፣ ነቲ ዝነበራ ስቓይ ግና ኣየጥፍኦን። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብጸሎት ናብ የሆዋ ልበይ ኣፍሰስኩ፣ ነቲ ኣዝዩ ዜጨንቕ ሓዘን ክጻወሮ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ድማ ለመንክዎ” በለት። እሞኸ የሆዋ ንጸሎታ መሊስዎዶ፧ ኣና፡ የሆዋ ንጸሎታ ኸም ዝመለሶ ርግጸኛ እያ። “እቲ ኻብ ኣምላኽ ጥራይ ኪመጽእ ዚኽእል ሰላም፡ ንነፍሰይ ሓዲስዎን ንጥዕና ኣእምሮይ ኣዕቍብዎን እዩ። የሆዋ ነቲ ዘፍቅሮ ሰብኣየይ ካብ ሞት ከም ዜተንስኦ ዋላ ሓንቲ ኣይጠራጠርን እየ” በለት።—ፊል. 4:6, 7

እቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ኣምላኽና፡ ኣገልገልቱ ንዕኡ እሙናት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ከም ዚገብረሎም ኣተስፍዩ እዩ። (መዝ. 65:2) እዚ ተስፋ እዚ እምነት ዜደልድል ምዃኑስ ኣይትሰማማዕንዶ፧ ንስኻ እውን ተጻዋርነት ኪህልወካ ኸም ዚኽእል ንኸተስተውዕል ዚሕግዝ ደይኰነን፧

ክርስትያናዊ ኣኼባታት —ምንጪ ደገፍ

የሆዋ ንህዝቡ ብክርስትያናዊ ኣኼባታት ገይሩ ይድግፎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ ኸቢድ መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠማ፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን” ኢሉ ተላበዎም። (1 ተሰ. 2:14፣ 5:11) ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብፍቕርን ንሓድሕዶም ብምትሕግጋዝን እንተ ተቐራሪቦም ጥራይ እዮም ነቲ ናይ እምነት ፈተና ኺሰግርዎ ዚኽእሉ ነይሮም። እዞም ሎሚ ዘለና ክርስትያናት፡ ነቲ ሰብ ተሰሎንቄ ተጻዋርነት ብምርኣይ ዝሓደግዎ ሰናይ ኣብነት ክንቀድሖ ኣሎና፣ እቲ ዝሓደግዎ ኣርኣያ፡ ተጻዋርነት ንኸነጥሪ ዚሕግዘና ኻልእ መገዲ እውን ይሕብረና እዩ።

ምስ ኣባላት ጉባኤና ጥብቂ ዕርክነት እንተ ኣልዩና፡ “ንሓድሕድና ዚሃንጽ ነገር” ክንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 14:19) እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ጸገም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ጳውሎስ እውን ብዙሕ ጸበባ ኣሕሊፉ እዩ፣ የሆዋ ድማ ንኺጸንዕ ዜድልዮ ብርታዐ ሃቦ። ሓድሓደ እዋን፡ ኣምላኽ ንጳውሎስ፡ በቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኣቢሉ እዩ ምትብባዕ ዚህቦ ነይሩ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ንኣባላት እታ ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ጉባኤ ሰላምታ ኺልእከሎም ከሎ፡ “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ እውን ኰይኖምኒ ኣለዉ” በለ። (ቈሎ. 4:10, 11) እወ፡ ሰብ ቈሎሴ ንጳውሎስ ዝነበረቶም ፍቕሪ፡ ንኼጸናንዕዎን ንኼበራትዕዎን ደሪኻቶም እያ። ንስኻ እውን ካብ ኣባላት ጉባኤኻ ተመሳሳሊ ምትብባዕን ደገፍን ረኺብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ሽማግለታት ዚህብዎ ደገፍ

ኣምላኽ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ምንጪ ደገፍ ዝዀነ ኻልእ መሰናድዎ ገይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስ ሽማግለታት ዚተሓሓዝ እዩ። እዞም ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ሰብኡት፡ “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ፡ ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ” ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳ. 32:2) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ውሕስነት ኰን እዩ! እሞኸ ነዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዚ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ ሽማግለታት ዚህብዎ ምትብባዕን ደገፍን፡ ንኽትጻወር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሓቂ እዩ፡ ሽማግለታት ገበርቲ ተኣምር ኣይኰኑን። ዘይፍጹማትን ‘ከማና ዝድኻሞም ሰባትን’ እዮም። (ግብ. 14:15) ኰይኑ ግና፡ ስሌና ዜቕርብዎ ምህለላ፡ ብዙሕ ኪዓዪ ይኽእል እዩ። (ያእ. 5:14, 15) ኣብ ኢጣልያ ዚነብር ጭዋዳታት ብዜማህምን ሕማም ንብዙሕ ዓመታት እተሳቐየ ሓደ ሓው፡ “እቶም ኣሕዋት ዜርእዩኒ ፍቕርን ዚገብሩለይ ተደጋጋሚ ምብጻሕን፡ ተጻዋርነት ንኺህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ” በለ። ንስኻ እውን ካብቲ ምስ ሽማግለታት ዚተሓሓዝ ፍቕራዊ መሰናድዎ የሆዋ፡ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀም ትኽእልዶ፧

ስሩዕ መንፈሳዊ መደብ ይሃሉኻ

ተጻዋርነት ምእንቲ ኺህልወካ፡ ካልእ ነገር እውን ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኻብኡ፡ ስሩዕ መንፈሳዊ መደብ እዩ። ነቲ ዘይልሙድ ዓይነት መንሽሮ ዘለዎ ወዲ 39 ዓመት ጆን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። “ገና መንእሰይ ስለ ዝዀንኩ፡ ክሓምም ዘይግብኣኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ” በለ። ጆን፡ እቲ ሕማም ከም ዘለዎ ኣብ ዝፈለጠሉ እዋን፡ ወዱ ኻብ ዚውለድ ሰለስተ ዓመት ገይሩ ነበረ። ጆን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰበይተይ ነቲ ንእሽቶ ወድና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዓይ እውን ክትከናኸነኒ ነበራ፣ ኣብ ርእሲኡ ኸኣ፡ ናብ ሓኪም ኣብ ዝኸደሉ እዋን ክትሕግዘኒ ነበራ” በለ። እቲ ኬሞተራፒ ዚብሃል ሕክምና፡ ንጆን ሓይሉ ይጽንቅቖን ዕግርግር ከም ዚብሎ ይገብርን ነበረ። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኸኣ፡ ኣቦ ጆን ዘይምሕር ሕማም ስለ ዝሓዞ፡ ክንክን ስድራ ቤቱ ኣድለዮ።

ጆንን ስድራ ቤቱን ነቲ ዘጋጠሞም ኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ተጻዊሮምዎ፧ ጆን፡ “ዋላ እኳ ሓይለይ ዚጽንቀቕ እንተ ዀነ፡ ስድራ ቤትና ስሩዕ መንፈሳዊ መደብ ከም ዚህልዋ እገብር እየ። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ንእከብ፡ ሰሙናዊ ኣብ ኣገልግሎት ንካፈል፡ ኣጸጋሚ ኣብ ዚዀነሉ እዋን እውን እንተ ዀነ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንገብር ኢና” በለ። ንዝዀነ ይኹን ጸገም ክትጻወሮ እትኽእል፡ መንፈሳውነትካ ምስ እትሕሉ ጥራይ ምዃኑ፡ ጆን ተመኪርዎ እዩ። ነቶም ኣብ ህይወቶም ኣጸጋሚ ዅነታት ዜጋጥሞም ዘሎ ዚኸውን ምኽሪ ኣለዎዶ፧ ከምዚ በለ፦ “እቲ ኣብ ፈለማ ዜጋጥመካ ስንባድ እናሃሰሰ ምስ ከደ፡ እቲ ዜጨንቐካ ሓሳባት በቲ የሆዋ ዚህቦ ብርታዐን ፍቕርን እዩ ዚትካእ። የሆዋ ኸምቲ ንዓይ ዝገበረለይ፡ ንዓኻትኩም እውን ብርታዐ ኺህበኩም እዩ።”

ነቲ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ዜጋጥመና ኣጸጋሚ ፈተናታት ወይ ኵነታት፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ክንጻወሮ ኸም እንኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ፡ ብጸሎት ኣብ የሆዋ ንወከል፣ ምስ ኣባላት ጉባኤና ጥብቂ ዕርክነት ንመስርት፣ ሓገዝ ክርስትያን ሽማግለታት ንሕተት፣ ስሩዕ መንፈሳዊ መደብ ድማ ይሃልወና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ምስተን፡ “ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ” ዚብላ ቓላት ጳውሎስ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።