ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰባት የፍቅሮም ነበረ

ንሰባት የፍቅሮም ነበረ

“ተድላይ . . . ብደቂ ሰብ ነበረ።”—ምሳ. 8:31

1, 2. የሱስ ንደቂ ሰብ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅሮም ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

እታ ሓለፍ ዝበለት ጥበብ የሆዋ ቕድሚ ዅሉን ብዝበለጸን መገዲ እተገልጸት፡ ነቲ በዅሪ ወዱ ኺፈጥሮ ኸሎ እያ። ወዲ ኣምላኽ፡ መሰሌታ ጥበብ እዩ፣ ክኢላ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ድማ ምስ ኣቦኡ ዓይዩ እዩ። ኣቦኡ “ንሰማያት ኬቝሞ ኸሎ” ዀነ “መሰረታት ምድሪ ኼመልክት ከሎ” ይርኢ ነይሩ እዩ። ሽዑ፡ እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሓጐስን ዕግበትን ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ። ንሱ ነዚ ግኡዝ ነገራት እዚ የማስወሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብዚ ንላዕሊ ግና፡ ‘ተድላኡ ብደቂ ሰብ እዩ ነይሩ።’ (ምሳ. 8:22-31) እወ፡ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እውን ከይተረፈ ንደቂ ሰብ ይፈትዎም ነይሩ እዩ።

2 እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ገለ ግዜያት ጸኒሑ፡ “ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ኢሉ፡ ብፍታዉ “ገዛእ ርእሱ ባዶ ገበረ፡” ሰብ እውን መሰለ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ንኣቦኡ ዘለዎ ተኣማንነትን ፍቕርን ኰነ ‘ንደቂ ሰብ’ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ተራእዩ እዩ። (ፊል. 2:5-8፣ ማቴ. 20:28) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣምላኽ ተኣምራት ንኺፍጽም ዜኽእል ሓይሊ ሂብዎ እዩ። እዚ ኸኣ ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮም ዚገልጽ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ መርኣያ እቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣብ መላእ ምድሪ ዚፍጸም ዜደንቕ ነገራት ኣቕሪቡ እዩ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ‘ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣበሲሩ’ እዩ። (ሉቃ. 4:43) እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ስም ኣቦኡ ኸም እትቅድስን ንዅሉ ሕማም ደቂ ሰብ ነባሪ ፍታሕ ከም እተምጽእን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኪሰብኽ ከሎ፡ ሓያሎ ተኣምራት እውን ፈጺሙ እዩ። እዚ ተኣምራት እዚ ኸኣ፡ ንዅሎም ሰባት ካብ ልቢ ኸም ዚሓልየሎም ዜርኢ እዩ ነይሩ። እዚ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ዝገበሮ ነገራት ብዛዕባ መጻኢ እምንቶን ተስፋን የሕድረልና እዩ። ካብቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት፡ ኣርባዕተ ንርአ።

‘ምእንቲ ኼሕዊ፡ ሓይሊ ምስኡ ነበረ’

4. የሱስ ደዌ ዘለዎ ሰብኣይ ምስ ኣጓነፎ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር ግለጽ።

4 የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ግዜ የሕልፍ ነበረ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዜገልግለሉ ዝነበረ ኸባቢ ድማ ኣብ ገሊላ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ገሊላ ኸኣ፡ ዜሕዝን ነገር ረኣየ። (ማር. 1:39, 40) ኣብ ቅድሚኡ፡ ዜፍርህ ሕማም ደዌ ዝነበሮ ሰብኣይ ኣጓነፎ። እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ፡ ነቲ ዝኸፍአ ደረጃ ሕማም እቲ ሰብኣይ፡ “ደዌ ዝመልኦ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ሉቃ. 5:12) እቲ ድዉይ፡ “ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ ‘ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ’ እናበለ ለመኖ።” እቲ ሰብኣይ፡ የሱስ ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ከም ዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኬሕውዮ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ግና ኪፈልጥ የድልዮ ነበረ። የሱስከ ንልባዊ ልመና እቲ ሰብኣይ ብኸመይ መለሰሉ፧ እቲ ሰብኣይ ትርኢቱ ተበላሽዩ ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ፣ እሞኸ የሱስ ምስ ረኣዮ እንታይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ፧ ከምቶም ሕማም ደዌ ንዘለዎም ሰባት ዚጭክኑሎም ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገይሩ ድዩ መሊሱሉ፧ ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧

5. የሱስ ነቲ ድዉይ ኬሕውዮ ኸሎ፡ “እደሊ እየ” ኺብል ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

5 እቲ ድዉይ፡ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ “ርኹስ፡ ርኹስ” ኢሉ ዝጨርሐ ኣይመስልን እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ በዚ ኣይተቘጥዐን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ሰብኣይን ኣብቲ ነቲ ሰብኣይ ዜድልዮ ነገራትን እዩ ኣተኲሩ። (ዘሌ. 13:43-46) እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ ብትኽክል ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ እንታይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ ግና ንፈልጥ ኢና። ብርሕራሐ ተደሪኹ ድማ፡ መስተንክር ነገረ ፈጸመ። ኢዱ ዘርጊሑ፡ ነቲ ድዉይ ተንከዮ እሞ፡ ቈራጽነትን ለውሃትን ብዜንጸባርቕ ቃና፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” በሎ። ሽዑ “ደዌኡ ጠፍአ።” (ሉቃ. 5:13) የሱስ ነዚ ተኣምር እዚ ኺፍጽምን ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮም ኬርእን ዝኸኣለ፡ የሆዋ ሓይሊ ስለ ዝሃቦ ምዃኑ ንጹር እዩ።—ሉቃ. 5:17

6. እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ እንታይከ እዩ ዚሕብር፧

6 የሱስ ክርስቶስ፡ ሓይሊ ኣምላኽ ስለ ዝነበሮ፡ እተፈላለየን ዜደንቕን ተኣምራት ኪፍጽም ክኢሉ እዩ። ከመይሲ፡ ደዌ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ዅሉ ሕማምን ድናሰን ኣሕውዩ እዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ህዝቢ ድማ፡ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕዉራት ኪርእዩ ምስ ረኣዩ፡ ተገረሙ” ይብል። (ማቴ. 15:31) የሱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብርሕራሐ ተደሪኹ ዝፈጸሞ ተግባራት ንኺፍጽም፡ ክፍሊ ኣካላቱ ዚልግስ ጥዑይ ሰብ ኣየድለዮን። ነቲ ሕሙም ክፍሊ ኣካላት ሰብ፡ ባዕሉ እዩ ዜሕውዮ ነይሩ። ንሰባት ብኡብኡ፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዀይኑ እዩ ዜሕውዮም ነይሩ። (ዮሃ. 4:46-54) እዚ ዜደንቕ ኣብነታት እዚ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ እቲ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ዚገዝእ ዘሎ የሱስ ንዅሉ ሕማም ንሓዋሩ ኼወግዶ፡ ክእለትን ሓይልን ጥራይ ዘይኰነስ ድሌት እውን ኣለዎ። ንሕሙማት ዜሕውየሉ ዝነበረ ኣገባብ ምፍላጥና፡ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እውን “ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም” ምዃኑ ዚገልጽ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚፍጸም እምንቶ የሕድረልና እዩ። (መዝ. 72:13) እወ፡ የሱስ ድሌት ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዅሎም ሕሙማት ኬሕውዮም እዩ።

“ተንስእ፡ ቃሬዛኻ ኣልዒልካ ኺድ”

7, 8. የሱስ ኣብ ቤት-ዛታ ምስ ሓደ ሕሙም ቅድሚ ምርኻቡ ብዛዕባ ዝነበረ ዅነታት ግለጽ።

7 የሱስ ነቲ ኣብ ገሊላ ዝነበረ ድዉይ ምስ ኣሕወዮ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ይሁዳ ኸይዱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ ነበረ። ነቲ ዚሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ ዚሰምዑን ብፍቕሩ እተተንከፉን ሰባት ከኣ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ንድኻታት ኬበስሮም፡ ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ ኺእውጀሎም፡ ንስቡራት ልቢ ኺዘንኖም ይደሊ ኸም ዝነበረ ብንጹር ኣርእዩ እዩ።—ኢሳ. 61:1, 2፣ ሉቃ. 4:18-21

8 ኣብ ወርሒ ኒሳን፡ የሱስ ትእዛዝ ኣቦኡ ብምሕላው፡ ፋስጋ ኼብዕል ናብ የሩሳሌም ከደ። ሰባት ነቲ ቕዱስ በዓል ኬብዕሉ ናብ የሩሳሌም ይመጹ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብታ ኸተማ ብዙሕ ምንቅስቓስ ይርአ ነበረ። ብሸነኽ ሰሜን እታ ቤተ መቕደስ፡ ቤት-ዛታ ዚብሃል ሓጽቢ ነበረ፣ ኣብኡ ኸኣ የሱስ፡ ሓደ ሕሙም ሰብኣይ ኣጓነፎ።

9, 10. (ሀ) ሰባት ናብቲ ኣብ ቤት-ዛታ ዚርከብ ሓጽቢ እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚኸዱ ነይሮም፧ (ለ) የሱስ ኣብቲ ሓጽቢ እንታይ ገበረ፧ እዚኸ እንታይ ይምህረና፧ (ኣብ ገጽ 8 ዘላ ስእሊ ርአ።)

9 ሕሙማትን ድኑሳትን ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ናብ ቤት-ዛታ ይኸዱ ነበሩ። እንታይ ኪገብሩ እዮም ናብኡ ዚኸዱ ነይሮም፧ ሓደ ሕሙም፡ እቲ ማይ ኪንቀሳቐስ ከሎ ናብቲ ሓጽቢ እንተ ኣትዩ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዚሓዊ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ እዩ። እቲ ኣብኡ ዚንጸባረቕ ዝነበረ ስምዒት ሰባት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ዓቕሎም ዝጸበቦምን እተጨነቑን ተስፋ ዝቘረጹን ሰባት ከም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ። የሱስ ኣካላዊ ኣበር ዘይብሉ ፍጹም ሰብ ነይሩ ኽነሱ፡ ናብቲ ቦታ ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧ ንሰባት ዘለዎ ፍቕሪ እዩ ናብኡ ኪኸይድ ደሪኽዎ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ንሱ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ንዝነውሐ ዓመታት ሓሚሙ ንዝነበረ ሰብኣይ ረኸቦ።—ዮሃንስ 5:5-9 ኣንብብ።

10 የሱስ ነቲ ሕሙም ኪሓዊ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ንየሱስ ኪሓዊ ኸም ዚደሊ፡ ግናኸ ናብቲ ሓጽቢ ዚወስዶ ስለ ዘይብሉ ኺሓዊ ኸም ዘይክእል ኪነግሮ ኸሎ ኣብ ገጹ ንዚንበብ ዝነበረ ጓሂ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሽዑ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ዘይክኣል ነገር ኪገብር፡ ማለት ቃሬዛኡ ኣልዒሉ ኪኸይድ ነገሮ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ቃሬዛኡ ኣልዒሉ ኪኸይድ ጀመረ። እዝስ የሱስ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ከም ዚገብር ዚሕብር ዜደንቕ መርኣያዶ ኸይኰነ! ኣብዚ ተኣምር እዚ፡ የሱስ ርሕሩሕ ምዃኑ እውን ተራእዩ እዩ። ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት የናድዮም ነይሩ እዩ። እቲ ዝገደፈልና ኣብነት፡ ብሰንኪ እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዚፍጸም ዘሎ ዜሰቅቕ ነገራት ንእተደቝሱ ሰባት ወትሩ ንኸነናድዮም ኪድርኸና ኣለዎ።

“መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧”

11. የሱስ ብሕማም ንዚሳቐዩ ሰባት ከም ዚድንግጸሎም፡ ኣብ ማርቆስ 5:25-34 ጐሊሑ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

11 ማርቆስ 5:25-34 ኣንብብ። ሓንቲ ሰበይቲ ን12 ዓመት ዚኣክል ብዜሸቝርር ሕማም ትሳቐ ነበረት። ሕማማ ንዅሉ መዳያት ህይወታ፡ እንተላይ ንኣምልኾኣ ጸልይዎ ነበረ። “ብብዙሓት ሓካይም ብዙሕ ተሳቐየት፡ ኵሉ ገንዘባ እውን ወድአት፣” ግናኸ እናገደዳ እዩ ኸይዱ። ሓደ መዓልቲ ግና፡ እታ ሰበይቲ ምእንቲ ኽትሓዊ እተፈልየ ነገር ክትገብር መደበት። ብማእከል ህዝቢ ሓሊፋ ናብ የሱስ ቀረበት፡ ክዳኑ ድማ ተንከየት። (ዘሌ. 15:19, 25) የሱስ ሓይሊ ኻብኡ ኸም ዝወጸ ስለ እተፈለጦ፡ መን ከም ዝተንከዮ ሓተተ። እታ ሰበይቲ፡ “ፈሪሃ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍአት፣ ኵሉ እቲ ሓቂ እውን ነገረቶ።” ነታ ሰበይቲ ዘሕወያ፡ የሆዋ ኣቦኡ ኸም ዝዀነ ስለ ዝፈለጠ፡ የሱስ ብለውሃት፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብቲ ዜቐንዙ ሕማምኪ ድማ ጥዓዪ” በላ።

የሱስ በቲ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ብዛዕባናን ብዛዕባ ጸገማትናን ብሓቂ ኸም ዚሓሊ ኣረጋጊጹ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 12 ርአ)

12. (ሀ) ክሳዕ ሕጂ ብእተመሃርናዮ መሰረት፡ ንየሱስ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ገዲፉልና፧

12 የሱስ ብሕማም ንዚሳቐዩ ሰባት ይልውሃሎምን ይርሕርሓሎምን ከም ዝነበረ ምፍላጥና፡ ንልብና ዚትንክፍ እዩ። ሰይጣን፡ ከም ዘይንፍቶን ከም ዘይንረብሕን ኰይኑ ኸም ዚስምዓና ኺገብር እዩ ዚደሊ። የሱስ ግና በቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት፡ ብዛዕባናን ብዛዕባ ጸገማትናን ብሓቂ ኸም ዚሓሊ ብንጹር ኣርእዩ እዩ። ኣዝዩ ዚድንግጸልና ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ስለ ዘሎናስ ኸነማሱ ዚግብኣናዶ ኸይኰነ! (እብ. 4:15) ብፍላይ ሕዱር ሕማም ሓሚምና ዘይንፈልጥ እንተ ዄንና፡ እቶም በዚ ዚሳቐዩ ሰባት እንታይ ከም ዚስምዖም ንኽንርድኦ ኼጸግመና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ የሱስ እሞ ንሕሰብ። ንሱ ሓሚሙ ዘይፈልጥ ክነሱ፡ ንሕሙማት ይድንግጸሎም ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ኣብነቱ ንኽንስዕብ ዚከኣለና ንግበር።—1 ጴጥ. 3:8

“የሱስ ነብዐ”

13. ትንሳኤ ኣልኣዛር ብዛዕባ ባህርያት የሱስ እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧

13 የሱስ፡ ሰባት ኪሳቐዩ ኸለዉ ይስምዖ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሰባት ብሞት ዓርኩ ኣልኣዛር ሓዚኖም ምስ ረኣዮም፡ ኣዝዩ ስለ እተተንከፈ፡ “እህህ በለ፡ ተረበሸ ኸኣ።” (ዮሃንስ 11:33-36 ኣንብብ።) ቍሩብ ጸኒሑ ንኣልኣዛር ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል እናፈለጠ ኽነሱ፡ ነቢዑ እዩ። ኣብ ቅድሚ ሰባት ስምዒቱ ኺገልጽ ኣየሕፈሮን። እቶም ዚርእይዎ ዝነበሩ ሰባት ንኣልኣዛርን ስድራ ቤቱን ክሳዕ ክንደይ የፍቅሮም ከም ዝነበረ ርእዮም እዮም። የሱስ ርሕሩሕ ስለ ዝነበረ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ተጠቒሙ ንዓርኩ ኣልኣዛር ኣተንስኦ።—ዮሃ. 11:43, 44

14, 15. (ሀ) የሆዋ ንዅሉ ስቓይ ደቂ ሰብ ኬወግዶ ኸም ዚደሊ ዚሓብረና እንታይ እዩ፧ (ለ) እታ “መቓብር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ እንታይ ኣገዳሲ መልእኽቲ እያ እትሕብር፧

14 የሱስ ‘ልክዕ ምስሊ ባህርይ’ ኣቦኡ ኸም ዝዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እብ. 1:3) ስለዚ፡ የሱስ በቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት፡ ንሱን ኣቦኡን ሕማምን ስቓይን ሞትን ኬጥፍኡ ኸም ዚደልዩ ኣርእዩ እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ የሆዋን የሱስን ንሓያሎ ኻልኦት ሰባት ካብ ምዉታት ኬተንስእዎም እዮም። የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ ወዲ ኣምላኽ] ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ” በለ።—ዮሃ. 5:28, 29

15 እታ “መቓብር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ መዘከርታ እቶም ኣብኡ እተቐብሩ ኸም ዘይተረስዐ እውን ተመልክት እያ። እዚ ኸኣ እቲ ንዩኒቨርስ ዝፈጠረ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ንዅሉ ዝርዝር መዳያት እቶም ዚሞቱ ፍቑራትና፡ ንባህርያቶም እውን ከይተረፈ ኺዝክሮ ኸም ዚኽእል ይሕብር። (ኢሳ. 40:26) የሆዋ ኺዝክሮም ይኽእል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኪዝክሮም እውን ይደሊ እዩ። ትንሳኤ ኣልኣዛርን ትንሳኤ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዎ ኻልኦት ሰባትን፡ መርኣያ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ብደረጃ ዓለምለኸ ዚፍጸም ትንሳኤ እዩ።

ካብ ተኣምራት የሱስ እንታይ ንመሃር፧

16. ሓያሎ ኻብቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ንጽህናኦም ዝሓለዉ ክርስትያናት እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ኺህልዎም፧

16 ክርስትያናዊ ንጽህናና እንተ ሓሊና፡ ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ተኣምራት ክንርኢ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምድሓን እዩ። ደድሕሪ ውግእ ኣርማጌዶን፡ ዝያዳ ተኣምራት ኪርአ እዩ፣ ደቂ ሰብ ምሉእ ጥዕና ኺረኽቡ እዮም። (ኢሳ. 33:24፣ 35:5, 6፣ ራእ. 21:4) ሰባት መነጽራቶምን ኣባትሮምን ምርኵሳቶምን መንበር ዓረብያታቶምን መስምዒታቶምን ከምኡ ዝኣመሰለ ኻልእ ነገራትን ኪድርብዩ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። የሆዋ ነቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሰባት ብቕልጡፍ ምሉእ ጥዕና ኺህቦምሲ ርትዓዊ እዩ። ከመይሲ፡ እቶም ዚድሕኑ ሰባት ዚዓይዎ ዕዮ ኺህልዎም እዩ። ነዛ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነት ምድርና ብውዕዉዕ ስምዒት ናብ ገነት ኪቕይርዋ እዮም።—መዝ. 115:16

17, 18. (ሀ) ቀንዲ ዕላማ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዚገብሮ ዝነበረ ተኣምራት እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) ኣብ ሓዳስ ዓለም ንምእታው ክትጽዕር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

17 የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብተኣምራዊ መገዲ ንሰባት የሕውዮም ምንባሩ፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ “ብዙሓት ህዝቢ፡” ነቲ ኻብ ኵሉ ሕማሞም ኪሓውዩ ዚጽበይዎ ዜሐጕስ ተስፋኦም ዜደልድለሎም እዩ። (ራእ. 7:9) እቲ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ርሕሩሕ ከም ዝነበረ ዜንጸባርቕን ንደቂ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮም ዜርእን እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 10:11፣ 15:12, 13) እቲ ዘርኣዮ ርሕራሐ፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ኸም ዚሓልየሉ ዜረጋግጽ እዩ።—ዮሃ. 5:19

18 ወዲ ሰብ የስቈርቍርን ይሳቐን ይመውትን ኣሎ። (ሮሜ 8:22) እታ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ዚውገደላ፡ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ብሓቂ ተድልየና እያ። ሚልክያስ 4:2፡ እቶም ዚሓውዩ ሰባት ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ዅነታት ሓራ ዀይኖም ናብ ፍጽምና ስለ ዚበጽሑ፡ ብሓጐስ ‘ከም ብተይ ደምበ ኺዕንድሩ’ ምዃኖም ትገልጸልና እያ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ንምእንታው ብቑዓት ኴንና ምእንቲ ኽንርከብ፡ ንኣምላኽ ብዘሎና ልባዊ ሞሳን ኣብ ተስፋታቱ ብዘሎና እምነትን ተደሪኽና ሕጂ ዚከኣለና ንግበር። እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝፈጸሞ ተኣምራት፡ መርኣያ እቲ ደቂ ሰብ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ መሲሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዚረኽብዎ ዘለኣለማዊ እፎይታ ምዃኑ ምፍላጥናስ፡ ኣየ ኽንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!