ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብተን ‘ክፉኣት መዓልትታት’ ንየሆዋ ምግልጋል

ኣብተን ‘ክፉኣት መዓልትታት’ ንየሆዋ ምግልጋል

ኣብ 70ታት ዓመት ዕድሚኡ ዚርከብ አርንስት፡ “ጸገማት ጥዕናይ እናኸፍአ እዩ ዚኸይድ ዘሎ” በለ። * ንዓኻኸ ብዛዕባ ጥዕናኻ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ብዕድመ ትደፍእ እንተ ኣሊኻ እሞ፡ ጥዕና ትስእንን ሓይልኻ ይጽንቀቕን ከም ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቲ ኣብ መክብብ ምዕራፍ 12 ዘሎ መግለጺ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ኣብ ፍቕዲ 1፡ መዓልትታት እርጋን፡ “ክፉእ መዓልትታት” ተባሂለን ኣለዋ። ምስናይዚ ግና፡ ተስፋ ዘይብሉ ህይወት ኣይኰንካን እትነብር። ንየሆዋ ብሓጐስ እናኣገልገልካ ባህ ዜብልን ዜዕግብን ናብራ ህይወት ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ።

ድልድልቲ እምነት ምዕቃብ

ኣቱም ክቡራት ኣረጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ፈተናታትኩም ንበይንኹም ኣይኰንኩምን። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምኡ ዝኣመሰለ ብድሆታት ነይርዎም እዩ። ንኣብነት፡ ይስሃቅን ያእቆብን ኣሒያን ብሰንኪ እርጋን ኪርእዩ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። (ዘፍ. 27:1፣ 48:10፣ 1 ነገ. 14:4) ንጉስ ዳዊት ‘ኪመውቕ’ ኣይከኣለን ነይሩ። (1 ነገ. 1:1) እቲ ሃብታም ዝነበረ ባርዚላይ፡ መቐረት ምግቢ ዀነ ድምጺ ሙዚቃ ኼስተማቕር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ነበረ። (2 ሳሙ. 19:32-35) ኣብርሃምን ናእምን ነፍሲ ወከፎም መጻምድቶም ምስ ሞትዎም ሓዚኖም እዮም።—ዘፍ. 23:1, 2፣ ሩት 1:3, 12

እሞኸ፡ ነፍሲ ወከፎም ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑን ሓጐሶም ኪዕቅቡን ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ኣብርሃም ኣብ ግዜ እርጋኑ፡ ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ይኣምን ስለ ዝነበረ፡ “ብእምነቱ በርትዐ።” (ሮሜ 4:19, 20) ንሕና እውን ድልድልቲ እምነት ተድልየና እያ። ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ኣብ ዕድመና፡ ኣብ ክእለትና፡ ወይ ኣብ ኵነታትና እተመርኰሰት ኣይኰነትን። ንኣብነት፡ እቲ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ምስ ደኸመን ምስ ዓወረን ምስ ተደነሰን እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ከም ዘላቶ ኣርእዩ እዩ። (ዘፍ. 48:1-4, 10፣ እብ. 11:21) ሎሚ፡ 93 ዓመት ዝዕድሚኣ ኢነስ፡ ጭዋዳታታ ብምድካሙ ትሳቐ እኳ እንተላ፡ “መዓልቲ መዓልቲ የሆዋ ይባርኸኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ ገነት እሓስብ እየ። እዚ ኸኣ ተስፋ እዩ ዚህበኒ” በለት። እዝስ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኣወንታዊ መንፈስ ኰን እዩ!

ብምጽላይን ቃል ኣምላኽ ብምምርማርን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብምእካብን እምነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዳንኤል፡ ወትሩ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ይጽሊ፡ ቃል ኣምላኽ ከኣ ብስሩዕ የጽንዕ ነበረ። (ዳን. 6:10፣ 9:2) እታ ኣረጋዊት መበለት ዝነበረት ሃና፡ “ካብ ቤተ መቕደስ ኣይትጠፍእን ነበረት።” (ሉቃ. 2:36, 37) ብእተኻእለ መጠን ኣብ ኣኼባታት ትካፈልን ትሳተፍን እንተ ደኣ ዄንካ፡ ንርእስኻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ተኣከብቲ እውን ተበራትዕ ኢኻ። ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ውሱን እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ብእተቕርቦ ጸሎት ወትሩ ባህ ይብሎ እዩ።—ምሳ. 15:8

ንሓድሕድኩም ተተባብዑ

ኣቱም እሙናት ብጾትና፡ መብዛሕትኹም ከተንብቡን ኣብ ኣኼባታት ክትካፈሉን ከም እትምነዩ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ በብግዜኡ የጸግመኩም፡ ምናልባት እውን ከምኡ ኽትገብሩ ኣብ ዘይትኽእሉሉ ዅነታት በጺሕኩም ትዀኑ ኢኹም። እሞኸ ደኣ እንታይ ክትገብር ኣሎኩም፧ ንዘሎኩም ነገራት ብግቡእ ተጠቐሙሉ። ኣብ ኣኼባታት ኪካፈሉ ዘይክእሉ ሓያሎ ኣረጋውያን፡ ነቲ ትምህርቲ ብተሌፎን ይከታተልዎ እዮም። 79 ዓመት ዝዕድሚኣ ኢነ፡ ክትርኢ ዜጸግማ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ጉባኤኣ ዘሎ ሓደ ሓው ካብ ኮምፕዩተር ብፍሩይ ሕታም ስለ ዜዳልወላ፡ ንኣኼባታት ትዳሎ እያ።

ሓያሎ ሰባት ኪህልዎም ዚምነይዎ ነገር ይህልወካ ይኸውን፣ እዚ ኸኣ፡ ግዜ እዩ። እሞኸ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጋጣሚ፡ ብድምጺ ንእተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ድራማታትን ንምስማዕ ዘይትጥቀመሉ፧ ብተወሳኺ፡ ንብጾትካ ክርስትያናት መንፈሳዊ ውህበት ንኽትመቕሎምን ‘ንሓድሕድኩም ንኽትተባብዑን’ ተበግሶ ወሲድካ ስልኪ ኽትድውለሎም ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 1:11, 12

ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብንጥፈት ምዕያይ

ነቲ ቓል ስበኽ

ኣብ መፋርቕ 80ታት ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ቤሞንስ ክሪስታ፡ “ንጥፈትካ ኻብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረካ ኺንኪ ኸሎ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ዚስምዓካ” በለት። እሞኸ፡ ኣረጋውያን ንሓጐሶም ብኸመይ እዮም ኪዕቅብዎ ዚኽእሉ፧ ወዲ 75 ዓመት ዝዀነ ፒተር፡ “ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብምዕቃብ፡ ማለት ወትሩ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ነገር ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ኣብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ብምትኳር” ሓጐስካ ኽትዕቅብ ከም ዚከኣል ገሊጹ ኣሎ።

ተኸፊቱልካ ብዛዕባ ዘሎ መዳያት ምስክርነት ክትሓስብ ትኽእልዶ፧ ሃይዲ ኸም ቀደማ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ኣይትኽእልን እያ። ኣብ 80ታት ዓመት ዕድሚኣ፡ ብኮምፕዩተር ደብዳበ ምጽሓፍ ተማሂራ እያ። ገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣስፋሕቲ ኸኣ፡ ኣብ ቦታታት መናፈሻ ወይ ኣብ መጸበይ ኣውቶቡስ ኮፍ ኢሎም ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ይጅምሩ እዮም። ወይ ከኣ ኣብ መእለይ ኣረጋውያን ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ምስቲ ንዓኻ ዚከናኸን ሰራሕተኛን ኣብቲ ትካል ምስ ዚቕመጡ ኻልኦትን ብምዝርራብ ናይ ርእስኻ “ኽሊ” ኸተቕውም ትኽእልዶ፧

ተቐባል ጋሻ ኹን

ንጉስ ዳዊት ኣብ ግዜ እርጋኑ ብህንጥዮት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዜስፋሕፍሕ ገይሩ እዩ። ገንዘብ ወፍዩ፡ ንህንጸት ቤተ መቕደስ ከኣ ብእተወደበ ዅነታት ደጊፉ እዩ። (1 ዜና 28:11–29:5) ንስኻ እውን፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ኽትፈልጥን ብዚከኣለካ መጠን ክትሕግዝን ትኽእል ኢኻ። ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ፈለምቲ ወይ ካልኦት ቀናኣት ኣስፋሕቲ፡ ብዜተባብዕ ቃላት፡ ንእሽቶ ህያብ ብምሃብ፡ ወይ ከኣ ኣብ ገዛኻ ዓዲምካ ቕልል ዝበለ ነገር ብምቕራብ ንምንታይ ዘይትድግፎም፧ ኣብ ጸሎትካ እውን፡ ንመንእሰያትን ንስድራ ቤቶምን ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ንዝሓመሙን ከቢድ ሓላፍነት ንዘለዎምን ክትጠቕሶም ትኽእል ኢኻ።

ኣቱም ኣረጋውያን፡ ኣዚኹም ክቡራት ኢኹም፣ እቲ እተቕርብዎ ኣገልግሎት እውን ኣዝዩ ኽቡር እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዓኻትኩም ክቡራት ኣረጋውያን ፈጺሙ ኣይኪድርብየኩምን እዩ። (መዝ. 71:9) የሆዋ የፍቅረኩምን ኣኽቢሩ ይርእየኩምን እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ኵላትና ኻብ ጭንቅን መከራን ናጻ ዄንና፡ ብዕድመ እናደፋእና እንነብረሉ ግዜ ኺመጽእ እዩ። ምሉእ ሓይልን ፍጹም ጥዕናን ኪህልወና፡ ነቲ ኣፍቃሪ ዝዀነ ኣምላኽና የሆዋ ኸኣ ንዘለኣለም እናኣገልገልናዮ ኽንነብር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።