ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቒሕካ ተጸበ!

ነቒሕካ ተጸበ!

“እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።”—ኣን. 2:3

መዝሙር፦ 32, 45

1, 2. ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም፧

ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርእዩ ኻብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ኪጽበዩ ጸኒሖም እዮም፧ ንኣብነት፡ ኤርምያስ፡ ይሁዳ ኸም እትጠፍእ ተነብዩ ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብ607 ቅ.ክ. ብባቢሎናውያን ተፈጸመ። (ኤር. 25:8-11) ኢሳይያስ፡ የሆዋ ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ ናብ ሃገሮም ከም ዚመልሶም ተነብዩ ነይሩ እዩ፣ “እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዅላቶም ብጹኣን እዮም” ከኣ በለ። (ኢሳ. 30:18) እቲ ብዛዕባ ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ዚንበ ዝነበረ ሚክያስ ከኣ፡ “ንኣምላኽ ድሕነተይ . . . ክጽበዮ እየ” በለ። (ሚክ. 7:7NW) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንመሲሕ ወይ ንክርስቶስ ዚምልከት ትንቢታት ኪፍጸም ንዘመናት ዚኣክል ኪጽበዩ ጸኒሖም እዮም።—ሉቃ. 3:15፣ 1 ጴጥ. 1:10-12 *

2 ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን፡ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ይጽበዩ ኣለዉ። የሆዋ ብመሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንእኩያት ብምጥፋእን ንህዝቡ ኸኣ ካብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም ብምድሓንን ንስቓይ ደቂ ሰብ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) ስለዚ፡ እዚ ስርዓት እዚ ዚጠፍኣሉ ግዜ ኣዝዩ ስለ ዝቐረበ፡ ነዚ እናተጸበና ንቑሓት ኴንና ንጽናሕ።

3. መወዳእታ ኺመጽእ ንዓመታት ክንጽበ እንተ ጸኒሕና፡ እንታይ ሕቶ እዩ ዚልዓል፧

3 ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን፡ ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ኪኸውን ሃረር ንብል ኢና። (ማቴ. 6:10) ይኹን እምበር፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት ዓለም ኪመጽእ ንነዊሕ እዋን ክንጽበ እንተ ጸኒሕና፡ ‘መወዳእታ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኺመጽእ ክንጽበ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ቐጺልና ንርአ።

ክንጽበ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4. ነቒሕና ኽንጽበ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ጥፍኣት እዚ ስርዓት ዓለም እዚ እንታይ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ኸም ዘለዎ ኣነጺሩ ይገልጽ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንቕሑ” ዚብል ትእዛዝ ሃቦም። (ማቴ. 24:42፣ ሉቃ. 21:34-36) እዚ ንባዕሉ ነቒሕና ንኽንጽበ ብቑዕ ምኽንያት ይዀነና እዩ። በዚ መዳይ እዚ፡ ውድብ የሆዋ ኣብነት ሰሪዓትልና ኣላ። ወትሩ ብሕታማታ ኣቢላ፡ “ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ተጸበይዎ፡ ብሓሳብኩም እውን ኣቐልጥፍዎ” ዚብል ማዕዳ ትህበና፡ ነታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ክንጽበ ድማ ትላበወና እያ።—2 ጴጥሮስ 3:11-13 ኣንብብ።

5. ብፍላይ ኣብ ግዜና ነቒሕካ ምጽባይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ነቶም ዘመናት ይገብር ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቒሕካ ምጽባይ ኣገዳሲ ኻብ ነበረ፡ ንዓና ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይሲ፡ እቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ምልክታት፡ ንሱ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ይገዝእ ከም ዘሎን ንሕና ኸኣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ወይ ኣብ “መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ንነብር ከም ዘሎናን ዜረጋግጽ እዩ። (ማቴ. 24:3, 7-14) የሱስ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ እቲ እዋን እቲ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዚቕጽል ስለ ዘይሓበረ ድማ ወትሩ ነቒሕና ኽንጽበ ኣሎና።

6. ናብ መወዳእታ እናቐረብና ኽንከይድ ከለና፡ ኵነታት ዓለም እናኸፍአ ኪኸይድ ክንጽበ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

6 ‘“መደምደምታ ስርዓት ዓለም፡” ኵነታት ዓለም ብዝያዳ ንዚኸፍኣሉ መጻኢ ግዜ ዜመልክት ኪኸውን ኣይክእልንዶ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” እከይ ኣመና ኸም ዚውስኽ ይሕብር እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 13፣ ማቴ. 24:21፣ ራእ. 12:12) ስለዚ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኽፉእ ኵነታት ዓለም እናገደደ ኪኸይድ ክንጽበ ንኽእል ኢና።

7. ማቴዎስ 24:37-39 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ብዛዕባ ዚህሉ ዅነታት ዓለም እንታይ እያ እትሕብር፧

7 ግናኸ፡ “ብርቱዕ ጸበባ” ቕድሚ ምምጻኡ፡ ኵነታት ዓለም ክሳዕ ክንደይ ኪኸፍእ ኢኻ እትጽበ፧ (ራእ. 7:14) ንኣብነት፡ ኣብ ሃሃገሩ ውግእ ኪኸውን፡ መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ ብጥሜትን ብሕማምን ኪሳቐዩ ዲኻ እትጽበ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ እሞ፡ ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ እቶም ብመጽሓፍ ቅዱስ ዚጠራጠሩ ሰባት እውን ከይተረፈ፡ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ኺእመኑሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሱስ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከም ‘ዘየስተውዕልሉ፡’ መዓልታዊ ናብራኦም እናገበሩ ኸለዉ ድማ መዓልቲ የሆዋ ደበኽ ኢላ ኸም እትመጾም እዩ ገሊጹ። (ማቴዎስ 24:37-39 ኣንብብ።) ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚህሉ ዅነታት ዓለም፡ ሰባት መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ኸይፈተዉ ኽሳዕ ዚእመኑ ኣዝዩ ኸም ዚኸፍእ ኣይገልጽን እዩ።—ሉቃ. 17:20፣ 2 ጴጥ. 3:3, 4

8. ነቶም “ንቕሑ!” ንዚብል ምኽሪ የሱስ ዚእዘዙ ሰባት፡ ንጹር ዚዀነሎም እንታይ እዩ፧

8 እቲ የሱስ ዝሃቦ ምልክት፡ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እቲ ዚነብሩሉ ግዜ ንጹር መጠንቀቕታ ዚህብ እዩ ነይሩ። ሰዓብቲ የሱስ፡ ነቲ ንሱ “ንቕሑ!” ብምባል ዝሃቦም ምኽሪ ይእዘዝዎ እዮም። (ማቴ. 24:27, 42) እቲ የሱስ ዝሃቦ ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ ምልክት፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኺፍጸም ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ኣብ “መደምደምታ ስርዓት ዓለም፡” ማለት ኣብቲ ውሱን እዋን ጥራይ ዘለዎ እሞ፡ ናብ ጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ዚመርሕ ግዜ ንነብር ከም ዘለና እምበኣር ንጹር እዩ።

9. ንመወዳእታ እዚ ስርዓት ዓለም ንቑሓት ኴንና ኽንጽበዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነቒሖም ኪጽበዩ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ምኽሪ ስለ እንእዘዞ፡ ነቒሕና ንጽበ ኢና። ብተወሳኺ፡ ንምልክት እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ነለልዮ ኢና። መወዳእታ ኸም ዚቐረበ እንኣምን፡ ንዝሰማዕናዮ ዘበለ ስለ እንኣምን ዘይኰነስ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ስለ ዘሎና እዩ። ስለዚ፡ ንመወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ንቑሓት ኴንና ኽንጽበዮ ኣሎና።

ክሳዕ መዓስ፧

10, 11. (ሀ) የሱስ ንሰዓብቱ ኣበየናይ እዋናት ኪመጽእ ከም ዚኽእል እዩ ዝነገሮም፧ (ለ) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ካብቲ ዝሓሰብዎ ንላዕሊ ኸም እተጸበዩ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎም፡ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዝነገሮም፧ (ኣብ ገጽ 14 ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 መብዛሕትና፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኣክል ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ኴንና ኽንመላለስ ጸኒሕና ኢና። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ሓለፈ፡ እዚ ነቲ ነቒሕና ንኽንጽበ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬዳኽሞ የብሉን። የሱስ ነዚ እኩይ ስርዓት ዓለም እዚ ኼጥፍኦ ኺመጽእ ከሎ፡ ድሉዋት ኴንና ኽንጸንሕ ኣሎና። ንሱ ንሰዓብቱ እዚ ዚስዕብ ምዕዶ ኸም ዝሃቦም ኣይንረስዕ፦ “እቲ ምዱብ እዋን መዓስ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተቛመቱን ንቕሑን። ከምቲ ቤቱ ሓዲጉ ዚገይሽ እሞ፡ ንባሮቱ ስልጣን ዝሃቦም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ፡ ንሓላው ኣፍ ደገ እውን ኪነቅሕ ዝኣዘዞ ሰብ እዩ። እምበኣር፡ እቲ ብዓል ቤት መዓስ ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ንግሆ ኺመጽእ ይኽእል እዩ እሞ፡ ንቕሑ፣ እዚ ኸኣ፡ ብሃንደበት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩም እዩ። እዚ ንዓኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፡ ንዅሉ እብሎ ኣለኹ፦ ንቕሑ።”—ማር. 13:33-37

11 ሰዓብቲ የሱስ፡ እቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ብ1914 ከም ዝጀመረ ስለ ዚፈልጡ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ተጊሆም ብምዕያይ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም መወዳእታ ኺመጽእ ተዳልዮም ኪጽበዩ ጸኒሖም እዮም። የሱስ፡ “ደርሆ ነቆ፡ ወይ ንግሆ ኺመጽእ” ከም ዚኽእል ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ፡ ሰዓብቱ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ የሱስ ኣስዒቡ፡ “ንቕሑ” በለ። ስለዚ፡ ሰዓብቱ ንንውሕ ዝበለ እዋን ምጽባዮም፡ ነቲ መወዳእታ ዚመጸሉ እዋን ብሓሳቦም ኼደናጕይዎ ወይ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምጽባይ ዓዲ ኺውዕሉ ምኽንያት ኣይኰኖምን እዩ።

12. ኣንባቆም ንየሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ሓቲትዎ፧ ኣምላኽከ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧

12 ብዛዕባ ነብዪ ኣንባቆም ከኣ ንርአ። ነብዪ ኣንባቆም፡ የሩሳሌም ክትጠፍእ ምዃና ንኺንበ ተመዚዙ ነበረ። ካልኦት ነብያት እውን እንተ ዀኑ፡ ቅድሚኡ ንዓመታት ዚኣክል ብዛዕባ ጥፍኣት እታ ኸተማ ይንበዩ ነይሮም እዮም። እቲ ዅነታት ኣዝዩ ኻብ ምኽፋኡ እተላዕለ፡ ‘ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ፡ ፍርዲ ድማ ቀኒኑ ይወጽእ ነበረ።’ ኣንባቆም፡ ‘ዎ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ከእዊ እየ፧’ ኢሉ እንተ ሓተተ እምበኣር፡ ዜገርም ኣይኰነን። የሆዋ ንሕቶ እቲ እሙን ነብዪኡ ብቐጥታ ኣይመለሰሉን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ብትንቢት እተነግረ ጥፍኣት ከም ‘ዘይድንጒ’ ኣረጋገጸሉ። “ተጸበ” ድማ በሎ።—ኣንባቆም 1:1-4፣ 2:3 ኣንብብ።

13. ኣንባቆም እንታይ ኢሉ ኺሓስብ ምኸኣለ ነይሩ፧ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግና ሓደገኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

13 ኣንባቆም ተስፋ ኻብ ምቝራጹ እተላዕለ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኸም ዝሓሰበ ጌርና እሞ ንሕሰብ፦ ‘ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም ንዓመታት ዚኣክል ኪንገር ከሎ ኽሰምዕ ጸኒሐ እየ። ብሕጂ ነዊሕ እንተ ጸንሐኸ መን ይፈልጥ፧ እታ ኸተማ ብድንገት ከም እትጠፍእ ምንባይሲ ርትዓዊ ኣይመስልን እዩ። ደጊም ይኣኽለኒ። ነዚ ዕዮ እዚ ንኻልኦት ክገድፈሎም እየ።’ ኣንባቆም ከምኡ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ሞገስ የሆዋ ምሰኣነ፡ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኬጥፍእዋ ምስ መጹ ድማ ህይወቱ እውን ምጠፍአት ነይራ።

14. ነቒሕና ምጽባይና ኸም ዘየጣዕሰና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

14 ኣብ ሓዳስ ዓለም ከም ዘለና ጌርና እሞ ንሕሰብ። ሽዑ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ስርዓት ዓለም እተነበዮ ነገራት፡ ከም እተፈጸመ ኽንግንዘብ ኢና። ብዛዕባዚ ምስትንታና፡ ነታ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምንቶ ብዝያዳ የደልድላ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝሃበና ተስፋታት ብርግጽ ኪፍጸም ምዃኑ ድማ ከም እንተኣማመን ይገብረና። (እያሱ 23:14 ኣንብብ።) እቲ ‘ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ግዜያት ወይ እዋናት ዝመደበ ኣምላኽ፡’ ‘መወዳእታ ዅሉ ነገር ከም ዝቐረበ’ ፈሊጥና፡ ነቒሕና ኽንመላለስ ስለ ዝመዓደና፡ ብርግጽ ከነመስግኖ ኢና።—ግብ. 1:7፣ 1 ጴጥ. 4:7

እናተጸበና ንዓዪ ኢና

ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ትካፈልዶ ኣለኻ፧(ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15, 16. ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ መወዳእታ፡ ኣብ ዕዮ ሰብከት ብንጥፈት ክንዓዪ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ውድብ የሆዋ፡ ንኣምላኽ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ከነገልግሎ ኸም ዘሎና ምኽሪ ኻብ ምሃብ ዓዲ ኣይክትውዕልን እያ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መዘኻኸሪ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትሑዛት ኴንና ንኽንቅጽል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምልክት እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ይፍጸም ከም ዘሎ እውን ነቒሕና ኽንከታተሎ ዚሕግዘና እዩ። እሞኸ ሕጂ ንግዜና ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት እናተኻፈልና፡ ብቐጻሊ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ ዚግብኣናዶ ኸይኰነ!—ማቴ. 6:33፣ ማር. 13:10

16 ሓንቲ ሓብቲ፡ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንሰባት ካብቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ዓለም ዚወርድ መዓት ንኺድሕኑ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና” በለት። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ካብ ሓደጋ ብዛዕባ ምድሓን እትፈልጦ ነገር ኣለዋ። ከመይሲ፡ ንሳን ሰብኣያን ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ እተራእየ ዝኸፍአ ሓደጋታት ባሕሪ ምስ ኣጋጠሞም፡ ማለት ቪልሀልም ጉስትሎፍ እተባህለት ዓባይን ምሽእትን መርከብ ብ1945 ምስ ጠሓለት ድሒኖም እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኵነታት እውን ከይተረፈ፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ግጉይ ርእይቶ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። እታ ሓብቲ ኸም ዝገለጸቶ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ወይ ኣነ ባልጃታተይ! ወይ ኣነ ስልማተይ! ኵሉ ስልማተይ ኣብ ጋቢና እዩ ዘሎ። ኵሉ ንብረተይ ጠፊኡ!” እናበለት ተእዊ ነበረት። ብኣንጻሩ ግና፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ እተደረኹ ሓያሎ ተጓዓዝቲ፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ኣብቲ ባሕሪ ንዝጠሓሉ ሰባት ኬድሕኑ ይጽዕሩ ነበሩ። ንሕና እውን ከምቶም ጥቕሚ ርእሶም ሰዊኦም ንኻልኦት ዚሕግዙ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ፡ ንሰባት ንምሕጋዝ ዚከኣለና ኽንገብር ይግባእ። ዕዮ ስብከትና ህጹጽ ምዃኑ ብምዝካር፡ ንሰባት ካብቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ መዓት ኪድሕኑ ኻብ ሕጂ ንሓግዞም።

ናይ ህጹጽነት ስምዒትካ ንዜጥፍእ ነገራት ንኸተወግድ ጥበባዊ ውሳነታት ትገብርዶ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. መወዳእታ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኪመጽእ ከም ዚኽእል ዜእምነና እንታይ እዩ፧

17 እዚ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘሎ ዅነታት፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም ከም ዘሎን መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም እዚ ኣዝዩ ኸም ዝቐረበን ብንጹር ዚሕብር እዩ። ስለዚ፡ እቶም ኣብ ራእይ 17:16 ተጠቒሶም ዘለዉ “ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን” ነታ ናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ንኼጥፍእዋ ዚህንደዱሉ ግዜ ኽሳዕ ዚመጽእ ነዊሕ ግዜ ኽንጽበ ኸም ዘሎና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣምላኽ ነዚ ኺገብሩ ‘ኣብ ልቦም ኬእቱ’ ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። እዚ ኸኣ ብቕልጡፍን ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። (ራእ. 17:17) መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም እዚ ርሑቕ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ነቲ የሱስ፡ “ምብዛሕ ብልዕን ምብዛሕ መስተን ጭንቀት ናብራን ንልብኹም ከይኸብዶ እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም መፈንጠራ ብሃንደበት ከይትመጸኩምሲ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ” ብምባል ዝሃበና መጠንቐቕታ ነቕልበሉ። (ሉቃ. 21:34, 35፣ ራእ. 16:15) ሃየ እምበኣር፡ የሆዋ ‘ምእንቲ እቶም ዚጽበይዎ ኸም ዚገብር፡’ ወይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ብምትእምማን፡ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ንኸነገልግሎ ቘራጽነት ንግበር።—ኢሳ. 64:4

18. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

18 ንጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት ዓለም እዚ እናተጸበና፡ ነቲ ሃዋርያ ይሁዳ ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ብምባል ዝጸሓፎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ፦ “ኣቱም ፍቑራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስ እናጸለኹም፡ ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸበኹም፡ ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።” (ይሁ. 20, 21) ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ንኽንነብር ንዳሎ ኸም ዘሎናን ነታ ዓለም እቲኣ ብሓቂ ኸም እንጽበያን ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ነዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 1 ንመሲሕ ብዚምልከት ብዛዕባ እተነግረ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ፍጻመታቱን ዚሕብር እተወሰነ ዝርዝር ክትርኢ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 200 ርአ።