ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነታ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ የሆዋ ኣስተንትነላ

ነታ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ የሆዋ ኣስተንትነላ

‘ንብዘሎ ግብርታትካ ኸስተንትኖ እየ።’—መዝ. 77:12

መዝሙር፦ 18, 29

1, 2. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜፍቅሮም እትተኣማመን ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) የሆዋ ንዅሎም ደቂ ሰብ፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም፧

የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜፍቅሮም እትተኣማመን ስለምንታይ ኢኻ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ ምምላስካ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ርአ፦ ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓያሎ ዓመታት ንሓንቲ ቴሊን ዝስማ ሓብቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ገዛእ ርእሳ እትጽበዮ ነገራት ሚዛናዊት ክትከውን ብለውሃት ይመኽሩዋ ነበሩ። “የሆዋ እንተ ዘየፍቅረኒ ነይሩ፡ ብተደጋጋሚ ኣይምመኸረንን” ድማ በለት። ብሪጀት ዝስማ ድሕሪ ሞት ሰብኣያ ንበይና ዀይና ኽልተ ውሉዳት እተዕቢ ዘላ ኣደ፡ “ኣብዚ ሰይጣን ዚቈጻጸሮ ስርዓት ኴንካ ውሉዳት ምዕባይ፡ ብፍላይ ንንጽል ወላዲ ኣዝዩ ኸቢድ ብድሆ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ፡ ዜብክን ልቢ ዚሰብርን ኵነታት እናኣጋጠመኒ ኽነሱ ስለ ዚመርሓኒ፡ ከም ዜፍቅረኒ ርግጸኛ እየ፣ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኽጽመም ድማ ኣይፈቅድን እዩ” በለት። (1 ቈረ. 10:13) ሳንድራ ምስ ዘይሓዊ ሕማም እያ እትቃለስ። ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ፡ ሰበይቲ ሓደ ብዙሓት ዚፈልጥዎ ሓው ንሳንድራ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኣየታ። ሰብኣይ ሳንድራ፡ “ምስ ሰበይቲ እቲ ሓው ብውልቂ ዘይንፋለጥ እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ዓሚቝ ተገዳስነታ ግና ንልብና ኣሐጒስዎ እዩ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ንዓና ኸም ዜፍቅሩና ንምርኣይ ዚዛረብዎ ሒደት ቃላት እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና ዜርኢ እዩ” በለ።

2 የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ኬፍቅሩን ኪፍቀሩን ከም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ ገለ ጸገማት ዘይንፍቀር ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ብቐሊሉ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ሃንደበታዊ ፍጻመ፡ ጓሂ፡ ምስኣን ጥዕና፡ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ወይ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ኣሳልጦ ዘይምርካብ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ኸም ዘየፍቅረና ዀይኑ ኺስምዓና እንተ ጀሚሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ምዃንና፡ ንሱ ድማ ‘ብየማነይቲ ኢድና ሒዙ’ ኸም ዚሕግዘና ኽንዝክር ኣሎና። ንዕኡ እሙናት እንተ ዄንና፡ ፈጺሙ ኣይኪርስዓናን እዩ።—ኢሳ. 41:13፣ 49:15

3. እታ የሆዋ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ዘይተቋርጽ ምዃና ምእንቲ ኽንተኣማመን፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

3 እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ውልቀ ሰባት፡ ኣምላኽ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ምሳታቶም ከም ዚኸውን ርግጸኛታት እዮም ነይሮም። ንሕና እውን እንተ ዀንና፡ የሆዋ ምሳና ኸም ዚኸውን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (መዝ. 118:6, 7) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ብኸመይ ከም እተራእየ ኸተጕልሕ እያ፦ (1) ኣብ ፍጥረት፡ (2) ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ፡ (3) ኣብ ጸሎት፡ ከምኡ እውን (4) ኣብ በጅነት የሱስ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ሰናይ ነገራት ምስትንታን፡ ነቲ ብዛዕባ እታ ዘይተቋርጽ ፍቕሩ ዘሎና ሞሳ ኼዕብዮ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 77:11, 12 ኣንብብ።

ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ኣስተንትን

4. ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ምስትንታንና፡ እንታይ ክንግንዘብ እዩ ዚሕግዘና፧

4 ኣብቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ነገራት፡ እታ ንዓና ዘላቶ ዘይተቋርጽ ፍቕሩ ኽንርእያ ንኽእል ዲና፧ እወ ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ፍጥረት ንባዕሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ እዩ። (ሮሜ 1:20) የሆዋ ንምድሪ፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጸገም ክንነብርን ክንስስንን ዜኽእለና ስርዒት ኢኮ ኸም ዚህልዋ ገይሩ እዩ ፈጢርዋ። ይኹን እምበር፡ ብህይወት ከም እንቕጽል ገይሩ ጥራይ ኣይኰነን ፈጢሩና። ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፡ ክንበልዕ ኣሎና። የሆዋ ድማ፡ ምድሪ ንምግቢ ዚኸውን እተፈላለየ ዓይነት ኣትክልቲ ኸም እተብቍል ገይሩ እዩ ፈጢሩዋ። ብዘይካዚ፡ ምግቢ ምብላዕ ባህ ከም ዜብለናን ከም ዜዕግበናን ገይሩ እዩ ፈጢሩና። (መክ. 9:7) ካትሪን ዝስማ ሓንቲ ሓብቲ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ወቕቲ ጽድያ ዚርአ ፍጥረታት ምዕዛብ ባህ እዩ ዜብላ፣ ኣብ ካናዳ፡ እቲ ወቕቲ እቲ፡ ውርጪ መኺኹ፡ ዕምባባታትን ኣእዋምን ኪጥጥዕ ዚጅምረሉን ባህ ዜብል ትርኢት ዚርኣየሉን እዋን እዩ። ካትሪን ከምዚ በለት፦ “ኵሉ ነገር እንደገና ናብቲ ዝነበሮ ዚምለሰሉ መገዲ ኣዝዩ እዩ ዜደንቐኒ፣ ዕምባባታት ኣብ ልክዕ እዋኑ ኻብ መሬት ኪዕምብብ ከሎ፡ ኣዕዋፍ ካብቲ ኸይደናኦ ዝነበራ ኺምለሳ ኸለዋ፡ እታ ደቃቕ ዝዀነት ሃሚንግበርድ እትብሃል ዑፍ እውን እንተ ዀነት ናብቲ ኣብ መስኰት ክሽነይ ዘቐመጥኩላ ምግቢ ኽትመጽእ ከላ ኽርኢ ኸለኹ፡ ኣዝየ እየ ዝግረም። የሆዋ ኽንድዚ ባህ ዜብል ነገራት ዚህበና፡ ስለ ዜፍቅረና እዩ።” እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ብፍጥረታቱ ባህ ይብሎ እዩ፣ ንሕና እውን ብፍጥረታቱ ኽንሕጐስ ይደልየና እዩ።—ግብ. 14:16, 17

5. ፍቕሪ የሆዋ ኣብቲ ደቂ ሰብ እተፈጥሩሉ መገዲ እተንጸባረቐት ብኸመይ እያ፧

5 የሆዋ፡ ውጽኢታውን ትርጉም ዘለዎን ባህ ዜብለናን ዕዮ ኽንዓዪ ኸም እንኽእል ገይሩ እዩ ፈጢሩና። (መክ. 2:24) ዕላማኡ፡ ደቂ ሰብ ንምድሪ ኺመልኡዋን ኪመልኩዋን፡ ንዓሳን ንኣዕዋፍን ንኻልኦት ህያዋን ፍጥረታትን ድማ ኪገዝኡ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 1:26-28) ብዘይካዚ፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ዜኽእለና ባህርያት ብምሃብ እዩ ፈጢሩና።—ኤፌ. 5:1

ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ኣኽቢርካ ርኣዮ

6. ንቓል ኣምላኽ ዓሚቝ ሞሳ ኺህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

6 ኣምላኽ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ብምሃብ፡ እታ ዓባይ ፍቕሩ ኣርእዩና እዩ። ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባኡ ኽንፈልጦ ዘሎና ነገራትን ምስ ደቂ ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ርክብን ይገልጸልና እዩ። ንኣብነት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ነቶም ብተደጋጋሚ ዘይእዘዝዎ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብኸመይ ከም ዝሓዞም ይነግረና እዩ። መዝሙር 78:38፡ “ንሱ ግና መሓሪ ዀይኑ፡ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡ ኣየጥፍኦምን ከኣ፡ ንዅራኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፡ ንዅሉ ቝጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን” ትብል። ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንተ ኣስተንቲንካ፡ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዜፍቅረካን ከም ዚሓልየልካን ንኽትግንዘብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ምዃንካ ተኣማመን።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7 ኣንብብ።

7. ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ኣምላኽ ብቐንዱ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ስለ ዚዛረበና፡ ንቓል ኣምላኽ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። ወለድን ውሉዳትን ትርጉም ብዘለዎን ርሕራሐ ብዚንጸባረቖን መገዲ እሂን ምሂን ኪባሃሃሉ ኸለዉ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ተኣማንነትን ፍቕርን እዮም ዜደልድልዎ። ምስ የሆዋ ብዚተሓሓዝከ እንታይ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧ ብዓይንና እኳ እንተ ዘይረኣናዮ፡ ንድምጹ ድማ ብኣእዛንና እኳ እንተ ዘይሰማዕናዮ፡ በቲ መንፈሱ ዝነፈሶ ቓሉ ኣቢሉ ብምሳልያዊ መገዲ ይዛረበና እዩ፣ ስለዚ፡ ክንሰምዖ ኣሎና። (ኢሳ. 30:20, 21) የሆዋ፡ ርእስና ዝወፈና ህዝቡ ስለ ዝዀንና፡ ኪመርሓናን ካብ ጕድኣት ኬዕቍበናን ይደሊ እዩ። ክንፈልጦን ኣብኡ ኽንውከልን እውን ይደልየና እዩ።—መዝሙር 19:7-11፣ ምሳሌ 1:33 ኣንብብ።

ዮሳፋጥ ብየሁ ኺምከር እኳ እንተ ኣድለዮ፡ የሆዋ ንንጉስ ዮሳፋጥ “ጽቡቕ ነገር” ረኺቡሉ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8, 9 ርአ)

8, 9. የሆዋ እንታይ ክንፈልጥ እዩ ዚደሊ፧ ነዚ ነጥቢ እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚርከብ ኣብነት ኣብርሃዮ።

8 የሆዋ፡ ፈቃርን ኣብ ዘይፍጽምናና ዘየተኵርን ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኽንግንዘብ ይደልየና እዩ። ነቲ እንገብሮ ሰናይ ነገራት ኪረክብ እዩ ዚጽዕር። (2 ዜና 16:9) ንኣብነት፡ ኣብ ጕዳይ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ዮሳፋጥ ከምኡ እዩ ገይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ዮሳፋጥ ምስቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ኣከኣብ ብሓባር ኰይኑ ናብ ውግእ ኪኸይድ ብምስምማዕ፡ ዕሽነት ገበረ፣ ዕላማ እቲ ውግእ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ካብ ኢድ ሶርያውያን ንምምላስ እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ 400 ናይ ሓሶት ነብያት ነቲ እኩይ ዝነበረ ኣከኣብ ከም ዚዕወት እንተ ኣረጋገጹሉ፡ እቲ ናይ ሓቂ ነብዪ የሆዋ ዝነበረ ሚክያስ ግና፡ ብርግጽ ከም ዚስዓሩ ተነበየ። ኣከኣብ ድማ ኣብቲ ውግእ ሞተ፣ ዮሳፋጥ ከኣ ንስክላ ኣምለጠ። ዮሳፋጥ ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሰ፡ ምስ ኣከኣብ ስለ ዝሓበረ ሓያል መግናሕቲ ተዋህቦ። ኰይኑ ግና፡ የሁ ወዲ ሓናኒ እቲ ረኣዪ ንዮሳፋጥ፡ “ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ አሎ” በሎ።—2 ዜና 18:4, 5, 18-22, 33, 34፣ 19:1-3

9 ዮሳፋጥ ኣብ መጀመርታ እዋን ንግስናኡ፡ መሳፍንትን ሌዋውያንን ካህናትን ናብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ብምኻድ፡ ንተገዛእቱ ብዛዕባ ሕጊ የሆዋ ኸም ዚምህርዎም ገይሩ ነይሩ እዩ። እቲ ወፈራ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣህዛብ ንየሆዋ ኺፈርህዎ ጀመሩ። (2 ዜና 17:3-10) እወ፡ ዮሳፋጥ ዕሽነት እኳ እንተ ገበረ፡ የሆዋ ግና ነቲ ዝገበሮ ሰናይ ነገራት ኣስተብሂሉሉ እዩ። እዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኸነሐጕሶ ብምሉእ ልብና እንተ ጽዒርና፡ ወትሩ ኸም ዜፍቅረና እዩ ዜዘኻኽረና።

ነቲ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ጸሎት ኣማስወሉ

10, 11. (ሀ) ጸሎት፡ የሆዋ ዝሃበና ፍሉይ መሰናድዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ንጸሎትና ብኸመይ እዩ ኺምልሰልና ዚኽእል፧ (ኣብ ገጽ 9 ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 ሓደ ፈቃር ኣቦ፡ ደቁ ኺዛረብዎ ኺደልዩ ኸለዉ፡ ግዜ ወሲዱ ይሰምዖም እዩ። ኣብ ልቦም ብዛዕባ ዘሎ ነገራት ስለ ዚግደስ፡ ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስቦምን ዜጨንቖምን ጕዳያት ኪፈልጥ ይደሊ እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ እውን፡ በቲ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ጸሎት ኣቢልና ኽንቀርቦ ኸለና ይሰምዓና እዩ።

11 ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ምስ ጸሎት ብዚተሓሓዝ፡ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ቐይዲ ኣይገበረን። ንሱ፡ ወትሩ ንኺሰምዓና ፍቓደኛ ዝዀነ ዓርክና እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ቴሊን፡ “ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ናይ ልብኻ ኣውጺእካ ኽትዛረቦ ትኽእል ኢኻ” በለት። ብጸሎት ኣቢልና ንኣምላኽ ናይ ውሽጥና ኽንነግሮ ኸለና፡ ብጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጽሔትና ብዚወጽእ ዓንቀጽ፡ ወይ ከኣ ካብ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ብዚመጽእ ዜተባብዕ ቃላት ኣቢሉ ኺምልሰልና ይኽእል እዩ። የሆዋ ንልመናና ይሰምዖ እዩ፣ ስምዒትና ዚርድኣልና ሰብ ኣብ እንስእነሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንሱ ንውሽጣዊ ስምዒትና ይፈልጦ እዩ። ንጸሎትና ብምምላስ ድማ፡ ነታ ዘይተቋርጽ ፍቕሩ የርእየና እዩ።

12. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸሎት ክንምርምሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

12 ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸሎት፡ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ሓድሓደ ሳዕ ነቲ ጸሎት ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትና ምምርማርና ጠቓሚ እዩ። ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ ናይ ልቦም ኣውጺኦም ንኣምላኽ ከም እተዛረብዎ ነስተንትን እንተ ዄንና፡ ንጸሎትና ኸነመሓይሾ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ገዚፍ ዓሳ ዀይኑ ብእተጸጸተ ልቢ ዘቕረቦ ጸሎት ሕሰብ። (ዮና. 2:1-10) ነቲ ሰሎሞን ኣብ ጽምብል ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት እውን መርምሮ። (1 ነገ. 8:22-53) ነታ የሱስ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ ዝሃበና ጸሎት ኣስተንትነላ። (ማቴ. 6:9-13) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ‘ብዛዕባ ዅሉ ነገር ልማኖኻ ወትሩ ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ።’ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ‘እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብኻን ንኣእምሮኻን ኪሕልዎ እዩ።’ ነታ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ድማ ኪዓቢ እዩ።—ፊል. 4:6, 7

ንበጅነት የሱስ ሞሳኻ ኣርኢ

13. ንደቂ ሰብ ሳላ እቲ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ በጅነት የሱስ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱሎም፧

13 እቲ የሆዋ ብጸጋ ዝሃበና መስዋእታዊ በጃ የሱስ፡ “ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ” እዩ ተዋሂቡና። (1 ዮሃ. 4:9) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ዝበለጸ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ክርስቶስ ብግዜኡ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ። ምእንቲ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፣ ምእንቲ ሕያዋይ ኪመውት ዚደፍርሲ ምናልባት ኣይሰኣንን ይኸውን። ግናኸ፡ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:6-8) ሳላ እዚ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞገስ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም እዩ።

14, 15. በጅነት የሱስ (ሀ) ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ (ለ) ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት፡ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

14 የሆዋ ንሒደት ክርስትያናት፡ ነታ ዘይተቋርጽ ፍቕሩ ብፍሉይ መገዲ ኣርእይዎም እዩ። (ዮሃ. 1:12, 13፣ 3:5-7) እቶም ክርስትያናት ብመንፈስ ቅዱስ ስለ እተቐብኡ፡ “ውሉዳት ኣምላኽ” ኰይኖም እዮም። (ሮሜ 8:15, 16) ጳውሎስ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘለዎም ሓድነት ከም ዝተንስኡን ኣብ ሰማያት ከም እተቐመጡን’ ገሊጹ ነበረ። (ኤፌ. 2:6) ቅቡኣት ከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ቦታ ኺህልዎም ዝኸኣለ፡ ‘በቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ስለ እተሓትሙ እዩ፣ እዚ ኸኣ ዕርቡን ርስቶም፡’ ማለት ‘ኣብ ሰማያት ተነቢሩሎም ዘሎ ተስፋ እዩ።’—ኤፌ. 1:13, 14፣ ቈሎ. 1:5

15 እቶም ኣብ በጅነት የሱስ ዚኣምኑ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ መጻኢ ድማ ውሉዳት ኣምላኽ ናይ ምዃንን ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባርን ተስፋ ኣለዎም። ስለዚ፡ የሆዋ በቲ በጃ ኣቢሉ ንዅሎም ደቂ ሰብ ፍቕሩ የርእዮም ኣሎ። (ዮሃ. 3:16) ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ተስፋ ንገብርን ንየሆዋ ብተኣማንነት ነገልግሎን እንተ ዄንና፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ባህ ዜብል ህይወት ከም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ንበጅነት የሱስ ከም ዝዓበየ መግለጺ እታ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣምላኽ ጌርና ኽንርእዮ ግቡእ እዩ።

ንፍቕሪ የሆዋ ምላሽ ሃበሉ

16. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ፍቕሩ ዘርኣየሉ መገድታት ምስትንታንና፡ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧

16 ነቲ የሆዋ ንዓና ዘይተቋርጽ ፍቕሩ ዘርኣየሉ መገድታት፡ ቈጺርና ኽንውድኦ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ “ዎ ኣምላኽ፡ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፡ ቍጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፡ ካብ ሑጻ ይበዝሕ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 139:17, 18) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ፍቕሩ ዘርኣየሉ መገድታት ምስትንታንና፡ ንዕኡ ብዝያዳ ንኸነፍቅሮ ኺድርኸና እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ዘዝበለጸ ንየሆዋ ኽንህቦ ንጽዓር።

17, 18. ገለ ኻብቲ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ኸነርእየሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

17 ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ኸነርእየሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ብምክፋል፡ ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ንእምነትና ዚፍትን ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ብተጻዋርነት ብምሕላፍ ንጽህናና እንተ ሓሊና፡ ንየሆዋ ብሓቂ ኸም እነፍቅሮ ኢና እነርኢ። (መዝሙር 84:11፣ ያእቆብ 1:2-5 ኣንብብ።) እቲ ፈተናታት እንተ ኸቢዱና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ስለ ዝዀንና፡ ንሱ ንመከራና ኸም ዚርድኦን ከም ዚሕግዘናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝ. 56:8

18 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ብዛዕባ ፍጥረታቱን ብዛዕባ ኻልእ ዜደንቕ ግብርታቱን ከነስተንትን ትድርኸና እያ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ነጽንዖ እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮን ንቓሉ ኸም እነኽብሮን ኢና እነርኢ። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ብጸሎት ኣቢልና ናብኡ ኸም እንቐርብ ትገብረና እያ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ምእንቲ ሓጢኣትና ተባሂሉ ዝቐረበ መስዋእታዊ በጃ ኸነስተንትን ከለና፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት ክትከይድ እያ። (1 ዮሃ. 2:1, 2) እዚ ገለ ኻብቲ ነታ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ የሆዋ ምላሽ ክንህበሉን ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ኸነርእየሉን እንኽእል መገድታት እዩ።